ምዕራፍ 13
“ብዙሕ ፍልልይን ክትዕን ምስ ኰነ”
ጕዳይ ግዝረት ኣብ ቅድሚ ኣመሓዳሪ ኣካል ቀረበ
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:1-12 እተመስረተ
1-3. (ሀ) ነታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘስግአ እንታይ ኵነታት እዩ ማዕቢሉ ነይሩ፧ (ለ) ነዚ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ ምጽናዕና ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
ጳውሎስን በርናባስን ቀዳማይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ፈጺሞም ብታሕጓስ ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ተመልሱ። የሆዋ “ንኣህዛብ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎም” ምርኣዮም ብዙሕ እዩ ኣሐጒስዎም። (ግብ. 14:26, 27) ኣብ ኣንጾክያ እውን ብስራት ብእተማልአ መገዲ ይስበኽ ነበረ፡ “ብዙሕ ዝቝጽሮም” ኣህዛብ ድማ ናብታ ጉባኤ ተወሰኹ።—ግብ. 11:20-26።
2 ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብዛዕባ እዚ ወሰኽ እዚ ዚገልጽ ወረ ናብ ይሁዳ በጽሐ። እዚ ግና ንዅሎም ዜሐጕስ ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ብዛዕባ ግዝረት ተላዒሉ ንዝነበረ ጕዳይ መሊሱ ኣጐሃሃሮ። ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝነበረ ርክብ ከመይ ኪኸውን ይግባእ፧ ኣህዛብከ ንሕጊ ሙሴ ብኸመይ ኪርእይዎ ይግባእ፧ እቲ ጕዳይ ብርቱዕ ፍልልይ ኣምጺኡ ብምንባሩ፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸይትከፋፈል ኣስጊኡ ነበረ። እዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ እዩ ተፈቲሑ፧
3 ነዚ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ ክንርኢ ኸለና፡ ብዙሕ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና። እዚ ኸኣ፡ ኣብዚ ግዜና ኪኸፋፍል ዚኽእል ጕዳያት እንተ ተላዒሉ፡ ከመይ ጌርና ብጥበብ ክንሕዞ ኸም ዘሎና ኺሕብረና ይኽእል እዩ።
“እንተ ዘይተገዚርኩም” (ግብሪ ሃዋርያት 15:1)
4. ገሊኦም ኣመንቲ እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ እዮም ዜስፋሕፍሑ ነይሮም፧ እዚኸ እንታይ ሕቶ እዩ ዜበግስ፧
4 ሉቃስ እቲ ወደ መዝሙር ኣብ ጸብጻቡ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ገሊኦም ካብ ይሁዳ [ናብ ኣንጾክያ] ወረዱ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት፡ ‘ከም ልምዲ ሙሴ እንተ ዘይተገዚርኩም፡ ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ኢሎም መሃርዎም።” (ግብ. 15:1) እቶም እተጠቕሱ ሰባት፡ ክርስትና ቅድሚ ምቕባሎም ፈሪሳውያን እንተ ነይሮም ወይ እንተ ዘይነይሮም ኣይተሓበረን። ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ በቲ ናይ ፈሪሳውያን ኣተሓሳስባ እተጸልዉ እዮም ዚመስሉ። ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ወኪሎም ከም ዚዛረቡ ዀይኖም እዮም ቀሪቦም። (ግብ. 15:23, 24) ኰይኑ ግና፡ ካብቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ብምስዓብ ንዘይተገዝሩ ኣይሁድ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪዀኑ እተቐበሎም ግዜ ኣስታት 13 ዓመት ጸኒሑ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ንግዝረት ዚጣበቑሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ a—ግብ. 10:24-29, 44-48።
5, 6. (ሀ) ገሊኦም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ንግዝረት ዚጣበቑሉ ዝነበሩ ስለምንታይ ኪዀኑ ይኽእሉ፧ (ለ) ኪዳን ግዝረት ክፍሊ ኺዳን ኣብርሃም ድዩ ነይሩ፧ ግለጽ። (እግረ ጽሑፍ ርአ።)
5 ብዙሕ ምኽንያታት ነይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ምኽንያት፡ ግዝረት ደቂ ተባዕትዮ ብየሆዋ እተኣታተወን ምስኡ ፍሉይ ርክብ ንዘለዎም ዜመልክትን ስለ ዝዀነ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ሕጊ ኺዳን ቅድሚ ምቛሙ፡ ሕጊ ግዝረት ንኣብርሃምን ንቤቱን ተዋሂብዎም ነበረ፣ ጸኒሑ ኸኣ ክፍሊ ሕጊ ሙሴ ዀነ። b (ዘሌ. 12:2, 3) ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ፡ ጓኖት ካብ ፋስጋ ቕድሚ ምብላዖም ወይ ካልእ ፍሉይ መሰል ቅድሚ ምርካቦም፡ ኪግዘሩ ነበሮም። (ዘጸ. 12:43, 44, 48, 49) እምበኣር፡ ሓደ ኣይሁዳዊ ንዘይተገዝረ ሰብኣይ ከም ርኹስ ወይ ከም ንዑቕ ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ።—ኢሳ. 52:1።
6 ስለዚ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ነቲ ሓድሽ ትምህርቲ ንምቕባል እምነትን ትሕትናን የድልዮም ነበረ። እቲ ሕጊ ኺዳን በቲ ሓድሽ ኪዳን ተተኪኡ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ሰብ ብትውልዱ ኣይሁዳዊ ምዃኑ፡ ብኡብኡ ኽፍሊ ህዝቢ ኣምላኽ ኣይገብሮን እዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ከም ይሁዳ ዝኣመሰለ ቦታታት ኣብ መንጎ ማሕበረ ሰባት ኣይሁድ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ከኣ፡ ኣብ ክርስቶስ ከም ዚኣምኑ ኺገልጹን ንዘይተገዝሩ ኣህዛብ ከም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ገይሮም ኪቕበሉን ትብዓት ኣድልይዎም ነበረ።—ኤር. 31:31-33፣ ሉቃ. 22:20።
7. ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሰባት እንታይ ሓቅታት እዮም ዘይተረድኡ፧
7 ልክዕ እዩ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ኣይተቐየረን። እቲ ሓድሽ ኪዳን ንመንፈስ ሕጊ ሙሴ ዝሓዘ ምዃኑ እኳ፡ ነዚ ዜረጋግጽ ሓቂ እዩ። (ማቴ. 22:36-40) ንኣብነት፡ ጳውሎስ ጸኒሑ ብዛዕባ ግዝረት፡ “እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ግና፡ ኣይሁዳዊ እዩ፣ ግዝረቱ ኸኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እዩ እምበር፡ ብጽሑፍ ሕጊ ኣይኰነን” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 2:29፣ ዘዳ. 10:16) እቶም ‘ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሰባት፡’ ነዚ ሓቅታት እዚ ኣይተረድእዎን፡ ኣምላኽ ንሕጊ ግዝረት ከም ዘይሰረዞ ድማ ኣትሪሮም ተዛረቡ። እሞኸ ንዝቐረበሎም መረዳእታ ተቐቢሎምዎዶ፧
“ፍልልይን ክትዕን” (ግብሪ ሃዋርያት 15:2)
8. ጕዳይ ግዝረት ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝቐረበ ስለምንታይ እዩ፧
8 ሉቃስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ መንጎኦምን [ኣብ መንጎ ‘እቶም ካብ ይሁዳ ዝወረዱን’] ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ፍልልይን ክትዕን ምስ ኰነ፡ ጳውሎስን በርናባስን ገለ ኻባታቶምን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኪድይቡ ተመደበ።” c (ግብ. 15:2) እቲ “ፍልልይን ክትዕን” ነቲ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ወገን ዝነበረ ሓያል ስምዒታትን ጽኑዕ እምነታትን ዜንጸባርቕ ነበረ፣ እታ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ ድማ ክትፈትሖ ኣይከኣለትን። ስለዚ፡ እታ ጉባኤ ምእንቲ ሰላምን ሓድነት ኢላ፡ ነቲ ጕዳይ ናብቶም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ “ሃዋርያትን ሽማግለታትን” ክትወስዶ ወሰነት። ካብቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ሽማግለታት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
9, 10. እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ኰኑ ጳውሎስን በርናባስን ሰናይ ኣብነት ዝሓደጉልና ብኸመይ እዮም፧
9 ካብዚ እንረኽቦ ሓደ ጠቓሚ ትምህርቲ፡ ንውድብ ኣምላኽ ክንኣምን ከም ዘሎና እዩ። ሕስብ እሞ ኣብል፦ እቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ምሉእ ብምሉእ በቶም ኣይሁድ ዝዓሌቶም ክርስትያናት ከም ዝቘመ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ብዛዕባ ግዝረት እተላዕለ ሕቶ፡ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚሰማማዕ መገዲ ኸም ዚፈትሖ ይኣምኑ ነበሩ። ስለምንታይ፧ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱን በቲ ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስን ኣቢሉ ነቲ ጕዳይ ከም ዚመርሖ፡ እታ ጉባኤ ትተኣማመን ነበረት። (ማቴ. 28:18, 20፣ ኤፌ. 1:22, 23) ሎሚ ኣርዚንካ ዚርአ ጕዳያት ኪለዓል ከሎ፡ ንውድብ ኣምላኽን ንቕቡኣት ክርስትያናትን ብምእማን፡ ነቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣመንቲ ንምሰሎም።
10 ትሕትናን ትዕግስትን ኣገደስቲ ምዃነን እውን መዘኻኸሪ ተዋሂቡና ኣሎ። ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣህዛብ ኪኸዱ ብመንፈስ ቅዱስ እኳ እንተ ተሓርዩ፡ በቲ ስልጣኖም ተጠቒሞም ነቲ ንግዝረት ዚምልከት ጕዳይ ኣብ ኣንጾክያ ኺፈትሕዎ ኣይፈተኑን። (ግብ. 13:2, 3) ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ጳውሎስ ጸኒሑ፡ “ብምኽንያት ሓደ ራእይ እየ [ናብ የሩሳሌም] ደዪበ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ኣብቲ ጕዳይ እቲ መለኮታዊ መምርሒ ኸም እተቐበለ እዩ ዚሕብር ነይሩ። (ገላ. 2:2) ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ኪኸፋፍል ዚኽእል ሕቶታት ኪለዓል ከሎ፡ ትሕትናን ትዕግስትን የርእዩ እዮም። ኣብ ክንዲ ዚከራኸሩ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋትን በቲ እሙን ባርያ ንዚወጽእ መምርሒታትን ብምውካስ፡ ካብ የሆዋ መልሲ ይደልዩ እዮም።—ፊል. 2:2, 3።
11, 12. ንየሆዋ ምጽባይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
11 ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት፡ የሆዋ ንሓደ ጕዳይ ክሳዕ ዜብርሆ ኽንጽበ የድልየና ይኸውን። ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ የሆዋ ብ49 ድ.ክ. ኣቢሉ ንግዝረት ኣህዛብ ዚምልከት ጕዳይ ፍታሕ ክሳዕ ዚገብረሉ፡ ማለት ካብቲ ቆርኔሌዎስ ብ36 ድ.ክ. እተቐብኣሉ፡ 13 ዓመት ዚኣክል ከም እተጸበዩ ኣይትረስዕ። ስለምንታይ እዩ ኽንድኡ ዚኣክል ነዊሕ ግዜ ኣድልዩ፧ ምናልባት ኣምላኽ፡ ቅኑዓት ኣይሁድ ነዚ ዓብዪ ለውጢ እዚ ዘለዎም ኣረኣእያ ኽሳዕ ዜተዓራርዩ እኹል ግዜ ኼፍቅድ ኢሉ ይኸውን። ከመይሲ፡ እቲ ምስቲ ዜፍቅርዎ ኣቦኦም ኣብርሃም እተኣትወ 1,900 ዓመት ዝገበረ ኺዳን ግዝረት ምብቃዑ ኣቕሊልካ ዚርአ ነገር ኣይነበረን!—ዮሃ. 16:12።
12 እቲ ዕጉስን ለዋህን ሰማያዊ ኣቦና ዚምህረናን ዚቐርጸናን ምዃንና፡ ዓብዪ ኽብሪ ኺስምዓና ኣለዎ! እዚ ነገር እዚ ዜፍርዮ ፍረ፡ ወትሩ ንጽቡቕናን ንጥቕምናን እዩ። (ኢሳ. 48:17, 18፣ 64:8) ስለዚ፡ ኣተሓሳስባና ሒዝና ድርቕ ኣይንበል፣ ውድባዊ ለውጥታት ኪግበር ከሎ ወይ ብዛዕባ ገሊኡ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ዚውሃበና መግለጺ ኺተዓራረ ኸሎ ድማ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣይንሓዝ። (መክ. 7:8) ሓደ ኻብዚ ዝንባለታት እዚ ኸም ዘሎካ እንተ ተፈሊጡካ፡ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ዚርከብ እዋናዊ ስርዓት ስለምንታይ ብጸሎት ዘይተስተንትነሉ፧ d
13. ኣብ ኣገልግሎትና፡ ትዕግስቲ የሆዋ ኸነንጸባርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
13 ንናይ ሓሶት እምነታቶም ወይ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታቶም ምሕዳግ ምስ ዜሸግሮም ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከለና፡ ትዕግስቲ ኼድልየና ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እቲ ተምሃራይ ምእንቲ ኺዓዪ እኹል ግዜ ኸነፍቅደሉ ኣሎና። (1 ቈረ. 3:6, 7) ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክንጽሊ ኣሎና። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ ኣምላኽ ኣብ ግዜኡ እንታይ ጥበባዊ ስጕምቲ ኽንወስድ ከም ዘሎና ኽንፈልጥ ኪሕግዘና እዩ።—1 ዮሃ. 5:14።
ዜተባብዕ ተመክሮታት “እናኣዘንተዉ” ሓለፉ (ግብሪ ሃዋርያት 15:3-5)
14, 15. ኣብ ኣንጾክያ ዝነበረት ጉባኤ ንጳውሎስን ንበርናባስን ንኻልኦት ተጓዓዝትን ዘኽበረቶም ብኸመይ እያ፧ ንሳቶም ንኻልኦት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት በረኸት ዝዀንዎምከ ብኸመይ እዮም፧
14 እቲ ሉቃስ ዝጸሓፎ ዛንታ ቐጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ንሳቶም ካብታ ጉባኤ ምስ ተፋነዉ፡ ኣህዛብ ከም እተመልሱ እናኣዘንተዉ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፣ ንዅሎም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሐጐስዎም።” (ግብ. 15:3) እታ ጉባኤ ንጳውሎስን ንበርናባስን ንኻልኦት ተጓዓዝትን ምፍናዋ፡ ንዓታቶም ዘለዋ ክርስትያናዊ ፍቕርን ኣኽብሮትን፡ ከምኡ እውን በረኸት የሆዋ ኸም እትምነየሎም እዩ ዜርኢ። ኣብዚ እውን፡ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ኣሕዋት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም ሓዲጎምልና! ንመንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን፡ “ምናዳ [ኸኣ] ነቶም ብቓልን ብትምህርትን ዚጽዕሩ” ሽማግለታት ኣኽብሮት ተርእዮም ዲኻ፧—1 ጢሞ. 5:17።
15 እቶም ተጓዓዝቲ ነቶም ኣብ መገዶም ዝረኸብዎም ኣብ ፊንቄን ሰማርያን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብዛዕባ ኣብ ኣህዛብ እተዓየ ዕዮ ዚገልጽ ተመክሮታት ኣውረዩሎም። ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰማዕቶም፡ እስጢፋኖስ ሰማእት ምስ ኰነ ናብቲ ቦታታት እቲ ዝሃደሙ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ኪርከብዎም ይኽእሉ እዮም። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብኸመይ ይባርኾ ኸም ዘሎ ዚሕብር ጸብጻባት፡ ንኣሕዋትና፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ፈተናታት ዜሕልፉ ዘለዉ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ብምእካብ፡ ኣብ ወረቐት ወይ ኣብ jw.org ኣብ ዚወጽእ ጽሑፋትና ንዚሕተም ተመክሮታትን ታሪኽ ህይወትን ከኣ ብምንባብ፡ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት ምሉእ ብምሉእ ትጥቀም ዲኻ፧
16. እቲ ንግዝረት ዚምልከት ሕቶ፡ ዓብዪ ጕዳይ ከም ዝዀነ ዚሕብር እንታይ እዩ፧
16 እቶም ካብ ኣንጾክያ እተበገሱ ልኡኻት ናብ ደቡብ ገጾም 550 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ምስ ተጓዕዙ፡ ናብቲ ዝሓሰብዎ በጽሑ። ብዛዕባ እዚ፡ ሉቃስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ እታ ጉባኤን እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ብጽቡቕ ተቐበልዎም፣ ንሳቶም ድማ እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉ ኣዘንተዉሎም።” (ግብ. 15:4) ይኹን እምበር፡ “ገለ ኻብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና፡ ተንሲኦም፡ ‘ኪግዘሩን ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኺሕልዉ ኺእዘዙን ይግባእ እዩ’ በሉ።” (ግብ. 15:5) እቲ ንግዝረት ዚምልከት ሕቶ፡ ዓብዪ ጕዳይ እዩ ዀይኑ ነይሩ፡ ፍታሕ ከኣ ኪውሃቦ ነበሮ።
“እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን . . . ተኣከቡ” (ግብሪ ሃዋርያት 15:6-12)
17. ኣባላት እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ መን እዮም፧ እቶም “ሽማግለታት” ኣብኡ ኺጠቓለሉ ዘድለየኸ ስለምንታይ እዩ፧
17 ምሳሌ 13:10፡ “ጥበብ ግና ናይቶም ምኽሪ ዚደልዩ እያ” ትብል። ምስዚ ስርዓት እዚ ብምስምማዕ፡ “እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ [ማለት ብዛዕባ ጕዳይ ግዝረት] ኺምርምሩ ተኣከቡ።” (ግብ. 15:6) “እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን” ንብምልእታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወኪሎም እዮም ተኣኪቦም፣ ሎሚ እውን ኣመሓዳሪ ኣካል ከምኡ እዩ ዚገብር። እቶም “ሽማግለታት” ምስ ሃዋርያት ብሓባር ዜገልግሉ ዝነበሩ ግና ስለምንታይ እዮም፧ ሃዋርያ ያእቆብ ኣቐዲሙ ተቐቲሉ ነይሩ እዩ፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን እንተ ወሓደ ንእተወሰነ እዋን ተኣሲሩ ነይሩ እዩ። ንኻልኦት ሃዋርያት እውን ተመሳሳሊ ነገራት ኣጋጢምዎ ይኸውን። ስለዚ፡ ካልኦት ብመንፈስ እተቐብኡ ብቑዓት ሰብኡት ምስ ሃዋርያት ሓቢሮም ምግልጋሎም፡ ነቲ ዕዮ ብሓላፍነት ዚሕልዉ እኹላት ኣሕዋት ኪርከቡ ኣኽኢሉ እዩ።
18, 19. ጴጥሮስ እንታይ ባይታ ዘይወድቕ ዘረባ እዩ እተዛረበ፧ እቶም ሰማዕቱኸ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኺበጽሑ ነበሮም፧
18 ሉቃስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ፦ “ድሕሪ ብዙሕ ዘተ ድማ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፦ ‘ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳሞት መዓልትታት ኣትሒዙ፡ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ብስራት ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሓረየኒ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንዓና ዝሃበና፡ ንዓታቶም እውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ፡ መስኪሩሎም እዩ። ልቦም ደኣ እዩ ብእምነት ኣንጺሁ እምበር፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምንሲ ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።’” (ግብ. 15:7-9) ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ ኣብ ፍቕዲ 7 “ብዙሕ ዘተ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምንዳይ፡ ምሕታት” ዚብል ሓሳብ እውን ኣለዋ። እምበኣር፡ እቶም ኣሕዋት እተፈላለየ ርእይቶታቶም ብግህዶ ኸም ዝገለጹ ንጹር እዩ።
19 ጴጥሮስ እተዛረቦ ባይታ ዘይወድቕ ዘረባ፡ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ፡ ማለት ቆርኔሌዎስን ቤተ ሰቡን ንፈለማ ግዜ ብ36 ድ.ክ. ብመንፈስ ቅዱስ ኪቕብኡ ኸለዉ፡ ንሱ ባዕሉ ኣብኡ ኸም ዝነበረ፡ ንዅሎም ኣዘኻኸሮም። ስለዚ፡ የሆዋ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣህዛብን ፍልልይ ዘይገብር እንተ ዀይኑ፡ በየናይ ስልጣን ደኣ እዮም ሰባት ፍልልይ ዚገብሩ፧ ብዘይካዚ፡ ንልቢ ሓደ ኣማኒ ዜንጽሆ፡ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ እምነት ደኣ እምበር፡ ንሕጊ ሙሴ ምሕላዉ ኣይኰነን።—ገላ. 2:16።
20. እቶም ተጣበቕቲ ግዝረት ‘ንኣምላኽ ዚፍትንዎ’ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
20 ጴጥሮስ ኣብቲ ዘየማትእ ምስክርነት ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ተመርኲሱ፡ ከምዚ ኢሉ ደምደመ፦ “እምበኣርከስ፡ ሕጂ ነቲ ኣቦታትና ዀኑ ንሕና ኽንጾሮ ዘይከኣልና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምጽዓን፡ ስለምንታይ ንኣምላኽ ትፍትንዎ ኣለኹም፧ ንሕናስ ከማታቶም ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን ኢና እንኣምን።” (ግብ. 15:10, 11) እቶም ተጣበቕቲ ግዝረት ‘ንኣምላኽ ይፍትንዎ፡’ ወይ ንትዕግስቱ ይፍትንዎ ነበሩ። እቲ ንሳቶም ባዕሎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕልውዎ ዘይተኻእሎምን ንሞት ከም ዚዅነኑ ዝገበሮምን ሕጊ ኣብ ኣህዛብ ኪጽዕኑ ይፍትኑ ነበሩ። (ገላ. 3:10) ኣብ ክንዳኡ ግና፡ ነቲ ብየሱስ ኣቢሉ እተገልጸ ጸጋ ኣምላኽ ኬመስግኑሉ ነበሮም።
21. በርናባስን ጳውሎስን ነቲ ምይይጥ ኣበርክቶ ዝገበሩ ብኸመይ እዮም፧
21 “ኵሎም እቶም ሰባት ስቕ” ስለ ዝበሉ፡ ቃላት ጴጥሮስ ዓሚቝ ጦብላሕታ ሓዲጉሎም ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ በርናባስን ጳውሎስን ብዛዕባ እቲ “ነቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ብዙሕ ትእምርትታትን ተኣምራትን” ኣዘንተዉሎም። (ግብ. 15:12) ኣብ መወዳእታ፡ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ንዅሉ እቲ ንግዝረት ዚምልከት መርትዖ መርሚሮም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብንጹር ዜንጸባርቕ ውሳነ ዚገብሩሉ እዋን ኣኸለ።
22-24. (ሀ) ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ቐዳማይ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝሓደጎ ኣብነት ዚስዕብ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኵሎም ሽማግለታት ንቲኦክራስያዊ ስልጣን ኣኽብሮት ኬርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
22 ሎሚ እውን ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኪእከቡ ኸለዉ፡ ካብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ የናድዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃቦም ድማ ዕቱብ ጸሎት የቕርቡ እዮም። (መዝ. 119:105፣ ማቴ. 7:7-11) ፍቓድ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ውሳነታት ምእንቲ ኺገብሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ኣብ ዛዕባ ተታሒዙ ዘሎ ነገራት ብጸሎት ምእንቲ ኺሓስበሉ፡ እቲ ዛዕባ ኣቐዲሙ ይሕበሮ እዩ። (ምሳ. 15:28) እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ኣኼባ ኺገብሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ሓሳባቶም ከይተሰከፉ ብኣኽብሮት ይገልጹ እዮም። ኣብ መንጎ ምይይጦም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ እዮም ዚጥቀሙሉ።
23 ሽማግለታት ጉባኤ ነዚ ኣብነት እዚ ኪቐድሕዎ ኣለዎም። ሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ኣብ ኣኼባኦም ኪፍትሕዎ እንተ ዘይክኢሎም፡ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈሮም ወይ ንኸም ሓለውቲ ወረዳ ዝኣመሰሉ እተሸሙ ተወከልቲ ኼማኽሩ ኣለዎም። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እውን ብግዲኡ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ናብ ኣመሓዳሪ ኣካል ኺጽሕፍ ይኽእል እዩ።
24 እወ፡ የሆዋ ነቶም ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ዜኽብሩ፡ ትሕትናን ተኣማንነትን ትዕግስትን ከኣ ዜርእዩ ኣገልገልቱ ይባርኾም እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ከም እንርእዮ፡ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሰላምን መንፈሳዊ ብልጽግናን ክርስትያናዊ ሓድነትን ኪህበና እዩ።
a “ ትምህርትታት ተሓለቕቲ ኣይሁድነት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
b ኪዳን ግዝረት ክፍሊ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘይፈረሰ ኺዳን ኣብርሃም ኣይነበረን። ኣብርሃም (ሽዑ ኣብራም ዚብሃል ዝነበረ) ናብ ከነኣን ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብ1943 ቅ.ክ. ንኤፍራጥስ ምስ ሰገረ እዩ ኺዳን ኣብርሃም ጸኒዑ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንሱ ወዲ 75 ዓመት ነበረ። ኪዳን ግዝረት ግና ብ1919 ቅ.ክ.፡ ማለት ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነ እዩ ቘይሙ።—ዘፍ. 12:1-8፣ 17:1, 9-14፣ ገላ. 3:17።
c እቲ ጸኒሑ እሙን ብጻይን ተወካልን ጳውሎስ ኰይኑ ዘገልገለ ግሪኻዊ ዝዓሌቱ ቲቶስ፡ ሓደ ኻብቶም ልኡኻት ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ገላ. 2:1፣ ቲቶ. 1:4) እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ካብቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ዘይተገዝሩ ኣህዛብ ሰናይ ኣብነት ዚኸውን እዩ ነይሩ።—ገላ. 2:3።
d “ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተሃንጸ እዩ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።