ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 1

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

“ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ግብሪ ሃዋርያትን ብኸመይ ምስ ግዜና ኸም ዚተኣሳሰርን

1-6. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ዅነታት ከም ዚሰብኩ ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

 ኣብ ጋና እትነብር ሪበካ ዝስማ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ንቤት ትምህርታ ኸም ሓደ ንስብከት እተመደበላ ኽሊ ገይራ ትርእዮ ነበረት። ኣብ ቦርሳኣ፡ ወትሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ሒዛ ትኸይድ ነበረት። ኣብ እዋን ዕረፍቲ፡ ንመማህርታ ንምምስካር ኣጋጣሚታት ተናዲ ነበረት። ምስ እተፈላለዩ ደቂ ኽፍላ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።

2 ኣብታ ኻብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተፈንቲታ እትርከብ ደሴት ማዳጋስካር፡ ክልተ ፈለምቲ ናብ ሓንቲ ግልልቲ ቝሸት ንምብጻሕ፡ ኣዘውቲሮም ን25 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ይጐዓዙ ነበሩ። ኣብኡ ኸኣ ተገዳስነት ንዘለዎም እተፈላለዩ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መርሑሎም።

3 ኣብ ፓራጓይ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ ካልኦት 15 ሃገራት ምስ ዝመጹ ወለንተኛታት ብሓባር ኰይኖም፡ ነቶም ኣብ ገማግም ፈለግ ፓራጓይን ፈለግ ፓራናን ዚርከቡ ሰባት ምእንቲ ኺምስክሩሎም ኢሎም ጃልባ ሰርሑ። ኣብታ 45 ቶን እትምዘን ጃልባ፡ 12 ሰባት ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም። ቀናኣት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ በዛ ጃልባ እዚኣ ገይሮም ናብቲ ኺብጻሕ ዘይከኣል ዝነበረ ቦታታት ብምኻድ፡ ነቲ ብስራት ኣብጽሑ።

4 ኣብታ ኣብ ሰሜን ጫፍ እትርከብ ኣላስካ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ኣብ ክረምቲ በጻሕቲ ብብዝሒ ዚመጹሉ ወርሓት ንስብከት ይጥቀሙሉ ነበሩ። ኣብዚ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ዚህልወሉ ወርሓት፡ ካብ እተፈላለየ ሃገራት በጻሕቲ ዝሓዛ መራኽብ ይመጻ ነበራ፣ ኣብታ ዓዲ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ኣብቲ መዐሸጊ መርከብ ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተዳለወ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርኣዪ ይዝርግሑ ነበሩ። ብነፋሪት ገይሮም እውን ናብ ግሉላት ኣቝሻት ከይዶም ይሰብኩ ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ እቲ ብስራት ናብ ማሕበረ ሰባት ቺምሺን፡ ኣሉት፡ ኣታባስካን፡ ክሊንከት ንምብጻሕ ተኻእለ።

5 ኣብ ቴክሳስ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ላሪ፡ ፍሉይ ክሊ ነበሮ፣ እዚ ድማ እቲ ንሱ ዚነብረሉ መናበዪ እዩ። ላሪ ብሰንኪ ሓደጋ ኻብ ብሽክለታ ስንኩላን ኪትንስእ ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ፡ ወትሩ ግና ብዕዮ ትሑዝ ነበረ። ንኻልኦት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግሮም ነበረ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ብእግሩ ኪኸይድ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ኸም ዘለዎ እውን ንሰባት የካፍሎም ነበረ።—ኢሳ. 35:5, 6

6 ኣብ ሰሜናዊ ምያንማር ዚርከቡ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ኺእከቡ ኢሎም፡ ካብ ማንዳላይ ተበጊሶም ብጃልባ ንሰለስተ መዓልቲ ጕዕዞ ገበሩ። ንምስባኽ ተሃንጥዮም ስለ ዝነበሩ፡ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ተማልኡ፡ ነዚ ድማ ንመጋይሽቶም ኣበርከቱሎም። እታ ጃልባ ኣብ ሓደ ኸተማ ወይ ቍሸት ደው እንተ ኢላ፡ እቶም ትጉሃት ሰበኽቲ ወሪዶም ነቶም ተቐማጦ ጽሑፋት የበርክቱሎም ነበሩ። ከምኡ ኽሳዕ ዚገብሩ፡ ሓደስቲ ተጐዓዝቲ ናብታ ጃልባ ይድይቡ ነበሩ፡ እቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ “ሓድሽ ክሊ” ይጸንሖም ነበረ።

7. ኣምለኽቲ የሆዋ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምስክሩ በየናይ መገድታት ኣቢሎም እዮም፧ ሸቶኦምከ እንታይ እዩ፧

7 ከምዚ ኣብዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝረኣናዮ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ቐናኣት ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ይምስክሩ’ ኣለዉ። (ግብ. 28:23) ኣብ በቤት፡ ኣብ መገዲ፡ ብደብዳበታት፡ ብተሌፎን ንሰባት የዛርቡ እዮም። ብኣውቶቡስ ኪጐዓዙ ኸለዉ፡ ኣብ መናፈሻ ኺዛወሩ ኸለዉ፡ ወይ ኣብ ስራሖም ኬዕርፉ ኸለዉ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምምስካር ዚረኽብዎ ዅሉ ኣጋጣሚ ይጥቀሙ እዮም። እተፈላለየ ሜላታት እኳ እንተ ተጠቕሙ፡ ሸቶኦም ግና ሕደ እዩ፣ እዚ ድማ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ነቲ ብስራት ምስባኽ እዩ።—ማቴ. 10:11

8, 9. (ሀ) ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እናሰፍሐ ምኻዱ ተኣምር ኪብሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ኣገዳሲት ሕቶ እያ ተላዒላ ዘላ፧ መልሳ ንምርካብከ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

8 ክቡር ኣንባቢ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ልዕሊ 235 ሃገራት ዚርከቡ ብዙሓት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ኣብቲ ባህ ዜብል ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እጃም ኣሎካ! ኣብ ብዘላ ዓለም ተዓሚሙ ዘሎ ዕዮ፡ ተኣምር ኪብሃል ይከኣል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይስገር ዚመስል ዕንቅፋታትን ብድሆታትን እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ኣብ ገሊኡ መዳያት ከኣ ካብ መንግስትታት እገዳን ቀጥታዊ መስጐጕትን እኳ እንተ ኣጓነፎም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ኣጸቢቖም ይምስክሩ ኣለዉ።

9 ዝዀነ ይኹን ዕንቅፋት፡ ዋላ እውን ሰይጣን ዜምጽኦ ምጽራር፡ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንቕድሚት ካብ ምግስጋስ ኪዓግቶ ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ናብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ምልስ ኢልና ኽንምርምር ኣሎና። ከመይሲ፡ ንሕና ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለና መሰኻኽር የሆዋ፡ ነቲ ሽዑ ዝጀመረ ዕዮ ኢና እንቕጽል ዘለና።

ሰፊሕ መዝነት

10. የሱስ ነየናይ ዕዮ እዩ ገዛእ ርእሱ ዝወፈየ፧ ብዛዕባ እዚ ዕዮ እዚኸ እንታይ እዩ ዚፈልጥ ዝነበረ፧

10 እቲ መስራቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ገዛእ ርእሱ ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ወፈየ፣ ቀንዲ ዕዮኡ እዚ እዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ፡ “ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ከተማታት እውን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከበስረን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃ. 4:43) የሱስ በይኑ ዘይውድኦ ዕዮ ይፍልም ምንባሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ቀቅድሚ ሙማቱ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ኵሎም ኣህዛብ” ኪሰብኽ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ። (ማር. 13:10) እዚ ግና ብኸመይን ብመንን እዩ ዚግበር፧

“ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።”​—ማቴዎስ 28:19

11. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኣገዳሲ መዝነት እዩ ሂብዎም፧ ኪፍጽምዎ ኸለዉኸ እንታይ ደገፍ እዮም ዚረኽቡ፧

11 የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም፣ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ድማ ኣገዳሲ መዝነት ሃቦም፦ “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” (ማቴ. 28:19, 20) እተን “ምሳኻትኩም እየ” ዚብላ ቓላት፡ ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ደገፉ ኸም ዚረኽቡ እየን ዚሕብራ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም” ኢልዎም ስለ ዝነበረ፡ ደገፉ የድልዮም ነበረ። (ማቴ. 24:9) ብዘይካዚ፡ ካብ ካልእ ደገፍ ከም ዚረኽቡ እውን ኣረጋጊጹሎም እዩ። ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉ፡ “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ምስክር ምእንቲ ኪዀንዎ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኸም ዚረኽቡ ነጊርዎም ነይሩ እዩ።—ግብ. 1:8

12. እንታይ ኣገዳሲ ሕቶታት እዩ ዚልዓል፧ መልሱ ምፍላጥና ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

12 ሕጂ እተወሰነ ኣገዳሲ ሕቶታት ከነበግስ ንኽእል ኢና፦ ሃዋርያት የሱስን ካልኦት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርትን ንመዝነቶም ኣርዚኖም ርእዮምዎ ድዮም፧ እቶም ብተዛማዲ ሒደት ዝነበሩ ክርስትያናት ሰብኡትን ኣንስትን ብርቱዕ መስጐጕቲ እናኣጋጠሞም ክነሱ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም መስኪሮም ድዮም፧ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ሰማያዊ ደገፍን ካብ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ዚርከብ ሓገዝን ረኺቦም ድዮም፧ እዝን ምስዚ ዚዛመድ ካልእ ሕቶታትን ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት መልሲ ረኺቡ ኣሎ። መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ እቲ ዕዮ “ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም” ከም ዚቕጽል የሱስ ቃል ኣትዩ ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዚ፡ እዚ መዝነት እዚ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ እንተላይ ንዓና ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ንእንነብር ዘለና ዚምልከት እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ ብዙሕ የገድሰና እዩ።

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት

13, 14. (ሀ) ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፋ መን እዩ፧ እቲ ጸሓፊ ሓበሬታት ዝረኸበኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እንታይ ተመዝጊቡ ኣሎ፧

13 ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፋ መን እዩ፧ እታ መጽሓፍ ንጸሓፊኣ ዘይትጠቕሶ እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ መእተዊ ቓላት ግና ንግብሪ ሃዋርያትን ንወንጌል ሉቃስን ዝጸሓፈን ሰብ፡ ሓደ ምዃኑ ንጹር ይገብሮ እዩ። (ሉቃ. 1:1-4፣ ግብ. 1:1, 2) ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ እቲ “ፍቑር ሓኪምን” ጥንቁቕ ጸሓፍ ታሪኽን ዝነበረ ሉቃስ፡ ጸሓፊ ግብሪ ሃዋርያት ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ። (ቈሎ. 4:14) እታ መጽሓፍ፡ ካብቲ የሱስ ዝዓረገሉ 33 ድ.ክ. ኣትሒዛ፡ ክሳዕ እቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ኸባቢ 61 ድ.ክ.፡ ማለት 28 ዓመት ትሽፍን። ሉቃስ ሓንሳእ ‘ንሳቶም፡’ ሓንሳእ ‘ንሕና’ እናበለ ምትራኹ፡ ኣብቲ ገሊጽዎ ዘሎ ሓያሎ ፍጻመታት ብኣካል ከም ዝነበረ እዩ ዚሕብር። (ግብ. 16:8-10፣ 20:5፣ 27:1) ኣመና ጥንቁቕ ተመራማሪ ብምንባሩ፡ ካብ ጳውሎስን በርናባስን ፊልጶስን ኣብቲ መዝገብ እተጠቕሱ ኻልኦትን ብቐጥታ ሓበሬታ ረኺቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

14 ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እንታይ ተመዝጊቡ ኣሎ፧ ሉቃስ ኣቐዲሙ፡ ኣብ ወንጌሉ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ጽሒፉ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ግና፡ ሰዓብቲ የሱስ ዝበልዎን ዝገበርዎን ነገራት እዩ መዝጊቡ። መብዛሕትኦም ብኻልኦት ሰባት ከም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” ጌርካ ዚርኣዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ግና ፍሉይ ዕዮ ኸም ዝዓመሙ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። (ግብ. 4:13) ብሓጺሩ፡ እዛ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መጽሓፍ እዚኣ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ከም እተመስረተትን ከም ዝዓበየትን ትሕብረና። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ ከም ዝሰበኹ፡ ማለት ሜላታቶምን ኣረኣእያታቶምን ትገልጸልና። (ግብ. 4:31፣ 5:42) ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ምዝርጋሕ እቲ ብስራት ዘለዎ ግደ እውን ተጕልሓልና። (ግብ. 8:29, 39, 40፣ 13:1-3፣ 16:6፣ 18:24, 25) ግብሪ ሃዋርያት ነቲ ክርስቶስ ብመንግስቱ ኣቢሉ ዚፍጽሞ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ዜጠቓልል ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ተጕልሕ፣ ብርቱዕ ምጽራር እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እተዘርግሐ ድማ ትሕብር።—ግብ. 8:12፣ 19:8፣ 28:30, 31

15. ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ምምርማርና ብኸመይ ይጠቕመና፧

15 ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ምምርማር፡ ብሓቂ ባህ ዜብልን ንእምነት ዜደልድልን እዩ! ቀዳሞት ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝነበሮም ትብዓትን ቅንኣትን እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ ልብና ይትንከ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘርኣይዎ እምነት ክንቀድሕ ድማ ንድረኽ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ፡ “ኪዱ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል መዝነት ንምፍጻም ብዝያዳ ዕጡቓት ንኸውን። እዛ ሕጂ እተንብባ ዘለኻ መጽሓፍ፡ ንግብሪ ሃዋርያት ተጠንቂቕካ ኸተጽንዓ ምእንቲ ኽትሕግዘካ እያ ተዳልያ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዘና መጽሓፍ

16. እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ሰለስተ ሸቶታት ሒዛ እያ ተበጊሳ፧

16 ሓፈሻዊ ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ እዩ፧ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሒዛቶ እተበገሰት ሰለስተ ሸቶታት፦ (1) የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ኸም ዚድግፎ ዘሎና ምትእምማን ንምድልዳል፣ (2) እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝሓደግዎ ኣብነት ብምምርማር፡ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ንምንቕቓሕ፣ (3) ንውድብ የሆዋ ዀነ ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከትን ንጉባኤታት ኣብ ምሕላውን መሪሕ ግደ ዘለዎም ሰባት ዘሎና ኣኽብሮት ንምዕባይ እዩ።

17, 18. እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ኣገባብ እያ ተዳልያ፧ ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል እንታይ መዳያትከ ኣለዋ፧

17 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ኣገባብ እያ ተዳልያ፧ ኣብ ሸሞንተ ኽፋላት ከም እተኸፍለት፡ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ከኣ ንሓደ ኽፋል መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ከም ዚሽፍን ከተስተብህል ትኽእል ኢኻ። ዕላማ እዚ ቐጺሉ ዘሎ ምዕራፋት ንግብሪ ሃዋርያት በብፍቕዲ ንምምርማር ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ካብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተተሪኹ ዘሎ ፍጻመታት ትምህርቲ ኽንረክብን ነዚ ብብሕቲ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ኽንግንዘብን ምእንቲ ኺሕግዘና እዩ። ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ ቀንዲ ነጥቢ እታ ምዕራፍ ዚገልጽ ሓሳባትን ኣብኡ ተገሊጹ ዘሎ ኽፋል ግብሪ ሃዋርያትን ተሓቢሩ ኣሎ።

18 ኣብ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጋዚ ኪኸውን ዚኽእል፡ ካልእ መዳያት እዛ መጽሓፍ እዚኣ እውን ኣሎ። ብዛዕባ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተስተንትን ከለኻ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሱ ዚርከብ ፍጻመታት ዜርኢ ውቁብ ስእልታት፡ ኣብ ኣእምሮኻ ንምስኣል ኺሕግዘካ እዩ። ሓያሎ ምዕራፋት፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝሓዘ ሓጋዚ ሳጹናት ኣለዎ። ገሊኡ ሳጹናት፡ ብእምነቱ ኽንመስሎ ብዛዕባ ዚግባእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሰብ ይገልጽ። ገሊኡ ኸኣ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሱ ብዛዕባ ዚርከብ ቦታታት፡ ፍጻመታት፡ ልምድታት፡ ወይ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ዝርዝር ነገራት ይሕብር።

ንእተመደበልካ ኽሊ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ዕየ

19. በብግዜኡ እንታይ ኢልና ኢና ንርእስና ኽንምርምር ዘሎና፧

19 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ንርእስኻ ብቕንዕና ንምምርማር ክትሕግዘካ ትኽእል እያ። ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ዘገልገልካሉ ንውሓት ብዘየገድስ፡ በብግዜኡ ሓንሳእ ደው ኢልካ ነቲ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት እትህቦ ዘለኻ ነገራትን ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘሎካ ኣረኣእያን እንተ መርመርካ ጽቡቕ እዩ። (2 ቈረ. 13:5) ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣብ ኣገልግሎተይ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣሎኒ ድዩ፧ (1 ቈረ. 7:29-31) ነቲ ብስራት ብምትእምማንን ብቕንኣትን እሰብኽ ኣለኹ ድየ፧ (1 ተሰ. 1:5, 6) ኣብቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብእተኻእለኒ መጠን ምሉእ ብምሉእ እሳተፍ ድየ፧’—ቈሎ. 3:23

20, 21. መዝነትና ብህጹጽ ኪዕየ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ቈራጽነትከ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

20 ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ኣገዳሲ ዕዮ ኸም እተዋህበና ኸቶ ኣይንረስዕ። መዓልቲ ሓሊፋ ብኻልእ ክትትካእ ከላ፡ ህጹጽነት እቲ መዝነት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ። መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ብቕልጡፍ ይቐርብ ኣሎ። ከም ሎሚ ገይሩ፡ ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዝኣተወሉ እዋን የሎን። ክንደይ ዚኣኽሉ ተወሰኽቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ ሰባት ንመልእኽትና ኸም ዚቕበልዎ ኣይንፈልጥን ኢና። (ግብ. 13:48) እንተዀነ ግና፡ እቲ ግዜ ኸየብቅዐ ኸሎ፡ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንምሕጋዝ ሓላፍነት ኣሎና።—1 ጢሞ. 4:16

21 እምበኣር፡ ኣብነት እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቐናኣት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንስዕብ ኣሎና። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጠንቂቕካ ምጽናዕካ፡ ብዝያዳ ቕንኣትን ትብዓትን ክትሰብኽ ይደርኽካ። ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ኽትምስክር’ እውን ቈራጽነት ግበር።—ግብ. 28:23