ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 4

“ዘይተማህሩ ተራ ሰባት”

“ዘይተማህሩ ተራ ሰባት”

ሃዋርያት ብትብዓት ስጕምቲ ወሰዱ፡ የሆዋ ኸኣ ባረኾም

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 3:1–5:11 እተመስረተ

1, 2. ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ እንታይ ተኣምር ገበሩ፧

 እዋኑ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ነይሩ። ሃይማኖተኛታት ኣይሁድን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን ናብ ቀጽሪ እቲ ቤተ መቕደስ ይኣትዉ ነበሩ። “ሰዓት ጸሎት” ቀሪቡ ነበረ። a (ግብ. 2:46፣ 3:1) ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብታ ጽብቕቲ እትብሃል ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ገጾም ከዱ። ካብቲ ያዕያዕታን ደሃይ ኣእጋርን ንላዕሊ፡ ሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ዝለመሰ ሰብኣይ ምጽዋት ኪልምን ከሎ ይስማዕ ነበረ።—ግብ. 3:2፣ 4:22

2 ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብቲ ለማኒ ገጾም ምስ ቀረቡ፡ ኪምጽውቱሉ ልሙድ ልመና ኣቕረበሎም። እቶም ሃዋርያት ደው በሉ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣተኰረሎም። ጴጥሮስ፡ “ብሩርን ወርቅን የብለይን፣ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ። ብስም የሱስ ክርስቶስ እቲ ናዝሬታዊ፡ ተንሲእካ ኺድ!” በሎ። ጴጥሮስ ነቲ ልሙስ ሰብኣይ ብኢዱ ሒዙ ምስ ኣተንስኦ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ግዜ ቐኒዑ ደው ምስ በለ፡ እቶም ህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተገረሙ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! (ግብ. 3:6, 7) እቲ ሰብኣይ ነተን ዝሓወያ ኣእጋሩ እናጠመተ ንፈለማ ግዜ ኺስጕም ከሎ ይረኣየካዶ ኣሎ፧ ኪሰራሰርን ንኣምላኽ ዓው ኢሉ ኺውድስን ጀመረ።

3. እቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይን እቶም ህዝብን እንታይ ብሉጽ ውህበት እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ ዝነበሩ፧

3 እቶም እተገረሙ ህዝቢ ናብቶም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ዝነበሩ ጴጥሮስን ዮሃንስን ጐየዩ። ጴጥሮስ ኣብቲ ሓደ ግዜ የሱስ ደው ኢሉ ዝመሃረሉ ቦታ ዀይኑ፡ ናይ ሓቂ ትርጉም እቲ እተፈጸመ ነገር ሓበሮም። (ዮሃ. 10:23) ነቶም ህዝብን ነቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይን ካብ ብሩር ኰነ ወርቂ ዚበልጽ ውህበት ኣቕረበሎም። እዚ ውህበት እዚ፡ ካብ ጥዕና ዚኸብር ነበረ። ኪንስሑን ሓጢኣቶም ኪድምሰስን ሰዓብቲ እቲ የሆዋ ዝሸሞ “ቐንዲ ወኪል ህይወት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑን እዩ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም።—ግብ. 3:15

4. (ሀ) እቲ ተኣምራዊ ምሕዋይ እንታይ ምስሕሓብ ከም ዚፍጠር ገበረ፧ (ለ) እንታይ ክልተ ሕቶታት ኢና ኽንምልስ፧

4 ከመይ ዝበለት እተደንቕ መዓልቲ ዀን እያ ነይራ! ሓደ ሰብ ካብ መልመስቱ ሓውዩ ብእግሩ ኪኸይድ ከኣለ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ድማ ንኣምላኽ ብቑዓት ኰይኖም ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሓውዩ መገዲ ተኸፍተሎም። (ቈሎ. 1:9, 10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ኣብ መንጎ እሙናት ሰዓብቲ ክርስቶስን ኣብ መንጎ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰባትን ምስሕሓብ ከም ዚፍጠር ገበረ፣ እቶም ሰበ ስልጣን ነቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ነቲ የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ዝሃቦም መዝነት ከይፍጽሙ ኺዓግትዎም ደለዩ። (ግብ. 1:8) ካብቲ እቶም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” እተባህሉ ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቶም ህዝቢ ኺምስክሩሎም ከለዉ እተጠቕሙሉ ሜላታትን ዘንጸባረቕዎ ኣረኣእያን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ b (ግብ. 4:13) ነቲ ንሳቶምን ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ምጽራር ኬጋጥሞም ከሎ ዝገበርዎ ነገራት ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

“ብገዛእ ሓይልና” ኣይኰነን (ግብሪ ሃዋርያት 3:11-26)

5. ካብቲ ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ እተዛረበሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

5 ጴጥሮስን ዮሃንስን፡ ገለ ኻብቶም የሱስ ምእንቲ ኺስቀል ዝጨደሩ ሰባት ኣብኡ ኸም ዘለዉ እናፈለጡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ደው በሉ። (ማር. 15:8-15፣ ግብ. 3:13-15) ጴጥሮስ፡ እቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ብስም የሱስ ከም ዝሓወየ ኸይፈርሀ ኺገልጽ ከሎ ዘርኣዮ ትብዓት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ሓቂ ኣይዓባበጠን። እቶም ህዝቢ ብሞት ክርስቶስ ተሓተትቲ ምንባሮም ብቐጥታ ነገሮም። ኰይኑ ግና፡ “ብዘይ ፍልጠት” ስለ ዝገበርዎ፡ ምስቶም ህዝቢ ጽልኢ ኣይነበሮን። (ግብ. 3:17) ከም ኣሕዋቱ ገይሩ ተማሕጸኖም፡ ኣብ ኣወንታዊ መዳይ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣተኰረ። እንተ ተነሲሖምን ኣብ ክርስቶስ እንተ ኣሚኖምን፡ ካብ የሆዋ “እዋን ዕረፍቲ” ኺመጸሎም ምዃኑ ነገሮም። (ግብ. 3:19) ንሕና እውን ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ፍርዲ ኣምላኽ ክንእውጅ ከለና፡ ተባዓትን ሓቂ ዘይንዓባብጥን ክንከውን ኣሎና። ምስናይዚ ግና፡ ተረርቲ ወይ ኰነንቲ ኽንከውን የብልናን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቶም እንሰብከሎም ሰባት፡ ኣሕዋትና ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ጌርና ንርእዮም፣ ከም ጴጥሮስ ከኣ፡ ብሕልፊ ኣብቲ ኣወንታዊ መዳይ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነተኵር ኢና።

6. ጴጥሮስን ዮሃንስን ትሕትና ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

6 እቶም ሃዋርያት ትሑታት እዮም ነይሮም። በቲ ዝፈጸምዎ ተኣምራዊ ተግባር ኪምጐሱ ኣይደለዩን። ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ፡ “ስለምንታይከ ብገዛእ ሓይልና ወይ ንኣምላኽ ብዘሎና ተወፋይነት ነዚ ኪኸይድ ከም ዝገበርናዮ ጌርኩም ትጥምቱና ኣለኹም፧” በሎም። (ግብ. 3:12) ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣብ ኣገልግሎቶም ዚዓምዎ ዝነበሩ ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ነገር ብሓይሎም ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጡ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብትሕትና ተደሪኾም፡ በቲ ዝዓመምዎ ነገራት የሆዋን የሱስን ከም ዚውደሱ ገበሩ።

7, 8. (ሀ) ንሰባት እንታይ ውህበት ኢና ኸነቕርበሎም እንኽእል፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ “ምምላስ ኵሉ” እተነግረ ቓል፡ ሎሚ ብኸመይ ይፍጸም ኣሎ፧

7 ንሕና እውን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሳተፍ ከለና፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ትሕትና ኸነርኢ ኣሎና። ሓቂ እዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ተኣምራዊ ምሕዋይ ኪገብሩ ዜኽእል ሓይሊ ኣይህቦምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሰባት ኣብ ኣምላኽን ክርስቶስን እምነት ምእንቲ ኼሕድሩ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዘቕረበሎም ውህበት ከኣ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ እዚ ማለት ሓጢኣቶም ምእንቲ ኺሕደገሎምን ካብ የሆዋ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺረኽቡን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ኣብ ዓዓመት፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ነዚ ተቐቢሎም፡ ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ይዀኑ ኣለዉ።

8 እወ፡ ኣብቲ ጴጥሮስ “ምምላስ ኵሉ” ኢሉ ዝጸውዖ ግዜ ኢና እንነብር ዘሎና። ከም መፈጸምታ እቲ “ኣምላኽ ብኣፍ እቶም ናይ ጥንቲ ቕዱሳት ነብያቱ [እተዛረቦ]” ኸኣ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማይ ቈመት። (ግብ. 3:21፣ መዝ. 110:1-3፣ ዳን. 4:16, 17) ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚግበር መንፈሳዊ ዕዮ ምቕናዕ፡ ብሓላፍነት ኪመርሖ ጀመረ። ከም ውጽኢቱ፡ ሚልዮናት ናብ መንፈሳዊ ገነት ኣትዮምን ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖምን እዮም። ነቲ ብልሹው ኣረጊት ስብእና ቐንጢጦም፡ “ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና” ለቢሶም እዮም። (ኤፌ. 4:22-24) ከምቲ ኣብቲ ልሙስ ለማኒ እተራእየ፡ እዚ ዜደንቕ ዕዮ እዚ፡ ብጻዕሪ ሰብ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ኣምላኽ እዩ ዚፍጸም። ከም ጴጥሮስ፡ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ብትብዓትን ብውጽኢታዊ መገድን ንሰባት ክንምህር ኣሎና። ንሰባት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ኣብ ምሕጋዝ እንረኽቦ ዝዀነ ይኹን ኣሳልጦ፡ ብሓይልና ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ እዩ ዚርከብ።

“ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” (ግብሪ ሃዋርያት 4:1-22)

9-11. (ሀ) መራሕቲ ኣይሁድ ነቲ ጴጥሮስን ዮሃንስን ሒዞምዎ ዝነበሩ መልእኽቲ ምስ ሰምዑ እንታይ ገበሩ፧ (ለ) እቶም ሃዋርያት እንታይ ኪገብሩ እዮም ቈሪጾም ዝነበሩ፧

9 እቲ ጴጥሮስ ዜቕርቦ መደረን እቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ እናተሰራሰረ ዓው ኢሉ ምዝራቡን፡ ያዕያዕታ ፈጠረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ንጸጥታ እቲ ቤተ መቕደስ ኪቈጻጸር እተሸመ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን ነቲ ጕዳይ ንምምርማር ተቐላጢፎም መጹ። እዞም ሰባት እዚኦም፡ እቶም ሃብታማትን ፖለቲካዊ ጽልዋ ዝነበሮምን ሰዱቃውያን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። እዞም ጕጅለ እዚኦም ምስ ሮማውያን ሰላማዊ ርክብ ኪህሉ ይዓይዩ ነበሩ፣ ነቲ ብፈሪሳውያን ኣዝዩ ዚፍቶ ዝነበረ ብኣፍ ዚመሓላለፍ ሕጊ ነጺጎምዎ ነበሩ፣ ኣብ ትንሳኤ ኸኣ ኣይኣምኑን ነበሩ። c ንጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ብትብዓት ኪምህሩ ምስ ረኸብዎም ኣዝዮም ሓረቑ!

10 እቶም ዝሓረቑ ተጻረርቲ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤት ማእሰርቲ ደርበይዎም፣ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ኣቕረብዎም። ብኣረኣእያ እቶም ምኩሓት ገዛእቲ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህሩ መሰል ዘይብሎም “ዘይተማህሩ ተራ ሰባት” እዮም ነይሮም። ኣብ ዝዀነ ይኹን ተፈላጥነት ዘለዎ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኣይተማሃሩን። ትብዓቶምን ምትእምማኖምን ግና፡ ነቶም ኣባላት እቲ ቤት ፍርዲ ኸም ዚግረሙ ገበሮም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ንፉዓት ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ሓደ ምኽንያት፡ “ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ” ተገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 4:13) ጐይታኦም ከምቶም ጸሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ብናይ ሓቂ ስልጣን እዩ ዚምህር ነይሩ።—ማቴ. 7:28, 29

11 እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ሃዋርያት ከይሰብኩ ኣዘዞም። ትእዛዝ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ኣኽቢድካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ቅድሚ እተወሰነ ሰሙናት እኳ፡ ኣባላት እዚ ቤት ፍርዲ እዚ ንየሱስ፡ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈሪዶምዎ ነይሮም እዮም። (ማቴ. 26:59-66) ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣይፈርሁን። ኣብ ቅድሚ እቶም ሃብታማትን ምሁራትን ጽልዋ ዝነበሮምን ሰብኡት ደው ኢሎም፡ ከይፈርሁ ብኣኽብሮት፡ “ካብ ንኣምላኽ፡ ንዓኻትኩም ምስማዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑ፡ ባዕላትኩም ፍረዱ። ንሕና ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” በልዎም።—ግብ. 4:19, 20

12. ትብዓትን ምትእምማንን ንምምዕባል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

12 ንስኻኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትብዓት ከተርኢ ትኽእል ዲኻ፧ ንሃብታማት፡ ንምሁራት፡ ወይ ጽልዋ ንዘለዎም ኣባላት ማሕበረ ሰብካ ንምምስካር ኣጋጣሚ ኽትረክብ ከለኻ ኸመይ ይስምዓካ፧ ኣባላት ስድራ ቤትካ፡ መማህርትኻ፡ ወይ መሳርሕትኻ ብእምነትካ እንተ ኣላጊጾምልካ ትፈርህ ዲኻ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ስምዒታት እዚ ኽትሰግሮ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሃዋርያቱ ብኸመይ ንእምነቶም ብምትእምማንን ብኣኽብሮትን ከም ዚጣበቑ ምሂርዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 10:11-18) ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ክሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ” ምሳታቶም ኪኸውን ምዃኑ ቓል ኣተወሎም። (ማቴ. 28:20) እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ኰይኑ ዚዓዪ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” እውን፡ ንእምነትና ብኸመይ ከም እንጣበቕ ይምህረና እዩ። (ማቴ. 24:45-47፣ 1 ጴጥ. 3:15) ነዚ ድማ በቲ ኣብ ከም ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ዝኣመሰለ ኣኼባታት ጉባኤ ዚቐርብ መምርሒታትን በቲ ኸም ኣብ jw.org ዚወጽእ “መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስቱ ዓንቀጻት ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣቢሉ እዩ ዚገብሮ። ነዚ መሰናድዎታት እዚ ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ትብዓትካን ምትእምማንካን ኪውስኽ እዩ። ከምቶም ሃዋርያት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ዜደንቕ መንፈሳዊ ሓቅታት ካብ ምዝራብ ዋላ ሓደ ኺዓግተካ ኣይከተፍቅደሉን ኢኻ።

ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ዜደንቕ መንፈሳዊ ሓቅታት ካብ ምዝራብ ዋላ ሓደ ኺዓግተካ ኣይተፍቅደሉ

“ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም” (ግብሪ ሃዋርያት 4:23-31)

13, 14. ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ስለምንታይከ፧

13 ጴጥሮስን ዮሃንስን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ፡ ብኡብኡ ምስ ኣባላት እታ ጉባኤ ተራኸቡ። “ብሓደ ሰሚሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም” ስብከቶም ንምቕጻል ዜኽእል ትብዓት ኪውሃቦም ጸለዩ። (ግብ. 4:24) ጴጥሮስ ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍጻም፡ ኣብ ናይ ብሕትኻ ሓይሊ ምውካል ዕሽነት ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ሰሙናት ኣቐዲሙ፡ ንየሱስ፡ “ኵላቶም እኳ ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክዕንቀፍን እየ!” ኢሉ ብምትእምማን ተዛሪብዎ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ጴጥሮስ ነዊሕ ኸይጸንሐ ንሰብ ስለ ዝፈርሀ፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ንዓርኩን መምህሩን ከሓዶ። ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስ ካብ ጌጋኡ ተማሂሩ እዩ።—ማቴ. 26:33, 34, 69-75

14 ብዛዕባ ክርስቶስ ንምምስካር ዘሎካ መዝነት ክትፍጽም ከለኻ፡ ቈራጽነት ጥራይ ኣየዋጽኣካን እዩ። ተጻረርቲ፡ እምነትካ ኽትክሕድ ወይ ስብከትካ ደው ከተብል ኬገድዱኻ ምስ ዚፍትኑ፡ ኣብነት ጴጥሮስን ዮሃንስን ስዓብ። ብርታዐ ንምርካብ ናብ የሆዋ ጸሊ። ካብ ጉባኤ ደገፍ ድለ። ንሽማግለታት ወይ ንኻልኦት ብሱላት ክርስትያናት፡ ብዛዕባ እቲ ጸገማትካ ንገሮም። ጸሎት ካልኦት እውን ክትጸንዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ኤፌ. 6:18፣ ያእ. 5:16

15. እቶም ኣብ ሓደ እዋን ስብከት ዘቋረጹ ኺደሃሉ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

15 በቲ ዘጋጠመካ ጸቕጢ ሓንሳእ እንተ ተምበርኪኽካን ንእተወሰነ እዋን ስብከትካ ደው እንተ ኣቢልካን፡ በዚ ኣይትደሃል። የሱስ ድሕሪ ሙማቱ፡ ኵሎም ሃዋርያት ንእተወሰነ እዋን ስብከቶም ኣቋሪጾም ከም ዝነበሩ ኣይትረስዕ፣ ኰይኑ ግና፡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኸም ብሓድሽ ብንጥፈት ኪሰብኩ ጀሚሮም እዮም። (ማቴ. 26:56፣ 28:10, 16-20) ሕሉፍ ጌጋታትካ ኺደቝሰካ ኣብ ክንዲ እተፍቅድ፡ ካብ ተመክሮኻ ኽትምሃርን ንኻልኦት ንምብርታዕ ክትጥቀመሉን ትኽእልዶ፧

16, 17. ካብቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ጸሎት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

16 ሰበ ስልጣን ኪጭቍኑና ኸለዉ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ ዘሎና፧ ሃዋርያት፡ ፈተናታት ኪርሕቀሎም ኣይኰኑን ጸልዮም። ነቲ የሱስ፡ “ንዓይ እንተ ሰጒጎምኒ፡ ንዓኻትኩም እውን ኪሰጕጉኹም እዮም” ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ኣጸቢቖም ይዝክርዎ ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 15:20) ስለዚ ድማ፡ እዞም እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ንየሆዋ፡ ናብ ምፍርራህ እቶም ጨቈንቲ ‘ቘላሕታ ኺገብር’ ለመንዎ። (ግብ. 4:29) እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ዜጋጥሞም ዝነበረ መስጐጕቲ መፈጸምታ ትንቢት ምዃኑ ስለ ዘስተውዓሉ፡ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ኣይሰሓትዎን። እወ፡ ሰብኣውያን ገዛእቲ ዝበሉ እኳ እንተ በሉ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ከምቲ የሱስ ኪጽልዩ ዝመሃሮም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ‘ኣብ ምድሪ ኸም ዚኸውን’ ይፈልጡ ነበሩ።—ማቴ. 6:9, 10

17 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺገብሩ፡ “ንባሮትካ . . . ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ፍቐደሎም” ኢሎም ናብ የሆዋ ጸለዩ። የሆዋኸ ብኡብኡ እንታይ ምላሽ ሃቦም፧ “እታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ ቦታ ተናወጸት፣ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፡ ቃል ኣምላኽ እውን ብትብዓት ይዛረቡ ነበሩ።” (ግብ. 4:29-31) ፍቓድ ኣምላኽ ከይፍጸም ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር የልቦን። (ኢሳ. 55:11) እቲ ዅነታት ሽሕ ሳዕ ይጸንክር፡ ተጻረርቲ እውን ሽሕ ሳዕ ይሓይሉ ብዘየገድስ፡ ድምጽና ብጸሎት ናብ ኣምላኽ እንተ ኣልዒልና፡ ቃሉ ብትብዓት ምዝራብ ምእንቲ ኽንቅጽል ብርታዐ ኸም ዚህበና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

“ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ” ኣይኰኑን ተሓተትቲ (ግብሪ ሃዋርያት 4:32–5:11)

18. ኣባላት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ንሓድሕዶም እንታይ ይገብሩ ነበሩ፧

18 እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት እግሪ ተኽሊ ጉባኤ፡ ነዊሕ ከይጸንሐት ልዕሊ 5,000 ኣባላት ዘለውዋ ዀነት። d እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብ እተፈላለየ እተኣኻኸቡ እኳ እንተ ነበሩ፡ “ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን” ነበሩ። ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ይመላለሱ ነበሩ። (ግብ. 4:32፣ 1 ቈረ. 1:10) የሆዋ ጻዕርታቶም ምእንቲ ኺባርኸሎም ይጽልዩ ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም። ብመንፈሳዊ ዀነ ብስጋዊ መዳይ ይደጋገፉ ነይሮም እዮም። (1 ዮሃ. 3:16-18) ንኣብነት፡ እቲ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ ዮሴፍ፡ መሬቱ ሸይጡ፡ ንብምሉኡ እቲ ገንዘብ ወፈዮ፣ እቲ ወፈያ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ሃገራት ዝመጹ እሞ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነቶም ዝያዳ ምእንቲ ኺምሃሩ ኢሎም ኣብ የሩሳሌም ኪጸንሑ ዝደለዩ ሰባት ዚሕግዝ ነበረ።

19. የሆዋ ንሃናንያን ንሰጲራን ዝቐዘፎም ስለምንታይ እዩ፧

19 ሃናንያን ሰጲራን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር እውን፡ መሬቶም ሸይጦም፡ ውጽኢት ገበሩ። ኵሉ ኸም ዚህቡ መሲሎም ቀረቡ፣ ከም ሓቂ ግና ‘ካብቲ ዋጋ መቒሎም ብሕቡእ ኣትረፉ።’ (ግብ. 5:2) የሆዋ ነዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ቀዘፎም። ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እቲ ዝወፈይዎ እኹል ስለ ዘይነበረ ዘይኰነስ፡ ኪህቡ ዝደረኾም ነገር እከይ ስለ ዝነበረን መታለልቲ ብምንባሮምን እዩ። ‘ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሰዉን።’ (ግብ. 5:4) ከምቶም የሱስ ዝዀነኖም ግቡዛት ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ኣምላኽ ሞገስ ኪረኽቡ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ፡ ካብ ሰብ ክብሪ ኺረኽቡ ደለዩ።—ማቴ. 6:1-3

20. ንየሆዋ ብዛዕባ ምሃብ፡ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንምሃር፧

20 ሎሚ ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ ዝነበሮም ዓይነት መንፈስ ልግሲ ስለ ዘለዎም፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብፍታው ወፈያታት ይገብሩ እዮም። ነዚ ዕዮ እዚ ንምድጋፍ፡ ግዜኡ ወይ ገንዘቡ ብግዲ ኺህብ ዚሕተት ሰብ የሎን። የሆዋ ብጓሂ ወይ ብግዲ ኸነገልግሎ ኣይደልን እዩ። (2 ቈረ. 9:7) ክንህብ ከለና፡ ኣብቲ እንህቦ መጠን ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንምሃብ ዘለዓዓለና ውሽጣዊ ድራኸ እዩ ዜተኵር። (ማር. 12:41-44) ከም ሃናንያን ሰጲራን ንጥቕሚ ርእስና ኢልና ወይ ክብሪ ኽንረክብ ኢልና ኸነገልግል ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ጴጥሮስን ዮሃንስን በርናባስን፡ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ወትሩ ኻብታ ንኣምላኽን ንብጻይናን ዘላትና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዝፈልፈለ ይኹን።—ማቴ. 22:37-40

a ኣብታ ቤተ መቕደስ ምስቲ ንግሆን ምሸትን ዚቐርብ መስዋእትታት ብሓባር፡ ጸሎት ይቐርብ ነበረ። እቲ ምሸት ዚቐርብ መስዋእቲ፡ ኣብ “ታሽዐይቲ ሰዓት” ወይ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ እዩ ዚቐርብ ነይሩ።

c ሊቀ ኻህናትን ሊቃውንቲ ኻህናትን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d ብ33 ድ.ክ.፡ ኣብ የሩሳሌም 6,000 ጥራይ ዚዀኑ ፈሪሳውያንን ካባታቶም ዚውሕዱ ሰዱቃውያንን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። እዚ ድማ፡ እቶም ክልተ ጕጅለታት ብትምህርትታት የሱስ ስግኣት ዝሓደሮም ስለምንታይ ምዃኑ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ።