ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 6

መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧

መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧

“ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።”—1 ቈረንቶስ 10:31

1, 2. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና ጥንቁቓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 ሓንቲ ፍረ ኽትበልዕ ምስ ሓሰብካ፡ ገለ ኽፋላ ኸም ዝመሽመሸ ኣስተብሂልካ ንበል። እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ብምልእታ ዲኻ እትበልዓ፡ ትድርብያ ዲኻ፡ ወይስ ነቲ ዝመሽመሸ ኽፋላ ቘሪጽካ ነቲ ጥዑይ ክፋላ ትበልዖ፧

2 ብእተወሰነ መገዲ፡ መዘናግዒ ኸምታ ፍረ እዩ። ገሊኡ ባህ ዜብል ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግና ብዕሉግ፡ ዓመጻ ዝመልኦ፡ ወይ ኣጋንንታዊ እዩ። ስለዚ፡ መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ፡ “ናይ ውልቀይ ምርጫ እዩ። ዝደለኽዎ ኽመርጽ እኽእል እየ” ዲኻ እትብል፡ “ኵሉ መዘናግዒ ሕማቕ እዩ” ዲኻ እትብል፡ ወይስ ሐሕማቑ ሓዲግካ በቲ ጸጽቡቑ ኢኻ እትዘናጋዕ፧

3. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንሓስብ ዘሎና፧

3 ኵላትና ኽንዛነን ክንዘናጋዕን ንደሊ ኢና፣ ጽቡቕ ምርጫ እውን ክንገብር ንደሊ ኢና። ናይ መዘናግዒ ምርጫና ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ብኸመይ ኪጸልዎ ኸም ዚኽእል ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።

“ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ”

4. መዘናግዒ ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዚሕግዘና ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

4 ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ህይወትና ንዕኡ ንምግልጋል ከም እንጥቀመሉ ኢና ተመባጺዕና። (መክብብ 5:4 ኣንብብ።) ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብር’ ተመባጺዕና ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:31) እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ኣኼባታት ወይ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክንዛነ ወይ ክንዘናጋዕ ከለና እውን ንኣምላኽ ርእስና ዝወፈና ምዃንና ኽንርስዕ የብልናን።

5. ንየሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ኢና ኸነቕርበሉ ዘሎና፧

5 ኣብ ህይወትና እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ምስቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ይተሓሓዝ እዩ። ጳውሎስ፡ ‘ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም ኣቕርብዎ’ ብምባል ነዚ ገሊጽዎ እዩ። (ሮሜ 12:1) የሱስ እውን፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ እዩ። (ማርቆስ 12:30) ንየሆዋ ወትሩ ዘዝበለጸ ኢና ኽንህቦ እንደሊ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ሰባት ንየሆዋ መስዋእቲ ኺስውኡ ኸለዉ፡ ጥዑይ እንስሳ ኬቕርቡ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም ነይሩ። እቲ መስዋእቲ ጕድለት እንተ ኣልይዎ፡ ኣምላኽ ኣይቅበሎን እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 22:18-20) ብተመሳሳሊ፡ ኣምልኾና ብየሆዋ ተቐባልነት ኪስእን ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

6, 7. መዘናግዒ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ብኸመይ ይጸልዎ፧

6 የሆዋ፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:14-16፣ 2 ጴጥሮስ 3:11) የሆዋ ንኣምልኾና ዚቕበሎ፡ ቅዱስ ወይ ንጹህ እንተ ዀይኑ ጥራይ እዩ። (ዘዳግም 15:21) ንሱ ዚጸልኦ ነገራት እናገበርና፡ ንኣብነት፡ ብዕሉግ ተግባራት፡ ዓመጻ፡ ወይ ኣጋንንታዊ ተግባራት እናገበርና፡ ኣምልኾና ንጹህ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ሮሜ 6:12-14፣ 8:13) በዚ ነገራት እዚ ንዘናጋዕ እንተ ዄንና ኸኣ፡ የሆዋ ይጕሂ እዩ። እዚ ንኣምልኾና ኣብ ቅድሚኡ ርኹስን ዘይቅቡልን ኪገብሮ፡ ነቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ እውን ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ።

7 እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና መዘናግዒ ብጥበብ ክንመርጽ እንኽእል፧ ቅቡልን ዘይቅቡልን መዘናግዒ ንምምማይ፡ እንታይ ስርዓታት ኪሕግዘና ይኽእል፧

ክፍኣት ጽላእ

8, 9. ካብ ምንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኢና እንርሕቕ፧ ስለምንታይከ፧

8 ሎሚ፡ ብዙሕ ዓይነት መዘናግዒ ኣሎ። ገሊኡ ንክርስትያናት ቅቡል እዩ፣ መብዛሕትኡ ግና ቅቡል ኣይኰነን። ፈለማ፡ ካብ ምንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኽንርሕቕ ከም ዘሎና እስከ ንርአ።

9 ሓያሎ ፊልምታትን ወብሳይታትን መደባት ተለቪዥንን ጸወታታት ቪድዮን ደርፍታትን፡ ብዕሉግ፡ ዓመጻ ዝመልኦ፡ ወይ ኣጋንንታዊ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክፍኣት ከም ንጹህን መስሓቕን ጌርካ እዩ ዚቐርብ። ክርስትያናት ግና ካብቲ ምስ ንጹህ ስርዓታት የሆዋ ዘይቃዶ መዘናግዒ ይርሕቁ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10) ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዘናግዒ ምስ እንርሕቕ፡ ክፍኣት ከም እንጸልእ ንየሆዋ ነርእዮ ኢና።—መዝሙር 34:14፣ ሮሜ 12:9

10. ብኽፉእ መዘናግዒ ኽንዘናጋዕ እንተ መሪጽና፡ እንታይ ሳዕቤን የስዕበልና፧

10 ገሊኦም ግና ዓመጻ ዘለዎ፡ ብዕሉግ፡ ወይ ኣጋንንታዊ መዘናግዒ ጌጋ ኸም ዘይብሉ ይስምዖም እዩ። ‘እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧ ኣነ ነዚ ኸቶ ኣይገብሮን እየ’ ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ከምኡ ንሓስብ እንተ ዄንና፡ ርእስና ኢና እነዐሹ ዘለና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጠላምን ቀባጽን እዩ” ይብል። (ኤርምያስ 17:9) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ብዘይብሉ ነገራት እንዘናጋዕ እንተ ዄንና፡ ነቲ ነገራት እቲ ኸመይ ጌርና ንጸልኦ ኽንብል ንኽእል፧ ብእኡ ብዝያዳ ብእተዘናጋዕና መጠን ከኣ፡ ንቡር ከም ዝዀነ ጌርና እናተቐበልናዮ ኢና እንኸይድ። ድሕሪ ግዜ፡ ሕልናና ስለ ዚደክም፡ ጌጋ ምርጫ ኽንገብር ከለና ኣየጠንቅቐናን እዩ።—መዝሙር 119:70፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1, 2

11. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ገላትያ 6:7 ብኸመይ ትሕግዘና፧

11 ቃል ኣምላኽ፡ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ” ይብለና እዩ። (ገላትያ 6:7) ብኽፉእ ነገራት ንዘናጋዕ እንተ ዄንና፡ ውዒልና ሓዲርና ንዕኡ ንገብሮ ኢና። ንኣብነት፡ ገሊኦም ብብዕሉግ መዘናግዒ ብዙሕ ስለ እተጸልዉ፡ መንዚሮም እዮም። የሆዋ ግና፡ መዘናግዒ ብጥበብ ምእንቲ ኽንመርጽ፡ ሓገዝ ይህበና እዩ።

ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ወስን

12. ብዛዕባ መዘናግዒ ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

12 ገሊኡ መዘናግዒ ብንጹር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት የብሉን፣ ካብዚ ኽንርሕቕ ኣሎና። ብንጹር ከምኡ ኣብ ዘይኰነሉ ግና እንታይ ኢና እንገብር፧ የሆዋ ብዛዕባ እቲ እንርእዮ፡ እንሰምዖ፡ ወይ እነንብቦ ነገራት ዝርዝር ሕግታት ኣይሃበናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ኽንጥቀመሉ እዩ ዚደሊ። (ገላትያ 6:5 ኣንብብ።) የሆዋ ብዛዕባ ኣረኣእያኡ ዚገልጽ መሰረታዊ ስርዓታት ወይ መሰረታዊ ሓቅታት ሂቡና ኣሎ። እዚ ስርዓታት እዚ፡ ንሕልናና የሰልጥኖ እዩ። ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ምርጫታት ምእንቲ ኽንገብር ድማ፡ “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ” የፍልጠና እዩ።—ኤፌሶን 5:17

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዘናግዒ ኽንመርጽ ይሕግዘና

13. ክርስትያናት ብዛዕባ መዘናግዒ እተፈላለየ ውሳነታት ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ ግናኸ፡ ኵሎም ክርስትያናት ብምንታይ እዮም ኪምርሑ ዘለዎም፧

13 ብዙሕ ግዜ፡ ሓደ ክርስትያን ዚመርጾ መዘናግዒ፡ ካብቲ ኻልእ ዚመርጾ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኵላትና በበይኑ ነገራት ኢና እንፈቱ። ብዘይካዚ፡ ንሓደ ሰብ ቅቡል ዝዀነ ነገር፡ ንኻልእ ዘይቅቡል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኵሎም ክርስትያናት ጽቡቕ ውሳነታት ምእንቲ ኺገብሩ፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሑ ኣለዎም። (ፊልጲ 1:9) እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መዘናግዒ ኽንመርጽ ይሕግዘና።—መዝሙር 119:11, 129፣ 1 ጴጥሮስ 2:16

14. (ሀ) ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ግዜና እንታይ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧ (ለ) ጳውሎስ ንክርስትያናት እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧

14 ካልእ ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ረቛሒ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መዘናግዒ እነሕልፎ ግዜ እዩ። እዚ ድማ ንመዘናግዒ ኽሳዕ ክንደይ ቦታ ኸም እንህቦ እዩ ዚሕብር። ከም ክርስትያናት መጠን፡ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ኣለዎ። (ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ።) ከይተፈለጠና ግና፡ መዘናግዒ ብዙሕ ግዜ ኺወስደልና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ . . . ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ኢልዎም እዩ። (ኤፌሶን 5:15, 16) ስለዚ፡ ነቲ ኣብ መዘናግዒ እነሕልፎ ግዜ ደረት ክንገብረሉ፡ ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ድማ ወትሩ ቦታኡ ኽንሕልወሉ ይግባእ።—ፊልጲ 1:10

15. ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኬበላሹ ኻብ ዚኽእል መዘናግዒ ኸመይ ጌርና ርእስና ኽንሕሉ ንኽእል፧

15 እምበኣር፡ ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ኸም ዘይብሉ እንፈልጦ መዘናግዒ ኽንርሕቕ ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ዜጠራጥረና መዘናግዒ ግና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ካብኡኸ ኽንጥንቀቕ የድልየና ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰብ። ኣብ ጐቦ ብዘሎ መገዲ ኽትከይድ ከለኻ፡ ብጫፈ ጫፍ ጸድፊ ዲኻ እትኸይድ፧ ኣይፋልካን። ህይወትካ ትፈትዋ እንተ ዄንካ፡ ካብ ሓደጋ ትርሕቕ ኢኻ። ናይ መዘናግዒ ምርጫና እውን ምስዚ ይመሳሰል እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ንኣእጋርካ ኻብ ክፉእ ኣርሕቀን” ይብለና እዩ። (ምሳሌ 4:25-27) ስለዚ፡ ክፉእ ኸም ዝዀነ እንፈልጦ መዘናግዒ ጥራይ ኣይኰንናን እነወግድ፣ የግዳስ፡ ንዓና ጽቡቕ ከም ዘይኰነ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ድማ ኬበላሹ ኸም ዚኽእል ካብ እንጥርጥሮ መዘናግዒ እውን ንርሕቕ ኢና።

ኣረኣእያ የሆዋ ይሃሉኻ

16. (ሀ) ገለ ኻብቲ የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧ (ለ) የሆዋ ዚጸልኦ ኸም እንጸልእ ከመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

16 ሓደ ዘማሪ፡ “ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ፡ ክፍኣት ጽልኡ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝሙር 97:10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኸመይ ከም ዚሓስብን ከመይ ከም ዚስምዖን ይምህረና እዩ። እቲ እተምሃርካዮ ነገራት፡ ኣረኣእያ የሆዋ ኺህልወካ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ንርእስኻ ሕተታ። ንኣብነት፡ የሆዋ “ሓሳዊት ልሳን፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡ እኩይ ሓሳብ ዚምህዝ ልቢ፡ ናብ ክፍኣት ቀልጢፈን ዚጐይያ ኣእጋር” ከም ዚጸልእ ንፈልጥ ኢና። (ምሳሌ 6:16-19) ብዘይካዚ፡ ካብ “ምንዝርና፡ . . . ኣምልኾ ጣኦት፡ መናፍስትነት፡ . . . ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ . . . ምንቀኝነት፡ ስኽራን፡ ፈንጠዝያ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኻልእ እውን” ክንርሕቕ ተማሂርና ኢና። (ገላትያ 5:19-21) እሞኸ፡ እዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካስ ከተስተውዕልዶ ትኽእል፧ ምስ ካልኦት ክንከውን ከለና ዀነ በይንና ኽንከውን ከለና፡ ኰታስ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ስርዓታት የሆዋ ኽንስዕብ ንደሊ ኢና። (2 ቈረንቶስ 3:18) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ በይንና ኽንከውን ከለና እንመርጾ መዘናግዒ፡ ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንና እዩ ዚሕብር።—መዝሙር 11:4፣ 16:8

17. መዘናግዒ ቕድሚ ምምራጽና፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

17 እምበኣር፡ መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ፡ ንርእስኻ፡ ‘ምርጫይ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ብኸመይ ይጸልዎ፧ ንሕልናይከ ብኸመይ ይጸልዎ፧’ ኢልካ ሕተታ። እምበኣር፡ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና ዚሕግዘና ኻልእ ስርዓታት እስከ ንመርምር።

18, 19. (ሀ) ጳውሎስ ንክርስትያናት እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧ (ለ) እንታይ ስርዓታት እዩ መዘናግዒ ኽንመርጽ ዚሕግዘና፧

18 መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ንኣእምሮና እንመልኦ ነገር ኢና እንመርጽ ዘለና። ጳውሎስ፡ “ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ዚዝረበሉ ዘበለ፡ ሕያውነት ዘበለ፡ ዚንኣድ ዘበለ ብቐጻሊ ሕሰቡ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ፊልጲ 4:8) ንኣእምሮና ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ነገራት እንተ መሊእናዮ፡ “ኦ የሆዋ፡ . . . ቃላት ኣፈይን ምስትንታን ልበይን ባህ ዜብለካ ይኹን” ክንብል ንኽእል ኢና።—መዝሙር 19:14

19 እምበኣር፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንኣእምሮይ ብምንታይ እየ ዝመልኦ ዘለኹ፧ ፊልም ወይ መደብ ተለቪዥን ምስ ረኣኹ፡ ባህ ይብለንን ሓሳባተይ ይሕደስን ድዩ፧ ሰናይ ሕልና ስለ ዚህልወኒ፡ ውሽጠይ ሰላም እረክብ ድየ፧ (ኤፌሶን 5:5፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:5, 19) ከይተሰከፍኩ ናብ የሆዋ ኽጽሊ እኽእል ድየ፡ ወይስ ሕማቕ እዩ ዚስምዓኒ፧ እቲ መዘናግዒ ብዛዕባ ዓመጻ ወይ ብዛዕባ ብዕሉግ ነገራት ከም ዚሓስብ ድዩ ዚገብረኒ፧ (ማቴዎስ 12:33፣ ማርቆስ 7:20-23) እቲ ዝመርጾ መዘናግዒ፡ “በዚ ስርዓት እዚ ይቐርጸኒ” ድዩ ዘሎ፧’ (ሮሜ 12:2) ነዚ ሕቶታት እዚ ብቕንዕና እንህቦ መልሲ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ድልዱል ኰይኑ ምእንቲ ኪቕጽል እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ይሕብረና እዩ። ከምቲ ሓደ ዘማሪ ዝጸለዮ፡ “ንኣዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢልና ኽንጽሊ ንደሊ ኢና። *መዝሙር 119:37

ውሳነታትና ንኻልኦት ይጸልዎም

20, 21. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ስምዒት ካልኦት ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

20 ካልእ ክንሓስበሉ ዘሎና ስርዓት እዚ ዚስዕብ እዩ፦ “ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፣ ኵሉ ግና ኣይኰነን ዚሃንጽ። ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።” (1 ቈረንቶስ 10:23, 24) ሓደ ነገር ንምግባር ናጽነት ስለ ዘሎና፡ ክንገብሮ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ውሳነታትና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብኸመይ ከም ዚጸልዎም ተጠንቂቕና ኽንሓስብ ኣሎና።

21 ሕልና ኻብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ። ንኣብነት፡ ሕልናኻ ሓደ መደብ ተለቪዥን ክትርኢ ይፈቕደልካ ይኸውን። ድሕሪኡ ግና፡ እቲ መደብ እቲ ንሕልና ሓውካ ወይ ሓብትኻ ኸም ዚርብሾ ትፈልጥ። እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ክትርእዮ መሰልካ እኳ እንተ ዀነ፡ ንምሕዳጉ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ‘ንኣሕዋትካ ኽትብድሎም፡’ ካብኡ ሓሊፍካ እውን ‘ንክርስቶስ ክትብድሎ’ ኣይትደልን ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 8:12) ንክርስትያን ብጻይና ዚዕንቅፎ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና።—ሮሜ 14:1፣ 15:1፣ 1 ቈረንቶስ 10:32

22. ካልኦት ክርስትያናት ብዛዕባ ዚገብርዎ ምርጫ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዘሎና ኸመይ ጌርና ኸነርኢ ንኽእል፧

22 በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ሕልናኻ ሓደ ነገር ክትርኢ፡ ከተንብብ፡ ወይ ክትገብር ይፈቕደልካ ይኸውን። ንሓውካ ስለ እትፈትዎን ስለ እተኽብሮን ግና፡ ከም ናትካ ዓይነት ምርጫ ኺገብር ጸቕጢ ኣይትገብረሉን ኢኻ። ማኪና ዚዝውር ሰብ፡ ካልኦት ሰባት ካብ ናቱ ብዚዛይድ ወይ ብዚንኪ ፍጥነት እኳ እናዘወሩ፡ ንፉዓት መራሕቲ ማኪና ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጥ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ንስኻን ሓውካን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እናሰዓብኩም ክነስኹም፡ ብዛዕባ ቕቡል መዘናግዒ ብእተወሰነ መዳይ እተፈላለየ ርእይቶ ኺህልወኩም ይኽእል እዩ።—መክብብ 7:16፣ ፊልጲ 4:5

23. ጽቡቕ መዘናግዒ ኽንመርጽ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

23 እሞ ደኣ ጽቡቕ መዘናግዒ ኽንመርጽ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ በቲ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ንጥቀምን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብሓቂ ንሓልየሎምን እንተ ዄንና፡ ጽቡቕ መዘናግዒ ኢና እንመርጽ። ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብምግባርና’ ድማ ክንሕጐስ ኢና።

^ መዘናግዒ ኽንመርጽ ዚሕግዘና ተወሳኺ ስርዓታት ኣብ ምሳሌ 3:31፣ 13:20፣ ኤፌሶን 5:3, 4፣ ቈሎሴ 3:5, 8, 20 ኪርከብ ይከኣል እዩ።