ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 21

“ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ . . . መስክሩ”

“ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ . . . መስክሩ”

ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣትን ንሽማግለታት ዝሃቦም ምኽርን

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:1-38 እተመስረተ

1-3. (ሀ) ኣብታ ኣውጢኮስ ዝሞተላ ለይቲ ዝነበረ ዅነታት ግለጾ። (ለ) ጳውሎስ እንታይ ገበረ፧ እዚኸ ብዛዕባ ጳውሎስ እንታይ ይሕብረና፧

 ጳውሎስ ኣብ ጥሮኣስ ኣብ እትርከብ ብሰብ ዝመልአት ደርቢ ነበረ። እታ ለይቲ እቲኣ፡ ምስቶም ኣሕዋት ዝጸንሓላ መወዳእታ ለይቲ ስለ ዝነበረት፡ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣቢሉ ዚኸውን ዘረባ ኣንውሐ። ኣብታ ኽፍሊ ድማ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ፣ እዚ ድማ ኣብታ ኽፍሊ ዝያዳ ሙቐትን ትክን ከም ዚህሉ ገበረ። ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰት ተቐሚጡ ነበረ። ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ፡ ኣውጢኮስ ድቃስ ወሰዶ፣ ካብ ላዕላይ ደርቢ ድማ ናብ ታሕቲ ወደቐ!

2 ሉቃስ ሓኪም ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ጐበዝ ንምምርማር ተጓይዩ ወጺኡ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዅነታት ኣውጢኮስ ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ “ሞይቱ . . . ኣልዓልዎ” ኢሉ ኣሎ። (ግብ. 20:9) ድሕርዚ ግና፡ ተኣምር ተገብረ። ጳውሎስ ኣብ ልዕሊ እቲ ጐበዝ በጥ በለ፡ ነቶም ሰባት ድማ፡ “ህያው እዩ ዘሎ እሞ፡ ደጊም ዋይዋይ ኣይትበሉ” በሎም። በዚ ኸምዚ፡ ንኣውጢኮስ ኣተንስኦ።—ግብ. 20:10

3 እቲ ፍጻመ፡ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እተራእየሉ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ብሞት ኣውጢኮስ ተሓታቲ ኣይነበረን። ኰይኑ ግና፡ ሞት እቲ ጐበዝ ነቲ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ኼበላሽዎ ወይ ንመንፈሳውነት ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ዕንቅፋት ኪኸውን ኣይደለየን። ስለዚ፡ ንኣውጢኮስ ብምትንሳእ፡ ነታ ጉባኤ ኣገልግሎታ ኽትፍጽም ዜድልያ መጸናንዕን ምሉእ ሓይልን ሃባ። ጳውሎስ ብህይወት ካልኦት ሓላፍነት ይስምዖ ነይሩ እዩ። እዚ ድማ ነቲ፡ “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት የዘኻኽረና። (ግብ. 20:26) ጳውሎስ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ብኸመይ ኪሕግዘና ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ።

“ናብ መቄዶንያ ነቐለ” (ግብሪ ሃዋርያት 20:1, 2)

4. ጳውሎስ እንታይ ዜሰምብድ ኵነታት እዩ ዘሕለፈ፧

4 ኣብታ ኣቐዲማ ዘላ ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ፡ ጳውሎስ ዜሰምብድ ኵነታት እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ኤፌሶን ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ብዙሕ ዕግርግር እዩ ኣላዒሉ። እቶም መነባብሮኦም ኣብ ኣምልኾ ኣርጤምስ ዚምርኰስ ኣንጠረኛታት ብሩር፡ ኣብቲ ናዕቢ ተሳቲፎም እዮም። ግብሪ ሃዋርያት 20:1፡ “እቲ ናዕቢ ምስ ሃድአ፡ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ልኢኹ ጸውዖም፣ ምስ ኣተባብዖምን ምስ ተሰናበቶምን ከኣ፡ ናብ መቄዶንያ ነቐለ” ትብል።

5, 6. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ ጸኒሑ ኪኸውን ይኽእል፧ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣሕዋትከ እንታይ ገበረሎም፧ (ለ) ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያናት ብጾቱ እንታይ ኣረኣእያ ነበሮ፧

5 ጳውሎስ ናብ መቄዶንያ ኪኸይድ ከሎ፡ ንእግረ መገዱ ናብ ወደብ ጥሮኣስ ኣላጊሱ፡ ኣብኣ ቐነየ። እቲ ናብ ቈረንቶስ ተላኢኹ ዝነበረ ቲቶስ ናብኡ ኺመጾ እዩ ተጸብዩ ነይሩ። (2 ቈረ. 2:12, 13) ቲቶስ ከም ዘይመጽእ ምስ ነጸረሉ ግና፡ ናብ መቄዶንያ ኸደ፡ “ብብዙሕ ቃል እናኣተባብዖም” ከኣ ዓመት ኣቢሉ ጸንሐ። a (ግብ. 20:2) ቲቶስ ንጳውሎስ ኣብ መቄዶንያ ኣርከቦ፣ ብዛዕባ እቲ ሰብ ቈረንቶስ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ዝሃብዎ ምላሽ ድማ ጽቡቕ ወረ ሒዙ ተመልሰ። (2 ቈረ. 7:5-7) ጳውሎስ በዚ ተደሪኹ፡ ካልእ መልእኽቲ ጸሓፈሎም፣ ንሳ ኸኣ ሕጂ 2 ቈረንቶስ ተባሂላ ትፍለጥ።

6 ሉቃስ ነቲ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ኤፌሶንን መቄዶንያን ዝነበሩ ኣሕዋት ዝገበሮ ምብጻሕ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣተባብዖም፡” “እናኣተባብዖም፡” ዚብል ቃላት ምጥቃሙ ኸነተኵረሉ ይግባእ። እዘን ቃላት እዚአን ነቲ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ ዘለዎ ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይረን እየን ዚገልጻኦ። ጳውሎስ ከምቶም ንኻልኦት ዚንዕቁ ፈሪሳውያን ዘይኰነስ፡ ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ከም መዓይይቱ ገይሩ እዩ ዚርእዮም ነይሩ። (ዮሃ. 7:47-49፣ 1 ቈረ. 3:9) ሓያል ምኽሪ ኺህቦም ኣብ ዘድለዮ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣየጥፍአን።—2 ቈረ. 2:4

7. ሎሚ፡ ክርስትያን ሓለውቲ ኣብነት ጳውሎስ ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

7 ሎሚ፡ ሽማግለታት ጉባኤን ሓለውቲ ወረዳን፡ ኣብነት ጳውሎስ ኪስዕቡ ይጽዕሩ እዮም። መግናሕቲ ኺህቡ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ነቶም ሓገዝ ዜድልዮም ኬበራትዕዎም እዮም ዚጽዕሩ። ሓለውቲ ብድንጋጽ ተላዒሎም ኬተባብዑ ደኣ እዮም ዚጽዕሩ እምበር፡ ኣይኵንኑን እዮም። ሓደ ምኩር ሓላው ወረዳ፡ “መብዛሕትኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅኑዕ ዘበለ ኺገብሩ እዮም ዚደልዩ፣ እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይበሳጨዉን ይፈርሁን ይሕርብቶምን እዩ” በለ። ሓለውቲ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ኬበራትዕዎም ይኽእሉ እዮም።—እብ. 12:12, 13

“ውዲት ስለ ዝኣለሙሉ” (ግብሪ ሃዋርያት 20:3, 4)

8, 9. (ሀ) ነቲ ጳውሎስ ናብ ሶርያ ብመርከብ ኪኸይድ ዝነበሮ ሓሳብ ዝሓናዀሎ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣይሁድ ንጳውሎስ ዝጸልእዎ ስለምንታይ ኪዀኑ ይኽእሉ፧

8 ጳውሎስ ካብ መቄዶንያ ናብ ቈረንቶስ ከደ። b ኣብ ቈረንቶስ ሰለስተ ወርሒ ምስ ጸንሐ ኸኣ ብመርከብ ገይሩ ናብ ሶርያ ኪኸይድ ስለ ዝሓሰበ፡ ናብ ክንክሬኣ ኪኸይድ ተሃንጠየ። ካብኡ ኸኣ፡ ነቲ እተዋጽአ ገንዘብ፡ ነቶም ሽጉራት ኣሕዋት ምእንቲ ኺህቦም ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ምኸኣለ ነይሩ። c (ግብ. 24:17፣ ሮሜ 15:25, 26) ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ዘይተሓስበ ዅነታት ስለ ዘጋጠሞ፡ ሓሳቡ ቐየረ። ግብሪ ሃዋርያት 20:3፡ “ኣይሁድ ውዲት ስለ ዝኣለሙሉ፡” ብምባል ሓሳቡ ዝቐየረሉ ምኽንያት ትገልጸልና።

9 ኣይሁድ ንጳውሎስ ከም ከሓዲ ገይሮም ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡ እንተ ጸልእዎ ዜገርም ኣይኰነን። ኣቐዲሙ ብኣገልግሎቱ ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብታ ኣብ ቈረንቶስ እትርከብ ምኵራብ ምርኡይ ዝነበረ ክሪስጶስ፡ ክርስትያን ኪኸውን ሓጊዝዎ ነይሩ እዩ። (ግብ. 18:7, 8፣ 1 ቈረ. 1:14) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ፡ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምስለኔ ኣካይያ ዀይኑ እተሸመ ጋልዮስ ከሲሶምዎ ነይሮም እዮም። ጋልዮስ ግና ነቲ ኽሶም መሰረት ዘይብሉ ኸም ዝዀነ ገይሩ ነጸጎ፣ እዚ ድማ ንጸላእቲ ጳውሎስ ኣነደሮም። (ግብ. 18:12-17) ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ጳውሎስ ካብታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ቈረንቶስ እትርከብ ክንክሬኣ ብመርከብ ኪኸይድ ከም ዝሓሰበ ምስ ፈለጡ ወይ ምስ ገመቱ፡ ሓደጋ ኺወድቅዎ ውዲት ኣለሙ። ጳውሎስከ እንታይ ገበረ፧

10. ጳውሎስ ብክንክሬኣ ኣቢሉ ኺምለስ ዘይምድላዩ፡ ፈራህ ከም ዝዀነ ጌርና ኽንርእዮ ይግባእዶ፧ ግለጽ።

10 ጳውሎስ ድሕንነቱን እቲ ብሕድሪ እተዋህቦ ገንዘብን ኣብ ሓደጋ ምእንቲ ኸይኣቱ ኢሉ፡ ናብ ክንክሬኣ ኣብ ክንዲ ዚኸይድ፡ ብመቄዶንያ ኣቢሉ ተመልሰ። ልክዕ እዩ፡ ብምድሪ ዚግበር ጕዕዞ ናይ ርእሱ ሓደጋታት ነይርዎ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጥንታዊ መገድታት ሸፋቱ ኣይሰኣኑን እዮም ነይሮም። መሕደር ኣጋይሽ እውን ከይተረፈ ሓደገኛ ቦታታት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ካብቲ ኣብ ክንክሬኣ ዚጽበዮ ዝነበረ ሓደጋ፡ ብምድሪ ኺጐዓዝ ዝሓሸ ዀይኑ ተሰምዖ። እቲ ጽቡቕ ነገር፡ በይኑ ኣይኰነን ዚጐዓዝ ነይሩ። ኣብዚ ኽፋል ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኻብ ዘሰነይዎ ሰባት፡ ሴኮንዶስ፡ ሶጳጥሮስ፡ ትኪቆስ፡ ኣርስጣርኮስ፡ ጋይዮስ፡ ጢሞቴዎስ፡ ጥሮፊሞስ ኪጥቀሱ ይከኣሉ።—ግብ. 20:3, 4

11. ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ንርእሶም ካብ ሓደጋ ንምሕላው እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚኸ የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ዝሓደገ፧

11 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ከም ጳውሎስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንርእሶም ካብ ሓደጋ ንምሕላው ስጕምትታት ይወስዱ እዮም። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት፡ በይኖም ኣብ ክንዲ ዚኸዱ፡ ብጕጅለ ወይ በብኽልተ ይኸዱ። መስጐጕቲ ኺወርዶም ከሎኸ፧ መስጐጕቲ ዘይተርፍ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። (ዮሃ. 15:20፣ 2 ጢሞ. 3:12) ኰይኑ ግና፡ ባዕሎም ናብ ሓደጋ ኣይኣትዉን እዮም። ኣብነት የሱስ እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ተጻረርቲ ኺድርብዩሉ እምኒ ምስ ኣልዓሉ፡ “ተሓብአ፡ ካብ ቤተ መቕደስ እውን ወጸ።” (ዮሃ. 8:59) ኣብ ካልእ ግዜ ኣይሁድ ኪቐትልዎ ውዲት ምስ ኣለሙ፡ “ናብቲ ኣብ ጥቓ እቲ በረኻ ዘሎ ሃገር፡ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ እምበር፡ ድሕርዚ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ብግህዶ ኣይተመላለሰን።” (ዮሃ. 11:54) የሱስ ኣብቲ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይጋጨወሉ መዳያት፡ ንርእሱ ኻብ ሓደጋ ንምሕላው ኪገብሮ ዚኽእል ስጕምቲ ወሲዱ እዩ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩ።—ማቴ. 10:16

“ኣዝዮም ተጸናንዑ” (ግብሪ ሃዋርያት 20:5-12)

12, 13. (ሀ) ትንሳኤ ኣውጢኮስ ኣብታ ጉባኤ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧ (ለ) ዜፍቅርዎም ሰባት ንዝሞትዎም ዘበሉ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ እዩ ዜጸናንዖም፧

12 ጳውሎስን ብጾቱን ብመቄዶንያ ኣቢሎም ድሕሪ ምጕዓዞም፡ ካብኡ ተፈላልዮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኵላቶም ግና ኣብ ጥሮኣስ ተራኸቡ። d እቲ ጸብጻብ፡ “ንሕና ግና . . . ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብ ጥሮኣስ መጻእና” ይብል። e (ግብ. 20:6) ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ እዩ እቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እተገልጸ ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ካብ ምዉታት ዝተንስአ። እቶም ኣሕዋት፡ ኣውጢኮስ ብጻዮም እንደገና ህያው ኪኸውን ከሎ እተሰምዖም እሞ ገምቶ! ከምቲ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ዘሎ፡ ንሳቶም “ኣዝዮም ተጸናንዑ።”—ግብ. 20:12

13 ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ሎሚ ኸም ዘይግበር ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ዜፍቅርዎም ሰባት ዝሞትዎም ዘበሉ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ትንሳኤ ‘ኣዝዮም ይጸናንዑ’ እዮም። (ዮሃ. 5:28, 29) ሕስብ እሞ ነብሎ፦ ኣውጢኮስ ዘይፍጹም ስለ ዝነበረ፡ ጸኒሑ እንደገና ሞይቱ እዩ። (ሮሜ 6:23) እቶም ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዚትንስኡ ግና፡ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ እዩ ዘለዎም! እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ዚትንስኡ ድማ፡ ዘይትመውት ህይወት ሒዞም እዮም ዚትንስኡ። (1 ቈረ. 15:51-53) ሎሚ ዘለዉ ኻብቶም ቅቡኣት ኰኑ ኻብተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ‘ኣዝዮም ኪጸናንዑ’ ዜኽእል እኹል ምኽንያት ኣለዎም።—ዮሃ. 10:16

“ብግህዶን ኣብ በቤትን” (ግብሪ ሃዋርያት 20:13-24)

14. ጳውሎስ ኣብ ሚሊጦስ ምስ ሽማግለታት ኤፌሶን ምስ ተራኸበ እንታይ በሎም፧

14 ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጥሮኣስ ብኣሶስ፡ ሚጢሌኔ፡ ክዮስ፡ ሳሞስ ኣቢሎም ናብ ሚሊጦስ ከዱ። ጳውሎስ ንበዓል ጰንጠቈስጠ ኣብ የሩሳሌም ኬርክብ ተሃዊኹ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ንኤፌሶን ሰጊራ ብእትኸይድ መርከብ እተጓዕዘ። ኰይኑ ግና፡ ንሽማግለታት ኤፌሶን ኪዛረቦም ስለ ዝደለየ፡ ናብ ሚሊጦስ ኪመጽዎ ሓተቶም። (ግብ. 20:13-17) ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ካብታ ናብ ኣውራጃ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣትሒዘ፡ ኵሉ ግዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም፣ ብዅሉ ትሕትናን ብንብዓትን በቲ ብውዲት ኣይሁድ ዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ተገዚአዮ እየ፣ ዚጠቕመኩም ካብ ምንጋር ወይ ብግህዶን ኣብ በቤትን ካብ ምምሃር ኣየድሓርሓርኩን። የግዳስ፡ ንኣይሁድን ንግሪኻውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን ብጐይታና የሱስ ኪኣምኑን ኣጸቢቐ መስኪረሎም እየ።”—ግብ. 20:18-21

15. ኣብ በቤት ዚውሃብ ምስክርነት እንታይ ረብሓታት ኣለዎ፧

15 ሎሚ ነቲ ብስራት ንሰባት እነብጽሓሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ። ከም ጳውሎስ ኣብቲ ሰባት ዚርከቡሉ ንኸይድ ኢና፣ ንኣብነት፡ ኣብ ደው መበሊ ኣውቶቡስ፡ ኣብ ጐደናታት፡ ወይ ኣብ ዕዳጋ ነገልግል ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ በቤት እናኸድካ ዚግበር ኣገልግሎት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀመሉ ቐንዲ ሜላ ስብከት እዩ። ስለምንታይ፧ ሓደ ምኽንያት፡ ኣብ በቤት ዚግበር ስብከት ንዅሎም ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ማዕረ ኣጋጣሚ እዩ ዚህቦም፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ የርኢ። ብተወሳኺ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት ዜድልዮም ሓገዝ ብውልቂ ኺውሃቦም ይኽእል። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንእምነትን ጽንዓትን እቶም ኣብኡ ዚሳተፉ ይሃንጽ። እወ፡ ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት በቲ “ኣብ በቤት” ዚገብርዎ ምስክርነት እዮም ዚልለዩ።

16, 17. ጳውሎስ ዘይፈርህ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብነቱ ዚስዕቡኸ ብኸመይ እዮም፧

16 ጳውሎስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዚረኽቦ ኸም ዘይፈልጥ፡ ንሽማግለታት ኤፌሶን ነገሮም። “ግናኸ፡ ጕያይን ካብ ጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ ኣገልግሎተይን ክሳዕ ዝፈጸምኩ፡ ማለት ብዛዕባ ብስራት ጸጋ ኣምላኽ ኣጸቢቐ ኽሳዕ ዝመስከርኩ፡ ንህይወተይ ከም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ” በሎም። (ግብ. 20:24) ጸገም ጥዕና ዀነ ብርቱዕ መስጐጕቲ ዀነ ዝዀነ ይኹን ካልእ ኵነታት፡ ዕዮኡ ኻብ ምፍጻም ኪዓግቶ ኣይፈቐደን።

17 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ብተመሳሳሊ፡ እተፈላለየ ሕማቕ ኵነታት ይጻወሩ እዮም። ገሊኦም ካብ መንግስትታት እገዳን መስጐጕትን ይወርዶም። ገሊኦም ከኣ ምስ ዜማስን ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ሕማም ይቃለሱ። ክርስትያን መንእሰያት፡ ኣብ ቤት ትምህርቶም ጸቕጢ መዛኑ የጋጥሞም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ከም ጳውሎስ ብጽንዓት ይመላለሱ እዮም። ‘ብስራት ኣጸቢቖም ንምምስካር’ ቈሪጾም እዮም።

“ርእስኹምን ንዅሉ እቲ . . . መጓሰ ተጠንቀቑ” (ግብሪ ሃዋርያት 20:25-38)

18. ጳውሎስ ካብ ደም ኵላቶም ንጹህ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ሽማግለታት ኤፌሶንከ ኸመይ ገይሮም እዮም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧

18 ጳውሎስ ቀጺሉ ንሽማግለታት ኤፌሶን ቀጥታዊ ማዕዳ ሃቦም፣ ኣብቲ ማዕዳኡ ድማ ንሱ ዝሓደጎ ኣብነት ተጠቕመ። ፈለማ፡ ደጊም ገጹ ኸም ዘይርእዩ ነገሮም። ቀጺሉ፡ “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሃየ መስክሩ፣ ከመይሲ፡ ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ንዓኻትኩም ካብ ምንጋር ኣየድሓርሓርኩን” በሎም። ከመይ ገይሮም እዮም ሽማግለታት ኤፌሶን፡ ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ ካብ ደም ካልኦት ንጹሃት ኪዀኑ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧ ጳውሎስ ባዕሉ፡ “ንርእስኹምን ንዅሉ እቲ መንፈስ ቅዱስ ሓለውቲ ገይሩ ኣብኡ ዝሸመኩም መጓሰን ተጠንቀቑ። እዚ ሽመት እዚ እተዋህበኩም፡ ነታ ብደም ወዱ ዝዓደጋ ጉባኤ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትጓስዩ እዩ” በሎም። (ግብ. 20:26-28) “ሕሱማት ተዃሉ” ናብተን መጓሰ ኸም ዚኣትዉ፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ” ኸኣ “ቄናን ነገር [ከም] ዚዛረቡ፡” ጳውሎስ ኣጠንቀቖም። እቶም ሽማግለታት ደኣ እሞ እንታይ እዮም ኪገብሩ ነይርዎም፧ ጳውሎስ ቀጺሉ፡ “ንቕሑ፡ ንሰለስተ ዓመት ለይትን መዓልትን ንነፍሲ ወከፍኩም ብንብዓት ካብ ምምዓድ ከም ዘየቋረጽኩ ኸኣ ዘክሩ” ኢሉ ኣጠንቀቖም።—ግብ. 20:29-31

19. ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን እንታይ ክሕደት እዩ ማዕቢሉ፧ እዚኸ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ዘመናት ናብ ምንታይ ኣምርሐ፧

19 ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን፡ “ሕሱማት ተዃሉ” ተቐልቀሉ። ብ98 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ሕጂ እውን ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም ኣለዉ፣ . . . ካባና እዮም ወጺኦም፡ ግናኸ፡ ካባና ኣይነበሩን፣ ካባና ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ምሳና ምነበሩ ነይሮም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃ. 2:18, 19) ኣብ ሳልሳይ ዘመን፡ ብሰንኪ እቲ ኽሕደት፡ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ጕጅለ ኻህናት ወይ ኣቕሽሽቲ ቘሙ፣ ኣብ ራብዓይ ዘመን ከኣ፡ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ነዚ ብልሹው ዓይነት “ክርስትና” ወግዓዊ ተፈላጥነት ሃቦ። መራሕቲ ሃይማኖት ንኣረማዊ ልምድታት ወሲዶም “ክርስትያናዊ” ስም ብምልጣፍ፡ ‘ቄናን ነገር ተዛሪቦም’ እዮም። እቲ ኽሕደት ዘሕደሮ ጽልዋ፡ ኣብ ትምህርትታትን ልምድታትን ህዝበ ክርስትያን ኪርአ ይከኣል እዩ።

20, 21. ጳውሎስ ጥቕሚ ርእሱ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧

20 ጳውሎስ ካብቶም ጸኒሖም ነተን መጓሰ እተበለጹለን ሰባት ኣጸቢቑ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ንጉባኤ ጾር ምእንቲ ኸይከውን ኢሉ፡ ዜድልዮ ንምምላእ ይዓዪ ነበረ። ምእንቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኢሉ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት፡ ንብሕታዊ ረብሓኡ ኣይነበረን። ንሽማግለታት ኤፌሶን ከም ናቱ ዓይነት ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ኬርእዩ ተማሕጸኖም። “ንድኹማት ክትድግፉ፡ ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ’ ዝበሎ ቓላት ከኣ ክትዝክሩ ኸም ዚግባእ” ኢሉ ነገሮም።—ግብ. 20:35

21 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ከም ጳውሎስ ጥቕሚ ርእሶም ይስውኡ እዮም። እቶም ‘ጉባኤ ኣምላኽ ኪጓስዩ’ ሓላፍነት እተዋህቦም፡ ከምቶም ንኣባጊዖም ዚላጽዩ ኣቕሽሽቲ ህዝበ ክርስትያን ዘይኰነስ፡ ንጥቕሚ ኻልኦት እናሓለዩ እዮም ግቡኦም ዚፍጽሙ። እቶም ‘ክብሪ ርእሶም’ ዚደልዩ ውዒሎም ሓዲሮም ስለ ዚወድቁ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ትዕቢትን ህርፋን ስልጣንን ቦታ የብሉን። (ምሳ. 25:27) ድፍረት ናብ ውርደት ጥራይ እዩ ዚመርሕ።—ምሳ. 11:2

“ኵላቶም ድማ ብዙሕ በኸዩ።”​—ግብሪ ሃዋርያት 20:37

22. ሽማግለታት ኤፌሶን ንጳውሎስ ዚፈትውዎ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

22 ጳውሎስ ንኣሕዋቱ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ስለ ዝነበረቶ፡ ንሳቶም እውን ይፈትውዎ ነበሩ። ኪሰናበቶም ከሎ፡ “ኵላቶም . . . ብዙሕ በኸዩ፣ ንጳውሎስ እውን ሓኒቖም ሰዓምዎ።” (ግብ. 20:37, 38) ክርስትያናት ነቶም ከም ጳውሎስ ነተን መጓሰ ኼገልግሉ ኢሎም ግዜኦምን ጕልበቶም ጥሪቶምን ዚውፍዩ፡ ብሓቂ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎም። እሞኸ ጳውሎስ ዝሓደጎ ብሉጽ ኣብነት ድሕሪ ምምርማርካ፡ “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎስ፡ ይጅሃር ወይ የጋንን ከም ዘይነበረ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧—ግብ. 20:26

b ጳውሎስ ነታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቲ ዝጸሓፋ እውን፡ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

d ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 20:5, 6 “ንሕና” እናበለ ምትራኹ፡ ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ሓዲግዎ ኸም ዝኸደን ጸኒሑ ናብታ ኸተማ ኺምለስ ከሎ ድማ ዳግም ከም እተራኸቡን ዚሕብር ይመስል።—ግብሪ ሃዋርያት 16:10-17, 40

e ካብ ፊልጲ ናብ ጥሮኣስ ዝገበርዎ ጕዕዞ ሓሙሽተ መዓልቲ እዩ ወሲዱሎም። ኣቐዲሙ እቲ ጕዕዞ እቲ ኽልተ መዓልቲ ጥራይ ወሲዱሎም ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ጕዕዞ ሕማቕ ንፋስ ገጢምዎም ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 16:11