ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሐበሪ ስእሊ

መሐበሪ ስእሊ

ብመሰረት እቲ ዚርከበሉ ገጽ እተሰርዐ

  • ገበር ጳውሎስ፡ ጣቢታ፡ ጋልዮስ፡ ሉቃስ፡ ሓላው ቤተ መቕደስ ምስ ሃዋርያት፡ ሓደ ሰዱቃዊ፡ ንጳውሎስ ናብ ቂሳርያ እናኣብጽሕዎ፡ መጕልሕ ድምጺ ብዘለዋ ማኪናን ብፎኖግራፍን ዚግበር ዘመናዊ ምስክርነት።

  • ገጽ 1 ጳውሎስን (ብሰንሰለት ተኣሲሩ ዘሎ) ሉቃስን ብመርከብ ጽዕነት ገይሮም ናብ ሮሜ እናኸዱ።

  • ገጽ 2, 3 ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ሓው ጆን ባርን ሓው ቴዶር ጃራዝን ናብ ካርታ ዓለም የመልክቱ።

  • ገጽ 11 የሱስ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱን ካልኦት ሰዓብቱን ኣብ ከረን ገሊላ መዝነት ይህቦም።

  • ገጽ 14 የሱስ ናብ ሰማይ ይዓርግ፡ ሃዋርያቱ እውን ኣንቃዕሪሮም ይጥምትዎ።

  • ገጽ 20 ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቶም በጻሕቲ በብቛንቋኦም ይዛረብዎም።

  • ገጽ 36 ሃዋርያት ኣብ ቅድሚ እቲ ዝነደረ ቀያፋ ደው ይብሉ። እቶም ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ከኣ ምእንቲ ኺኣስርዎም ካብቲ ዋዕላ ትእዛዝ ይጽበዩ።

  • ገጽ 44 ታሕቲ፦ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዚርከብ ቤት ፍርዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰለይቲ ኣመሪካ ኸም ዝዀኑ ይጥቅኖም።—ኖየ በርሊነር ኢሉስትኽየተ፡ 3 ጥቅምቲ 1950።

  • ገጽ 46 እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ተኸሲሱ ይቐርብ። ክንዮኡ ሃብታማት ሰዱቃውያን ኣለዉ፣ ክነጆኡ ጥሩፋት ፈሪሳውያን ኣለዉ።

  • ገጽ 54 ጴጥሮስ ንሓደ ሓድሽ ወደ መዝሙር ኢዱ የንብረሉ፣ ስምኦን ገንዘብ ሒዙ ኣሎ።

  • ገጽ 75 ጴጥሮስን መጓዕዝቱን ናብ ቤት ቆርኔሌዎስ ይኣትዉ። ቆርኔሌዎስ ሓለቓ ሚእቲ ምዃኑ ንምሕባር፡ ብጸጋማይ መንኵቡ ፍሉይ ካባ ገይሩ ኣሎ።

  • ገጽ 83 መልኣኽ ንጴጥሮስ ይመርሖ፣ ጴጥሮስ ኣብ ግምቢ ኣንቶንያ ተኣሲሩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ገጽ 84 ታሕቲ፦ ብ1945 መናዓብቲ ኣብ ሞንትሪያል፡ ኲበክ።—ዊክኤንድ መጋዚን፡ ሓምለ 1956።

  • ገጽ 91 ጳውሎስን በርናባስን ካብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ይስጐጉ። እቲ ኣብ መጀመርታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ተሃኒጹ ኪኸውን ዚኽእል ሓድሽ መትረብ ማይ እታ ኸተማ፡ ኣብ ድሕሪት ኣሎ።

  • ገጽ 94 ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ልስጥራ ቕጥዒ ኣልቦ ውዳሰ ምቕባል ይኣብዩ። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ወኻዕታን ሙዚቃን ዝመልኦ እዩ ነይሩ።

  • ገጽ 100 ላዕሊ፦ ሲላስን ይሁዳን ነታ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ዝነበረት ጉባኤ የተባብዕዋ። (ግብ. 15:30-32) ታሕቲ፦ ሓላው ወረዳ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ጉባኤ ይምድር።

  • ገጽ 107 ጉባኤ የሩሳሌም ኣብ ብሕታዊ ቤት ተኣኪባ ኸላ።

  • ገጽ 124 ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ብመርከብ ንግዲ ሮማውያን ይጐዓዙ። ግምቢ መብራህቲ ብማዕዶ ኺርአ ይከኣል።

  • ገጽ 139 ኣብ ውሽጢ ቐጽሪ ዘለዉ ጳውሎስን ሲላስን ካብ ቍጡዓት ህዝቢ የምልጡ።

  • ገጽ 155 ጋልዮስ ንኸሰስቲ ጳውሎስ ይሰጕጎም። ንስልጣኑ ዜርኢ ጁዅ ዝእድያቱ ጻዕዳ ቶጋ ተኸዲኑ፡ ካልሴ ዚብሃል ዓይነት ሳእኒ ድማ ወድዩ ኣሎ።

  • ገጽ 158 ድሜጥሮስ ኣብ ኤፌሶን ንዚርከቡ ኣንጠረኛታት ብሩር ይዛረቦም። ንእሽቶ መቕደስ ብሩር ኣርጤምስ ከም መዘከርታ ይሽየጥ ነበረ።

  • ገጽ 171 ጳውሎስን ብጾቱን ናብ መርከብ ይስቀሉ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. እተሃንጸ፡ ሓወልቲ ዓብዪ ወደብ ኣብ ድሕሪት ኣሎ።

  • ገጽ 180 ታሕቲ፦ ብ1940ታት ኣብ ካናዳ ጽሑፋትና ተኣጊዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መንእሰይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብሕቡእ የበጻጽሕ። (ብመርኣያ ዝቐረበ።)

  • ገጽ 182 ጳውሎስ ነቲ ሽማግለታት ዘቕረቡሉ ሕቶ ይቕበል። ሉቃስን ጢሞቴዎስን ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢሎም፡ ነቲ ዝመጸ ውጽኢት የረክቡ።

  • ገጽ 190 ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ፡ ንቅላውዴዎስ ሊስያስ ኣብታ ጳውሎስ ተኣሲሩላ ኽትከውን እትኽእል ግምቢ ኣንቶንያ ይዛረቦ። ሄሮድስ ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ብድሕሪት ትርአ ኣላ።

  • ገጽ 206 ጳውሎስ ነቶም ኣብታ መርከብ ጽዕነት ዝነበሩ ዝደኸሙ ተጓዓዝቲ ይጽልየሎም።

  • ገጽ 222 ጳውሎስ ምስ ሮማዊ ወተሃደር ብሰንሰለት ተኣሲሩ ንእተወሰነ ኽፋል ከተማ ሮሜ ይጥምት።