6ይ ክፋል • ግብሪ ሃዋርያት 15:36–18:22
“ንዓ፡ ንመለስ እሞ . . . ኣሕዋት ከመይ ከም ዘለዉ ምእንቲ ኽንርኢ፡ ንብጽሓዮም”
ሓለውቲ ወረዳ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም፧ ቲኦክራስያዊ ዕዮ ብፍታው እንተ ተቐቢልና፡ እንታይ በረኸት ንረክብ፧ ከመይ ጌርና ኢና ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርና ብውጽኢታዊ መገዲ ኸነዘራርብ እንኽእል፧ ንሰማዕትና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ሃዋርያ ጳውሎስ ክንምርምር ከለና፡ ናይዘን ሕቶታት እዚአንን ናይ ካልኦትን መልሲ ኽንረክብ ኢና።