ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 1

ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር

ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር

“ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን።”—1 ዮሃንስ 5:3

1, 2. ስለምንታይ ኢኻ ንየሆዋ ኣምላኽ እተፍቅሮ፧

 ንኣምላኽ ተፍቅሮ ዲኻ፧ ብዙሕ ስለ እተፍቅሮ፡ ርእስኻ ንዕኡ ወፊኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ናይ ቀረባ ዓርክኻ ኸም ዝዀነ ይስምዓካ ይኸውን። የሆዋ ግና፡ ንስኻ ኸየፍቀርካዮ እዩ ኣፍቂሩካ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ቕድም ኣፍቂሩና እዩ” ዚብል ነንብብ ኢና።—1 ዮሃንስ 4:19

2 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዓና ፍቕሩ ዘርኣየሉ ዅሉ መገድታት እሞ ሕሰብ። መንበሪ እትዀነና ጽብቕቲ ምድሪ ሂቡና እዩ፣ ህይወት ከነስተማቕር ዜድልየና ዘበለ ዅሉ እውን ሂቡና እዩ። (ማቴዎስ 5:43-48፣ ራእይ 4:11) ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ይደሊ እዩ፣ ብዛዕባኡ ኽንፈልጥ ዜኽእለና መገዲ እውን ከፊቱልና ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ንየሆዋ ንሰምዖ ኢና። ክንጽሊ ኸለና ኸኣ፡ ንሱ ይሰምዓና እዩ። (መዝሙር 65:2) በቲ ሓያል ቅዱስ መንፈሱ ኣቢሉ ይመርሓናን የበርትዓናን እዩ። (ሉቃስ 11:13) ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኺገብረና ኢሉ እውን፡ ዚፈትዎ ወዱ ልኢኹልና እዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:8 ኣንብብ።

3. ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ጽቡቕ ርክብ ከመይ ጌርና ኽንሕልዎ ንኽእል፧

3 ኣብ እዋን ሓጐስካን ጓህኻን ብዛዕባ ዘይተፈልየካ ናይ ቀረባ ዓርክኻ እሞ ሕሰብ። ዕርክነትኩም ድልዱል ኰይኑ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ጻዕሪ የድሊ እዩ። ምስቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ኪኸውን ዚኽእል የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት እውን ከምኡ እዩ። ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ንዘለኣለም ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዚብለና። (ይሁዳ 21) ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን” ኢሉ ይምልሰልና።—1 ዮሃንስ 5:3

“ፍቕሪ ኣምላኽ”

4, 5. (ሀ) ኣብዚ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ብኸመይ ኪዓቢ ጀሚሩ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ እቲ ኣብዚ ዘሎ መግለጺ፡ ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንሕና ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ እዩ ዜመልክት። ንየሆዋ ንፈለማ እዋን ከተፍቅሮ ዝጀመርካሉ ግዜዶ ትዝ ይብለካ፧

ርእስኻ ንየሆዋ ወፊኻ ኽትጥመቕ ከለኻ፡ ከም እተፍቅሮን ንዘለኣለም ክትእዘዞ ኸም እትደልን ኢኻ እተርኢ

5 የሆዋ ኣብ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክትነብር ከም ዚደልየካ ምስ ፈለጥካ እተሰምዓካ እሞ ዘክሮ። ከምኡ ምእንቲ ኪኸውን፡ የሆዋ እንታይ ከም ዝገበረ ፈሊጥካ ኢኻ፣ እወ፡ ንወዱ ናብ ምድሪ ብምልኣኽ ክቡር ውህበት ከም ዝሃበና ተገንዚብካ ኢኻ። (ማቴዎስ 20:28፣ ዮሃንስ 8:29፣ ሮሜ 5:12, 18) የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረካ ምስ ፈለጥካ ኸኣ፡ ልብኻ ተተንክዩ፣ ንስኻ እውን ከተፍቅሮ ጀሚርካ።—1 ዮሃንስ 4:9, 10 ኣንብብ።

6. ንሓደ ሰብ ምስ እትፈትዎ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪኸ እንታይ ክትገብር እዩ ደሪኹካ፧

6 እቲ ንኣምላኽ ከም እተፍቅሮ ዚስምዓካ ስምዒት ግና፡ ብስምዒት ጥራይ ዜብቅዕ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ምስ እንፈትዎ ወይ ምስ እነፍቅሮ፡ ብቓል “እፈትወካ እየ” ኻብ ምባል ሓሊፍና ንገብር ኢና። ብፍቕሪ ተደሪኽና ነቲ ሰብ ዜሐጕሶ ነገር ንገብር ኢና። ብተመሳሳሊ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እውን ንዕኡ ባህ ብዜብሎ መገዲ ኽትነብር ይድርኸካ እዩ። ፍቕርኻ ምስ ዓበየ ድማ፡ ርእስኻ ወፊኻን ተጠሚቕካን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ንየሆዋ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ተመባጺዕካ ኢኻ። (ሮሜ 14:7, 8 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ንመብጽዓኻ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኽትሕልዎ እትኽእል፧

“ትእዛዛቱ ኽንሕሉ”

7. ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ እንታይ ኢና እንገብር፧ ገለ ኻብ ትእዛዛቱኸ እንታይ ክትጠቅስ ትኽእል፧

7 ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ‘ትእዛዛቱ ንሕሉ’ ኢና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንእዘዞ ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ብኸመይ ክንነብር ከም ዚደልየና ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡ ስኽራን፡ ስርቂ፡ ሓሶት፡ ምንዝርና፡ ወይ ብዘይካኡ ንኻልእ ምምላኽ ጌጋ ምዃኑ ነጊሩና ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 5:11፣ 6:18፣ 10:14፣ ኤፌሶን 4:28፣ ቈሎሴ 3:9

8, 9. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝራዊ ሕጊ ዘይርከበሉ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ኣብነት ሃብ።

8 ንየሆዋ ንምሕጓስ ግና፡ ትእዛዛቱ ኻብ ምሕላው ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። የሆዋ ንዅሉ መዳይ ህይወትና ዚቈጻጸር ነዊሕ ዝርዝር ሕግታት ኣይሃበናን። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝራዊ ሕጊ ዘይርከበሉ ዅነታት የጋጥመና እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ከመይ ጌርና ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ንኽእል፧ (ኤፌሶን 5:17) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ኣረኣእያ የሆዋ ዚምህረና ስርዓታት ወይ መሰረታዊ ሓቅታት ንረክብ ኢና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ ኸለና ድማ፡ የሆዋ እንታይ ባህርያት ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና። ኣተሓሳስባኡ፡ ማለት እንታይ ከም ዚፈቱን እንታይ ከም ዚጸልእን ንምሃር ኢና።—መዝሙር 97:10 ኣንብብ፣ ምሳሌ 6:16-19ተወሳኺ ሓበሬታ 1 ርአ።

9 ንኣብነት፡ ኣብ ቲቪ ወይ ኣብ ኢንተርነት እንታይ ክንርኢ ኸም ዚግባእ ከመይ ጌርና ኽንውስን ንኽእል፧ የሆዋ፡ ብልክዕ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣይነግረናን እዩ። ስርዓታቱ ግና ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር ይሕግዘና እዩ። ሎሚ ዘሎ መብዛሕትኡ መዘናግዒ ብዓመጻን ብጾታዊ ርኽሰትን መሊኡ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ዓመጻ ንዚፈቱ ዘበለ . . . ይጸልኦ፡” ከምኡ ድማ “ንኣመንዝራታት . . . ኪፈርዶም እዩ” ይብለና እዩ። (መዝሙር 11:5፣ እብራውያን 13:4) እዚ ስርዓታት እዚ፡ ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ የሆዋ ንሓደ ነገር ከም ዚጸልኦ ወይ ርኹስ ገይሩ ኸም ዚርእዮ እንተ ፈሊጥና፡ ካብኡ ኽንርሕቕ ኣሎና።

10, 11. ንየሆዋ እንእዘዞ ስለምንታይ ኢና፧

10 ንየሆዋ እንእዘዞ ስለምንታይ ኢና፧ ካብ መቕጻዕቲ ወይ ሕማቕ ውሳነ ኻብ ዜስዕቦ ሳዕቤን ምእንቲ ኸነምልጥ ኢልና ጥራይ ኣይኰንናን። (ገላትያ 6:7) የግዳስ፡ ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ ኢና እንእዘዞ። ከምቲ ውሉዳት ንኣቦኦም ኬሐጕስዎ ዚደልዩ፡ ንሕና እውን ንሰማያዊ ኣቦና ኸነሐጕሶ ንደሊ ኢና። የሆዋ ብኣና ባህ ከም ዝበሎ ኻብ ምፍላጥ ዚበልጽ ነገር የልቦን!—መዝሙር 5:12፣ ምሳሌ 12:2ተወሳኺ ሓበሬታ 2 ርአ።

11 ንየሆዋ ኣብ ዚቐልለና እዋን ወይ ኣማራጺ ኣብ ዘይብልና እዋን ጥራይ ኣይኰንናን እንእዘዞ። ኣየኖት ሕግታቱን ስርዓታቱን ከም እንሕሉ፡ ኣየኖት ድማ ከም ዘይንሕሉ ኣይንሓርን ኢና። (ዘዳግም 12:32) የግዳስ፡ ከምቲ “ንትእዛዛትካ እፈትዎ፡ እወ፡ አፍቅሮ እየ” ኢሉ ዝዘመረ ዘማሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ኢና እንእዘዞ። (መዝሙር 119:47፣ ሮሜ 6:17) ከም ኖህ ክንከውን ንደሊ ኢና፣ ንሱ ነቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ዅሉ ብምግባር ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኖህ፡ “ልክዕ ከምኡ ገበረ” ይብል እዩ። (ዘፍጥረት 6:22) የሆዋ ብዛዕባኻ ኸምኡ ኺብል ትደሊ ዲኻ፧

12. ንየሆዋ ኸመይ ጌርና ኸነሐጕሶ ንኽእል፧

12 የሆዋ፡ ክንእዘዞ ኸለና ኸመይ ይስምዖ፧ ‘ንልቡ ነሐጕሶ’ ኢና። (ምሳሌ 11:20፣ 27:11) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ብተኣዛዝነትና ንፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታት ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና። ግናኸ፡ ክንእዘዞ ኸቶ ኣይግድደናን እዩ። እኳ ደኣስ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና ኣሎ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ ኸኣ፡ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና ማለት እዩ። የሆዋ በታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና ጽቡቕ ውሳነታት ክንገብር እዩ ዚደልየና፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብሉጽ ህይወት ይህልወና።—ዘዳግም 30:15, 16, 19, 20ተወሳኺ ሓበሬታ 3 ርአ።

“ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን”

13, 14. ትእዛዛት ኣምላኽ ከቢድ ዘይምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

13 ትእዛዛት የሆዋ ንምሕላዉ ኣመና ኸቢድ ከም ዝዀነ፡ ወይ ንናጽነትና ኸም ዚድርቶ ጌርና እንተ ሓሲብናኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር፡ “ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን” ይብል እዩ። (1 ዮሃንስ 5:3) እታ “ኸቢድ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ኣብ ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሚዛናዊ ንዘይኰነ ኣጸጋሚ ሕግታት ወይ ኪቈጻጸሩን ኪጐድኡን ንዚደልዩ ሰባት ንምግላጽ ኣገልጊላ ኣላ። (ማቴዎስ 23:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) እምበኣር፡ ትእዛዛት የሆዋ “ኸቢድ ኣይኰነን” ኪብሃል ከሎ፡ ክንእዘዞ እምብዛ ዜጸግመና ኣይኰነን ማለት እዩ። የሆዋ ኻባና ዚደልዮ ነገር ወትሩ ሚዛናዊ እዩ።

14 ንኣብነት፡ ንሓደ ዓርክኻ መንበሪ ኪቕይር ትሕግዞ ኸም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንሱ ኸኣ ንዅሉ ንብረቱ ኣብ ካርቶናት ዓሺግዎ ኣሎ። ገሊኡ ንምጻሩ ቐሊል እዩ፣ ገሊኡ ግና ከቢድ ብምዃኑ ሓደ ሰብ በይኑ ኼልዕሎ ኣይክእልን እዩ። እሞኸ ዓርክኻ ኸቢድ ካርቶን በይንኻ ኸተልዕል ምሓተተካዶ፧ ኣይምሓተተካን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ክትውጻዕ ኣይደልየካን እዩ። ከምቲ ዓርክኻ ኸምኡ ዘይገብር፡ የሆዋ እውን ልዕሊ ዓቕምና ዝዀነ ነገር ክንገብር ፈጺሙ ኣይሓትተናን እዩ። (ዘዳግም 30:11-14) እንታይነትና ይፈልጥ እዩ። “ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡ ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ።”—መዝሙር 103:14

15. ትእዛዛት የሆዋ ንጥቕምና ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

15 ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል፡ ትእዛዛት የሆዋ ‘ንናይ ሓዋሩ ጽቡቖም’ ምዃኑ፡ ብተኣዛዝነቶም ድማ ‘ብህይወት ከም ዚነብሩ’ ነጊርዎም እዩ። (ዘዳግም 5:28-33፣ 6:24) ሎሚ እውን እቲ ነገር ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። የሆዋ ዚሓትተና ዘበለ ዅሉ ንህይወትና የመሓይሾ እዩ። (ኢሳይያስ 48:17 ኣንብብ።) ኣቦና የሆዋ ንዓና ዚሕሸና ይፈልጥ እዩ። (ሮሜ 11:33) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ይብለና እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) እዚ ማለት ከኣ የሆዋ ወትሩ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ዚዛረብን ዚገብርን።

16. ዘይፍጹማትን ኣብ እክይቲ ዓለም እንነብርን ክነስና፡ እዙዛት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ይኹን እምበር፡ ንኣምላኽ እዙዝ ምዃን ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኣብዛ ድያብሎስ ዚገዝኣ ዘሎ እክይቲ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ንሱ ኸኣ ንሰባት፡ ተግባሮም ክፉእ ኪኸውን ጽልዋ ኼሕድረሎም ይጽዕር እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) ምስቲ ንኣምላኽ እዙዛት ከም ዘይንኸውን ኪገብረና ዚኽእል ዘይፍጹም ሓሳባትናን ስምዒታትናን እውን ክንቃለስ ኣሎና። (ሮሜ 7:21-25) እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ግና ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ብርታዐ ትህበና እያ። የሆዋ ነቲ ንዕኡ ኽንእዘዞ እንገብሮ ጻዕሪ ይርእዮ እዩ፣ ነቲ ሓያል ቅዱስ መንፈሱ ብምሃብ ድማ ይሕግዘና እዩ። (1 ሳሙኤል 15:22, 23፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:32) መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኣምላኽ ብቐሊሉ ኽንእዘዞ ዜኽእለና ባህርያት ከነፍሪ ይሕግዘና እዩ።—ገላትያ 5:22, 23

17, 18. (ሀ) ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ እንታይ ኢና ኽንምሃር፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

17 ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ከመይ ጌርና ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ኽንነብር ከም እንኽእል ክንምሃር ኢና። ስርዓታቱን ስነ ምግባራዊ መለክዒታቱን ከመይ ጌርና ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ ኸም እንኽእል እውን ክንምሃር ኢና። የሆዋ ኽንእዘዞ ጠሪሱ ኸም ዘይግድደና ኣይትረስዕ። ብፍታውና ኽንእዘዞ ኸለና፡ ህይወትና ይመሓየሽ፡ መጻኢና እውን ብሩህ ይኸውን እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብተኣዛዝነትና ኣቢልና ንኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ ነርእዮ ኢና።—ተወሳኺ ሓበሬታ 4 ርአ።

18 ቅኑዕን ጌጋን ምእንቲ ኽንፈልጥ ኢሉ፡ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ሕልና ሂቡና ኣሎ። ንሕልናና እንተ ኣሰልጢንናዮ፡ “ትእዛዛቱ ኽንሕሉ” ይሕግዘና እዩ። እሞ ደኣ ሕልና እንታይ እዩ፧ ከመይ ጌርና ኢናኸ እነሰልጥኖ፧ እስከ ንርአ።