ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 13

ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧

ኵሉ በዓላት ንኣምላኽ ባህ የብሎ ድዩ፧

“ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ።”—ኤፌሶን 5:10

1. ኣምልኾና ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

 የሱስ፡ “ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንኣቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዜምልኹላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፡ . . . ኣቦስ ከምዚ ዝበሉ ኣምለኽቲ እዩ ዚደሊ ዘሎ” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 4:23፣ 6:44) ነፍሲ ወከፍና ነቲ፡ “ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ” ዚብል ምሕጽንታ ኽንዓይየሉ ኣሎና። (ኤፌሶን 5:10) እዚ ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ሰይጣን ንየሆዋ ባህ ዘየብሎ ነገር ምእንቲ ኽንገብር፡ ኬስሕተና ይፍትን እዩ።—ራእይ 12:9

2. ኣብ ጥቓ ኸረን ሲና እንታይ ከም ዝዀነ ግለጽ።

2 ሰይጣን ከመይ ገይሩ እዩ ኼስሕተና ዚፍትን፧ ሓደ መገዲ፡ ቅኑዕን ጌጋን ከም ዘይንፈሊ ብምግባር እዩ። ኣብ ጥቓ ኸረን ሲና፡ ንህዝቢ እስራኤል እንታይ ከም ዘጋጠሞም እስከ ንርአ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሙሴ ናብቲ ኸረን ደየበ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ክሳዕ ዚምለስ ኣብ ሰፈር ይጽበይዎ ነበሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ምጽባዩ ምስ ሰልከዮም፡ ንኣሮን ዚመርሖም ኣምላኽ ኪገብረሎም ሓተትዎ። ንሱ ድማ ምራኽ ዚመስል ጣኦት ወርቂ ገበረሎም። ሽዑ፡ እቶም ህዝቢ በዓል ገበሩ። ኣብ ዙርያ እቲ ምራኽ ሳዕስዑ፡ ነቲ ምራኽ እውን ሰገዱሉ። ነቲ ምራኽ ኪሰግዱሉ ኸለዉ፡ ንየሆዋ ዜምልኹ ዝነበሩ እዩ መሲልዎም። ነቲ ኣጋጣሚ “ንየሆዋ በዓል” ከም ዝዀነ ገይሮም እኳ እንተ ረኣይዎ፡ እቲ ተግባሮም ግና ቅኑዕ ኣይነበረን። የሆዋ ኸም ኣምልኾ ጣኦት ገይሩ እዩ ርእይዎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሞቱ። (ዘጸኣት 32:1-6, 10, 28) ካብዚ እንታይ ትምሃር፧ ኣይትዓሹ። ‘ርኹስ ኣይትተንኪ፣’ ኣብ መንጎ ቅኑዕን ጌጋን ዘሎ ፍልልይ ድማ ካብ የሆዋ ተምሃር።—ኢሳይያስ 52:11፣ ህዝቅኤል 44:23፣ ገላትያ 5:9

3, 4. መበቈል ሓያሎ ብብዙሓት ዚፍቶ በዓላት ክንምርምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ንሃዋርያቱ ብንጹህ ኣምልኾ ብምምልላስ ኣብነት ኪዀኑ ኣሰልጢንዎም ነይሩ እዩ። ድሕሪ ሞቱ ኸኣ፡ ሃዋርያቱ ንሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ፡ ስርዓታት የሆዋ ይምህሩ ነይሮም እዮም። እቶም ሃዋርያት ምስ ሞቱ ግና፡ ናይ ሓሶት መምህራን ናብ ጉባኤ ግጉይ ሓሳባትን ኣረማዊ ልምድታትን በዓላትን ኬተኣታትዉ ጀሚሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ፡ ንገሊኡ ኣረማዊ በዓላት ክርስትያናዊ ምእንቲ ኺመስል ኢሎም፡ ሓድሽ ስም ኣልቢሶምዎ። (2 ተሰሎንቄ 2:7, 10፣ 2 ዮሃንስ 6, 7) ሓያሎ ኻብዚ በዓላት እዚ፡ ክሳዕ ሕጂ ብብዙሓት ይብዓል ኣሎ፣ ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ናይ ሓሶት እምነታትን ኣጋንንታዊ ተግባራትን ክሳዕ ሕጂ የስፋሕፍሕ ኣሎ። *ራእይ 18:2-4, 23

4 ሎሚ፡ ኣብ መላእ ዓለም፡ ጽምብላትን በዓላትን ኣገዳሲ ኽፋል ህይወት ሰባት ኰይኑ ኣሎ። ኣረኣእያ የሆዋ እናፈለጥካ ምስ ከድካ ግና፡ ብዛዕባ ገሊኡ በዓላት ዘሎካ ኣረኣእያ ኸተዐሪ የድልየካ ይኸውን። እዚ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ፣ የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ ግና ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እምበኣር፡ የሆዋ ብዛዕባ ገሊኡ ብብዙሓት ዚፍቶ በዓላት ከመይ ከም ዚስምዖ ምእንቲ ኺርድኣና፡ መበቈሉ እንታይ ምዃኑ እስከ ንመርምር።

በዓል ልደት ብኸመይ ጀሚሩ፧

5. የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ (ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ ኣብ 29 ታሕሳስ) ከም ዘይተወልደ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

5 ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ዓለም፡ በዓል ልደት ኣብ 25 ታሕሳስ (ብግእዛዊ ኣቈጻጽራ ኣብ 29 ታሕሳስ) እዩ ዚብዓል፣ መብዛሕትኦም ሰባት ከኣ የሱስ በታ ዕለት እቲኣ ኸም እተወልደ እዮም ዚኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ እተወልደላ ዕለት ኰነ ወርሒ ኣይሕብረናን እዩ፣ ኣበየናይ ኽፋል እታ ዓመት ምንባሩ ግና ይሕብረና እዩ። የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ኣብ እተወልደሉ እዋን፡ መጓሰኦም እናሓለዉ “ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት” ከም ዝነበሩ፡ ሉቃስ ጽሒፉ ኣሎ። (ሉቃስ 2:8-11) ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ቍርን ዝናምን ውርጭን ኣሎ፣ ስለዚ፡ ጓሶት ምስ መጓሰኦም ኣብ መሮር ኣይምሓደሩን። ካብዚ እንታይ ክንርዳእ ንኽእል፧ የሱስ ኣብ ታሕሳስ ዘይኰነስ፡ ጥዑም ኵነታት ኣየር ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ተወሊዱ። መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኻዊ መርትዖን እውን፡ የሱስ ኣብ ውሽጢ እቲ ሎሚ መስከረምን ጥቅምትን እንብሎ ኣዋርሕ ከም እተወልደ ይሕብር እዩ።

6, 7. (ሀ) መብዛሕትኡ ኣብ በዓል ልደት ዚዝውተር ልምድታት ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧ (ለ) ህያባት እንዋሃሃበሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይግባእ፧

6 በዓል ልደት ደኣ ብኸመይ እዩ ጀሚሩ፧ ካብ ኣረማዊ በዓላት እዩ መጺኡ፣ ንኣብነት፡ ሳተርን ንዚብሃል ኣምላኽ ሕርሻ ዚግበር ሳተርናሊያ ተባሂሉ ዚጽዋዕ በዓል ሮማውያን ንበዓል ልደት መበቈል ኰይንዎ እዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና ኸምዚ ይብል፦ “እቲ ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ ብሮማውያን ዚኽበር ዝነበረ ሳተርናልያ፡ ንመብዛሕትኡ እዚ ኣብ በዓል ልደት ዚዝውተር ናይ ፈንጠዝያ ልምድታት ሞደል ኰይንዎ እዩ። ንኣብነት፡ ዲቕ ዝበለ ድግስ ምድጋስ፡ ህያብ ምውህሃብ፡ ከምኡ እውን ሽምዓ ምውላዕ፡ ካብዚ በዓል እዚ እተወርሰ እዩ።” ብዘይካዚ፡ ዕለተ ልደት እቲ ሚትራ ዚብሃል ፋርሳውያን ዜብዕልዎ ኣምላኽ ጸሓይ፡ ኣብ 25 ታሕሳስ እዩ ዚብዓል ነይሩ።

7 ይኹን እምበር፡ ሎሚ በዓል ልደት ዜብዕሉ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ብዛዕባ ኣረማዊ መበቈል ኣይኰኑን ዚሓስቡ። በዓል ልደት ስድራ ቤት ዚተኣኻኸቡሉን ጥዑም ምግቢ ዚበልዑሉን ህያባት ዚዋሃሃቡሉን እዋን ከም ዝዀነ ገይሮም ጥራይ እዮም ዚርእይዎ። መሸም፡ ንስድራ ቤትናን ንፈተውትናን ንፈትዎም ኢና፣ የሆዋ ድማ ንኣገልገልቱ፡ መማቐልቲ ኪዀኑ ይደልዮም እዩ። ኣብ 2 ቈረንቶስ 9:7 ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።” የሆዋ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ጥራይ ህያብ ክንህብ ኣይኰነን ዚደልየና። የግዳስ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዝዀነ ኽፋል ዓመት ህያባት ይዋሃሃቡን ምስ ፈተውቶምን ስድራ ቤቶምን ይተኣኻኸቡን እዮም፣ ኪውሃቦም ትጽቢት እናገበሩ እውን ኣይኰነን ዚህቡ። ንሰባት ብዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም እዮም ህያባት ዚህቡ።—ሉቃስ 14:12-14

መበቈል በዓላት ወይ ጽምብላት ምስ እንፈልጥ፡ ኣብ ምንታይ ክንሳተፍ ከም ዘይብልና ኽንውስን ንኽእል

8. እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ ውልድ ምስ በለ ህያባት ሂቦምዎ ድዮም፧ ግለጽ።

8 ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ በዓል ልደት ህያባት ዚዋሃሃቡሉ ልምዲ ንምድጋፍ፡ እቶም ሰለስተ ሰብ ጥበብ ንየሱስ ኣብ እዋን ልደቱ ኣብ መብልዕ ማል ከሎ ህያባት ከም ዝሃብዎ ይማጐቱ እዮም። ገሊኦም ሰባት ንየሱስ ኪበጽሕዎ ኸም ዝኸዱን ህያባት ከም ዝሃብዎን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓደ ኽቡር ሰብ ህያብ ምሃብ ልሙድ እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 10:1, 2, 10, 13) ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዞም ሰባት እዚኦም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኢሉ ኸም ዚጽውዖም፡ ማለት ስሒር ዚገብሩን ንየሆዋ ዘየምልኹን ምንባሮምሲ ትፈልጥዶ፧ ብዘይካዚ፡ ንየሱስ ገና ውልድ ምስ በለ ኣብ መብልዕ ማል ከሎ ኣይኰነን በጺሖምዎ። የግዳስ፡ ኣብ ሓደ ቤት እዮም በጺሖምዎ፣ ንሱ እውን ብዙሕ ኣዋርሕ ዝገበረ ሕጻን እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 2:1, 2, 11

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕለተ ልደት እንታይ ይብል፧

9. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መን ዕለተ ልደት ከም እተባዕለ እዩ ተጠቒሱ ዚርከብ፧

9 ሕጻን ዚውለደላ መዓልቲ ባህ እተብል መዓልቲ እያ። (መዝሙር 127:3) እዚ ግና፡ ዕለተ ልደት ከነብዕል ምኽንያት ኣይኰነናን እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዕለተ ልደቶም ብዛዕባ ዘብዓሉ ኽልተ ሰባት ጥራይ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። እቲ ሓደ ፈርኦን ግብጺ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ንጉስ ሄሮድስ ኣንጢጳስ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 40:20-22፣ ማርቆስ 6:21-29 ኣንብብ።) እዞም ክልተ መራሕቲ ድማ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣይነበሩን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ ዕለተ ልደቱ ኸም ዘብዓለ ዚገልጽ ዛንታ ፈጺሙ ኣይርከብን እዩ።

10. ቀዳሞት ክርስትያናት ብዛዕባ ዕለተ ልደት እንታይ ኣረኣእያ ነይርዎም፧

10 ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት፡ “ልደት ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምብዓል ከም ልምዲ ኣረማውያን ገይሮም ይርእይዎ” ኸም ዝነበሩ ትገልጽ። እዚ ልምድታት እዚ፡ ካብ ናይ ሓሶት እምነት እዩ መጺኡ። ንኣብነት፡ ጥንታውያን ግሪኻውያን፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ እዋን ልደቱ ዚሕልዎ መንፈስ ከም ዘሎ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። እቲ መንፈስ እቲ ምስቲ በታ መዓልቲ እተወልደ ኣምላኽ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ እውን ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኣረማዊ እምነታት እዚ፡ ዕለተ ልደት ምስ ቈጸራ ኸዋኽብትን ሆሮስኮፕን ምትእስሳር ኣለዎ።

11. የሆዋ ለጋስ ብዛዕባ ምዃን እንታይ ይስምዖ፧

11 ብዙሓት ሰባት ዕለተ ልደቶም ፍልይቲ መዓልቲ ኸም ዝዀነትን በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኪንኣዱን ኪፍተዉን ከም ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ይኹን እምበር፡ ንኣባላት ስድራ ቤትናን ንፈተውትናን ኣብ ሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ኢና ፍቕርና ኽንገልጸሎም ዘሎና። የሆዋ ወትሩ ለዋሃትን ለጋሳትን ክንከውን እዩ ዚደልየና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ኣንብብ።) ስለታ ኽብርቲ ህይወትና ኸኣ ኣብ ዕለተ ልደትና ጥራይ ዘይኰነስ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኢና ኸነመስግኖ ዘሎና።—መዝሙር 8:3, 4፣ 36:9

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም እዮም ህያባት ዚህቡ

12. መዓልቲ ሞት ካብ መዓልቲ ልደት ዚሓይሽ ብኸመይ እዩ፧

12 መክብብ 7:1፡ “ካብ ጽቡቕ ዘይትስ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ፣ ካብ መዓልቲ ልደት ድማ መዓልቲ ሞት ይሓይሽ” ትብል። ከመይ ኢሉ እዩ ግና መዓልቲ ሞት ካብ መዓልቲ ልደት ዚሓይሽ፧ ቅድሚ ዕለተ ልደትና፡ ኣብ ህይወትና ዝገበርናዮ ጽቡቕ ኰነ ሕማቕ ነገር ኣይነበረን። ህይወትና ንየሆዋ ኣብ ምግልጋልን ንኻልኦት ጽቡቕ ኣብ ምግባርን እንተ ኣውዒልናዮ ግና፡ “ጽቡቕ ስም” ይህልወና፡ የሆዋ እውን ምስ ሞትና እኳ ኣይርስዓናን እዩ። (እዮብ 14:14, 15) ህዝቢ የሆዋ ዕለተ ልደቶም ኰነ ዕለተ ልደት የሱስ ኣየብዕሉን እዮም። እኳ ደኣስ፡ የሱስ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ኸነብዕል ጥራይ እዩ ኣዚዙና።—ሉቃስ 22:17-20፣ እብራውያን 1:3, 4

መበቈል በዓል ትንሳኤ

13, 14. በዓል ትንሳኤ ምስ እንታይ እዩ ዚተሓሓዝ፧

13 በዓል ትንሳኤ ኺብዓል ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ንትንሳኤ የሱስ ከም ዜብዕሉ እዩ ዚመስሎም። ከም ሓቂ ግና፡ እዚ ብእንግሊዝኛ ኢስተር ዚብሃል በዓል፡ ምስታ ኣንግሎ-ሳክሰን ዜምልኽዋ ኣምላኽ ወጋሕታን ጽድያን እትብሃል ኢዮስተር ይተኣሳሰር እዩ። ዘ ዲክሽነሪ ኦቭ ሚቶሎጂ ድማ ንሳ ኣምላኽ ፍርያምነት እውን ከም ዝዀነት ይገልጽ እዩ። ገሊኡ ኣብ በዓል ትንሳኤ ዘሎ ልምድታት ምስዚ ይተኣሳሰር እዩ። ንኣብነት፡ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ኸም ዚገልጾ፡ እንቋቝሖ “ፍሉጥ ምልክት ሓድሽ ህይወትን ትንሳኤን” ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ማንቲለ ኸኣ ኣብ ኣረማዊ ኣምልኾ ምልክት ፍርያምነት ኰይና ተገልግል ምንባራ ገሊጹ ኣሎ። እምበኣር፡ እዚ በዓል ትንሳኤ ተባሂሉ ዚብዓል በዓል፡ ምስ ትንሳኤ የሱስ ከም ዘይተሓሓዝ ንጹር እዩ።

14 የሆዋ፡ ንልምድታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምስ ትንሳኤ ወዱ ኺተሓናፈጽ ከሎስ ባህ ይብሎዶ፧ ከቶ ኣይብሎን እዩ። (2 ቈረንቶስ 6:17, 18) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ፡ ትንሳኤ የሱስ ከነብዕል ፈጺሙ ኣይኣዘዘናን።

ሃሎዊን እንታይ እዩ፧

15. ሃሎዊን ብኸመይ ተጀሚሩ፧

15 በዓል ሃሎዊን፡ ድሮ መዓልቲ ቕዱሳት ተባሂሉ ዚፍለጥ እውን ኰይኑ፡ ምስ ኣስማተኛታትን ስርኤላትን መናፍስትን ይተሓሓዝ እዩ። እዚ በዓል እዚ፡ ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ ብሪጣንያን ኣይርላንድን ዝነበሩ ጥንታውያን ሰልታውያን፡ ናብ 1 ሕዳር ኣብ ዝቐረበት ምልእቲ ወርሒ፡ በዓል ሳምሃይን የብዕሉ ነበሩ። ኣብዚ በዓል እዚ፡ መናፍስቲ ምዉታት ናብ ምድሪ ኸም ዚምለሱ ይኣምኑ ነበሩ። ሰባት ከኣ፡ ካብቶም መናፍስቲ ጕድኣት ምእንቲ ኸይወርዶም ኢሎም፡ ምግብን መስተን የንብሩሎም ነበሩ። ሎሚ፡ ቈልዑ እተፈላለየ ኣልባሳት ለቢሶም፡ ፈቐዶ ገዛ ኺዞሩ ኸለዉ፡ ካብ ጥንቲ ንዝጸንሐ ኣጋንንታዊ ልምዲ ይስዕቡ ምህላዎም ኣይፈልጡን እዮም።

ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መርዓ

16, 17. ውራይ መርዓ ኽንገብር እንተ መዲብና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧

16 መርዓ ዜሐጕስ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም፡ እተፈላለየ ዓይነት ውራይ መርዓ ኣሎ። ብዙሕ ግዜ ሰባት ብዛዕባ መበቈል እቲ ልምድታት መርዓ ኣይሓስቡን እዮም፣ ስለዚ ኸኣ፡ ገሊኡ ልምድታት ካብ ኣረማዊ እምነታት ከም ዝመጸ ኣይፈልጡን እዮም። ውራይ መርዓ ኺገብሩ ዚሓስቡ ክርስትያናት ግና፡ መርዓኦም ንየሆዋ ባህ ኬብሎ እዮም ዚደልይዎ። ብዛዕባ መበቈል ልምድታት መርዓ እንተ ፈሊጦም፡ ጽቡቕ ውሳነታት ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።—ማርቆስ 10:6-9

17 ገሊኡ ልምድታት መርዓ፡ ነቶም ተመራዓውቲ ‘ጽቡቕ ዕድል’ ከም ዜምጽኣሎም እዩ ዚእመን። (ኢሳይያስ 65:11) ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ሩዝ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ነገር ናብቶም መርዓውን መርዓትን ይንጸግ እዩ። እዚ ተግባር እዚ፡ ውሉዳትን ሓጐስን ነዊሕ ዕድመን ከም ዚህቦም፡ ካብ ክፉእ ድማ ከም ዚስውሮም ይእመን እዩ። ክርስትያናት ግና ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ልምዲ ኸይሳተፉ ይጥንቀቑ እዮም።—2 ቈረንቶስ 6:14-18 ኣንብብ።

18. ንመርዓ ዚምልከት እንታይ ካልእ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧

18 ክርስትያናት ዝዀኑ ተመራዓውቲ ንመርዓኦም ሓጐስን ክብርን ዝዓሰሎ፡ ኵሉ እቲ ዕዱም ድማ ዚሕጐሰሉ ኺገብርዎ ይደልዩ እዮም። ኣብ ክርስትያናዊ መርዓ ዚዕደሙ ኣጋይሽ፡ ሕማቕ ዘረባ፡ ጾታዊ ነገር ዚእምት ዘረባ፡ ወይ ንተመራዓውቲ ዀነ ንኻልኦት ዜሕስር ዘረባ ኺዛረቡ ኣይግባእን። (ምሳሌ 26:18, 19፣ ሉቃስ 6:31፣ 10:27) ብዘይካዚ፡ ክርስትያናዊ መርዓ “መነባብሮኻ ርኣዩለይ [ኣብ] ምባል” ኬተኵር የብሉን። (1 ዮሃንስ 2:16) መርዓ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ጽቡቕ ተዘክሮታት ዚሓድገልካ ኸም ዚኸውን ግበሮ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 28 ርአ።

ብርጭቆኻ ኣልዒልካ ትምኒትካ ምግላጽ መበቈሉ ኻበይ እዩ፧

19, 20. መበቈል እቲ ብርጭቆኻ ኣልዒልካ ትምኒትካ ናይ ምግላጽ ልምዲ ኻበይ እዩ፧

19 ኣብ መርዓታትን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ ብርጭቆኻ ኣልዒልካ ትምኒትካ ምግላጽ ወይ ምችንቻን ልሙድ ተግባር እዩ። ቺንቺን ኣብ ዚብሃለሉ እዋን፡ ሓደ ሰብ ብርጭቆኡ ኣልዒሉ ሰናይ ትምኒቱ ይገልጽ፡ ካልኦት ድማ ብርጭቆኦም የልዕሉ እዮም። ክርስትያናት ነዚ ተግባር እዚ ብኸመይ ኪርእይዎ ይግባእ፧

20 ኢንተርናሽናል ሃንድቡክ ኦን ኣልኮል ኤንድ ካልቸር፡ ቺንቺን ምባል ምናልባት “ካብቲ ቕዱስ ፈሳሲ ንኣማልኽቲ ዚቐርበሉ” ዝነበረ ጥንታዊ ኣረማዊ ልምዲ ኸም ዝመጸ ትገልጽ። እዚ ኸኣ፡ “‘ነዊሕ ዕድመ!’ ወይ ‘ንጥዕናኻ’ ዚብል ቃላት ዝሓዘ ጸሎት ወይ ትምኒት ምእንቲ ኺፍጸም” ኢልካ እዩ ዚግበር ነይሩ። ብግዜ ጥንቲ፡ ሰባት ካብ ኣማልኽቶም በረኸት ንምልማን ጽዋኦም የልዕሉ ነይሮም እዮም። የሆዋ ግና በዚ ኸምዚ ኣይኰነን ዚባርኽ።—ዮሃንስ 14:6፣ 16:23

“ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ”

21. ክርስትያናት ኣብ ምንታይ ዓይነት በዓላት እዮም ዘይሳተፉ፧

21 ኣብ ዝዀነ በዓል ቅድሚ ምስታፍካ፡ ኣብኡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያን ጠባይን ከም ዚንጸባረቕ ሕሰብ። ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ በዓላትን ካርኒቫላትን፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ሳዕስዒት ይስዕስዑ፡ መስተ ብብዝሒ ይሰትዩ፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ይምንዝሩ እዮም። እዚ በዓላት እዚ ንኣነባብራ ግብረ ሶዶማውነት ወይ ንሃገራውነት ዜተባብዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እሞኸ ኣብ ከምዚ ዓይነት በዓላት እንተ ተሳቲፍና፡ ብሓቂዶ ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ንጸልእ ኢና፧—መዝሙር 1:1, 2፣ 97:10፣ 119:37

22. ሓደ ክርስትያን ኣብ ሓደ በዓል ንምስታፍ ወይ ንዘይምስታፍ ምእንቲ ኺውስን እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

22 ክርስትያናት ንኣምላኽ ኣብ ዜሕስር ዝዀነ በዓል ከይሳተፉ ብዙሕ ኪጥንቀቑ ኣለዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እንተ በሊዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቲኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ጌርኩም፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:31ተወሳኺ ሓበሬታ 29 ርአ።) ልክዕ እዩ፡ ኵሉ በዓላት ኣይኰነን ምስ ምንዝርና፡ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ወይ ምስ ሃገራውነት ዚተሓሓዝ። ሓደ በዓል ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጥሕስ እንተ ዀይኑ፡ ኣብኡ ንምስታፍ ወይ ንዘይምስታፍ ብብሕትና ኽንውስን ኣሎና። ውሳነና ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚጸልዎም እውን ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።

ብዘረባኻን ብተግባርካን ንየሆዋ ኣኽብሮ

23, 24. ብዛዕባ ገሊኡ በዓላት ወይ ጽምብላት እንገብሮ ውሳነታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ቤተ ሰብና ብኸመይ ንገልጸሎም፧

23 ንየሆዋ ኣብ ዜሕስር በዓላት ምስታፍ ኣቋሪጽካ ትኸውን ኢኻ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ገሊኦም ቤተ ሰብካ ግና ንዓታቶም ከም ዘይትፈትዎም ወይ ምሳታቶም ክትከውን ከም ዘይትደሊ ገይሮም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ንበዓላት ከም መተኣኻኸቢ ቤተ ሰብ ጥራይ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ከም እትፈትዎምን ከም እትግደሰሎምን ብብዙሕ መገድታት ከተረጋግጸሎም ትኽእል ኢኻ። (ምሳሌ 11:25፣ መክብብ 3:12, 13) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት፡ ምሳታቶም ግዜ ንምሕላፍ ክትዕድሞም ትኽእል ኢኻ።

24 ኣዝማድካ ስለምንታይ ኣብ ገሊኡ በዓላት ወይ ጽምብላት ከም ዘይትሳተፍ ኪፈልጡ እንተ ደልዮም፡ በቲ ኣብ ጽሑፋትና ወይ ኣብ jw.org ዝወጸ ሓበሬታ ጌርካ ምኽንያትካ ኽትገልጸሎም ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኽትዕ ክትረትዕ እትደሊ ወይ ብግዲ ኸም ናትካ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኼሕድሩ እትደሊ ዀይኑ ኸይስምዖም ተጠንቀቕ። ብዙሕ ረቛሒታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብሕታዊ ውሳነ ኸም ዝገበርካ ኣረድኣዮም። ብህድኣት ተዛረብ፡ ዘረባኻ ድማ “ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”—ቈሎሴ 4:6

25, 26. ወለዲ ንደቆም፡ ስርዓታት የሆዋ ምእንቲ ኺፈትዉ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

25 ኵላትና ኣብ ገሊኡ በዓላት ወይ ጽምብላት ዘይንሳተፈሉ ብሕታዊ ምኽንያት ብንጹር ኪርድኣና ኣለዎ። (እብራውያን 5:14) ሸቶና ንየሆዋ ባህ ምባል እዩ። ወለዲ እንተ ዄንና ድማ፡ ደቅና ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺርድእዎን ኪፈትውዎን ግዜ መዲብና ኽንሕግዞም ኣሎና። ንየሆዋ ናይ ሓቂ ገይሮም ምስ ረኣይዎ፡ ንዕኡ ባህ ኬብልዎ ድሌት ኪሓድሮም እዩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18፣ 1 ጴጥሮስ 3:15

26 የሆዋ ብንጽህናን ብቕንዕናን ከነምልኾ ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር ከለና ይሕጐስ እዩ። (ዮሃንስ 4:23) ብዙሓት ሰባት ግና፡ ኣብዛ ሸፈጥ ዝመልኣ ዓለም፡ ብቕንዕና ምምልላስ ዘይከኣል ይመስሎም እዩ። እዝስ ሓቂ ድዩ፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፡ ነዚ ንመርምሮ።

^ ብዛዕባ በበይኑ ዝዓይነቱ በዓላት ዚገልጽ ሓበሬታ ኣብ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ፡ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምኡ ድማ ኣብ jw.org ኪርከብ ይከኣል እዩ።