ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 17

“ምሳታቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዛራረበ”

“ምሳታቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዛራረበ”

መሰረት ውጽኢታዊ ትምህርቲ፣ ሰናይ ኣብነት ሰብ ቤርያ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:1-15 እተመስረተ

1, 2. ካብ ፊልጲ ናብ ተሰሎንቄ እተጓዕዙ መነመን እዮም፧ ብዛዕባ እንታይከ ይሓስቡ ነይሮም ይዀኑ፧

 እቲ ብዙሓት ጃርጃር ዚብሉሉ መገዲ፡ ብኽኢላታት ሮማውያን መሃንድሳት እተሰርሐ ዀይኑ፡ ነቲ ኣኽራን ሰንጢቑ ዚሓልፍ እዩ ነይሩ። ኣብቲ መገዲ እተፈላለየ ደሃይ ይስማዕ ነበረ። ኣእዱግ ይሃልሉ፡ መንኰርኰር ሰረገላታት ገልጠምጠም ይብል፡ ከም ወተሃደራትን ነጋዶን ሰብ ሞያን ዝኣመሰሉ እተፈላለዩ ተጐዓዝቲ ኸኣ ያዕያዕ ይብሉ ነበሩ። ጳውሎስን ሲላስን ጢሞቴዎስን ከኣ፡ በዚ መገዲ እዚ ኣቢሎም፡ ካብ ፊልጲ ናብ ተሰሎንቄ፡ ማለት 130 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሕቀት ይጐዓዙ ነበሩ። እቲ ጕዕዞ፡ ምናዳ ንጳውሎስን ሲላስን ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ፊልጲ ብሽመል ተዘቢጦም ስለ ዝነበሩ፡ ገና ቘሲሎም እዮም ነይሮም።—ግብ. 16:22, 23

2 እዞም ሰባት እዚኦም ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ነዊሕ ጕዕዞ ብኸመይ ጸኒዖም ኪዋጽኡሉ ኽኢሎም፧ እቲ ንሓድሕዶም ዚገብርዎ ዝነበሩ ዝርርብ ከም ዝሓገዞም ኣየጠራጥርን እዩ። ኣብ ፊልጲ ዚነብር ሓላው እሱራትን ስድራ ቤቱን ኣመንቲ ብምዃኖም ዝረኸብዎ ተመክሮ፡ ናይ ቀረባ ተዘክሮኦም እዩ ነይሩ። እቲ ተመክሮ እቲ፡ ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ንምስባኽ ብዝያዳ ኪቘርጹ ሓጊዝዎም ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ናብታ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ተሰሎንቄ እናቐረቡ ምስ ከዱ፡ ኣብታ ኸተማ ዚርከቡ ኣይሁድ ብኸመይ ከም ዚቕበልዎም ሓሲቦም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እሞኸ ኸምቲ ኣብ ፊልጲ ዘጋጠሞም መጥቃዕትን መግረፍትን ኣጋጢምዎምዶ፧

3. ጳውሎስ ንምስባኽ ትብዓት ዝረኸበሉ መገዲ፡ ጠቓሚ ኣብነት ዝዀነና ስለምንታይ እዩ፧

3 ጳውሎስ ጸኒሑ ናብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ “ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ እኳ እንተ ጸገብናን እንተ ተገፋዕናን፡ ኣብ መንጎ ኽንደይ ተቓውሞ ብስራት ኣምላኽ ክንነግረኩም ብኣምላኽና ተቢዕና ኢና” ብምባል ስምዒቱ ገሊጹ ኣሎ። (1 ተሰ. 2:2) ስለዚ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ፊልጲ ዘጋጠሞ ነገር፡ ናብ ከተማ ተሰሎንቄ ንምእታው ሰጋእ መጋእ ከም ዝበለ ዚእምት ዘሎ እዩ ዚመስል። ንጳውሎስ እተሰምዖ ስምዒት ኪርድኣካዶ ይኽእል፧ ነቲ ብስራት ምንጋር፡ ተጋድሎ ዀይኑካዶ ይፈልጥ፧ ጳውሎስ ብርታዐ ንምርካብን ንምትባዕን ናብ የሆዋ ተጸግዐ። ነቲ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት እንተ ኣጽኒዕካዮ፡ ከምኡ ኽትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—1 ቈረ. 4:16

“ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዛራረበ” (ግብሪ ሃዋርያት 17:1-3)

4. ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ኻብ ሰለስተ ሰሙን ዚነውሕ ግዜ ጸኒሑ ኪኸውን ከም ዘለዎ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

4 እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰለስተ ሰንበት ኣብ ምኵራብ ከም ዝሰበኸ ይሕብረና። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኣብታ ኸተማ ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ጸኒሑ ማለት ድዩ፧ ግድን ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ኣብታ ኸተማ ኻብ ዚኣቱ ድሕሪ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ናብ ምኵራብ ከም ዝኸደ ኣይንፈልጥን ኢና። ብተወሳኺ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሱን ብጾቱን ድራር ዕለቶም ንምምእራር ይዓይዩ ምንባሮም፡ ኣብ መልእኽትታቱ ሓቢሩ እዩ። (1 ተሰ. 2:9፣ 2 ተሰ. 3:7, 8) ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ከኣ፡ ክልተ ግዜ ዜድልዮ ነገራት ካብቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣሕዋት ተሰዲዱሉ እዩ። (ፊል. 4:16) ስለዚ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ካብ ሰለስተ ሰሙን ዚነውሕ ኪኸውን ኣለዎ።

5. ጳውሎስ ንሰባት ብኸመይ እዩ ዜዘራርቦም ነይሩ፧

5 ጳውሎስ ንምስባኽ ስለ ዝተብዐ፡ ነቶም ኣብታ ምኵራብ እተኣከቡ ተዛረቦም። ከምቲ ልማዱ “ምሳታቶም ብቕዱሳት ጽሑፋት ተዛራረበ፣ ክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ ይገልጸሎምን እናጠቐሰ የረድኦምን፡ ‘እዚ ዝሰብከልኩም ዘለኹ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ’ ይብሎምን ነበረ።” (ግብ. 17:2, 3) ንስምዒታት ሰማዕቱ ኣይኰነን ኬለዓዕል ፈቲኑ፣ የግዳስ፡ ከም ዚሓስቡ እዩ ኺገብሮም ደልዩ። እቶም ኣብታ ምኵራብ ዝነበሩ ሰባት፡ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ሌላ ኸም ዝነበሮም ይፈልጥ ነበረ። እንተዀነ ግና፡ ነቲ ጽሑፋት ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ፡ የሱስ ናዝሬታዊ፡ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ምዃኑ ኣዘራረቦም፡ ገለጸሎም፡ ከምኡ እውን መርትዖ ሃቦም።

6. የሱስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕመ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧

6 ጳውሎስ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እዩ ዚስዕብ ነይሩ። የሱስ ንቕዱሳት ጽሑፋት ከም መሰረት ትምህርቱ ገይሩ የቕርቦ ነበረ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ ንሰዓብቱ ኸምቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ፡ ወዲ ሰብ ሓሳረ መከራ ኺጸግብን ኪመውትን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ምዃኑ ነገሮም። (ማቴ. 16:21) ድሕሪ ትንሳኤኡ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። እዚ ጥራይ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ዜረጋግጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና ተወሳኺ መርትዖ ሃቦም። ብዛዕባ እቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝበሎም ነገር፡ “ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነብያትን ጀሚሩ ኸኣ፡ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ተርጐመሎም” ዚብል ነንብብ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ኣብ መገዲ ኺዛረበናን ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ኪገልጸልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ኣብ ውሽጥና ይነድድ ኣይነበረን፧” ተባሃሃሉ።—ሉቃ. 24:13, 27, 32

7. ትምህርትታትና ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምግባር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 መልእኽቲ ቓል ኣምላኽ ዚዓዪ ወይ ሓያል እዩ። (እብ. 4:12፡ እ.ጽ.) ስለዚ ድማ፡ ሎሚ ዘለና ክርስትያናት፡ ከም የሱስን ጳውሎስን ካልኦት ሃዋርያትን፡ ትምህርትታትና ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲስና ኢና እነቕርብ። ንሰባት ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርና ነዘራርቦም፡ ነቲ እንምህሮ ትምህርቲ ዚኸውን መርትዖ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺልና ነርእዮም ኢና። ከመይሲ፡ እቲ እነብጽሖ መልእኽቲ ናትና ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርና ብምጥቃምና፡ እቲ እነብጽሖ መልእኽቲ ናይ ርእስና ዘይኰነስ፡ ትምህርትታት ኣምላኽ ምዃኑ፡ ሰባት ኬስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ እቲ እንሰብኮ መልእኽቲ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምዃኑ ኽንርስዕ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ዜተኣማምን እዩ። ነዚ ምፍላጥካ፡ ከም ጳውሎስ ነቲ መልእኽቲ ብትብዓት ክትነግር ምትእምማን ኣየሕድረልካንዶ፧

“ገለ ኻባታቶም ከኣ ኣሚኖም” (ግብሪ ሃዋርያት 17:4-9)

8-10. (ሀ) ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ሰባት ነቲ ብስራት እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ (ለ) ገሊኦም ኣይሁድ ንጳውሎስ ዝቐንኡሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ሐ) እቶም ተጻረርቲ ኣይሁድ እንታይ ገበሩ፧

8 ጳውሎስ ንሓቅነት እቲ የሱስ፡ “ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ። . . . ንዓይ እንተ ሰጒጎምኒ፡ ንዓኻትኩም እውን ኪሰጕጉኹም እዮም፣ ቃለይ እንተ ሓልዮም፡ ቃልኩም እውን ኪሕልዉ እዮም።” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ድሮ ተመኪርዎ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 15:20) ኣብ ተሰሎንቄ እተፈላለየ ምላሽ እዩ ረኺቡ፣ ገሊኦም ነቲ ቓል ኪቕበልዎ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ተጻረርዎ። ሉቃስ ብዛዕባ እቶም ነቲ ቓል እተቐበልዎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ገለ ኻባታቶም [ካብቶም ኣይሁድ] ከኣ ኣሚኖም [ክርስትያናት ኰይኖም] ምስ ጳውሎስን ሲላስን ሓበሩ፣ ንኣምላኽ ዜምልኹ ኣዝዮም ብዙሓት ግሪኻውያንን ብዙሓት ኣውራታት ኣንስትን እውን ከምኡ ገበሩ።” (ግብ. 17:4) እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ እዚኦም፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኪርድኡ ምኽኣሎም ኣሐጒስዎም እዩ።

9 ገሊኦም ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ኣኽቢሮም እኳ እንተ ረኣይዎ፡ ገሊኦም ግና ኣስናኖም ሓርቀሙሉ። “ኣዝዮም ብዙሓት ግሪኻውያን” ንመልእኽቲ ጳውሎስ ብምቕባሎም፡ ገለ ኻብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ቀንኡ። እቶም ኣይሁድ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝነበሩ ግሪኻውያን፡ ጵሮሴሊታት ኪገብርዎም ሓሊኖም ስለ ዝነበሩ፡ ትምህርትታት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ምሂሮምዎም ነበሩ፣ ስለዚ ድማ፡ ናታቶም ከም ዝዀኑ ገይሮም እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። ብሃንደበት ግና፡ ጳውሎስ ነቶም ግሪኻውያን ካብ ምኵራቦም ዚሰርቆም ዘሎ መሰለ። እቶም ኣይሁድ በዚ ተቘጥዑ።

“ንጳውሎስን ንሲላስን ከኣ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ።”​—ግብሪ ሃዋርያት 17:5

10 ሉቃስ ቀጺሉ ሽዑ ዝዀነ ነገር ይነግረና፦ “ኣይሁድ ግና ቀኒኦም፡ ኣብቲ ዕዳጋ ንዜውደልድሉ ገለ እኩያት ሰብኡት ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ከኣ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ። ኣብ ቤት ያሶን ድማ መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ ንጳውሎስን ንሲላስን ከኣ ናብቶም ህዝቢ ኼውጽእዎም ደለዩ። ምስ ሰኣንዎም፡ ንያሶንን ንገለ ኣሕዋትን ናብ ኣሕሉቕ እታ ኸተማ ወጢጦም ወሲዶም፡ ‘እዞም ንዓለም ዜዕገርግሩስ ናብዚ እውን መጺኦም፣ ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ። ኵላቶም ድማ “የሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ” እናበሉ፡ ምስ ትእዛዝ ቄሳር ዚጻረር ነገር ይገብሩ ኣለዉ’ እናበሉ ጨደሩ።” (ግብ. 17:5-7) እቶም ህዝቢ ዘለዓዓልዎ ናዕቢ ንጳውሎስን ብጾቱን ብኸመይ ጸለዎም፧

11. ንጳውሎስን ንብጾቱን እንታይ ክስታት እዩ ቐሪብሎም፧ እቶም ከሰስቲኸ ብዛዕባ እንታይ ኣዋጅ እዮም ዚዛረቡ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

11 እተነዓበ ህዝቢ ሕማቕ ተግባር እዩ ዚገብር። ከም ብርቱዕ ውሕጅ ብቝጥዓን ብዘይ ቍጽጽርን እዩ ዚጐዓዝ። እቶም ኣይሁድ ንጳውሎስን ሲላስን ንምስጓጕ፡ ነዚ ኣገባብ እዚ እዮም ተጠቒሞም። እቶም ኣይሁድ ነታ ኸተማ ምስ “ኣነዓብዋ፡” ኣቕሊልካ ዘይርአ ኽስታት ከም ዘለዎም ነቶም መኳንንቲ ኼእምንዎም ፈተኑ። ቀዳማይ፡ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ተሰሎንቄ ናዕቢ እኳ እንተ ዘየለዓዓሉ፡ “ንዓለም ዜዕገርግሩ” ኸም ዝዀኑ ጌርካ እዮም ተኸሲሶም። እቲ ኻልኣይ ክሲ ኸኣ፡ ዝያዳ ኸቢድ እዩ ነይሩ። እቶም ሚስዮናውያን፡ የሱስ ዚብሃል ካልእ ንጉስ ከም ዘሎ ይሰብኩ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣዋጅ ቄሳር ይጥሕሱ ምህላዎም እዮም በቶም ኣይሁድ ተኸሲሶም። a

12. ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝቐረበሎም ክስታት ከቢድ ሳዕቤናት ኪህልዎ ይኽእል ከም ዚነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

12 መራሕቲ ሃይማኖት ንየሱስ ተመሳሳሊ ኽሲ ኸም ዝኸሰስዎ ትዝክር ትኸውን። ንጲላጦስ፡ “እዚ ንህዝብና ኼስድዖም፡ . . . ንሱ ባዕሉ ክርስቶስ ንጉስ ከም ዝዀነ ኸኣ ኪዛረብ ከሎ ረኺብናዮ” ኢሎም ተዛረብዎ። (ሉቃ. 23:2) ጲላጦስ ንየሱስ ከም ዚቕተል ዝገበሮ እውን፡ ንኸቢድ ክሕደት ዕሽሽ ከም ዝበለ ጌርካ በቲ ሃጸይ ከይርአ ስለ ዝፈርሀ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። እቲ ኣብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝቐረበ ኽስታት እውን፡ ከቢድ ሳዕቤናት ኬምጽእ ምኸኣለ ነይሩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “‘ኣብ ሃጸያት ክሕደት ከም እተፈጸመ ዚእምት ነገር እኳ ብሞት ዜቕጽዕ’ ብምንባሩ፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት እዮም ነይሮም” በለ። እዚ ብጽልኢ እተፈነወ መጥቃዕቲ ኣሳልጦ ይረክብ ደዀን ይኸውን፧

13, 14. (ሀ) እቶም ናዕቢ ዝፈጠሩ ህዝቢ ዘይሰለጦም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ነቲ ክርስቶስ ዝጠቐሶ ዓይነት ጥንቃቐ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኣብነቱ ብኸመይ ክንስዕብ ንኽእል፧

13 እቶም ናዕቢ ዝፈጠሩ ህዝቢ ነቲ ኣብ ተሰሎንቄ ዚግበር ዝነበረ ዕዮ ስበከት ደው ኬብልዎ ኣይከኣሉን። ስለምንታይ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ንጳውሎስን ሲላስን ኪረኽብዎም ስለ ዘይከኣሉ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ መኳንንቲ እታ ኸተማ ነቲ ኽስታት ኣይኣመኑሉን ኪዀኑ ኣለዎም። ካብቶም ተኸሲሶም ዝቐረቡ ያሶንን ካልኦት ኣሕዋትን “ዋሕስ ምስ ተቐበሉ” ሓደግዎም። (ግብ. 17:8, 9) ጳውሎስ ነቲ የሱስ፡ “ጥንቁቓት ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ብምስዓብ፡ ብጥበብ ካብቲ ቦታ ርሒቑ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ኺሰብኽ ከደ። (ማቴ. 10:16) እምበኣር፡ ጳውሎስ ትብዓት ረኺቡ ኽንብል ከለና፡ ዘይጥንቁቕ ኰይኑ ማለት ኣይኰነን። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከመይ ገይሮም እዮም ኣብነቱ ኺስዕቡ ዚኽእሉ፧

14 ኣብዚ ግዜና፡ ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን ብተደጋጋሚ ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣናዒቦም እዮም። መናዓብትን ከሓድትን ከም ዝዀኑ ገይሮም ብምኽሳስ፡ ንገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስጕምቲ ኸም ዚወስዱ ገይሮም እዮም። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ተጻረርቲ፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰጐጕቲ ብቕንኢ እዮም ዚልዓሉ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ባዕሎም ሽግር ኣይጽውዑን እዮም። ብእተኻእለ መጠን ምስ ቍጡዓትን ዘይሓስቡን ሰባት ክንገታተር ኣይንደልን ኢና፣ የግዳስ፡ ዕዮና ብሰላም ክንቅጽልን፡ ምናልባት እውን ነገራት ምስ ሃድአ ጸኒሕና ኽንምለስን ኢና እንደሊ።

“ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ይልብሙ ነበሩ” (ግብሪ ሃዋርያት 17:10-15)

15. ሰብ ቤርያ ነቲ ብስራት እንታይ ምላሽ ሃቡ፧

15 ጳውሎስን ሲላስን ካብ ሓደጋ ንምምላጥ ናብታ 65 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ቤርያ ኸዱ። ኣብኣ ምስ በጽሑ፡ ጳውሎስ ናብ ምኵራብ ኣትዩ ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ተዛረቦም። ነቲ መልእኽቲ ዚቕበሉ ሰማዕቲ ምርካብሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜሐጕስ እዩ! ሉቃስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ኣይሁድ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እዚኣቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ይልብሙ ነበሩ፣ እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ኺፈልጡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” (ግብ. 17:10, 11) እዘን ቃላት እዚአን ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ሓቂ እተቐበሉ ሰባት ዜነኣእሳ ድየን፧ ኣይኰናን። ጳውሎስ ጸኒሑ ብዛዕባኦም፡ “ስለዚ ኸኣ ኢና ንሕና እውን ንኣምላኽ ከየቋረጽና እነመስግኖ ዘለና፣ ስለምንታይሲ፡ ነቲ ኻባና ዝሰማዕኩምዎ፡ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ እውን ዚዓዪ ዘሎ ቓል ኣምላኽ ክትቅበልዎ ኸለኹም፡ ከም ቃል ሰብ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብሓቂ ዝዀኖ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ጌርኩም ኢኹም ተቐቢልኩምዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ተሰ. 2:13) እቶም ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝበለጸ ደግታት ወይ ዝለበሙ ዝገበሮም ግና እንታይ እዩ፧

16. ሰብ ቤርያ ‘ዝለበሙ’ ኺብሃሉ ዚከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧

16 እቶም ሰብ ቤርያ ሓድሽ ነገር እኳ እንተ ሰምዑ፡ ተጠራጠርቲ ወይ ነቐፍቲ ኣይነበሩን፣ ብቐሊሉ ዚዕሸዉ እውን ኣይነበሩን። ፈለማ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝበሎም ተጠንቂቖም ሰምዑ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ዘረደኦም ነገር ከምኡ እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መርመሩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሰንበት ሰንበት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንቓል ኣምላኽ ብትግሃት የጽንዑ ነበሩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ነቲ ሓድሽ ትምህርቲ ብኸመይ ከም ዜብርሆ ንምርዳእ “ብዅሉ ፍቓዶም” እዮም ዚጽዕሩ ነይሮም። ኣብ መወዳእታ፡ “ብዙሓት ካባታቶም ኣመኑ” ዚብል ስለ እነንብብ፡ ለውጢ ኺገብሩ ዜኽእል ትሕትና ኸም ዝነበሮም ኣርእዮም እዮም። (ግብ. 17:12) ሉቃስ ንሰብ ቤርያ፡ “ይልብሙ ነበሩ” ምባሉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!

17. ሰብ ቤርያ ዝሓደግዎ ኣብነት ኣዝዩ ዚነኣድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣመንቲ ድሕሪ ምዃንና እውን ንኣብነቶም ብኸመይ ክንስዕብ ንኽእል፧

17 እቶም ሰብ ቤርያ ነቲ ብስራት እተቐበሉሉ መገዲ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዚዕቀብን ብመንፈሳዊ ልብምና ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ከም ዚኸውንን ኣይፈለጡን ነይሮም። ከምቲ ጳውሎስ ኪገብርዎ እተመነዮን ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ኪገብርዎ ዝደለዮን ነገር እዮም ገይሮም። ንሕና እውን ንሰባት ከምኡ ኺገብሩ ኢና እነተባብዖም፣ እምነቶም ኣብ ቃል ኣምላኽ ምእንቲ ኺስረት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቖም ኪምርምርዎ ኢና እነተባብዖም። ኣመንቲ ድሕሪ ምዃንና ግና ልብምና ኣድላዪ ኣይኰነን ማለት ድዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ካብ የሆዋ ምእንቲ ኽንምሃር ብዝያዳ ሃንቀውታ ኸነሕድርን ንትምህርትታቱ ብቕልጡፍ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ኣሎና። በዚ ኸምዚ፡ ብየሆዋ ኽንቅረጽን ከም ፍቓዱ ኽንስልጥንን ፍቓደኛታት ንኸውን። (ኢሳ. 64:8) ነቲ ሰማያዊ ኣቦና እንጠቅምን ኣጸቢቕና እነሐጕስን ከኣ ንኸውን።

18, 19. (ሀ) ጳውሎስ ካብ ቤርያ ዝወጸ ስለምንታይ እዩ፧ ግናኸ ኽንቀድሖ ዚግባእ ኣብነት ጽንዓት ዝሓድገልና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ ቀጺሉ ንመንን ኣበይን እዩ ሰቢኹ፧

18 ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ነዊሕ ኣይጸንሐን። ቀጺሉ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ከምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ እውን ቃል ኣምላኽ ከም ዝሰበኸ ምስ ፈለጡ ግና፡ ነቲ ህዝቢ ኼለዓዕሉን ኪርብሹን መጹ። ሽዑ፡ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ብኡብኡ ናብ ባሕሪ ኪኸይድ ሰደድዎ፣ ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። ግናኸ፡ እቶም ንጳውሎስ ዘሰነይዎ፡ ክሳብ ኣቴና ኣብጽሕዎ፣ ብዛዕባ ሲላስን ጢሞቴዎስን ከኣ ቀልጢፎም ናብ ጳውሎስ ኪመጹ ትእዛዝ ምስ ተቐበሉ፡ ነቐሉ።” (ግብ. 17:13-15) እቶም ጸላእቲ ብስራት ዚሕለሉ ኣይነበሩን። ንጳውሎስ ካብ ተሰሎንቄ ምስጓጎም ከይኣኽሎም፡ ናብ ቤርያ ኸይዶም እውን ኬናዕቡ ሓሰቡ። ሽዑ ግና ኣይሰለጦምን። ጳውሎስ ሰፊሕ ክሊ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ፣ ብቐሊሉ ናብ ካልእ ቦታ ገዓዘ። ሎሚ እውን ንሕና ነቲ ንዕዮ ስብከት ደው ኬብሉ ዚጽዕሩ ሰባት ዚገብርዎ ጻዕርታት ንምፍሻል ቈራጻት ንኹን!

19 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄን ቤርያን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣጸቢቑ ድሕሪ ምምስካሩ፡ ብትብዓት ብዛዕባ ምምስካርን ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ብዛዕባ ምዝርራብን ዘለዎ ኣገዳስነት ፈሊጡ ኪኸውን ኣለዎ። ንሕና እውን ነዚ ኣይንስሕቶን ኢና። ድሕርዚ ግና፡ ጳውሎስ ፍልይ ንዝበሉ ሰማዕቲ፡ ማለት ኣብ ኣቴና ንዝነበሩ ኣህዛብ እዩ ሰቢኹ። እሞኸ ኣብታ ኸተማ ሰሊጥዎዶ፧ ነዚ፡ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ክንርእዮ ኢና።

a ብመሰረት ሓደ ምሁር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ብዛዕባ ምምጻእ ሓድሽ ንጉስ ወይ መንግስቲ፡ ምናዳ ኸኣ ነቲ ህሉው ሃጸይ ብዛዕባ ዚትክኦ ወይ ዚፈርዶ” ምንባይ፡ ክልኩል ምዃኑ ዚገልጽ ኣዋጅ ቄሳር ነይሩ እዩ። ጸላእቲ ጳውሎስ ነቲ መልእኽቱ ብምጥዋይ፡ ነዚ ኣዋጅ እዚ ኸም ዝጠሓሰ ገይሮም ኣቕሪቦምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። “ ቄሳራትን መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።