ምዕራፍ 10
“ቃል የሆዋ ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ”
ጴጥሮስ ካብ ሞት ደሓነ፡ መስጐጕቲ ድማ ንዝርጋሐ እቲ ብስራት ኣይዓገቶን
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12:1-25 እተመስረተ
1-4. ጴጥሮስ እንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጠሞ፧ ኣብ ቦታኡ እንተ ትነብርከ ኸመይ ምተሰምዓካ፧
ንጴጥሮስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዮም፡ ነቲ ብሓጺን እተሰርሐ ዓብዪ ማዕጾ ገም ኣቢሎም ዓጸውዎ። ብኽልተ ሮማውያን ሓለውቲ ተታሒዙ፡ ናብ ሓንቲ ኽፍሊ ተወስደ። እንታይ ከም ዜጋጥሞ እናተጸበየ ኸኣ ንሰዓታት፡ ምናልባት እውን ንመዓልትታት ተዓገሰ። ብዘይካ መናድቕን ሰንሰለታትን ሓለውትን ካልእ ዝርእዮ ነገር ኣይነበሮን።
2 ንጉስ ቀዳማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ፡ ንጴጥሮስ ኪቕተል ይደልዮ ስለ ዝነበረ፡ ሕማቕ ፍርዲ እዩ ፈሪድዎ። a ድሕሪ ፋስጋ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኬቕርቦ እሞ፡ ነቶም ህዝቢ ምእንቲ ኼሐጕስ ኢሉ ንሞት ኪፈርዶ ሓሲቡ ነበረ። ኬጕባዕብዕ ኢሉ ጥራይ ኣይኰነን ከምኡ ሓሲቡ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንሓደ ኻብቶም ብጾት ጴጥሮስ ዝነበረ ሃዋርያ ያእቆብ ኣቕቲልዎ እዩ።
3 ጴጥሮስ ድሮ እታ ኪቕተል እተሓስበላ ምሸት፡ ኣብታ ጸልማት ዝወረሳ ኽፍሊ ዀይኑ እንታይ ኰን ይሓስብ ነይሩ ይኸውን፧ ነቲ ቕድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ ካልእ ሰብ ሒዙ ናብ ዘይደልዮ፡ ማለት ናብ ሞት ከም ዚወስዶ፡ የሱስ ዝገለጸሉ ነገር ዘኪሩ ደዀን ይኸውን፧ (ዮሃ. 21:18, 19) ምናልባት እቲ ግዜ እቲ ኣኺሉ እንተ ዀይኑ ሓሲቡ ይኸውን።
4 ኣብ ቦታኡ እንተ ትነብር ከመይ ምተሰምዓካ፧ ብዙሓት ሰባት ተስፋ ምቘረጹ። ንናይ ሓቂ ሰዓቢ የሱስ ክርስቶስ ግና ፈጺሙ ተስፋ ዜቝርጽ ኪብሃል ዚከኣል ኵነታት ኣሎዶ፧ ካብቲ ጴጥሮስን ክርስትያናት ብጾቱን፡ መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠሞም ዝገበርዎ ነገር እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።
“እታ ጉባኤ . . . ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት” (ግብሪ ሃዋርያት 12:1-5)
5, 6. (ሀ) ንጉስ ቀዳማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናዊት ጉባኤ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧ (ለ) ሞት ያእቆብ ነታ ጉባኤ ፈተና ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
5 ከምቲ ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ምዕራፍ እተምሃርናዮ፡ እቶም ካብ ኣህዛብ ዝነበሩ ቆርኔሌዎስን ስድራ ቤቱን ንክርስትና ምቕባሎም፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጺኡ እዩ። እቶም ዘይኣመንቲ ኣይሁድ ግና፡ ብዙሓት ኣይሁድ ዝዀኑ ክርስትያናት ምስ ኣህዛብ ከይተሰከፉ ብሓባር ምምላኾም፡ ኣሰምቢድዎም ኪኸውን ኣለዎ።
6 እቲ ጐራሕ ፖለቲከኛ ዝነበረ ሄሮድስ ከኣ፡ ነዚ ነገር እዚ ብኣይሁድ ኪፍተወሉ ዚኽእል ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ፡ ኣብ ክርስትያናት ግፍዒ ኼውርድ ጀመረ። ሃዋርያ ያእቆብ ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣጸቢቑ ይቀራረብ ምንባሩ፡ ሄሮድስ ፈሊጡ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ፡ “ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ . . . ኣሰየፎ።” (ግብ. 12:2) እዚ ነታ ጉባኤ ኸቢድ ፈተና እዩ ነይሩ። ያእቆብ ሓደ ኻብቶም ተኣምራዊ ምልዋጥ የሱስን ካልኦት ሃዋርያት ዘይረኣይዎ ተኣምራትን ዝረኣዩ ሰለስተ ሃዋርያት እዩ ነይሩ። (ማቴ. 17:1, 2፣ ማር. 5:37-42) የሱስ ንያእቆብን ንሓዉ ዮሃንስን፡ ብምኽንያት እቲ ውዕዉዕ መንፈሶም “ደቂ ነጐዳ” ዚብል ስም ኣውጺኡሎም ነይሩ። (ማር. 3:17) ስለዚ፡ እታ ጉባኤ ሓደ ተባዕን እሙንን ምስክር ዝዀነ ፈቃር ሃዋርያ እያ ስኢና።
7, 8. እታ ጉባኤ፡ ጴጥሮስ ምስ ተኣስረ እንታይ ገበረት፧
7 ኣብ ልዕሊ ያእቆብ እተፈጸመ ቕትለት፡ ከምቲ ኣግሪጳ እተጸበዮ ንኣይሁድ ባህ ኣበሎም። በዚ ተተባቢዑ ድማ፡ ንጴጥሮስ ኪሃድኖ ጀመረ። ኣብ መእተዊ ኸም እተገልጸ፡ ንጴጥሮስ ሓዞ። ኰይኑ ግና፡ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 5 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ፡ ሃዋርያት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኼምልጡ ኸም ዝኸኣሉ፡ ኣግሪጳ ዘኪሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ፡ ጴጥሮስ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ 2 ሓለውቲ ብሰንሰለት ከም ዚእሰርን 16 ሓለውቲ ድማ ለይትን መዓልትን በብእብረ ኸም ዚሕልውዎን ገበረ። ጴጥሮስ እንተ ኣምሊጡ፡ እቶም ሓለውቲ እቲ ኣብ ልዕሊ ጴጥሮስ ዚወርድ ፍርዲ እዩ ኺወርዶም። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜፍርህ ኵነታት፡ ክርስትያናት ብጾት ጴጥሮስ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ ነይሮም፧
8 እታ ጉባኤ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ እያ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12:5፡ “ጴጥሮስ በዚ ኸምዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፣ እታ ጉባኤ ግና ምእንታኡ ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት” ዚብል ነንብብ። እወ፡ ምእንቲ እቲ ፍቑር ሓዎም ተጊሆም ካብ ልቦም እዮም ዚጽልዩ ነይሮም። ብሞት ያእቆብ ኣይተዳህሉን፣ ጸሎቶም ከንቱ ኸም ዝዀነ ገይሮም እውን ኣይረኣዩን። ጸሎት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ። ምስ ፍቓዱ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ይምልሰሉ እዩ። (እብ. 13:18, 19፣ ያእ. 5:16) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ልቦም ኬሕድርዎ ኣለዎም።
9. ካብቲ ክርስትያናት ብጾት ጴጥሮስ ንጸሎት ብዚምልከት ዝሓደግዎ ኣብነት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
9 ብዙሕ ፈተናታት ዚወርዶም ዘሎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ትፈልጥዶ፧ መስጐጕቲ፡ እገዳ፡ ወይ ባህርያዊ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነዚኣቶም ስለምንታይ ካብ ልቢ ዘይትጽልየሎም፧ ኣብ ስድራ ቤቶም ሽግር ዘለዎም፡ ተስፋ ዜቝርጽ ኵነታት ዜጋጥሞም፡ ንእምነቶም ዚፍትን ነገራት ዜጓንፎም፡ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ብዙሕ ኣትኵሮ ዘይግበረሉ ዓይነት ጸገማት ዜሕልፉ ክርስትያናት እውን ትፈልጥ ትኸውን። ቅድሚ ምጽላይካ እንተ ኣስተንቲንካ፡ ነቲ “ሰማዕ ጸሎት” ዝዀነ የሆዋ ኽትጠቕሰሉ እትኽእል ሓያሎ ስማት ክትዝክር ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 65:2) ንዓኻ እውን ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከምኡ ኺገብሩልካ ኢኻ እትደሊ።
“ስዓበኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 12:6-11)
10, 11. መልኣኽ የሆዋ ንጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብኸመይ ከም ዘድሓኖ ግለጽ።
10 ጴጥሮስ በቲ ሓደገኛ ዅነታት ተጨኒቑዶ፧ ርግጸኛታት ኴንና ኣይተጨነቐን ክንብል እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ ኣብታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ለይቲ ግና ኣብ መንጎ ኽልተ ነቒሖም ዚሕልዉ ሓለውቲ ደቂሱ ነበረ። እዚ ናይ እምነት ሰብ እዚ፡ ንጽብሒቱ ዝወረደ ይውረዶ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኸም ዜዕቍቦ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 14:7, 8) ዝዀነ ዀይኑ፡ ጴጥሮስ ነቲ ድሕሪኡ ዘጋጠመ መስተንክር ፍጻመ ኣይተጸበዮን ነይሩ። ብሃንደበት፡ ኣብታ ተኣሲሩላ ዝነበረ ኽፍሊ ብርሃን በርሀ። ሓደ መልኣኽ መጺኡ ንጴጥሮስ ኣበራበሮ፣ እቶም ሓለውቲ ነቲ መልኣኽ ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። እቲ ጴጥሮስ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ዘይስበር ዚመስል መቓውሕ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ!
11 እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ፡ “ቀልጢፍካ ተንስእ! . . . ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካ እውን ውደ . . . ክዳንካ ተኸደን ብምባል ሓጺር መምርሒታት ሃቦ። ጴጥሮስ ከምቲ እተባህሎ ገበረ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ መልኣኽ ንጴጥሮስ “ስዓበኒ” በሎ፣ ጴጥሮስ ከኣ ሰዓቦ። ካብታ ኽፍሊ ወጹ፡ ብጥቓ እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ዝነበሩ ሓለውቲ ሓለፉ፡ ሰላሕ ኢሎም እውን ናብቲ ዓብዪ ማዕጾ ሓጺን ከዱ። ነቲ ማዕጾኸ ኸመይ ገይሮም እዮም ኪሰግርዎ ኽኢሎም፧ ጴጥሮስ ከምኡ ኢሉ ሓሲቡ ነይሩ እንተ ዀይኑ፡ ነዊሕ ኪሓስብ ኣየድለዮን። ናብቲ ማዕጾ ምስ ቀረቡ፡ “ባዕሉ ተኸፍተሎም።” በቲ ማዕጾ ሓሊፎም ናብ ሓደ መገዲ በጽሑ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ተሰወረ። ጴጥሮስ በይኑ ምስ ተረፈ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እዚ ዅሉ ብሓቂ ኸም እተፈጸመ ድማ ኣስተውዓለ። ራእይ ኣይኰነን ዚርኢ ነይሩ። የግዳስ፡ ናጻ እዩ ዀይኑ!—ግብ. 12:7-11።
12. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንጴጥሮስ ንምድሓን ዝገበሮ ነገር ምስትንታንና ኼጸናንዓና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
12 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምድሓን ኪጥቀመሉ ዚኽእል ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ምስትንታንናስ ዜጸናንዕዶ ኣይኰነን፧ ንጴጥሮስ ዝኣሰሮ፡ ንጉስ እዩ ነይሩ፣ እቲ ንጉስ እቲ ድማ ደገፍ እታ ኣብ ዓለም ክሳዕ ሽዑ ኻብ ዝነበራ ዝሓየለት መንግስቲ ይረክብ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ብቐሊሉ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ወጸ። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ኣይገብረሎምን እዩ። ንያእቆብ ከምኡ ኣይገበረሉን፣ ንጴጥሮስ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ የሱስ ብዛዕባኡ ዝበሎ ቓል ኣብ መወዳእታ ኺፍጸም ከሎ ብተኣምር ኣየድሓኖን። ሎሚ ክርስትያናት ብተኣምራዊ መገዲ ኺድሕኑ ኣይጽበዩን እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኸም ዘይልወጥ ኣይንርስዕን ኢና። (ሚል. 3:6) ድሕሪ ሓጺር እዋን ብወዱ ኣቢሉ ንሚልዮናት ሰባት ካብቲ ዝኸፍአ ቤት ማእሰርቲ ዝዀነ ሞት ሓራ ኼውጽኦም እዩ። (ዮሃ. 5:28, 29) ሎሚ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ብዙሕ የተባብዓና እዩ።
“ረኣይዎ እሞ ተደመሙ” (ግብሪ ሃዋርያት 12:12-17)
13-15. (ሀ) ኣብ ቤት ማርያም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣባላት ጉባኤ፡ ጴጥሮስ ምስ መጾም ከመይ ተሰምዖም፧ (ለ) ድሕርዚ፡ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ ምንታይ እያ እተተኵር፧ ግናኸ ጴጥሮስ ኣብ መንፈሳውያን ኣሕዋቱን ኣሓቱን እንታይ ጽልዋ እዩ ዜሕድር ዝነበረ፧
13 ጴጥሮስ ኣብቲ ጸልማት ዝወረሶ መገዲ ደው ኢሉ፡ ናበይ ከም ዚኸይድ ሓሰበ። ቤት እታ ማርያም እትብሃል ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ቀረባ እያ ነይራ። ማርያም ንጉባኤ ኺሕዝ ዚኽእል ዓብዪ ቤት ስለ ዝነበራ፡ ሃብታም መበለት ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ማርያም ኣደ እቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ክትከውን ከላ፡ ማርቆስ እውን ንፈለማ ግዜ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እዩ ተጠቒሱ እንረኽቦ። ጸኒሑ ንጴጥሮስ ከም ወዱ ዀኖ። (1 ጴጥ. 5:13) በታ ለይቲ እቲኣ፡ ኣመና መስዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዙሓት ኣባላት እታ ጉባኤ ግና ኣብ ቤት ማርያም ኰይኖም ብትግሃት ይጽልዩ ነበሩ። ብዘይ ጥርጥር ጴጥሮስ ምእንቲ ኺፍታሕ እዮም ዚጽልዩ ነይሮም፣ ኰይኑ ግና፡ ነቲ የሆዋ ዚህቦም መልሲ ኣይተጸበይዎን ነይሮም።
14 ጴጥሮስ ነቲ ናይ ቀጽሪ ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣበለ። ሮዳ (“ጽጌረዳ” ዝትርጉሙ ዝውቱር ስም ግሪኽኛ) እትብሃል ግዝእቲ ናብቲ ማዕጾ መጸት። በቲ ዝሰምዓቶ ኣዝያ ተደመመት። ድምጺ ጴጥሮስ እያ ሰሚዓ! ነቲ ማዕጾ ኣብ ክንዲ እትኸፍቶ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ደገ ሓዲጋቶ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ቤት ጐይያ ኣተወት፣ ንኣባላት እታ ጉባኤ ድማ ጴጥሮስ ከም ዝመጸ ሓበረቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ተጸሊልኪ ኢኺ” በልዋ፣ ንሳ ግና በዚ ኣይተዳህለትን። ነቲ ሓቂ ምዃኑ ዝኣመነትሉ ነገር ኣርጊጻ ነገረቶም። ገሊኣቶም ከኣ ንጴጥሮስ ዚውክል መልኣኽ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሳብ ሃቡ። (ግብ. 12:12-15) እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ማዕጾ ኽሳዕ ዚኸፍትዎ፡ ጴጥሮስ ኳሕኳሕ የብል ነበረ።
15 “ማዕጾ ምስ ከፈቱ፡ ረኣይዎ እሞ ተደመሙ።” (ግብ. 12:16) ጴጥሮስ ግና ብሓጐስ ያዕያዕ ምእንቲ ኸይብሉ፡ ስቕ ኪብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፣ ዘጋጠሞ ነገራት ድማ ኣዘንተወሎም። እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ኪነግርዎም መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ፡ ወተሃደራት ሄሮድስ ምእንቲ ኸይረኽብዎ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ። ናብ ዝሓሸ ስፍራ ኸይዱ ኸኣ ብተኣማንነት ኣገልግሎቱ ቐጸለ። ካብዚ ንደሓር፡ ኣብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ዘሎ፡ ብዛዕባ ግዝረት ኣብ እተላዕለ ጕዳይ ጥራይ እዩ ተጠቒሱ እንረኽቦ። ድሕርዚ፡ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ ዕዮን መገሻታትን ሃዋርያ ጳውሎስ እያ እተተኵር። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ንእምነት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከም ዘበራትዐ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቶም ኣብ ቤት ማርያም ዝጸንሕዎ ተሰናቢትዎም ኪኸይድ ከሎ፡ ብርግጽ ተሓጒሶም እዮም ነይሮም።
16. ኣብ መጻኢ፡ ብዙሕ ዜሐጕስ ነገራት ከም ዚህሉ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧
16 ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ኻብቲ ዚጽበይዎ ንላዕሊ ስለ ዚገብረሎም፡ ብሓጐስ ፍንጭሕ ይብሉ እዮም። በታ ለይቲ እቲኣ፡ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ጴጥሮስ ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎም። ሎሚ እውን የሆዋ ኣብዚሑ ኺባርኸና ኸሎ፡ ከምኡ እዩ ዚስምዓና። (ምሳ. 10:22) ኣብ መጻኢ፡ ኵሉ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት ብደረጃ ዓለምለኸ ኺፍጸም ከሎ ኽንርኢ ኢና። እቲ ሽዑ እንረኽቦ ዜደንቕ ነገራት፡ ካብቲ ሎሚ ኽንሓስቦ እንኽእል ንላዕሊ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። ስለዚ፡ ተኣማንነትና ኽሳዕ ዝሓለና፡ ብዙሕ ዜሐጕስ ግዜያት ከም ዚጽበየና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።
“መልኣኽ የሆዋ ብቕጽበት ወቕዖ” (ግብሪ ሃዋርያት 12:18-25)
17, 18. ንሄሮድስ ናይ ሓሶት ውዳሰ ከም ዚቐረበሉ ዝገበረ ዅነታት እንታይ እዩ፧
17 ሄሮድስ እውን እንተ ዀነ፡ ጴጥሮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምምላጡ እኳ እንተ ተገረመ፡ በዚ ግና ኣይተሓጐሰን። ንጴጥሮስ ብቕልጡፍ ኪደልይዎ ኣዘዘ፣ ቀጺሉ ድማ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ፡ “ኪቕጽዑ” ኣዘዘ፣ እቲ መቕጻዕቲ እውን ሞት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። (ግብ. 12:19) ሄሮድስ ኣግሪጳ ብርሕራሐ ወይ ብምሕረት ኣይኰነን ዚዝከር። እሞኸ እዚ ጨካን ሰብኣይ እዚ ተቐጺዑዶ፧
18 ኣግሪጳ ንጴጥሮስ ኬቕትሎ ብዘይምኽኣሉ እተዋረደ ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ንትዕቢቱ ዚትዅትዅ ኣጋጣሚ ተፈጥረሉ። ጸላእቱ ምስኡ ሰላም ኪደልዩ ዜገድድ ኵነታት ተፈጥረ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት መደረ ኬቕርብ ተሃንጥዩ ኸም ዝነበረ ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብምድብቲ መዓልቲ፡ “ሄሮድስ ልብሰ መንግስቲ ለቢሱ” ምንባሩ፡ ሉቃስ ጸብጺቡ ኣሎ። እቲ ጆሰፈስ ዚብሃል ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ፡ ሄሮድስ ዚኽደኖ ዝነበረ ኽዳን ብብሩር እተሰርሐ ምንባሩ ሓቢሩ ኣሎ፣ ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ብርሃን ኣብ ልዕሊኡ ኺበርህ ከሎ፡ ክብሪ ዜንጸባርቕ መሲሉ ምእንቲ ኺርአ ተባሂሉ እዩ። ድሕሪኡ፡ እዚ ተጃሃሪ ፖለቲከኛ እዚ ኺምድር ጀመረ። እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ከኣ፡ ኪሽሕርዎ ደልዮም፡ “እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን!” ኢሎም ጨደሩ።—ግብ. 12:20-22።
19, 20. (ሀ) የሆዋ ንሄሮድስ ዝቐጽዖ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ሄሮድስ ኣግሪጳ ብሃንደበት ከም ዝሞተ ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ መጸናንዒ ኢና እንረክብ፧
19 ከምዚ ዝኣመሰለ ኽብሪ ንኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚግባእ፣ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ነገር እቲ ይርእዮ ነበረ። ሄሮድስ ካብ መዓት ዜምልጠሉ ኣጋጣሚ ነይርዎ እዩ። ነቶም ህዝቢ ኺገንሖም ወይ ምሳታቶም ከም ዘይሰማማዕ ኬርእዮም ይኽእል ነይሩ። ኣብ ክንዳኡ ግና፡ “ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ” እትብል ምስላ ኣብኡ ኽትፍጸም ከላ ተራእየት። (ምሳ. 16:18) “መልኣኽ የሆዋ ብቕጽበት ወቕዖ፣” ነዚ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ዚሓስብ ዕቡይ ሰብኣይ ድማ ብዜፈንፍን ኣማውታ ኸም ዚመውት ገበሮ። “ሓሲኹ እውን ሞተ።” (ግብ. 12:23) ጆሰፈስ እውን፡ ኣግሪጳ ብሃንደበት ከም እተወቕዐ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ንጉስ ብሰንኪ እቲ ኻብቶም ህዝቢ እተቐበሎ ሻሕራ ናብ ሞት የምርሕ ምህላዉ ኸም ዝደምደመ ሓቢሩ ኣሎ። ብዘይካዚ፡ ኣግሪጳ ቕድሚ ሙማቱ ንሓሙሽተ መዓልቲ ኸም እተሳቐየ፡ ጆሰፈስ ገሊጹ ኣሎ። b
20 ሓድሓደ ግዜ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ብዙሕ እከይ ገይሮም ኬብቅዑ፡ ዋላ ሓንቲ ኸይኰኑ ኸም ዜምልጡ ይመስል ይኸውን። “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ” ስለ እንፈልጥ፡ እዚ ኼገርመና የብሉን። (1 ዮሃ. 5:19) ይኹን እምበር፡ እኩያት ዘይቅጽዑ ኣብ ዚመስለሉ እዋን፡ ሓድሓደ ግዜ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ በዚ ይርበሹ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ። የሆዋ ስጕምቲ ኺወስድ ከሎ ኺረኣየና ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ፍትሒ ዚፈቱ ምዃኑ ንዅሎም ኣገልገልቱ የዘኻኽሮም። (መዝ. 33:5) ይንዋሕ ይሕጸር፡ ፍትሒ ኺገብር እዩ።
21. ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 12 ብቐዳምነት ሒዛቶ ዘላ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧ እዚ ንዓና ዜጸናንዕ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
21 እቲ ጸብጻብ፡ “ቃል የሆዋ ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ” ብዚብል ዜተባብዕ ቃላት እዩ ዚዛዝም። (ግብ. 12:24) እዚ ብዛዕባ እቲ ዝርጋሐ ዕዮ ስብከት ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ነቲ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ነዚ ዕዮ እዚ ዝባረኸሉ መገዲ ኼዘኻኽረና ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 12 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ብቐዳምነት ብዛዕባ ሓደ ሃዋርያ ዝሞተሉን ካልእ ሃዋርያ ዘምለጠሉን መገዲ ኣይኰነን ዚሕብረና። የግዳስ፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንሱ ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ዘፍሸለሉ መገድን እዩ ዚነግረና። ሰይጣን ንክርስትያናዊት ጉባኤ ንምጥፋእን ነቲ ብቕንኣት ዚዕየ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ንምዕጋትን ዝገበሮ ፈተነ ፈሺሉ እዩ፣ ሕጂ ዚእለም ኵሉ ውዲት እውን ይፈሽል እዩ። (ኢሳ. 54:17) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ እቶም ኣብ ጐድኒ የሆዋን የሱስን ዝቘሙ ሰባት፡ ኣብቲ ፈጺሙ ዘይፈሽል ዕዮ ግደ ኣለዎም። እዝስ ዜተባብዕ ሓሳብዶ ኣይኰነን፧ ሎሚ፡ “ቃል የሆዋ” ናይ ምእዋጅ ፍሉይ ክብሪ ኣሎና!
a “ ንጉስ ቀዳማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
b ሓደ ደራሲ ዝዀነ ዶክተር፡ እቲ ጆሰፈስን ሉቃስን ዝጠቐስዎ ምልክትታት፡ መዓናጡ ኸም ዚዕገት ዚገብሩ ጽግዕተኛታት ሓሳኹ ዘስዓብዎ ኪኸውን ከም ዚኽእል ጽሒፉ ኣሎ። እዞም ሓሳኹ እዚኦም ብተምላስ ይወጹ እዮም፡ ወይ ከኣ እቲ ሕሙም ኣብ ዚሞተሉ ግዜ ለመም እናበሉ ይወጹ እዮም። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ሉቃስ ከም ሓኪም መጠን ብልክዕ ምግላጹ፡ ሞት [ሄሮድስ] ክሳዕ ክንደይ ዜስካሕክሕ ምንባሩ ኣነጺርዎ እዩ” ኢሉ ኣሎ።