ምዕራፍ 6
እስጢፋኖስ “ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ ነበረ”
ካብቲ እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ብትብዓት ዝሃቦ ምስክርነት እንረኽቦ ትምህርቲ
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 6:8–8:3 እተመስረተ
1-3. (ሀ) እስጢፋኖስ ኣብ ከመይ ዝበለ ዜፍርህ ኵነታት እዩ ኣትዩ፧ ግናኸ ኣብ ገጹ እንታይ እዩ ዚንበብ ነይሩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ፍርዲ ደው በለ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ጥቓ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዚርከብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ኰይኑ፡ ኣብቲ መሳጢ ኣዳራሽ 71 ሰብኡት ብፍርቂ ኽባዊ መገዲ ኾፍ ኢሎም ነበሩ። እዚ ዋዕላ ተባሂሉ ዘሎ ቤት ፍርዲ፡ ንእስጢፋኖስ ኪፈርዶ ኢሉ እዩ ኣብ መጋባእያ ኾፍ ዝበለ። እቶም ፈራዶ ሓያል ስልጣንን ጽልዋን ዝነበሮም ኰይኖም፡ መብዛሕትኦም ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ግዲ ኣይነበሮምን። እቲ ነቲ ኣኼባ ዝጸውዐ ሰብኣይ፡ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ከሎ፡ ቅድሚ እተወሰነ ኣዋርሕ እቲ ቤት ፍርዲ ንየሱስ ክርስቶስ ንሞት ኪፈርዶ ኸሎ እውን ኣቦ መንበር እዩ ነይሩ። እስጢፋኖስ በዚ ፈሪሁዶ፧
2 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ገጽ እስጢፋኖስ ዚንበብ ዝነበረ ነገር ኣዝዩ ዜደንቕ ነበረ። እቶም ፈራዶ ጠመትዎ እሞ፡ ገጹ “ኸም ገጽ መልኣኽ” ኰይኑ ተራእዮም። (ግብ. 6:15) መላእኽቲ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ እተላእከ መልእኽቲ ዜብጽሑ ፍጡራት ስለ ዝዀኑ፡ ኣብ ገጾም ትብዓትን ህድኣትን ሰላምን እዩ ዚንበብ። ኣብ ገጽ እስጢፋኖስ እውን ከምኡ እዩ ዚንበብ ነይሩ፣ እቶም ብጽልኢ እተመልኡ ፈራዶ እውን ከይተረፉ ነዚ ኺርእዩ ኸኣሉ። ከመይ ገይሩ ግና እዩ ኺሃድእ ክኢሉ፧
3 ሎሚ ዘለና ክርስትያናት ካብ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። እስጢፋኖስ ኣብቲ ጽንኩር ኵነታት ዝኣተወሉ ምኽንያት እውን ክንፈልጥ ንደሊ ኢና። ኣቐዲሙ ንእምነቱ ብኸመይ እዩ ተጣቢቑ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧
“ንህዝብን ንዓበይትን ንጸሓፍትን ከኣ ኣለዓዓልዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 6:8-15)
4, 5. (ሀ) እስጢፋኖስ ኣብታ ጉባኤ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እስጢፋኖስ “ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ” ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
4 እስጢፋኖስ ኣብታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዕዙዝ ኣበርክቶ ኸም ዝነበሮ ኣቐዲምና ርኢና ኔርና። ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ምዕራፍ፡ ጻውዒት ምስ ተገብረሎም ንሃዋርያት ኪድግፉ ፍቓደኛታት ካብ ዝዀኑ ሸውዓተ ትሑታት ሰብኡት ሓደ ምንባሩ ርኢና ኢና። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ውህበታት ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና ኸኣ፡ ትሕትናኡ ዝያዳ እያ እትጐልሓልና። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 6:8፡ ከም ገሊኦም ሃዋርያት፡ “ዓበይቲ ተኣምራትን ትእምርትታትን” ይገብር ከም ዝነበረ ኸነንብብ ንኽእል ኢና። “ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ” ምንባሩ እውን ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
5 እታ “ሞገስ ኣምላኽ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ሞገስ” ጥራይ ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል እያ። እስጢፋኖስ ለዋህን ሕያዋይን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ እዚ ድማ ንሰባት ናብኡ ኸም ዚሰሓቡ ይገብር ነይሩ እዩ። ክእለት ኣዘራርባ ስለ ዝነበሮ፡ እቲ ዚዛረቦ ዘረባ ኻብ ልቡ፡ እቲ ዜቕርቦ ሓቅታት ከኣ ጠቓሚ ምዃኑ ንሰማዕቱ የእምኖም ነበረ። ብመንፈስ የሆዋ ኺምራሕ ፍቓደኛ ብምንባሩን እቲ መንፈስ እውን ኣብኡ ይዓዪ ብምንባሩን፡ ሓይሊ መሊእዎ ነበረ። በቲ ውህበታቱን ክእለታቱን ኣብ ክንዲ ዚዕበ ግና፡ ኵሉ ውዳሰ ንየሆዋ ኸም ዚውሃብ ገበረ፣ ነቶም ዚዛረቦም ዝነበረ ሰባት ከኣ ፍቕራዊ ሓልዮት ኣርኣዮም። ስለዚ ኸኣ እዮም ተጻረርቱ ስግኣት ዝሓደሮም።
6-8. (ሀ) ንእስጢፋኖስ እተጻረርዎ ሰባት ብምንታይ ክልተ ነገራት እዮም ዝኸሰስዎ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) እስጢፋኖስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
6 እተፈላለዩ ሰባት ንእስጢፋኖስ ተኸራኸርዎ፡ “ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪረትዕዎ ኣይከኣሉን።” a በዚ ስለ እተበሳጨዉ፡ ነዚ ንጹህ ሰዓቢ ክርስቶስ ዚኸስዎ ሰባት “ሓበሉ።” ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ “ንህዝብን ንዓበይትን ንጸሓፍትን . . . ኣለዓዓልዎም፡” ንእስጢፋኖስ ድማ መንዚዖም ናብቲ ዋዕላ ወሰድዎ። (ግብ. 6:9-12) እቶም ተጻረርቲ፡ ንኣምላኽን ንሙሴን ተጻሪፉ ዚብል ክልተ ኽስታት ከሰስዎ። ብኸመይ ግና እዮም ነቲ ኽሲ ኣቕሪቦምዎ፧
7 እቶም ሓሰውቲ ኸሰስቲ፡ እስጢፋኖስ ኣንጻር “እዛ ቕድስቲ ቦታ እዚኣ፡” ማለት ኣንጻር እታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ብምዝራቡ፡ ንኣምላኽ ጸሪፉ ኢሎም ከሰስዎ። (ግብ. 6:13) ነቲ ሙሴ ዝሃቦም ስርዓት ኪልውጦ ብምድላዩ ኸኣ፡ ንሙሴ ጸሪፉ ኢሎም ከሰስዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣይሁድ ነታ ቤተ መቕደስን ንዝርዝር ሕጊ ሙሴን ነቲ ንሳቶም ዝወሰኽዎ ብኣፍ ዚመሓላለፍ ስርዓቶምን ኣመና የተኵሩሉ ስለ ዝነበሩ፡ እዚ ኽሲ እዚ ቐሊል ኣይነበረን። ስለዚ፡ ንእስጢፋኖስ ሞት ዚግብኦ ሓደገኛ ሰብ ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ከሲሶምዎ!
8 እቲ ዜሕዝን፡ ሃይማኖተኛታት ሰባት ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺጐድኡ ኢሎም፡ ብዙሕ ግዜ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሜላ ይጥቀሙ እዮም። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ሃይማኖተኛታት ተጻረርቲ ንዓለማውያን መራሕቲ ብምቝስቋስ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚስጐጉ ይገብሩ እዮም። ነገር ጠውዮም ወይ ኣልዕል ኣቢሎም ኪኸሱና ኸለዉ፡ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧ ካብ እስጢፋኖስ ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና።
ብዛዕባ “ኣምላኽ ክብሪ” ብትብዓት ምምስካር (ግብሪ ሃዋርያት 7:1-53)
9, 10. ሓያስያን ብዛዕባ እቲ እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እተዛረቦ ዘረባ እንታይ እዮም ዝበሉ፧ እንታይከ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧
9 ኣብ መእተዊ ኸም እተገልጸ፡ እቲ ኽስታት ንእስጢፋኖስ ኪቐርበሉ ኸሎ፡ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ህድኣት ዝመልኦ ነበረ። ድሕሪኡ፡ ቀያፋ ናብኡ ቝሊሕ ኢሉ፡ “እዚ ነገር እዚ ኸምኡ ድዩ፧” በሎ። (ግብ. 7:1) እስጢፋኖስ ኪዛረብ ዕድል ተዋህቦ። ግርም ገይሩ ኸኣ ተዛረበ!
10 ገሊኦም ሓያስያን፡ እስጢፋኖስ ነዊሕ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ኽስታት ግና መልሲ ኸም ዘይሃበሉ ገይሮም ይነቕፍዎ እዮም። ከም ሓቂ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ብስራት ንዚሓትተና ብኸመይ ‘ምላሽ ከም እንህብ’ ዜርኢ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (1 ጴጥ. 3:15) እስጢፋኖስ ነታ ቤተ መቕደስ ብምጽራፍ ንኣምላኽ ከም ዝጸረፈ፡ ነቲ ሕጊ ብምንቃፍ ድማ ንሙሴ ኸም ዝጸረፈ ጌርካ ኸም እተኸስሰ ኣይትረስዕ። ኣብቲ ዝሃቦ ምላሽ፡ እተወሰነ ነጥብታት ብጥንቃቐ እናኣጕልሐ ንሰለስተ ኽፋል ታሪኽ እስራኤል ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጾ። ነዚ ሰለስተ ኽፋል ታሪኽ እስራኤል እስከ በብሓደ ንርኣዮ።
11, 12. (ሀ) እስጢፋኖስ ነቲ ኣብርሃም ዝሓደጎ ኣብነት ጽቡቕ ገይሩ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እስጢፋኖስ ንዮሴፍ ኣብ ዘረባኡ ዝጠቐሶ ስለምንታይ እዩ፧
11 ዘመነ ኣበው። (ግብ. 7:1-16) እስጢፋኖስ ብዛዕባ እቲ ኣይሁድ ብእምነቱ ዜኽብርዎ ኣብርሃም ኪዛረብ ጀመረ። በዚ ኣገዳሲ ሓባራዊ ባይታ ኺጅምር ከሎ፡ እቲ “ኣምላኽ ክብሪ” ዝዀነ የሆዋ ፈለማ ኣብ መሶጶታምያ ንኣብርሃም ከም እተገልጸሉ ሓበረ። (ግብ. 7:2) ኣብርሃም ኣብታ ምድሪ ተስፋ ጓና እዩ ነይሩ። ቤተ መቕደስ ኰነ ሕጊ ሙሴ ኣይነበሮን። እሞኸ ንኣምላኽ እተርእዮ ተኣማንነት፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቕደስን ሕግታትን ከም እተመርኰሰ ጌርካ ኽትማጐት ይከኣልዶ፧
12 እቶም ንእስጢፋኖስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ነቲ ኻብ ዘርኢ ኣብርሃም ዝነበረ ዮሴፍ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ነይሮም እዮም። እስጢፋኖስ ከኣ፡ እቲ ጻድቕ ዮሴፍ በቶም ኣቦታት ነገዳት እስራኤል ዝዀኑ ኣሕዋቱ ኸም እተሰጐን እተሸጠን ኣዘኻኸሮም። ኰይኑ ግና፡ ዮሴፍ ንእስራኤል ካብ ጥሜት ንምድሓን ኣምላኽ እተጠቕመሉ መሳርሒ ዀነ። እስጢፋኖስ ነቲ ኣብ መንጎ ዮሴፍን የሱስ ክርስቶስን ዘሎ ምምስሳል ብንጹር ከም እተረድኦ ዘየጠራጥር እኳ እንተ ዀነ፡ ሰማዕቱ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምእንቲ ኺሰምዕዎ ኢሉ፡ ነዚ ኣይሓበሮምን።
13. እስጢፋኖስ ብዛዕባ ሙሴ እተዛረቦ ዘረባ ነቲ ዝቐረበሉ ኽሲ ዚምልስ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ፍረ ነገርከ እዩ ኣማዕቢሉ፧
13 ዘመነ ሙሴ። (ግብ. 7:17-43) እስጢፋኖስ ብዛዕባ ሙሴ ብዙሕ ተዛሪቡ እዩ። መብዛሕትኦም ኣባላት እቲ ዋዕላ ሰዱቃውያን ስለ ዝነበሩ፡ ንሳቶም ከኣ ብዘይካ እቲ ብሙሴ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ንዅሉ ኻልእ መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይቅበሉ፡ ከምኡ ምግባሩ ጥበባዊ እዩ ነይሩ። ንሙሴ ጸሪፉ ተባሂሉ ኸም እተኸስሰ እውን ኣይትረስዕ። ንሙሴን ነቲ ሕግን ዓብዪ ኣኽብሮት ከም ዘለዎ ብዘረባኡ ስለ ዝሓበረ፡ ነቲ ኽሲ እቲ ብቐጥታ መሊሱሉ እዩ። (ግብ. 7:38) ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ሙሴ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቶም ኬድሕኖም ዚጽዕረሎም ዝነበረ ሰባት ምጽራር ከም ዘጋጠሞ ሓበረ። ወዲ 40 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነጸግዎ። ድሕሪ 40 ዓመት እውን፡ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንመሪሕነቱ ኣብ ሕቶ ኣእተውዎ። b በዚ ኸምዚ፡ እስጢፋኖስ በብቝሩብ ሓደ ኣገዳሲ ፍረ ነገር ኣማዕበለ፦ ህዝቢ ኣምላኽ ነቶም የሆዋ ዝሸመሎም መራሕቶም ብተደጋጋሚ ነጺጎምዎም እዮም።
14. እስጢፋኖስ ብዛዕባ ሙሴ ኣብ እተዛረቦ ዘረባ እንታይ ነጥብታት እዩ ኣጕሊሑ፧
14 ሙሴ ኸምኡ ዝኣመሰለ ነብዪ ኣብ እስራኤል ኪትንስእ ምዃኑ ኸም እተዛረበ፡ እስጢፋኖስ ንሰማዕቱ ኣዘኻኸሮም። እቲ ነብዪ መን ኰን ይኸውን፧ ብኸመይከ ይቕበልዎ ይዀኑ፧ እስጢፋኖስ ኣብ መደምደምታኡ ኽሳዕ ዚበጽሕ፡ ንመልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ከይገለጾ ጸንሐ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ ሓበረ፦ ከምቲ እቲ ኣብ ከባቢ እታ የሆዋ ንሙሴ እተዛረበሉ እትነድድ ቈጥቋጥ ዝነበረ መሬት እተቐደሰ፡ ዝዀነ ይኹን መሬት ኪቕደስ ከም ዚኽእል፡ ሙሴ ይፈልጥ ነበረ። እሞ ደኣ ንየሆዋ ዚቐርብ ኣምልኾ ኣብ ከምታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዝኣመሰለ ሓደ ህንጻ ኺድረት ወይ ኪቕየድ ይኽእል ድዩ፧ ብዛዕባ እዚ፡ ቀጺልና ንርአ።
15, 16. (ሀ) እቲ ማሕደር ነቲ እስጢፋኖስ ዘቕረቦ መጐተ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እስጢፋኖስ ነታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘረባኡ እተጠቕመላ ብኸመይ እዩ፧
15 እቲ ማሕደርን እታ ቤተ መቕደስን። (ግብ. 7:44-50) ኣብ የሩሳሌም ዋላ ሓንቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ኣምላኽ ንሙሴ ማሕደር፡ ማለት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዚንቀሳቐስ ብድንኳን እተሰርሐ ቤት ኣምልኾ ኺሰርሕ ከም ዝኣዘዞ፡ እስጢፋኖስ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣዘኻኸሮ። ሙሴ ንባዕሉ ኣብቲ ማሕደር የምልኽ ስለ ዝነበረ፡ መን እዩ ደፊሩ፡ እቲ ማሕደር ካብታ ቤተ መቕደስ ዚትሕት ከም ዝዀነ ኺዛረብ ዚኽእል፧
16 ጸኒሑ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ነታ ቤተ መቕደስ ምስ ሃነጸ፡ ብመንፈስ ተደሪኹ ኣብ ጸሎቱ ኣገዳሲ ትምህርቲ ሃበ። ከምቲ እስጢፋኖስ ዝገለጾ፡ “እቲ ልዑል ብኢድ ኣብ እተሰርሐ ኣባይቲ ኣይነብርን እዩ።” (ግብ. 7:48፣ 2 ዜና 6:18) የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ንቤተ መቕደስ ኪጥቀመሉ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ብእኡ ግና ኣይቅየድን እዩ። ስለምንታይ ደኣ እዮም ኣምለኽቱ፡ ንጹህ ኣምልኾ ኣብቲ ብኢድ ሰብ እተሰርሐ ህንጻ ኸም ዚምርኰስ ገይሮም ዚሓስቡ፧ እስጢፋኖስ ኣብ መደምደምታ እዚ መጐተኡ እዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ካብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ቃላት የሆዋ ጠቐሰ፦ “‘ሰማይ ዝፋነይ እዩ፣ ምድሪ ኸኣ ድኳ እግረይ እያ። ከመይ ዝበለት ቤት ኢኹም ክትሃንጹለይ፧’ ይብል የሆዋ። ‘ወይስ እታ ዝዓርፈላ ቦታ ኣበይ ኣላ፧ እዚ ዅሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧’”—ግብ. 7:49, 50፣ ኢሳ. 66:1, 2።
17. እስጢፋኖስ እተዛረቦ ዘረባ፡ (ሀ) ንኣረኣእያ እቶም ሰማዕቱ ዘቃልዐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ዝቐረበሉ ኽስታት ምላሽ ዝሃበሉ ብኸመይ እዩ፧
17 እስጢፋኖስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እተዛረቦ ዘረባ ኽትምርምር ከለኻ፡ ከሰስቱ ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎም ብውሕሉል መገዲ ንጹር ከም ዝገበረስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ዕላማ የሆዋ ንቕድሚት ዚግስግስን ንጡፍን ደኣ እምበር፡ ድስኩልን ብልምድታት ዚእሰርን ዘይምዃኑ ሓበረ። እቶም ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ህንጻን ነቲ ምስ ሕጊ ሙሴ ተኣሳሲሩ ዝማዕበለ ልምድታትን ስርዓታትን እምብዛ ዘተኰሩሉ ሰባት፡ ነቲ ብድሕሪ እቲ ሕግን እታ ቤተ መቕደስን ዘሎ ዕላማ ስሒቶምዎ እዮም! እስጢፋኖስ ብተዘዋዋሪ፡ ‘ንየሆዋ እዙዛት ብምዃን ደይኰነን ነቲ ሕግን ነታ ቤተ መቕደስን ኣኽብሮት እተርእዩ፧’ ኢሉ እዩ ዚሓትቶም ነይሩ። ንሱ ንየሆዋ ብእተኻእሎ መጠን ስለ እተኣዘዞ፡ ብዘረባኡ ኣቢሉ ንተግባራቱ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ተጣቢቑሉ።
18. በየናይ መገድታት ኢና ንእስጢፋኖስ ክንመስሎ ኽንጽዕር ዘሎና፧
18 ካብቲ እስጢፋኖስ እተዛረቦ ዘረባ እንታይ ንመሃር፧ ብቐዳምነት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ከም ዝነበረ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ‘ንቓል ሓቂ ብቕኑዕ ክንጥቀም’ እንተ ዄንና፡ ትጉሃት ተምሃሮ ቓል ኣምላኽ ክንከውን ኣሎና። (2 ጢሞ. 2:15) ብዛዕባ ውርዝናን ሜላን እውን ካብ እስጢፋኖስ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ሰማዕቱ ኣመና ተጻረርቲ እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ነገራት ብእትኻእሎ መጠን ንዝነውሐ ግዜ ብምዝራብ፡ ኣብ ሓባራዊ ባይታ ኣተኰረ። ነቶም ዓበይቲ፡ “ኣቦታት” ብምባል ብኣኽብሮት ጸውዖም። (ግብ. 7:2) ንሕና እውን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቅታት “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ከነቕርቦ ኣሎና።—1 ጴጥ. 3:15።
19. እስጢፋኖስ ነቲ ዋዕላ፡ መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ብትብዓት ዝነገሮ ብኸመይ እዩ፧
19 ኰይኑ ግና፡ ንሰባት ከይነጕሂ ኢልና ንሓቅታት ቃል ኣምላኽ ኣይንዓባብጥን ኢና፣ ንመልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ እውን ኣይነፍኵሶን ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እስጢፋኖስ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀነና። ኵሉ እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ዘቕረቦ መርትዖ፡ ኣብ ልቢ እቶም ተሪር ዝልቦም ፈራዶ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ኸም ዘይነበሮ ኺርኢ ኽኢሉ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብ መደምደምታ ዘረባኡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ ንሳቶም ከምቶም ንዮሴፍን ንሙሴን ንኻልኦት ነብያትን ዝነጸጉ ኣቦታቶም ምዃኖም ብትብዓት ነገሮም። (ግብ. 7:51-53) ከም ሓቂ፡ እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሩ ፈራዶ፡ ነቲ ሙሴን ኵሎም ነብያትን እተነበዩሉ መሲሕ ቀቲሎምዎ እዮም። እወ፡ ንሕጊ ሙሴ ብዝኸፍአ መገዲ ጥሒሶም እዮም!
“ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል” (ግብሪ ሃዋርያት 7:54–8:3)
20, 21. እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ፡ ነቲ እስጢፋኖስ እተዛረቦ ቓላት ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ፧ የሆዋ ንእስጢፋኖስ ዘበርትዖኸ ብኸመይ እዩ፧
20 እቲ እስጢፋኖስ እተዛረቦ ዘይከሓድ ሓቂ፡ ነቶም ፈራዶ ኸም ዚቝጥዑ ገበሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ኣስናኖም ሓርቀሙሉ። እዚ እሙን ሰብኣይ እዚ፡ ልክዕ ከም ጐይታኡ የሱስ፡ ምሕረት ከም ዘይረክብ ተራእይዎ ኪኸውን ኣለዎ።
21 እስጢፋኖስ ነቲ ዚጽበዮ ዝነበረ መከራ ምእንቲ ኺገጥመሉ ትብዓት ኣድለዮ፣ ካብቲ የሆዋ ሽዑ ብለውሃቱ ዘርኣዮ ራእይ እውን ብዙሕ ከም እተተባብዐ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣቦኡ ደው ኢሉን ረኣየ! እስጢፋኖስ ነዚ ራእይ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ እቶም ፈራዶ ኣእዛኖም ደፈኑ። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ገይሮም፧ ኣቐዲሙ የሱስ፡ ንሱ መሲሕ ምዃኑን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ የማን የሆዋ ኸም ዚኸውንን ነጊርዎም ነይሩ እዩ። (ማር. 14:62) እስጢፋኖስ ዝረኣዮ ራእይ፡ የሱስ ሓቂ ምዝራቡ ዜረጋግጽ ነበረ። እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ፡ ነቲ መሲሕ ክሒዶምዎን ቀቲሎምዎን እዮም። ሓቢሮም ብሓንሳእ ንእስጢፋኖስ ወረርዎ፡ ብዳርባ እምኒ ድማ ቀተልዎ። c
22, 23. ኣማውታ እስጢፋኖስ ምስ ኣማውታ ጐይታኡ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከም እስጢፋኖስ ምትእምማን ኪህልዎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
22 እስጢፋኖስ ምስ ጐይታኡ ብዚመሳሰል መገዲ ሞተ። ንልቡ ሰላም መሊእዎ ነበረ፣ ኣብ የሆዋ ምሉእ ምትእምማን ነበሮ፣ ንቐተልቱ እውን ይቕረታ ገበረሎም። ንወዲ ሰብ ምስ የሆዋ ስለ ዝረኣዮ ኸኣ እዩ ዚኸውን፡ “ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል” ዝበለ። እስጢፋኖስ ነቲ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” ኢሉ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃ. 11:25) ኣብ መወዳእታ፡ እስጢፋኖስ ዓው ኢሉ ናብ ኣምላኽ ብቐጥታ፡ “የሆዋ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም” ኢሉ ጸለየ። እዚ ምስ በለ እውን ዓረፈ።—ግብ. 7:59, 60።
23 በዚ ኸምዚ፡ እስጢፋኖስ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመዝገቡ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ናይ መጀመርታ ሰማእት ኰነ። (“ ‘ሰማእት’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቲ ዜሕዝን ግና፡ ናይ መወዳእታ ኣይነበረን። ክሳዕ እዚ ግዜና፡ ጥሩፋት ሃይማኖተኛታትን ፖለቲከኛታትን ካልኦት ሕሱማት ተጻረርትን ንገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ቐቲሎምዎም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ከም እስጢፋኖስ ምትእምማን ከነሕድር ንኽእል ኢና። ሕጂ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ፡ ነቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ዓብዪ ስልጣን እውን ይጥቀመሉ ኣሎ። ንእሙናት ሰዓብቱ ኻብ ምትንሳእ ዚዓግቶ ዋላ ሓንቲ ነገር የሎን።—ዮሃ. 5:28, 29።
24. ሳውል ንሰማእትነት እስጢፋኖስ እጃሙ ዘበርከተ ብኸመይ እዩ፧ ሞት እቲ እሙን ሰብኣይ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዘሕደሮ ጽልዋ እንታይ እዩ ነይሩ፧
24 ሳውል ዚብሃል ጐበዝ ነዚ ዅሉ ተዓዘበ። ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ሰሚሩ ነበረ፣ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ክዳውንቲ እቶም እምኒ ዝደርበዩ ሓልዩ እዩ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ግንባር ቀደም ኰይኑ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኣምጽአ። ሞት እስጢፋኖስ ግና ንነዊሕ ዝቐጸለ ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕደረ። ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ንኻልኦት ክርስትያናት እሙናት ኪዀኑን ተመሳሳሊ ዓወት ኪረኽቡን ኣበርትዖም። ብዘይካዚ፡ እቲ ጸኒሑ ጳውሎስ እተባህለ ሳውል፡ ነቲ ኣብ ሞት እስጢፋኖስ ዝነበሮ ግደ ብጣዕሳ ዚርእየሉ ግዜ መጺኡ እዩ። (ግብ. 22:20) ንእስጢፋኖስ ንምቕታል እጃሙ እኳ እንተ ኣበርከተ፡ ጸኒሑ ግና “ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን” ምንባሩ ኣስተውዓለ። (1 ጢሞ. 1:13) ጳውሎስ ንእስጢፋኖስን ነቲ በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ ሓያል ዘረባን ከቶ ኣይረስዖን። አረ ገሊኡ ጳውሎስ እተዛረቦ ዘረባን ዝጸሓፎ ጽሑፍን እሞ ኸኣ፡ ነቲ እስጢፋኖስ ኣብ ዘረባኡ ዘበገሶ ፍረ ነገር ዚተናኽፍ እዩ። (ግብ. 7:48፣ 17:24፣ እብ. 9:24) ድሕሪ ግዜ፡ ጳውሎስ ካብቲ “ሞገስ ኣምላኽን ሓይልን መሊእዎ” ዝነበረ እስጢፋኖስ ዘርኣዮ እምነትን ትብዓትን ምሉእ ብምሉእ ተማሂሩ እዩ። ንሕናኸ ኻብኡ ኽንምሃር ዲና፧
a ገለ ኻብቶም ተጻረርቲ፡ ካብታ “ምኵራብ ውጹኣት ሓራ” እትብሃል እዮም ነይሮም። ኣብ ሓደ እዋን ብሮማውያን ድሕሪ ምምራኾም ጸኒሖም ሓራ ዝወጹ፡ ወይ ጵሮሴሊታት ዝዀኑ ሓራ ዝወጹ ባሮት ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ገሊኣቶም ካብ ቂልቅያ እዮም ነይሮም፣ ሳውል ብዓል ጠርሴስ እውን ካብኡ እዩ ነይሩ። ሳውል ካብ መንጎ እቶም ንእስጢፋኖስ ኪረትዕዎ ዘይከኣሉ ሰብ ቂልቅያ እንተ ነይሩ ወይ እንተ ዘይነይሩ፡ ኣብቲ ጸብጻብ ኣይተሓበረን።
b እስጢፋኖስ እተዛረቦ ዘረባ፡ ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ ሓበሬታ ኣለዎ፣ ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ሙሴ ኣብ ግብጺ እተማህሮ ትምህርቲ፡ ካብ ግብጺ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝሃደመሉ እዋን ወዲ ኽንደይ ምንባሩ፡ ከምኡ እውን ኣብ ሚድያን ክንደይ ዓመት ከም ዝጸንሐ ይሕብረና እዩ።