ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 5

ካብ ዓለም ብኸመይ ትፍለ፧

ካብ ዓለም ብኸመይ ትፍለ፧

“ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን።”—ዮሃንስ 15:19

1. የሱስ ኣብታ ድሮ ዝሞተላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት እንታይ እዩ ኣተሓሳሲብዎ ነይሩ፧

 የሱስ ኣብታ ድሮ ዝሞተላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሓዲግዎም ኪኸይድ ምዃኑ ይፈልጥ ብምንባሩ፡ ብዛዕባ መጻኢኦም ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ስለዚ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” በሎም። (ዮሃንስ 15:19) ጸኒሑ፡ ብዛዕባኦም ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶም እውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:15, 16) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

2. እታ የሱስ እተዛረበላ “ዓለም” ንምንታይ ተመልክት፧

2 ኣብዚ እታ “ዓለም” እትብል ቃል ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ዘለዉን ሰባት ተመልክት። (ዮሃንስ 14:30፣ ኤፌሶን 2:2፣ ያእቆብ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:19) እሞ ደኣ ብኸመይ ኢና ‘ኻብ ዓለም ዘይንኸውን፧’ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ገለ መገድታት ክንርኢ ኢና፦ ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ንኸውን ኢና፣ ኣብ ፖለቲካ ምስ ገሊኡ ብዘይምውጋን ድማ ገለልተኛታት ንኸውን ኢና። ንመንፈስ ዓለም ንጻረሮ ኢና። ንኣከዳድናናን ንኣመለኻኽዓናን ትሕትና ዜርኢ ንገብሮ ኢና። ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንሕዝ ኢና። ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወልና ኣጽዋር ከኣ ንለብስ ኢና።—ተወሳኺ ሓበሬታ 16 ርአ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ እሙን ኩን

3. የሱስ ብዛዕባ ፖለቲካ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧

3 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰባት ብዙሕ ጸገማት ከም ዝነበሮም፡ ህይወቶም እውን ቀሊል ዘይምንባሩ ርእዩ እዩ። ብዛዕባኦም ካብ ልቡ ይሓሊ ብምንባሩ፡ ኪሕግዞም ይደሊ ነይሩ እዩ። ግናኸ፡ ፖለቲካዊ መራሒ ዀይኑዶ፧ ኣይኰነን። ንሰባት ብሓቂ እተድልዮም መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ቀንዲ ፍረ ነገር ስብከቱ፡ እታ ንጉስ ኰይኑ ዚገዝኣላ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ነይራ። (ዳንኤል 7:13, 14፣ ሉቃስ 4:43፣ 17:20, 21) የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኣይኣተወን፣ ወትሩ ገለልተኛ እዩ ነይሩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዚብሃል ሮማዊ ሹም ምስ ቀረበ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢልዎ እዩ። (ዮሃንስ 18:36) ደቀ መዛሙርቱ እውን ገለልተኛታት እዮም ነይሮም። ኦን ዘ ሮድ ቱ ሲቪላይዜሽን ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ “ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይሕዙን ነበሩ” ትብል። ሎሚ እውን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከምኡ እዮም ዚኣምኑ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ንድግፍ ኢና፣ ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም እውን ገለልተኛታት ኢና።—ማቴዎስ 24:14

ንመንግስቲ ኣምላኽ ስለምንታይ ብተኣማንነት ከም እትድግፍ ክትገልጽ ትኽእል ዲኻ፧

4. ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፉ ብኸመይ እዮም፧

4 ኣምባሳደራት ኣብ ወጻኢ ሃገር ኰይኖም ንመንግስቶም ስለ ዚውክሉ፡ ኣብ ፖለቲካ እታ ዚነብሩላ ሃገር ኣይኣትዉን እዮም። እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ንምግዛእ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እዮም ዘለዉ። ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ “ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኢና” ኢሉ ጽሒፉሎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:20) ቅቡኣት ንመንግስቲ ኣምላኽ ይውክሉ እዮም። ኣብ ፖለቲካውን መንግስታውን ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኣትዉን እዮም። (ፊልጲ 3:20) የግዳስ፡ ንሚልዮናት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይምህሩ እዮም። እቶም ኣብታ ኣምላኽ ዜቝማ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ድማ፡ ነቶም ቅቡኣት ይድግፍዎም እዮም። ካብ ፖለቲካ እውን ገለልተኛታት እዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:31-40) እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኣብ ፖለቲካ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኣቱን እዩ።ኢሳይያስ 2:2-4 ኣንብብ።

5. ሓደ ኻብቲ ክርስትያናት ኣብ ውግእ ዘይሳተፉሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

5 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንዅሎም እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ከም ኣባላት ስድራ ቤቶም ገይሮም እዮም ዚርእይዎም፣ ሃገሮም ወይ ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ እውን ምሳታቶም ሓድነት ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 1:10) ኣብ ውግእ እንሳተፍ እንተ ንኸውን ኔርና፡ ምስቶም የሱስ ከነፍቅሮም ዝኣዘዘና ኣባላት ስድራ ቤትና ወይ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ምተዋጋእና። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ 1 ዮሃንስ 3:10-12) ብዘይካዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ንጸላእቶም ኬፍቅሩ ኣዚዝዎም እዩ።—ማቴዎስ 5:44፣ 26:52

6. ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ብዛዕባ መንግስትታት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧

6 ክርስትያናት ብምዃንና ገለልተኛታት እኳ እንተ ዀንና፡ ንፉዓት ዜጋታት ንምዃን ኣበርቲዕና ንዓዪ ኢና። ንኣብነት፡ ሕግታት ብምሕላውን ግብሪ ብምኽፋልን፡ ንመንግስቲ ኣኽብሮት ነርኢ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ወትሩ “ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ” ንህብ ኢና። (ማርቆስ 12:17፣ ሮሜ 13:1-7፣ 1 ቈረንቶስ 6:19, 20) ኣብዚ፡ “ናይ ኣምላኽ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንዕኡ ዘሎና ፍቕርን ተኣዛዝነትን ኣምልኾን የጠቓልል። ትእዛዝ የሆዋ ምእንቲ ኸይንጥሕስ፡ ህይወትና እውን ከይተረፈ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኢና።—ሉቃስ 4:8፣ 10:27፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ ሮሜ 14:8 ኣንብብ።

ን“መንፈስ ዓለም” ተጻረሮ

7, 8. “መንፈስ ዓለም” እንታይ እዩ፧ ንሰባትከ ብኸመይ ይጸልዎም፧

7 ካብ ናይ ሰይጣን ዓለም እተፈለና ምእንቲ ኽንከውን፡ “መንፈስ ዓለም” ኪቈጻጸረና ኣይነፍቅድን ኢና። እቲ መንፈስ እቲ፡ ካብ ሰይጣን ዝምንጩ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን እዩ፣ ነቶም ንየሆዋ ዘየገልግሉ ድማ ይቈጻጸሮም እዩ። ክርስትያናት ግና ነዚ ኣረኣእያ እዚ ይጻረርዎ እዮም። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ “እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን።”—1 ቈረንቶስ 2:12፣ ኤፌሶን 2:2, 3ተወሳኺ ሓበሬታ 17 ርአ።

8 መንፈስ ዓለም ንሰባት፡ ፈተውቲ ርእሶምን ዕቡያትን ዓለወኛታትን ይገብሮም እዩ። ንኣምላኽ ኪእዘዝዎ ኸም ዘይብሎም ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ይገብር እዩ። ሰይጣን ንሰባት፡ ብዛዕባ ሳዕቤናት ተግባራቶም ከይገደሶም ቃሕ ዝበሎም ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም። “ትምኒት ስጋን ትምኒት ኣዒንትን” ኣብ ህይወት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኪኣምኑ እዩ ዚደልዮም። (1 ዮሃንስ 2:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ድያብሎስ ንኣገልገልቲ የሆዋ ኼስሕቶምን ብኣተሓሳስባኡ ኺሓብሎምን ሒዅ እዩ ዚብል ዘሎ።—ዮሃንስ 8:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:10፣ 1 ዮሃንስ 3:8

9. መንፈስ ዓለም ብኸመይ ኪጸልወና ይኽእል፧

9 መንፈስ ዓለም ከምዚ እነስተንፍሶ ኣየር ኣብ ዙርያና ኣሎ። ነቲ መንፈስ እቲ ንምጽራሩ ዚከኣለና ዅሉ እንተ ዘይጌርና፡ ኪጸልወና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 4:23 ኣንብብ።) እዚ ኸኣ ንጹህ ብዚመስል መገድታት ኪጅምር ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፡ ብኣተሓሳስባን ብኣረኣእያን እቶም ንየሆዋ ዘየምልኹ ሰባት ክንጽሎ ንጅምር። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ወይ ከኣ ብስእለ ጽዩፍ፡ ብኽሕደት፡ ወይ ብርቱዕ ውድድር ብዘለዎ ስፖርት ክንጽሎ ንጅምር።—ተወሳኺ ሓበሬታ 18 ርአ።

10. ንመንፈስ ዓለም ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧

10 ከመይ ጌርና ደኣ ኢና መንፈስ ዓለም ከም ዘይቈጻጸረና ኽንገብር እንኽእል፧ ናብ የሆዋ ኽንለግብን ብጥበቡ ኽንምራሕን ኣሎና። መንፈስ ቅዱስ ኪህበና ብቐጻሊ ኽንጽሊ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ እውን ብዙሕ ኽንዓዪ ኣሎና። የሆዋ ኻብ ኵሉ ይሕይል እዩ። ንመንፈስ ዓለም ክንጻረሮ ኸም ዚሕግዘና ድማ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ዮሃንስ 4:4

ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ ዜኽብሮ ይኹን

11. መንፈስ ዓለም ንኣከዳድና ሰባት ብኸመይ ጸልይዎ ኣሎ፧

11 ብኣከዳድናናን ብኣመለኻኽዓናን እውን ካብ ዓለም ዘይምዃንና ነርኢ ኢና። ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ኣትኵሮ ንምስሓብ፡ ብዕሉግ ሓሳባት ንምልዕዓል፡ ካብ ማሕበረሰብ ከም ዝዓለዉ ንምግላጽ፡ ወይ ገንዘቦም ንምርኣይ ይኽደኑ እዮም። ገሊኦም ሰባት ከኣ ንትርኢቶም ግዲ የብሎምን። ስለዚ፡ ወዛላት ወይ ረሳሓት እዮም። እዚ ኣረኣእያታት እዚ ነቲ ብዛዕባ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን እንገብሮ ምርጫ ኺጸልዎ ኣይነፍቅድን ኢና።

ብኣከዳድናይ ንየሆዋ አኽብሮ ድየ፧

12, 13. እንታይ ስርዓታት እዩ ንኣከዳድናና ኺጸልዎ ዚግባእ፧

12 ኣገልገልቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ወትሩ ጽፉፍን ጽሩይን ባህ ዜብልን ነቲ ኣጋጣሚ ዚግባእን ክዳውንቲ ኢና እንኽደን። “ንኣምላኽ ተወፋይነት” ከም ዘሎና ንምርኣይ፡ “ትሕትናን ልብምናን” ብዜርኢ መገዲ ኢና እንኽደን።—1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10፣ ይሁዳ 21

13 ኣከዳድናና ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ የሆዋን ህዝቡን ዘለዎም ኣረኣእያ ይጸልዎ እዩ። “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ” ክንገብር ንደሊ ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:31) ትሕትና ኺብሃል ከሎ፡ ንስምዒታትን ንርእይቶታትን ካልኦት ምኽባር የጠቓልል። ስለዚ፡ ክዳውንቲ ኽንመርጽ ከለና ወይ ከመይ ክንመስል ከም እንደሊ ኽንውስን ከለና፡ ምርጫና ንኻልኦት ሰባት ከም ዚጸልዎም ኣይንርስዕን ኢና።—1 ቈረንቶስ 4:9፣ 2 ቈረንቶስ 6:3, 4፣ 7:1

14. ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት እንኽደኖ ኽዳውንቲ ኽንመርጽ ከለና፡ እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧

14 ኣብ ኣኼባታት ወይ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸመይ ኢና እንኽደን፧ እምብዛ ኣትኵሮ ንስሕብ ዲና፧ ኣከዳድናና ንኻልኦት ዜሕፍር ድዩ፧ ኣከዳድናና ናይ ውልቅና ጕዳይ ከም ዝዀነ ደኣ እምበር፡ ንዋላ ሓደ ኸም ዘይምልከቶ ድዩ ዚስምዓና፧ (ፊልጲ 4:5፣ 1 ጴጥሮስ 5:6) ልክዕ እዩ፡ ጽቡቕ ትርኢት ኪህልወና ንደሊ ኢና፣ ብሓቂ ጽቡቓት ዚገብረና ግና ክርስትያናዊ ባህርያትና እዩ። የሆዋ እውን ኪምርምረና ኸሎ፡ ነዚ ባህርያት እዚ እዩ ዚርኢ። እዚ ባህርያት እዚ፡ ውሽጣዊ እንታይነትና፡ ማለት “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ . . . ኣብ ልቢ ዘሎ ሕቡእ ሰብ” ከመይ ከም ዝዀነ የርኢ እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:3, 4

15. የሆዋ ብዛዕባ ኣከዳድናናን ትርኢትናን ዝርዝር ሕጊ ዘይሃበና ስለምንታይ እዩ፧

15 የሆዋ ብዛዕባ ኣከዳድናና ዝርዝር ሕግታት ኣይሃበናን። የግዳስ፡ ጽቡቕ ምርጫ ኽንገብር ዚሕግዘና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ሂቡና። (እብራውያን 5:14) ንእንገብሮ ዓበይቲ ዀነ ንኣሽቱ ውሳነታት ድማ፡ ኣብቲ ንዕኡን ንኻልኦትን ዘሎና ፍቕሪ ተመርኲስና ኽንገብሮ እዩ ዚደሊ። (ማርቆስ 12:30, 31 ኣንብብ።) ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ኸከም ባህሎምን ከከም ውልቃዊ ድሌቶምን እተፈላለየ ኣከዳድና እዩ ዘለዎም። እዚ ፍልልያት እዚ ባህ ዜብልን መንፈስ ዜሐድስን እዩ።

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

16. ዓለም ብዛዕባ ገንዘብ ዘለዋ ኣረኣእያ ምስቲ የሱስ ዝመሃሮ ዚጋጮ ብኸመይ እዩ፧ ንርእስናኸ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

16 ሰይጣን ንሰባት፡ ገንዘብን ስጋዊ ነገራትን ሓጐስ ከም ዜምጽእ ገይሮም ኪሓስቡ እዩ ዚደልዮም፣ ኣገልገልቲ የሆዋ ግና እዚ ሓሳብ እዚ ሓቂ ዘይምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ነቲ የሱስ፡ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ንኣምነሉ ኢና። (ሉቃስ 12:15) ገንዘብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣየምጽኣልናን እዩ። ናይ ሓቂ ፈተውቲ፡ ናይ ሓቂ ኣእምሮኣዊ ሰላም፡ ወይ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይህበናን እዩ። ልክዕ እዩ፡ ስጋዊ ነገራት ከም ዜድልየና፡ ንህይወት እውን ከነስተማቕራ ኸም እንደሊ ኣይንኽሕዶን ኢና። የሱስ ግና፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ እንተ ኣልዩናን ንኣምልኾና ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንተ ሂብናዮን፡ ሕጉሳት ከም እንኸውን ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 5:3፣ 6:22፡ እግረ ጽሑፍ) እምበኣር፡ ንርእስኻ፡ ‘ዓለም ብዛዕባ ገንዘብ ዘለዋ ኣረኣእያ ጸልዩኒ ድዩ፧ ሓሳበይ ወይ ዘረባይ ብቐንዱ ኣብ ገንዘብ ድዩ ዜተኵር፧’ ኢልካ ሕተታ።—ሉቃስ 6:45፣ 21:34-36፣ 2 ዮሃንስ 6

17. ነቲ ዓለም ብዛዕባ ገንዘብ ዘለዋ ኣረኣእያ እንተ ነጺግናዮ፡ ህይወትና ብኸመይ ይመሓየሽ፧

17 ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል እንተ ኣተኲርናን ነቲ ዓለም ብዛዕባ ገንዘብ ዘለዋ ኣረኣእያ እንተ ነጺግናዮን፡ ህይወትና ትርጉም ዘለዎ እዩ ዚኸውን። (ማቴዎስ 11:29, 30) ዕግበት ይህልወና፡ ኣእምሮናን ልብናን እውን ሰላም ይረክብ። (ማቴዎስ 6:31, 32፣ ሮሜ 15:13) ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ብዙሕ ኣይንጭነቕን። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10 ኣንብብ።) ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ ከኣ ንረክብ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ኣነባብራና ምስቶም እንፈትዎም ሰባት ዝያዳ ግዜ ኽንረክብ የኽእለና። ድቃስና እውን ጥዑም ይኸውን።—መክብብ 5:12

“ምሉእ ኣጽዋር”

18. ሰይጣን እንታይ ኪገብር ይጽዕር ኣሎ፧

18 ሰይጣን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሽዎ ይጽዕር ኣሎ፣ ስለዚ፡ ንምሕላዉ ዚከኣለና ዅሉ ኽንገብር ኣሎና። ምስ “እኩያት መናፍስቲ” ቓልሲ ኣሎና። (ኤፌሶን 6:12) ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ክንሕጐስ ወይ ንዘለኣለም ክንነብር ኣይደልዩናን እዮም። (1 ጴጥሮስ 5:8) እዞም ሓያላት ጸላእቲ እዚኦም፡ ይቃለሱና ኣለዉ፣ ብሓገዝ የሆዋ ግና ኣብቲ ቓልሲ ኽንዕወት ንኽእል ኢና።

19. ኣብ ኤፌሶን 6:14-18፡ ክርስትያናት ዚለብስዎ “ኣጽዋር” ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

19 ብግዜ ጥንቲ፡ ወተሃደራት ኣብ ዓውደ ዂናት ንገዛእ ርእሶም ንምዕቋብ ኣጽዋር ይለብሱ ነይሮም እዮም። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ዝሃበና “ኣጽዋር” ክንለብስ ኣሎና። (ኤፌሶን 6:13) እቲ ኣጽዋር፡ ካብ መጥቃዕቲ የዕቍበና እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣጽዋር፡ ኣብ ኤፌሶን 6:14-18 ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “እምበኣር፡ ሕቘኹም ብዕጣቕ ሓቂ ተዓጢቕኩም፡ ድርዒ ጽድቂ እውን ተኸዲንኩም ጸኒዕኩም ቁሙ፣ ኣብ ኣእጋርኩም ከኣ ነቲ ብስራት ሰላም ንምብሳር ዘሎኩም ድሉውነት ከም ኣሳእን ውደዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ፡ ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት እቲ እኩይ ከተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዓብዪ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ ድማ ኣእትዉ፣ ናይ መንፈስ ሰይፊ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ እውን ሓዙ፣ ብዅሉ ጸሎትን ምህለላን ከኣ ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ።”

20. “ኣጽዋርና” ምእንቲ ኺከላኸለልና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

20 ወተሃደር ሓደ ኻብ ኣጽዋሩ እንተ ረሲዑ እሞ ገለ ኽፋል ሰብነቱ ንመጥቃዕቲ እንተ ተቓሊዑ፡ ጸላኢ ኣብቲ ኣካሉ እቲ እዩ ዜጥቅዖ። “ኣጽዋርና” ኺከላኸለልና እንተ ደሊና፡ ዋላ ሓደ ኻብኡ ኽንርስዕ የብልናን። ወትሩ ንብምሉኡ ኽንክደኖንን ደረጃኡ ኸየንቈልቍል ክንከናኸኖን ኣሎና። ናይ ሰይጣን ዓለም ክሳዕ እትጠፍእ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ድማ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዚውገዱ፡ ቃልስና ኪቕጽል እዩ። (ራእይ 12:17፣ 20:1-3) ስለዚ፡ ምስ ግጉይ ትምኒታት ወይ ምስ ገለ ድኽመት ንቃለስ እንተ ኣሊና፡ ክንሕለል የብልናን።—1 ቈረንቶስ 9:27

21. ኣብ ቃልስና ኸመይ ጌርና ኽንዕወት ንኽእል፧

21 በይንና ንድያብሎስ ከነሰንፎ ኣይንኽእልን ኢና። ብሓገዝ የሆዋ ግና፡ ንኽእል ኢና! እሙናት ምእንቲ ኽንከውን፡ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ፡ ቃሉ ኸነጽንዕ፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ክንሓብር ኣሎና። (እብራውያን 10:24, 25) እዚ ድማ ንኣምላኽ እሙናት ክንከውንን ንእምነትና ንምክልኻል ድሉዋት ክንከውንን ይሕግዘና እዩ።

ንእምነትካ ንምክልኻል ድሉው ኩን

22, 23. (ሀ) ንእምነትና ንምክልኻል ወትሩ ድሉዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

22 ንእምነትና ንምክልኻል ወትሩ ድሉዋት ክንከውን ኣሎና። (ዮሃንስ 15:19) ኣብ ገሊኡ ጕዳያት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መብዛሕትኦም ሰባት እተፈልየ መትከል እዩ ዘለዎም። ስለዚ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ስለምንታይ ነዚ መትከል እዚ ኸም ዝሓዝና ብሓቂ እርድኦ ድየ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስን እሙንን ኣስተውዓልን ባርያን ዚብሎ ቕኑዕ ምዃኑ እኣምነሉ ድየ፧ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃነይ እሕበን ድየ፧ (መዝሙር 34:2፣ ማቴዎስ 10:32, 33) እምነተይ ንኻልኦት ክገልጸሎም እኽእል ድየ፧’—ማቴዎስ 24:45፣ ዮሃንስ 17:17፣ 1 ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ።

23 ኣብ መብዛሕትኡ ዅነታት፡ ካብ ዓለም እተፈለና ንምዃን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ንጹር እዩ። ኣብ ገሊኡ ግና፡ ንጹር ኣይኰነን። ሰይጣን ብእተፈላለየ መገድታት ኣብ መጻወድያ ኼእትወና ይደሊ እዩ። ሓደ ዚጥቀመሉ መጻወድያ ኸኣ፡ መዘናግዒ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና መዘናግዒ ብጥበብ ክንመርጽ እንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ብዛዕባ እዚ ኽንርኢ ኢና።