ምዕራፍ 20
ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ፡ ቃል የሆዋ “እናዓበየን እናሰዓረን ከደ”
ኣጵሎስን ጳውሎስን ነቲ እናሰዓረ ዚኸይድ ብስራት ዝገበርዎ ኣበርክቶ
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18:23–19:41 እተመስረተ
1, 2. (ሀ) ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ኤፌሶን እንታይ ሓደገኛ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዎም፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ክንርኢ ኢና፧
ጐደናታት ኤፌሶን ብጭድርታን ጫውጫውታን ያዕያዕታን መልአ። ጠገለ ዘይብሎም ሰባት ኪተኣኻኸቡ ጀመሩ፣ እቲ ነገር ድማ ናብ ናዕቢ ኣምርሐ። እቶም ህዝቢ ንኽልተ ብጾት ጳውሎስ ስሒቦም ወሰድዎም። ኵሎም ሰባት ናብቲ 25,000 ዚሕዝ ዓብዪ ኣምፊትያትር ገጾም ስለ ዝወሓዙ፡ እቲ ብኽልቲኡ ሸነኹ ኣዕኑድ ዘለዎን ድኳናት ዚርከቦን ሰፊሕ ጐደና ጭውጭው በለ። መብዛሕትኦም እቶም ሰባት ነቲ ያዕያዕታ ዝፈጠሮ ነገር እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም፣ ንቤተ መቕደሶምን ነታ ዚፈትውዋ ኣርጤምስ እትብሃል ኣምላኾምን ዜስግእ ነገር ከም እተፈጥረ ግና ጽንጽንታ ሰሚዖም ነይሮም እዮም። ስለዚ ድማ፡ “ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ!” እናበሉ ኺጭድሩ ጀመሩ።—ግብ. 19:34።
2 ሰይጣን እንደገና ብእተነዓቡ ህዝቢ ገይሩ፡ ንዝርጋሐ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኬብል ጸዓረ። ልክዕ እዩ፡ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ስልቲ፡ ሓይሊ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ፡ ሰይጣን ንዕዮን ሓድነትን እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኪሓናዅል እተጠቕመሉ እተፈላለየ ውዲታቱ ኽንርኢ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ‘ቃል የሆዋ እናዓበየን እናሰዓረን ስለ ዝኸደ፡’ ኵሉ ስልትታቱ ኸም ዝፈሸለ ኽንርኢ ኢና። (ግብ. 19:20) እቶም ሽዑ ዝነበሩ ክርስትያናት እተዓወቱ ስለምንታይ እዮም፧ መዐወቲኦም፡ እቲ ሕጂ ንዓና እውን መዐወቲና ዀይኑ ዘሎ ምኽንያት እዩ። ልክዕ እዩ፡ እቲ ዓወት ናይ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ናትና ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ እጃምና ኽንገብር ኣሎና። ብሓገዝ መንፈስ የሆዋ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዕዉታት ክንከውን ዜኽእለና ባህርያት ከነጥሪ ንኽእል ኢና። ፈለማ፡ ኣጵሎስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ።
“ንሱ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:24-28)
3, 4. ኣኪላስን ጵርስኪላን ንኣጵሎስ እንታይ ከም ዚጐድሎ እዮም ኣስተብሂሎም፧ እንታይከ ገይሮም፧
3 ጳውሎስ ኣብ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ናብ ኤፌሶን ኣብ ዚኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣጵሎስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ናብታ ኸተማ ኸደ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኣብታ እስክንድርያ እትብሃል ኣብ ግብጺ እትርከብ ፍልጥቲ ኸተማ እተወልደ ዀይኑ፡ እተወሰነ ብሉጽ ባህርያት እውን ነበሮ። ኣንደበተ ርቱእ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኽእለት ዘረባኡ ድማ፡ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ።” ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ “ብመንፈስ ተቓጺሉ” ነበረ። ብቕንኣት ተላዒሉ እውን፡ ኣብ ምኵራብ ንኣይሁድ ብትብዓት ይዛረቦም ነበረ።—ግብ. 18:24, 25።
4 ኣኪላስን ጵርስኪላን ንኣጵሎስ ሰምዕዎ። “ብዛዕባ የሱስ ብልክዕ ይዛረብን ይምህርን” ስለ ዝነበረ፡ ምስ ሰምዕዎ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም። ብዛዕባ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ነገር ትኽክል እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ንኣጵሎስ ኣገዳሲ ፍልጠት ከም ዚጐድሎ ኣስተብሃሉ። “ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ [እዩ] ዚፈልጥ” ነይሩ። እቶም ከም ሰፈይቲ ድንኳን መጠን ትሑት መነባብሮ ዝነበሮም ሰብ ሓዳር፡ ብኽእለት ዘረባ ዀነ ብትምህርቲ ኣጵሎስ ኣይተዳህሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ብልክዕ ገለጹሉ።” (ግብ. 18:25, 26) እቲ ኽእለት ዘረባ ዘለዎ ሊቅከ እንታይ ምላሽ ሃቦም፧ ሓንቲ ኻብተን ሓደ ክርስትያን ኬማዕበለን ዘለዎ ኣዝየን ኣገድስቲ ባህርያት ዝዀነት ትሕትና እዩ ኣርእዩ።
5, 6. የሆዋ ንኣጵሎስ ብዝያዳ ኺጥቀመሉ ዝኸኣለ፡ ኣጵሎስ እንታይ ባህርይ ስለ ዝነበሮ እዩ፧ ካብ ኣብነቱኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
5 ኣጵሎስ ካብ ኣኪላስን ጵርስኪላን እተዋህቦ ሓገዝ ስለ እተቐበለ፡ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኣገልጋሊ የሆዋ ዀነ። ናብ ኣካይያ ኸይዱ፡ ነቶም ኣመንቲ “ብዙሕ ረድኦም።” ነቶም የሱስ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ምዃኑ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ኣይሁድ እውን ግርም ገይሩ ሰበኸሎም። ሉቃስ ብዛዕባ ኣጵሎስ፡ “የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብቕዱሳት ጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ብግህዶ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ” ኢሉ ጸብጺቡ ኣሎ። (ግብ. 18:27, 28) ኣጵሎስ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሕ እዩ ኣበርኪቱ። ሓደ ኻብቲ ቓል የሆዋ እናበርትዐ ኪኸይድ ምኽንያት ዝዀነ እውን እዩ ነይሩ። ካብ ኣብነት ኣጵሎስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
6 ኵሎም ክርስትያናት፡ ትሕትና ኼማዕብሉ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍና እንተ ብተፈጥሮ፡ እንተ ብተመክሮ፡ እንተ ብፍልጠት ዘጥረናዮ እተፈላለየ ተውህቦ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ትሕትናና ኻብ ክእለትና እትዛይድ ክትከውን ኣለዋ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ክእለትና ጸገም እዩ ዚዀነና። ትዕቢት ድማ ብቐሊሉ ኺቈጻጸረና ይኽእል። (1 ቈረ. 4:7፣ ያእ. 4:6) ብሓቂ ትሑታት እንተ ዄንና፡ ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና ኽንርኢ ንጽዕር ኢና። (ፊል. 2:3) መአረምታ ዀነ ትምህርቲ ኺውሃበና ኸሎ፡ ቅር ኣይብለናን እዩ። ሓሳባትና ምስቲ ሕጂ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦ መምርሒ ኣብ ዘይሳነየሉ እዋን፡ ብትዕቢት ተደሪኽና ሓሳባትና ምቕያር ኣይንኣብን ኢና። ትሑታት ክሳዕ ዝዀንና፡ የሆዋን ወዱን ኪጥቀሙልና ፍቓደኛታት ይዀኑ እዮም።—ሉቃ. 1:51, 52።
7. ጳውሎስን ኣጵሎስን ሰናይ ኣብነት ትሕትና ዝሓደጉ ብኸመይ እዮም፧
7 ትሕትና ናይ ውድድር መንፈስ ከም ዘይህሉ እውን ትገብር እያ። ሰይጣን ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምክፍፋል ንምፍጣር ክሳዕ ክንደይ ይምነ ምንባሩ እሞ ገምቶ። ከም ኣጵሎስን ሃዋርያ ጳውሎስን ዝኣመሰሉ ኽልተ ብርቱዓት ሰባት መቐናቕንቲ እንተ ዚዀኑ እሞ፡ ምናልባት ብቕንኢ ተደሪኾም ኣብ ጉባኤታት ዝያዳ ጽልዋ ኼሕድሩ እንተ ዚፍትኑ፡ ብዙሕ ምተሓጐሰ ነይሩ! ንሳቶም እውን ከምዚ ዓይነት መንፈስ ብቐሊሉ ኼማዕብሉ ዜኽእል ሃዋህው ነይርዎም እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ቈረንቶስ፡ ገሊኦም ክርስትያናት፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ” ኺብሉ ኸለዉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ” ይብሉ ነበሩ። ጳውሎስን ኣጵሎስን ከምዚ ዝኣመሰለ ዚኸፋፍል ስምዒት ኪምዕብል ኣተባቢዖምዶ፧ ኣይፋል! ጳውሎስ ብትሕትና ነቲ ኣጵሎስ ኣብቲ ዕዮ ዝገበሮ ኣበርክቶ ገሊጹ ኣሎ፣ ተወሳኺ ዕዮ እውን ሂብዎ ኣሎ። ኣጵሎስ እውን ብግዲኡ፡ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መምርሒ ስዒቡ እዩ። (1 ቈረ. 1:10-12፣ 3:6, 9፣ ቲቶ. 3:12, 13) እዚ ድማ ብትሕትና ተሓባቢርና ኽንዓዪ ሰናይ ኣብነት ይዀነና።
“ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ . . . እናኣእመኖም” (ግብሪ ሃዋርያት 18:23፣ 19:1-10)
8. ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን በየናይ መገዲ እዩ እተመልሰ፧ ስለምንታይከ፧
8 ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ኪምለስ ቃል ኣትዩ ነይሩ እዩ፡ ቃሉ ድማ ሓልዩ እዩ። a (ግብ. 18:20, 21) ብኸመይ ከም እተመልሰ ግና ነስተብህል። ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኸም ዝነበረ ርኢና ኔርና። ናብ ኤፌሶን ንምብጻሕ፡ ናብታ ኣብ ቀረባ እትርከብ ሴሌውቅያ ኸይዱ፡ ብመርከብ ገይሩ ብቐጥታ ናብ ኤፌሶን ኪኸይድ ምኸኣለ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ “ብውሽጢ ሃገር” ተጓዕዘ። ብመሰረት ሓደ ግምት፡ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18:23 ከምኡ እውን 19:1 ዝገበሮ ጕዕዞ፡ 1,600 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ይሽፍን ነበረ። ጳውሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣድካሚ ጕዕዞ ኺገብር ዝደለየ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ “ንዅሎም ደቀ መዛሙርቲ እናኣጸናንዐ” ኪኸይድ ስለ ዝደለየ እዩ። (ግብ. 18:23) ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ኽልተ ሚስዮናዊ ጕዕዞ፡ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ እውን ብዙሕ መስዋእቲ ዚሓትት እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱ ግና ተሓጒሱ እዩ ገይርዎ። ሎሚ ሓለውቲ ወረዳን ኣንስቶምን ተመሳሳሊ መንፈስ እዮም ዜርእዩ። እሞኸ ነታ ጥቕሚ ርእሶም ብምስዋእ ዜርእዩና ፍቕሪ ነማስወላ ደይኰንናን፧
9. ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ ኸም ብሓድሽ ኪጥመቑ ዘድለዮም ስለምንታይ እዩ፧ ካባታቶምከ እንታይ ንምሃር፧
9 ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ምስ በጽሐ፡ ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዚኣኽሉ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ረኸበ። ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት እዮም ተጠሚቖም ነይሮም፣ እዚ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ብቑዕ ኣይነበረን። ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እውን ብዙሕ ዚፈልጥዎ ኣይነበሮምን። ጳውሎስ ነዚ ገለጸሎም፣ ንሳቶም ከኣ ከም ኣጵሎስ ትሑታትን ንትምህርቲ ፍቓደኛታትን ነበሩ። ብስም የሱስ ምስ ተጠምቁ፡ መንፈስ ቅዱስን እተወሰነ ተኣምራዊ ውህበትን ተቐበሉ። እምበኣር፡ ማዕረ ማዕረ እቲ እናገስገሰ ዚኸይድ ቲኦክራስያዊ ውድብ የሆዋ ምስጓም፡ በረኸት የምጽእ እዩ።—ግብ. 19:1-7።
10. ጳውሎስ ካብታ ምኵራብ ኣግሊሱ፡ ናብ ሓደ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ንኣገልግሎትና እንታይ ኣብነት ይዀነና፧
10 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካልእ ምዕባለ እውን ተራእየ። ጳውሎስ ንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ኣብ ምኵራብ ሰበኸ። ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ የእምኖም’ እኳ እንተ ነበረ፡ ገሊኦም ግና ተታረሩ፣ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ተጻረርዎ። ምስቶም “ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ . . . እናኣካፍኡ” ዚዛረቡ ግዜኡ ኣብ ክንዲ ዜሕልፍ፡ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ኺምህር ጀመረ። (ግብ. 19:8, 9) እቶም መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ዚደልዩ፡ ነታ ምኵራብ ሓዲጎም፡ ናብቲ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ ኪኸዱ ነበሮም። ንሕና እውን፡ ገሊኦም ሰባት ንመልእኽትና ኺሰምዑ ኸም ዘይደልዩ ወይ ኪከራኸሩ ኸም ዚደልዩ እንተ ኣስተውዒልና፡ ከም ጳውሎስ ካባታቶም ንርሕቕ ኢና። ነቲ ዜተባብዕ መልእኽቲ ኺሰምዑ ዚደልዩ ብዙሓት ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣለዉ!
11, 12. (ሀ) ጳውሎስ ጻዕረኛን ተዓጻጻፍን ብምዃን ኣብነት ዝሓደገልና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ጻዕረኛታትን ተዓጻጸፍትን ኪዀኑ ዚጽዕሩ ብኸመይ እዮም፧
11 ጳውሎስ ኣብቲ ኣዳራሽ ቤት ትምህርቲ፡ መዓልታዊ ኻብ ሰዓት 11:00 ቅ.ቀ. ኽሳዕ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ. ኣቢሉ ይዛረብ ነበረ። (ግብ. 19:9) እቲ እዋን እቲ ብዙሓት ስራሖም ደው ኣቢሎም ዚበልዑሉን ዜዕርፉሉን ሰዓት ብምንባሩ፡ ጸጥታ ዝሰፈኖን ሃሩር ዝበዝሖን ግዜ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። ጳውሎስ ነዚ ኣጸጋሚ መደብ ንኽልተ ዓመት ምሉእ እንተ ስዒቡ፡ ልዕሊ 3,000 ሰዓት ምሂሩ ማለት እዩ። b ሓደ ኻብቲ ቓል ኣምላኽ ኪዓብን ኪስዕርን ምኽንያት ዝዀነ ኸኣ፡ እዚ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ጻዕረኛን ተዓጻጻፍን እዩ ነይሩ። ነቶም ኣብቲ ማሕበረ ሰብ ዚርከቡ ሰባት ምእንቲ ኼገልግል ኢሉ፡ መደቡ ኣተዓራረየ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧ “ኵሎም ኣብ ኣውራጃ እስያ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ክሳዕ ዚሰምዑ፡” እዚ ቐጸለ። (ግብ. 19:10) ብሓቂ ኣጸቢቑ እዩ መስኪሩ!
12 ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለና ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጻዕረኛታትን ተዓጻጸፍትን ምዃንና ኣርኢና ኢና። ሰባት ኣብ ዚርከብዎ ዘበለ ቦታን ሰዓትን ክንበጽሖም ንጽዕር ኢና። ኣብ መገድን ኣብ ዕዳጋን ኣብ መቖም ማኪናን ንምስክር ኢና። ንሰባት ብተሌፎን ወይ ብደብዳበ ኽንረኽቦም ንጽዕር ኢና። ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ዕዮ ኸኣ፡ ኣብቲ ኣብ ቤቶም ዚርከቡሉ ሰዓታት ክንበጽሖም ንጽዕር ኢና።
እኩያት መናፍስቲ እናሃለዉ ኽነሶም፡ ቃል የሆዋ “እናዓበየን እናሰዓረን ከደ” (ግብሪ ሃዋርያት 19:11-22)
13, 14. (ሀ) የሆዋ ንጳውሎስ እንታይ ኪገብር ኣኽኣሎ፧ (ለ) ደቂ ኣስቄዋ እንታይ ጌጋ እዮም ዝገበሩ፧ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ምእመናን ህዝበ ክርስትያንከ እንታይ ተመሳሳሊ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም፧
13 ድሕሪኡ ዜደንቕ ነገራት ከም እተፈጸመ ሉቃስ ጸብጺቡ ኣሎ። የሆዋ ንጳውሎስ፡ “ፍልይ ዝበለ ግብርታት ሓይሊ” ኺገብር ኣኽኣሎ። ሰብነት ጳውሎስ ዝተንከየ ጨርቅን በጃ ኽዳንን ካብኡ ወሲዶም ንሕሙማት ኬንብሩሎም ከለዉ እውን ከይተረፈ፡ እቶም ሕሙማት ይሓውዩ ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ እኩያት መናፍስቲ እውን ይወጹ ነበሩ። c (ግብ. 19:11, 12) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሰይጣን እተረኽበ ዜደንቕ ዓወት፡ ብዙሕ ትዅረት ሰሓበ፣ ኵሉ እቲ ትዅረት ግና ኣወንታዊ ኣይነበረን።
14 “ገለ ኻብቶም ኣጋንንቲ እናኣውጽኡ ዚዞሩ ኣይሁድ፡” ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ተኣምራት ኪገብሩ ፈተኑ። ገለ ኻብቶም ኣይሁድ ንስም የሱስን ጳውሎስን ጠቒሶም፡ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ ፈተኑ። ሉቃስ፡ ሸውዓተ ደቂ ኣስቄዋ ዚብሃል ካህን ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዝፈተኑ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ጋኔን ከኣ፡ “ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስ እውን አለልዮ እየ፣ ንስኻትኩም ግና መን ኢኹም፧” በሎም። እቲ ጋኔን ዝሓደሮ ሰብኣይ ነቶም ኣምሰሉታት ልክዕ ከም ኣራዊት መጥቃዕቲ ፈነወሎም፣ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ድማ ሃደሙ። (ግብ. 19:13-16) ኣብ መንጎ እቲ ሓይሊ እተዋህቦ ጳውሎስን ኣብ መንጎ እቶም ሓይሊ ዘይነበሮም ናይ ሓሶት ሃይማኖተኛታትን ዘሎ ፍልልይ ኣመና ስለ ዝነጸረ፡ ንቓል የሆዋ ዓብዪ ዓወት እዩ ነይሩ። ሎሚ ስም የሱስ ምጽዋዕ ወይ “ክርስትያን እየ” ምባል ጥራይ እኹል ዚመስሎም ሚልዮናት ሰባት ኣለዉ። ከምቲ የሱስ ዝሓበሮ ግና፡ እቶም ብሓቂ ፍቓድ ኣቦኡ ዚገብሩ ጥራይ እዮም ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ዘለዎም።—ማቴ. 7:21-23።
15. ንመናፍስትነትን ምስ መናፍስታዊ ተግባራት ንእተተሓሓዘ ነገራትን ብዚምልከት፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣብነት ሰብ ኤፌሶን ክንስዕብ እንኽእል፧
15 ደቂ ኣስቄዋ ስለ እተዋረዱ፡ ብዙሓት ሰባት ፍርሃት ኣምላኽ ሓደሮም፣ በዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባት ኪኣምኑን መናፍስታዊ ተግባራቶም ኪሓድጉን ተደረኹ። ኣብ ኤፌሶን፡ ስሒር ልሙድ ነበረ። ስራይን ክታብ ምግባርን እውን ልሙድ ነበረ። ድሕርዚ ግና፡ ብዙሓት ሰብ ኤፌሶን ምስ ስሒር ንዚተሓሓዝ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ፣ እቲ መጻሕፍቶም ድማ በዚ ናይ ሕጂ ገንዘብ ክንርእዮ ኸለና ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላራት ይግመት ነበረ። d ሉቃስ ከኣ፡ “በዚ ኸምዚ፡ ቃል የሆዋ እናዓበየን እናሰዓረን ከደ” ኢሉ ጸብጺቡ ኣሎ። (ግብ. 19:17-20) ኣብ ልዕሊ ሓሶትን ኣጋንንታዊ ተግባራትን ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ዓወት ኰን እዩ ተረኺቡ! እቶም እሙናት ሰባት፡ ሰናይ ኣብነት እዮም ገዲፎምልና። ንሕና እውን ብመናፍስትነት ኣብ ዝመልአት ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ምስ መናፍስትነት እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ረኺብና፡ ከምቲ ሰብ ኤፌሶን ዝገበርዎ፡ ቀልጢፍና ኢና እነወግዶ! ዝኸፈልና ኸፊልና፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜፈንፍን ተግባራት ንርሓቕ!
ግብሪ ሃዋርያት 19:23-41)
“ብዙሕ ረብሻ ዀነ” (16, 17. (ሀ) ድሜጥሮስ ከመይ ገይሩ ኣብ ኤፌሶን ናዕቢ ኸም ዘለዓዓለ ግለጽ። (ለ) ሰብ ኤፌሶን ጥሩፋት ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
16 ድሕርዚ፡ ሰይጣን ካልእ ስልቲ ተጠቕመ፣ ሉቃስ፡ “ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ ብዙሕ ረብሻ ዀነ” ኢሉ ጸብጺቡ ኣሎ። ነቲ ነገር የጋንኖ ኣይኰነን ነይሩ። e (ግብ. 19:23) ድሜጥሮስ ዚብሃል ኣንጠረኛ ብሩር፡ ሽግር ኪፈጥር ጀመረ። ነቶም ከም ናቱ ዕዮ ዘለዎም ኣንጠረኛታት ኣኪቡ ኸኣ፡ ረብሓኦም ካብቲ ዚሸጥዎ ጣኦታት ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ኣቓልቦኦም ረኸበ። ክርስትያናት ጣኦታት ስለ ዘየምልኹ ድማ፡ እቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ መልእኽቲ ንስራሖም ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ሓሳብ ሃበ። ቀጺሉ፡ እታ ኣርጤምስ እትብሃል ኣምላኾምን ኣብ ዓለም ውርይቲ ዝዀነት ቤተ መቕደሶምን “ከንቱ” ኸይትኸውን ዜስግእ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንሓበኖምን ንሃገራዊ ስምዒቶምን ተዅተዀ።—ግብ. 19:24-27።
17 ድሜጥሮስ እተዛረቦ ዘረባ፡ ዚድለ ውጽኢት ኣፍረየ። እቶም ኣንጠረኛታት ብሩር “ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ!” ኢሎም ኪጭድሩ ጀመሩ፣ ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ስለ ዝዀነ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ እተገልጸ፡ ጥሩፋት ሰባት ተኣኻኸቡ። f ጳውሎስ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ኣምፊትያትር ከይዱ ነቶም ህዝቢ ኺዛረቦም ደለየ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ካብ ሓደጋ ኺርሕቕ ግዲ በልዎ። ሓደ እስክንድሮስ ዚብሃል ሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ኺዛረብ ፈተነ። ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ክርስትያናትን ዘሎ ፍልልይ ኪገልጽ ተሃንጥዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ነቶም ህዝቢ ኣየድልዮምን እዩ ነይሩ። ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ፡ “ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ!” እናበሉ ንኽልተ ሰዓት ዚኣከል ጨደሩ። ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ክሳዕ ሕጂ ኣይተቐየረን። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንሰባት ከም ዘይሓስቡ እዩ ዚገብሮም።—ግብ. 19:28-34።
18, 19. (ሀ) ዋና ጸሓፊ እታ ኸተማ ነቶም ህዝቢ ኤፌሶን ዘህደኦም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሓድሓደ ግዜ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ንመሰላት ህዝቢ የሆዋ ኸም ዚሕሎ ዝገበሩ ብኸመይ እዮም፧ ኣብዚኸ እንታይ እጃም ከነበርክት ንኽእል፧
18 ኣብ መወዳእታ፡ ዋና ጸሓፊ እታ ኸተማ ነቶም ህዝቢ ኣህደኦም። እዚ ጽቡቕ ዜመዛዝን ብዓል ስልጣን እዚ፡ ክርስትያናት ነታ ቤተ መቕደስን ነታ ኣምላኾምን ዜስግኡ ዘይምዃኖም፡ ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ቤተ መቕደስ ኣርጤምስ ዋላ ሓንቲ ገበን ከም ዘይፈጸሙ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ንምልዓል ግቡእ ኣሰራርሓ ኸም ዘሎ ብምግላጽ፡ ነቶም ህዝቢ ኣረጋገጸሎም። በዚ ዘይሕጋውን ዘይስርዓታውን ታዕታዕ፡ ንሮሜ ኬቘጥዕዋ ኸም ዚኽእሉ ምዝኽኻሩ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸም ዚሃድኡ ገይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕርዚ፡ ነቲ ኣኼባ በተኖ። እቶም ህዝቢ ገንፊሎም ድሕሪ ምምጻኦም፡ ነቲ ርትዓውን ግብራውን ቃላት ምስ ሰምዑ ግና፡ ቍጥዓኦም ዘሓለ።—ግብ. 19:35-41።
19 እዚ ፍጻመ እዚ፡ ዓለማዊ ስልጣን ዘለዎ ጽቡቕ ዜመዛዝን ሰብ ንሰዓብቲ የሱስ ንምዕቋብ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ናይ መጀመርታ ዀነ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣይነበረን። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ዝረኣዮ ራእይ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቲ ብምድሪ እተመሰለ ቐዋሚ ባእታታት እዛ ዓለም፡ ነቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ የሱስ ዚፍንዎ ብውሒዝ እተመሰለ መጥቃዕቲ ኸም ዚውሕጦ ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 12:15, 16) ከምኡ ድማ እዩ ዀይኑ። ኣብ ሓያሎ መዳያት፡ ርትዓውያን ደያኑ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ንምእካብን ንሰባት ብስራት ንምንጋርን ዘለዎም መሰላት ከም ዚሕሎ ገይሮም እዮም። ኣካይዳና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወታት ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰበ ስልጣን ኤፌሶን ንጳውሎስ ብኣካይዳኡ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ዝነበሩ እዩ ዚመስል፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ሓደጋ ኸይኣቱ ይጥንቀቑሉ ነይሮም እዮም። (ግብ. 19:31) ንሕና እውን ብቕንዕናን ብኣኽብሮትን ብምምልላስ፡ ኣብቶም እንረኽቦም ሰባት ጽቡቕ ጦብላሕታ ንሕደግ። መን ይፈልጥ፡ እዚ ዓብዪ ጽልዋ የሕድር ይኸውን!
20. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ቓል የሆዋ እናበርትዐ ዚኸደሉ ዘሎ መገዲ ኸመይ ይስምዓካ፧ (ለ) ነዚ ኣብዚ ግዜና ዚርከብ ዘሎ ዓወታት የሆዋ ብዚምልከት እንታይ ቈራጽነት ጌርካ፧
20 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ‘ቃል የሆዋ ብኸመይ ከም ዝዓበየን ከም ዝሰዓረን’ ምስትንታን፡ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧ ኣብዚ ግዜና፡ የሆዋ ተመሳሳሊ ዓወታት ኪርከብ ከም ዘኽኣለ ምርኣይና እውን ብማዕረ የሐጕሰና እዩ። ከምዚ ኣብ ዝኣመሰለ ዓወታት፡ ንእሽቶ እጃም ከተበርክት ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ካብቲ ዝረኣናዮ ኣብነታት ተምሃር። ትሑት ኩን፣ ማዕረ ማዕረ እቲ ንቕድሚት ዚግስግስ ውድብ የሆዋ ሰጕም፣ ወትሩ ኣበርቲዕካ ዕየ፣ ንሓተታ መናፍስቲ ፈንፍኖ፣ ከምኡ እውን ብቕንዕናኻን ብኣኽብሮትካን ጽቡቕ ምስክርነት ንምሃብ ዚከኣለካ ግበር።
a “ ኤፌሶን—ርእሲ ኸተማ እስያ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
b ኣብ ርእሲ እዚ፡ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ 1 ቈረንቶስ ጽሒፉ እዩ።
c እቲ ጳውሎስ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ጨርቂ፡ ረሃጽ ናብ ኣዒንቱ ኸይኣቱ ኣብ ግምባሩ ዚኣስሮ ዝነበረ መሃረብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ኣብቲ ግዜ እቲ በጃ ኽዳን ይኽደን ምንባሩ፡ ኣብቲ ናጻ ዚዀነሉ ሰዓታት፡ ምናልባት እውን ኣንጊሁ፡ ሰፋይ ድንኳን ኰይኑ ይሰርሕ ምንባሩ ዚእምት እዩ።—ግብ. 20:34, 35።
d ሉቃስ 50,000 ሰልዲ ብሩር እዩ ጠቒሱ። እቲ ሰልዲ ብሩር ከም ሓቂ ንዲናር ዜመልክት እንተ ነይሩ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዝነበረ ሸቃላይ ክንዳኡ ዚኣክል ገንዘብ ንምጥራይ፡ ኣብ ሰሙን ሸውዓተ መዓልቲ እናዓየየ፡ 50,000 መዓልቲ፡ ማለት 137 ዓመት መድለዮ።
e ገሊኦም ሰባት፡ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ” ኢሉ ኺጽሕፈሎም ከሎ፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ የመልክት ከም ዝነበረ ይኣምኑሉ እዮም። (2 ቈረ. 1:8) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኻልእ ካብዚ ዚገድድ ሓደገኛ ዅነታት እውን ይዛረብ ነይሩ ይኸውን። ጳውሎስ “ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ምስ ሕሱማት ኣራዊት ወይ ምስ ተጻረርቲ ሰባት ከም ዝገጠመ ይዛረብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 15:32) እቲ ነገር፡ ቃል ብቓሉ ወይ ብምሳልያዊ መገዲ ኺውሰድ ይከኣል እዩ።
f ከምዚ ዝኣመሰለ ማሕበራት ኣንጠረኛታት ኣቕሊልካ ዚርአ ኣይነበረን። ንኣብነት፡ ድሕሪ ሓደ ዘመን ኣቢሉ፡ ኣብ ኤፌሶን ማሕበር ሰንከትቲ እንጌራ ተመሳሳሊ ናዕቢ ኣለዓዒሎም እዮም።