ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 11

ድሕሪ መዓልቲ መርዓ

ድሕሪ መዓልቲ መርዓ

“ፍቕሪ ኸቶ ኣይተቋርጽን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:8

1, 2. ኣብ ሓዳር ጸገማት ምጕናፉ፡ እቲ ሓዳር ከም ዘይሰመረ ዜመልክት ድዩ፧ ግለጽ።

 መውስቦ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት እዩ። ኣብ ህይወት ሰብ ሓጐስ ኪውስኽ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ ሓዳር ጸጸገማቱ ኣለዎ። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ዘይነጽፍ ጸገማት ዘለዎ ኺመስል ይኽእል እዩ፣ ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ከም ቀደሞም ዘይቀራረቡ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።

2 ሓሓሊፉ ኣብ ሓዳርና ጸገማት እንተ ኣጋጢሙና፡ በዚ ኽንስምብድ የብልናን። ጸገማት ምጕናፉ፡ ሓዳርና ኸም ዘይሰመረ ዜመልክት ኣይኰነን። ኣዝዩ ኸቢድ ጸገማት ዘጋጠሞም ሰብ ሓዳር እኳ፡ ሽግራቶም ፈቲሖም ሓዳሮም ኬደልድሉ ኽኢሎም እዮም። ብኸመይ፧

ንኣምላኽን ንመጻምድትኻን ብዝያዳ ቕረቦም

3, 4. ሓድሓደ ግዜ ኣብ መውስቦ እንታይ ኬጋጥም ይኽእል፧

3 መውስቦ ነናቶም ዚፈትውዎን ዚጸልእዎን ነገራት፡ ኣተሓሳስባ፡ ኣሰራርሓ ንዘለዎም ክልተ እተፈላለዩ ሰባት ብሓደ ይጠምር እዩ። ብዘይካዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ወይ ባህሊ ኺህልዎም ይኽእል እዩ። ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኣጸቢቖም ኪፋለጡን ኪረዳድኡን ግዜን ጻዕርን የድልዮም እዩ።

4 ምስ ግዜ ግና ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ነናቶም ብሕታዊ ጕዳያት ኪጽመዱ እሞ ኻብ ሓድሕዶም ኪረሓሓቑ ይኽእሉ እዮም። በበይኑ ህይወት ዚመርሑ ዘለዉ ኺመስሉ እውን ይኽእሉ እዮም። እሞ ደኣ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቀራረቡ፡ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ንጽቡቕ ሓዳር ኣድላዪ እዩ

5. (ሀ) ንክርስትያናት ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኪቀራረቡ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧ (ለ) ብመሰረት እብራውያን 13:4፡ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና ይግባእ፧

5 የሆዋ ንዓኻን ንመጻምድትኻን፡ ንዕኡ ኽትቀርብዎን ንሓድሕድኩም ክትቀራረቡን ዚሕግዘኩም ጽቡቕ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። (መዝሙር 25:4፣ ኢሳይያስ 48:17, 18) “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር . . . ይኹን” ኢሉ ኣሎ። (እብራውያን 13:4) ክቡር ጌርካ እትርእዮ ነገር፡ ክብ ዝበለ ግምት ዚውሃቦን ዓብዪ ዋጋ ዘለዎን ነገር እዩ። ንዕኡ ድማ ትከናኸኖ፡ ኣትሒትካ ድማ ኣይትርእዮን ኢኻ። የሆዋ እውን ንመውስቦ ኸምኡ ጌርና ኽንርእዮ እዩ ዚደልየና።

ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኣብ ሓዳርካ ኽትሕግዘካ ትኽእል

6. ማቴዎስ 19:4-6 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንመውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ ብዚምልከት እንታይ ትነግረና፧

6 ነቶም ቀዳሞት ሰብ ሓዳር፡ የሆዋ እዩ ኣመራዕይዎም። ወዱ የሱስ ከኣ፡ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮምዶ ኣየንበብኩምን፧ ‘ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ’ ኸም ዝበለዶኸ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴዎስ 19:4-6) የሆዋ ኻብ መጀመርታ ኣትሒዙ መውስቦ ነባሪ ኪኸውን እዩ ሓሊኑ። ኣባላት ስድራ ቤታት ንሓድሕዶም ዚቀራረቡን ሕጉሳትን ኰይኖም ብሓባር ህይወት ኬስተማቕሩ እዩ ደልዩ።

7. ሰብኡትን ኣንስትን ከመይ ገይሮም ሓዳሮም ኬደልድሉ ይኽእሉ፧

7 ይኹን እምበር፡ ሎሚ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ውጥረትን ጸቕጥን የጋጥሞም ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ጸቕጢ ኣመና ስለ ዚብርትዕ፡ ሓዳሮም ኬድሕኑ ዘይክእሉ ይመስሎም፣ ስለዚ ድማ፡ ይሕለሉ። የሆዋ ንመውስቦ ብኸመይ ከም ዚርእዮ ምርዳእና ግና፡ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—1 ዮሃንስ 5:3

8, 9. (ሀ) ኣብ ሓዳርና መዓስ ኢና መምርሒ የሆዋ ኽንስዕብ ዘሎና፧ (ለ) ንመውስቦና ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ኸመይ ጌርና ነርኢ፧

8 የሆዋ ዚህበና መምርሒ፡ ወትሩ ንጥቕምና እዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’ ኢሉ ይምዕደና እዩ። (እብራውያን 13:4፣ መክብብ 5:4) ዋላ እውን ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት መምርሒ የሆዋ እንተ ስዒብና፡ ብርግጽ ንጥቀም ኢና።—1 ተሰሎንቄ 1:3፣ እብራውያን 6:10

9 ንመውስቦና ኣኽቢርና እንተ ርኢናዮ፡ ኪጐድኦ ዚኽእል ዝዀነ ነገር ኣይንገብርን ወይ ኣይንዛረብን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ መጻምድትና ዘሎና ርክብ ነደልድል ኢና። ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧

ብዘረባኻን ብተግባርካን ንመውስቦኻ ኣኽብሮ

10, 11. (ሀ) ኣብ ገሊኡ ሓዳር እንታይ ከቢድ ጸገም እዩ ዘሎ፧ (ለ) ንመጻምድትና እንዛረበሉ መገዲ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሓደ ሰብ ንመጻምድቱ ብእተፈላለየ መገዲ ኼሳቕዮ ይኽእል እዩ። ክርስትያናት ንመጻምድቶም ኪወቕዑ ወይ ዝዀነ ኣካላዊ ጕድኣት ኬውርዱ ኸም ዘይብሎም ንፈልጥ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብቓልና ንሓድሕድና ኽንተሃሳሰ ንኽእል ኢና። ቃላት ከም ኣጽዋር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ፡ “ሰብኣየይ ብቓላቱ ይሃስየኒ እዩ። ዚርአ ስምብራት ኣይህልወንን ይኸውን፣ ‘ጾር ኢኺ!’ ‘ኣይትረብሕን ኢኺ!’ እናበለ ወግሐ ጸብሐ ብዚዛረቦ ዜቝስል ቃላቱ ገይሩ ግና ንልበይ ኣቝሲልዎ እዩ” ትብል። ሓደ ሰብኣይ እውን ሰበይቱ ብዘረባኣ ወትሩ ኸም እተቈናጽቦን ከም እትጸርፎን ኪገልጽ ከሎ፡ “እቲ እትብለኒ፡ ዜሕፍር ብምዃኑ ኽደግሞ ኣይደልን እየ። ስለዚ እየ ምስኣ ዘይዛራረብ፣ ስለዚ ኸኣ እየ ኣብ ስራሐይ ብዙሕ ዘምሲ። ናብ ገዛይ ካብ ምኻድ ኣጸቢቑ ይሓይሽ” ኢሉ እዩ። ኣብዚ ግዜና፡ ስምዒታዊ ስቓይ ዜስዕብ ሃሳዪ ቓላትን ጸርፍን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።

11 ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ሃሳዪ ቓላት ዚዛራረቡ እንተ ዀይኖም፡ ብቐሊሉ ዘይሃስስ ስምዒታዊ በሰላ ይሓድገሎም እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን በዚ ኸምዚ ኺተሃሳሰዩ፡ ድሌት የሆዋ ኸም ዘይኰነ ንጹር እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከይተፈለጠካ ንመጻምድትኻ ኽትጐድእ ትኽእል ኢኻ። ንመጻምድትኻ ለዋህ ዝዀነካ ይመስለካ ይኸውን፣ መጻምድትኻ ግና ከመይ ይስምዖ፧ ዘረባኻ ንመጻምድትኻ እንተ ሃስይዎ፡ ንስኻ ኽትልወጥ ፍቓደኛ ዲኻ፧—ገላትያ 5:15፣ ኤፌሶን 4:31 ኣንብብ።

12. ነቲ ሓደ ምርዑው ሰብ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ እንታይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

12 ንመጻምድትኻ ብውልቂ ወይ ኣብ ቅድሚ ሰባት እትዛረበሉ መገዲ፡ ንየሆዋ የገድሶ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።) ያእቆብ 1:26፡ “ሓደ እኳ ንልሳኑ ዘይለጕም ክነሱ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ዘሎ እንተ መሲልዎ፡ ንልቡ እዩ ዜታልል ዘሎ፡ ኣምልኾኡ እውን ከንቱ እዩ” ኢላ ተዘኻኽረና።

13. ሓደ ሰብ ንመጻምድቱ ኺጐድኣሉ ዚኽእል ካልእ መገዲ እንታይ እዩ፧

13 ሰብ ሓዳር ጥንቁቓት ኪዀኑሉ ዚግባእ ካልእ መገድታት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ምስ ካልእ ሰብ ብዙሕ ግዜ ተሕልፍ እንተ ኣሊኻ፡ መጻምድትኻ ኸመይ ይስምዖ፧ ብንጹህ ልቢ ተላዒልካ ትገብሮ እኳ እንተ ዀንካ፡ ንኣብነት ኣብ ኣገልግሎት ንምዕያይ ወይ ጸገም ንምሕጋዝ ኢልካ እኳ እንተ ዀንካ፡ መጻምድትኻ በዚ ይጕዳእ ድዩ፧ ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ፡ “ሰብኣየይ ንሓንቲ ኣብ ጉባኤና ዘላ ኻልእ ሓብቲ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜን ቈላሕታን ከም ዚህባ ምርኣየይ ጐዲኡኒ እዩ። ናይ ትሑትነት ስምዒት ኣሕዲሩለይ” ኢላ እያ።

14. (ሀ) ካብ ዘፍጥረት 2:24፡ እንታይ መሰረታዊ ሓቂ ኢና እንምሃር፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትታ ዘሎና፧

14 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ንወለድናን ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓላፍነት ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ምስ ተመርዓና፡ ንሰብኣይና ወይ ንሰበይትና ኢና ቐንዲ ሓላፍነት ዘሎና። የሆዋ፡ ‘ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ይጠብቕ’ ኢሉ እዩ። (ዘፍጥረት 2:24) ስምዒት መጻምድትና ብዙሕ ኬገድሰና ኣለዎ። እምበኣር፡ ‘ንመጻምድተይ ከምቲ ዜድልዮን ከምቲ ዚግብኦን፡ ግዜን ቈላሕታን ፍቕርን እህብ ኣለኹ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ።

15. ምርዑዋት ክርስትያናት ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ እምብዛ ኺቀራረቡ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

15 ካብ ሓዳርና ወጻኢ ምስ ኣንጻር ጾታ እምብዛ እንተ ተቐራሪብና፡ ኣብ ሓዳርና ውጥረት ኪሰፍን ይኽእል እዩ። ነቲ ሰብ እቲ ፍሉይ ስምዒት ከነሕድርን ምስኡ ፍቕሪ ኺሕዘናን ይኽእል እዩ። (ማቴዎስ 5:28) እዚ ስምዒታት እዚ ድማ ዓብዩ፡ ንሓዳርካ ዜሕስር ነገር ከም እትገብር ኪገብረካ ይኽእል እዩ።

“ዓራት መውስቦ . . . ዘይረኸሰ ይኹን”

16. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ትእዛዝ ይህብ፧

16 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ ዓራት መውስቦ ኸኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ይብል እዩ። (እብራውያን 13:4) ኣብዚ “ዓራት መውስቦ” ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚግበር ጾታዊ ርክብ እዩ ዜመልክት። (ምሳሌ 5:18) ከመይ ጌርና ኢና ነዚ ርክብ እዚ እነኽብሮ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ዘይነርክሶ፧

17. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዝሙት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎም፧ (ለ) ክርስትያናት ንዝሙት ብኸመይ ኪርእይዎ ይግባእ፧

17 ሎሚ፡ ገሊኦም ሰባት ንመጻምድትኻ ምጥላም ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኸም ዘይብሉ ይመስሎም እዩ። በዚ ኣረኣእያ እዚ ኽንጽሎ የብልናን። የሆዋ፡ ምንዝርናን ዝሙትን ከም ዚጸልእ ብንጹር ገሊጹልና እዩ። (ሮሜ 12:9 ኣንብብ፣ እብራውያን 10:31፣ 12:29) ካብ ሓዳርና ወጻኢ ጾታዊ ርክብ እንተ ጌርና፡ ንመውስቦና ነርክሶ ኢና። ስርዓታት የሆዋ ኸም ዘይነኽብር ነርኢ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ እውን ነበላሽዎ ኢና። ስለዚ፡ ካብቲ ናብ ዝሙት ኪመርሕ ዚኽእል ቀዳማይ ስጕምቲ እኳ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እዚ ድማ ብዛዕባ ኻልእ ሰብ ንዚመጸና ዘይግቡእ ሓሳባት ምውጋድ የጠቓልል።—እዮብ 31:1

18. (ሀ) ዝሙት፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኸም ምምላኽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ ዝሙት እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

18 ኣብታ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ዝነበረት ጥንታዊት እስራኤል፡ ዝሙት ማዕረ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ፡ ከቢድ ሓጢኣት እዩ ነይሩ። ናይ ክልቲኡ መቕጻዕቲ ድማ ሞት እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 20:2, 10) ዝሙት፡ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኸም ምምላኽ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ እስራኤላዊ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ እንተ ኣምሊኹ፡ ነቲ ንየሆዋ እሙን ኪኸውን ዝኣተዎ ቓል እዩ ዜፍርስ። ብተመሳሳሊ፡ እንተ ዘምዩ፡ ንመጻምድቱ እሙን ኪኸውን ዝኣተዎ ቓል እዩ ዜፍርስ። (ዘጸኣት 19:5, 6፣ ዘዳግም 5:9፣ ሚልክያስ 2:14 ኣንብብ።) ስለዚ፡ የሆዋ ንዝሙት ከም ከቢድ ሓጢኣት ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።

19. ከይንዝሙ ቘራጽነት ንምግባር እንታይ ይሕግዘና፧

19 ሎሚኸ፧ ዋላ እኳ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይንኹን፡ እቲ የሆዋ ብዛዕባ ዝሙት ዘለዎ ኣረኣእያ ግና ኣይተለወጠን። ከምቲ ንናይ ሓሶት ኣምላኽ ከነምልኽ ዘይብልና፡ ንመጻምድትና እውን ፈጺምና ኽንጠልም የብልናን። (መዝሙር 51:1, 4፣ ቈሎሴ 3:5) እንተ ጠሊምና፡ ንሓዳርናን ንየሆዋ ኣምላኽናን ነሕስር ኢና።—ተወሳኺ ሓበሬታ 26 ርአ።

ንሓዳርካ ብኸመይ ተደልድሎ፧

20. ጥበብ ኣብ ሓዳር ዚጠቅም ብኸመይ እዩ፧

20 ንሓዳርካ ብኸመይ ከተደልድሎ ትኽእል፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ቤት ብጥበብ ትህነጽ፣ ብምስትውዓል ከኣ ትጸንዕ” ይብል። (ምሳሌ 24:3) ሓንቲ ቤት ቈራሪትን ባዶን ክትከውን፡ ወይ ከኣ ማሙቕን ምሽእትን ጽንዕትን ክትከውን ትኽእል እያ። ሓዳር እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ጥበበኛ ሰብ ንሓዳሩ ጽኑዕን ባህ ዜብልን ዜሐጕስን እዩ ዚገብሮ።

21. ፍልጠት ንሓዳር ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

21 መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ ብዛዕባ እታ ቤት፡ “ክፍልታታ ብፍልጠት፡ ብዅሉ ዓይነት ክቡርን ባህ ዜብልን መዛግብቲ ይመልእ” ይብል። (ምሳሌ 24:4) ካብ ቃል ኣምላኽ እተምሃርካዮ ነገር፡ ንሓዳርካ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:2፣ ፊልጲ 1:9) ምስ መጻምድትኻ ብሓባር ኴንኩም መጽሓፍ ቅዱስን ጽሑፋትናን ከተንብቡ ኸለኹም፡ ነቲ እትምሃርዎ ብኸመይ ከም እትትግብርዎ ተመያየጡሉ። ፍቕርኹምን ኣኽብሮትኩምን ብኸመይ ከም እትገላለጹ፡ ከምኡ ድማ ብኸመይ ከም እትለዋውሁን ከም እትተሓላለዩን መገድታት ኣናድዩ። ንሓዳርካ ዜደልድለልካን ኣብ ቅድሚ መጻምድትኻ ተፈታዊ ዚገብረካን ባህርያት ንምምዕባል ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ንየሆዋ ለምኖ።—ምሳሌ 15:16, 17፣ 1 ጴጥሮስ 1:7

ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትገብሩ ኸለኹም፡ መምርሒ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወከሉ

22. ንመጻምድትና ፍቕርን ኣኽብሮትን ከነርኢ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

22 ንሰብኣይና ወይ ንሰበይትና ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ንምሓዝ፡ ዚከኣለና ዘበለ ዅሉ ኽንገብር ኣሎና። ሽዑ፡ ሓዳርና ባህ ዜብልን ድልዱልን ይኸውን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ኢና።—መዝሙር 147:11፣ ሮሜ 12:10