ምዕራፍ 2
“መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”
የሱስ ንሃዋርያቱ ኣብ ዕዮ ስብከት ግንባር ቀደም ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ ብኸመይ ከም ዘዳለዎም
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:1-26 እተመስረተ
1-3. የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ብኸመይ እዩ እተፈላለየ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት የበግስ፧
ሃዋርያት ባህ ዜብል እዋን ኬሕልፉ ስለ ዝቐነዩ፡ እዚ ኼብቅዕ ኣይደለይዎን ነይሮም! ትንሳኤ የሱስ ምስ ረኣዩ፡ ቅብጸቶም ናብ ሓጐስ ተቐየረ። ን40 መዓልቲ፡ ንየሱስ ብተደጋጋሚ ረኣይዎ፣ ንዓታቶም ኰነ ንኻልኦት ሰዓብቱ ድማ ተወሳኺ ትምህርትን መተባብዕን ሃቦም። ድሕሪኡ ግና፡ ንመወዳእታ ግዜ ተራእዮም።
2 ኣብ ደብረ ዘይቲ ደው ኢሎም ከለዉ፡ ነቲ የሱስ ዚብሎም ነገራት ብኣቓልቦ ይሰምዕዎ ነበሩ። ከይተፈለጦም ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ባረኾም። ድሕሪኡ፡ ካብ ምድሪ ልዕል ኪብል ጀመረ። ሰዓብቱ ኣንቃዕሪሮም እናጠመትዎ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ። ኣብ ደበና ኣትዩ ኸኣ ተሰወሮም። ኣኺልዎ ኸይዱ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳቶም ግና ናብ ሰማይ ካብ ምጥማት ኣየቋረጹን።—ሉቃ. 24:50፣ ግብ. 1:9, 10።
3 እዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ፍጻመ፡ ንህይወት ሃዋርያት የሱስ ዝቐየረ ህሞት እዩ ነይሩ። ጐይታኦም የሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ፡ እንታይ እዮም ገይሮም፧ ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ዕዮ ኪቕጽሉ ኣዳልይዎም ነይሩ እዩ። ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ብኸመይ እዩ ኣዕጢቕዎም፧ ንሳቶምከ ነቲ ሓላፍነት ብኸመይ ተሰከምዎ፧ እዚኸ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እንታይ ጽልዋ ይገብረሎም፧ እታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት እትርከብ ቀዳመይቲ ምዕራፍ፡ ነዚ ዚኸውን ዜተባብዕ መልሲ ሒዛ ኣላ።
“ብዙሕ ዜእምን መርትዖታት” (ግብሪ ሃዋርያት 1:1-5)
4. ሉቃስ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻቡ ብኸመይ እዩ ጀሚርዎ፧
4 ሉቃስ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ናብ ቴዎፍሎስ እዩ ጽሒፍዎ፣ ኣቐዲሙ እውን ነቲ ኣብ ወንጌሉ ዚርከብ ጸብጻብ ናብዚ ሰብ እዚ እዩ ጽሒፍዎ። a እዚ ጸብጻብ እዚ መቐጸልታ እቲ ኣቐዲሙ ዝጸሓፎ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወንጌሉ ዝጸሓፎ ነገራት ሓድሽ ዝርዝር ሓሳባት ብምውሳኽ ብእተፈልየ ቓላት ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጾ።
5, 6. (ሀ) ሰዓብቲ የሱስ፡ እምነቶም ድልድልቲ ዀይና ምእንቲ ኽትቅጽል ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ (ለ) እምነት እዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ “ብዙሕ ዜእምን መርትዖታት” እተመስረተት ብኸመይ እያ፧
5 ሰዓብቲ የሱስ፡ እምነቶም ድልድልቲ ዀይና ኽትቅጽል ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:3፡ የሱስ፡ “ብብዙሕ ዜእምን መርትዖታት፡ ህያው ከም ዝዀነ ገዛእ ርእሱ ኣርኣዮም” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ፍቑር ሓኪም” ዝዀነ ሉቃስ ጥራይ እዩ ነታ “ዜእምን መርትዖታት” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል ተጠቒሙላ ዘሎ። (ቈሎ. 4:14) እታ ቓል እቲኣ፡ ኣብ ሕክምናዊ ጽሑፋት ጥራይ እተገልግል ቃል ክትከውን ከላ፡ ንገላጽን ወሳንን እሙንን መርትዖ ድማ ተመልክት። የሱስ ከምዚ ዓይነት መርትዖ ሂብዎም እዩ። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንሰዓብቱ ተራእይዎም እዩ፣ ኣብ ገሊኡ ንሓደ ወይ ንኽልተ ሰባት፡ ኣብ ገሊኡ ንዅሎም ሃዋርያት፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ድማ ንልዕሊ 500 ኣመንቲ ተራእይዎም እዩ። (1 ቈረ. 15:3-6) እዚ ብሓቂ ዜእምን መርትዖ እዩ።
6 ሎሚ እውን እምነት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ “ብዙሕ ዜእምን መርትዖታት” እተመስረተት እያ። የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብር ምንባሩን ንሓጢኣትና ሙማቱን ካብ ምዉታት ምትንሳኡን መርትዖ ኣሎዶ፧ እሂናይ ደኣ! ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ተጠቒሶም ዚርከቡ ዜተኣማምኑ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ኵሉ እቲ ዜእምን መርትዖ ሂቦምና ኣለዉ። ነዚ ጸብጻባት እዚ ብጸሎት ምስ እነጽንዖ፡ ንእምነትና ኣጸቢቑ ኼደልድላ ይኽእል እዩ። ድልዱል መርትዖ እንተ ረኺብካ፡ ብድብድቡ ኣብ ክንዲ እትኣምን፡ ናይ ሓቂ እምነት ከተጥሪ ኸም ዜኽእለካ ኣይትረስዕ። ናይ ሓቂ እምነት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እተድሊ ኣገዳሲት ነገር እያ።—ዮሃ. 3:16።
7. የሱስ ብምምሃርን ብምስባኽን ዝመጸ፡ ንሰዓብቱ እንታይ ኣብነት እዩ ገዲፉሎም፧
7 የሱስ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ነጊርዎም’ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ መሲሕ ኪስቀን ኪመውትን ከም ዚግብኦ ዚሕብር ትንቢታት ገሊጹሎም እዩ። (ሉቃ. 24:13-32, ) የሱስ ከም መሲሕ መጠን ዘለዎ ግደ ኼነጽር ከሎ፡ ናብታ ንጉሳ ኪኸውን እተሸመላ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ኣተኲሩ። ወትሩ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እዩ ዚሰብኽ ነይሩ፣ ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቱ እውን ኣብ ስብከቶም ከምኡ እዮም ዚገብሩ።— 46, 47ማቴ. 24:14፣ ሉቃ. 4:43።
“ክሳብ ወሰናት ምድሪ” (ግብሪ ሃዋርያት 1:6-12)
8, 9. (ሀ) ሃዋርያት የሱስ እንታይ ክልተ ግጉይ ሓሳባት እዩ ነይርዎም፧ (ለ) የሱስ ንኣተሓሳስባ ሃዋርያቱ ዘዐረዮ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት እንታይ ትምህርቲ ይዀኖም፧
8 ሃዋርያት ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ እተኣከቡሉ እዋን፡ ምስ የሱስ ኣብ ምድሪ ናይ መወዳእታ ኣኼባ እዮም ገይሮም። ብህንጥዮት፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። (ግብ. 1:6) ኣብዛ ሕቶ እዚኣ፡ ክልተ ግጉይ ሓሳባት ከም ዝነበሮም ተቓሊዑ ኣሎ። ቀዳማይ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ብስጋ እስራኤላውያን ከም እትምለሰሎም ይመስሎም ነበረ። ካልኣይ፡ “ኣብዚ ግዜ እዚ” ኢሎም ኪዛረቡ ኸለዉ፡ እታ እተተስፈወት መንግስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኽትጅምር ይጽበዩ ነበሩ። የሱስ ነዚ ኣረኣእያኦም ምእንቲ ኼዐርዩ ብኸመይ ሓገዞም፧
9 እቲ ቐዳማይ ሓሳቦም ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸም ዚዕረ፡ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ሰዓብቱ ልደት እቲ መንፈሳዊ እስራኤል ዚብሃል ሓድሽ ህዝቢ ብዓይኖም ኪርእዩ ነበሮም። ኣምላኽ ምስ ስጋውያን እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ ናብ መወዳእታኡ ቐሪቡ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ሓሳቦም ብዚምልከት ግና፡ የሱስ ብለውሃት፡ “ነቲ ኣቦ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝመደቦ ግዜያት ወይ እዋናት ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። (ግብ. 1:7) የሆዋ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ ብሉጽ እዩ። የሱስ ቅድሚ ሙማቱ፡ መወዳእታ ዚመጸሉ ‘መዓልትን ሰዓትን፡ ኣቦ ጥራይ እምበር፡’ ወዲ እውን እንተ ዀነ ኸም ዘይፈልጦ ገሊጹ ነይሩ። (ማቴ. 24:36) ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ክርስትያናት ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዚመጸሉ እዋን እምብዛ እንተ ተጨኒቖም፡ ኣብ ዘይናታቶም ጕዳይ እዮም ዚኣትዉ ዘለዉ።
10. እንታይ ንሃዋርያት ዝነበሮም ኣረኣእያ ኢና ኸነሕድር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
10 ኰይኑ ግና፡ ነቶም ዓባይ እምነት ዝነበረቶም ሃዋርያት የሱስ ኣትሒትና ኽንርእዮም የብልናን። ብትሕትና ነቲ እተዋህቦም መአረምታ ተቐቢሎም እዮም። ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ እታ ሕቶኦም ካብ ግጉይ ኣተሓሳስባ ዝነቐለት እኳ እንተ ዀነት፡ ጽቡቕ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም ግና ትሕብር እያ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንቕሑ” ኢሉ ብተደጋጋሚ ተማሕጺንዎም ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:42፣ 25:13፣ 26:41) ንሳቶም እውን ብመንፈስ ንቑሓት ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ስጕምቲ ዚወስደሉ ግዜ ቐሪቡ እንተ ዀይኑ መርትዖ ንምርካብ ተጠንቂቖም ይከታተሉ ነበሩ። ሎሚ፡ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኸነሕድር ኣሎና። ኣብ መወዳእታ እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ስለ ዘለና፡ ብህጹጽ ከምኡ ኽንገብር ኣሎና።—2 ጢሞ. 3:1-5።
11, 12. (ሀ) የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ መዝነት እዩ ሂብዎም፧ (ለ) የሱስ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ መዝነት ስብከት ኣተሓሒዙ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
11 የሱስ ንሃዋርያት፡ ቀንዲ ኼተሓሳስቦም ዚግባእ ነገር እንታይ ኪኸውን ከም ዚግብኦ ኼዘኻኽሮም ከሎ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 1:8) ፈለማ፡ ኣብታ የሱስ እተቐትለላ የሩሳሌም፡ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ኺስበኽ ነበሮ። ካብኡ ብምብጋስ፡ እቲ መልእኽቲ ናብ ኵላ ይሁዳ፡ ቀጺሉ ናብ ሰማርያ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ርሑቕ ቦታታት ኪዝርጋሕ ነበሮ።
12 የሱስ ነቲ መዝነት ስብከት ቅድሚ ምጥቃሱ፡ ነቲ ዚሕግዞም መንፈስ ቅዱስ ከም ዚልእከሎም ኣቐዲሙ ዝኣተዎ ቓል ኣሐዲሱ እዩ። እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት “መንፈስ ቅዱስ” ዚብል መግለጺ ንልዕሊ 40 ግዜ እተጠቕሰሉ ቦታታት እዩ። እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ብህያው መገዲ እተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ብዘይ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ፍቓድ የሆዋ ኽንፍጽም ከም ዘይንኽእል ብተደጋጋሚ ተነጽር እያ። እምበኣር፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺውሃበና ኣዘውቲርና ኽንጽሊ ኣሎና። (ሉቃ. 11:13) እዚ መንፈስ እዚ፡ ከም ሎሚ ገይሩ ኣድልዩና ኣይፈልጥን እዩ።
13. ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ንዕዮ ስብከት ክሳዕ ክንደይ እዮም ብስፍሓት ዚዓይዎ ዘለዉ፧ ነዚኸ ብሃንቀውታ ኽንዓይዮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
13 ትርጉም እተን “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ዚብላ ቓላት፡ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ተቐዪሩ እዩ። ኣቐዲማ ኣብ ዘላ ምዕራፍ ከም እተገልጸ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ብስራት መንግስቱ ኺሰምዑ ኸም ዚደልዮም ብምፍላጦም፡ ነቲ ኺምስክሩ እተዋህቦም ዕዮ ብምሉእ ልቦም ተቐቢሎምዎ ኣለዉ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ኣብዚ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ብንጥፈት ትሳተፍዶ ኣለኻ፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ቦታ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዜዕግብን ዜሐጕስን ዕዮ ኽትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ነቲ ዕዮ እቲ ንምዕያይ ዜድልየካ ሓይሊ፡ የሆዋ ኺህበካ እዩ። ውጽኢታዊ ኽትከውን ዜድልየካ ሜላታትን ኪህልወካ ዘለዎ ኣረኣእያን፡ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተገሊጹ ኣሎ።
14, 15. (ሀ) እቶም መላእኽቲ ብዛዕባ ምምላስ ክርስቶስ እንታይ በሉ፧ እንታይ ማለቶምከ እዮም ነይሮም፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።) (ለ) ክርስቶስ ከምቲ ዝዓረገሉ፡ “ከምኡ ገይሩ” እተመልሰ ብኸመይ እዩ፧
14 ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እዚኣ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ኻብ ኣዒንቶም ተሰወረ። ኰይኑ ግና፡ እቶም 11 ሃዋርያት ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም እናጠመቱ ደው ኢሎም ጸንሑ። ድሕሪኡ፡ ክልተ መላእኽቲ ተራእይዎም፡ ብሕያውነት ድማ፡ “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ደው ኢልኩም ናብ ሰማይ ትጥምቱ ኣለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪኸይድ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” በልዎም። (ግብ. 1:11) ከምኡ ኺብሉ ኸለዉ፡ ከምቲ ገሊኦም ሃይማኖታውያን ዚምህርዎ፡ የሱስ ነቲ ኺዓርግ ከሎ ዝነበሮ ኣካል ሒዙ ኺምለስ እዩ ማለቶም ድዩ፧ ኣይኰነን። ነዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧
15 እቶም መላእኽቲ፡ የሱስ ከምኡ መሲሉ ኸም ዚምለስ ዘይኰነስ፡ “ከምኡ ገይሩ” ኸም ዚምለስ እዮም ተዛሪቦም። b እሞኸ ኸመይ ገይሩ እዩ ዓሪጉ፧ እቶም መላእኽቲ ኣብ ዚዛረቡሉ ዝነበሩ እዋን፡ ካብ ኣዒንቲ ሃዋርያት ተሰዊሩ እዩ ነይሩ። የሱስ ካብ ምድሪ ናብቲ ኣቦኡ ዚነብረሉ ሰማይ ከም ዝኸደ ዘስተውዓሉ፡ ሒደት ሃዋርያት ጥራይ እዮም። ኪምለስ ከሎ እውን ከምኡ ገይሩ ኺምለስ እዩ ትጽቢት ተገይሩሉ። ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ገይሩ ድማ እዩ ተመሊሱ። ሎሚ፡ መንፈሳዊ ምስትውዓል ዘለዎም ሰባት ጥራይ እዮም የሱስ ስልጣን ንግስነቱ ሒዙ ኸም ዘሎ ዚፈልጡ። (ሉቃ. 17:20) ነቲ ስልጣን ንግስነቱ ሒዙ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ኸነስተውዕሎ፡ ካልኦት ንህጹጽነት እዚ ግዜና ምእንቲ ኺግንዘቡ ኸኣ ነዚ መልእኽቲ እዚ ኸነመሓላልፈሎም ኣሎና።
“ኣየናይ ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” (ግብሪ ሃዋርያት 1:13-26)
16-18. (ሀ) ብዛዕባ እቲ ንኣምልኾ ዚግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ካብ ግብሪ ሃዋርያት 1:13, 14 እንታይ ንምሃር፧ (ለ) ካብቲ ማርያም ኣደ የሱስ ዝሓደገቶ ኣብነት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ሐ) ሎሚ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
16 ድሕሪኡ፡ ሃዋርያት “ብብዙሕ ሓጐስ . . . ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።” (ሉቃ. 24:52) ነቲ ክርስቶስ ዝሃቦም መምርሒ ግና ብኸመይ ተቐቢሎምዎ፧ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 1፡ ፍቕዲ 13ን 14ን፡ ኣብ ሓደ “ደርቢ” ተኣኪቦም ከም ዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ። ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥብታት ክንምሃር ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ኣባይቲ፡ ብግዳም ብእተሰርሓሉ መደያይቦ ኣቢልካ ኽትድይቦ ዚከኣል ደርቢ ነበሮ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት “ደርቢ፡” ኣብ ልዕሊ ቤት እታ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12:12 ተጠቒሳ ዘላ እንዳ ኣደ ማርቆስ ዝነበረት ደዀን ትኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚእከቡላ ተራ ቤት እያ ነይራ። ኣብቲ ኣኼባ ግና መን ይእከቡ ነይሮም፧ እንታይከ ይገብሩ ነይሮም፧
17 ኣብቲ ኣኼባ ሃዋርያት ጥራይ ወይ ሰብኡት ጥራይ ከም ዘይተኣከቡ ኣስተብህል። “ገሊአን ኣንስቲ” ኣብኡ ነበራ፣ ሓንቲ ኻባታተን ማርያም ኣደ የሱስ እያ ነይራ። እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመወዳእታ ግዜ ብቐጥታ እተጠቕሰትሉ ቦታ እዩ። እወ፡ ንማርያም ከም ሓንቲ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋታን ኣሓታን ብሓባር ንምምላኽ ብትሕትና እትእከብ ደኣ እምበር፡ ከም ሓንቲ ምርኡይ ቦታ እትደሊ ጌርና ኽንሓስባ የብልናን። እቶም የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣመንቲ ዘይነበሩ ኣርባዕተ ደቃ ምስኣ ሓቢሮም ምእካቦም፡ ኣጸናኒዕዋ ኪኸውን ኣለዎ። (ማቴ. 13:55፣ ዮሃ. 7:5) እቲ ብኣደ ሓዎም ዝዀነ የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ ኣረኣእያኦም ቀዪሮም እዮም።—1 ቈረ. 15:7።
18 እቶም ደቀ መዛሙርቲ እተኣከቡሉ ምኽንያት እውን፡ “ኵሎም እዚኣቶም፡ . . . ሓቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ” ብዚብላ ቓላት ተገሊጹ ምህላዉ ኣስተብህል። (ግብ. 1:14) ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ ኣኼባ ኣብ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። ንሓድሕድና ንምትብባዕ፡ መምርሕን ምኽርን ንምርካብ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ሓቢርና ንምምላኽ ኢና እንእከብ። ኣብቲ ኣኼባታት እቲ እንጽልዮ ጸሎትን እንዝምሮ መዝሙር ውዳሰን፡ ንየሆዋ ብዙሕ የሐጕሶ፡ ንዓና እውን ብዙሕ ይጠቕመና እዩ። እምበኣር፡ ነዚ ቕዱስን ሃናጽን ኣኼባታትና ኸቶ ኣይንሕደግ!—እብ. 10:24, 25።
19-21. (ሀ) ካብቲ ጴጥሮስ ኣብታ ጉባኤ ዝነበሮ ንጡፍ ግደ እንታይ ንምሃር፧ (ለ) ይሁዳ ኺትካእ ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧ ካብቲ እቲ ጕዳይ እተታሕዘሉ መገዲኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
19 ድሕሪኡ፡ እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ኣጋጠሞም፣ ሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ ተበግሶ ወሲዱ ነቲ ጕዳይ ኣተኰረሉ። (ፍቕዲ 15-26) ጴጥሮስ ካብቲ ንጐይታኡ ሰለስተ ሳዕ ዝኸሓደሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ ክንደይ ንቕድሚት ከም ዝሰጐመ ምፍላጥሲ ብሓቂ ዜጸናንዕዶ ኣይኰነን፧ (ማር. 14:72) ኵላትና ሓጥእ ዝንባለ ስለ ዘሎና፡ የሆዋ ነቶም ብሓቂ ዚንስሑ “ሕያዋይን ንይቕረታ ድልውን” ምዃኑ መዘኻኸሪ የድልየና እዩ።—መዝ. 86:5።
20 እቲ ንየሱስ ዝኸሓዶ ሃዋርያ ዝነበረ ይሁዳ፡ ኪትካእ ከም ዝነበሮ፡ ጴጥሮስ ተገንዘበ። ብመንከ እዩ ኺትካእ፧ እቲ ዚትክኦ ሃዋርያ፡ ንየሱስ ኣብ ብምሉኡ ኣገልግሎቱ ዝሰዓቦን ትንሳኤኡ ዝመስከረን ኪኸውን ከም ዘለዎ፡ ጴጥሮስ ገለጸ። (ግብ. 1:21, 22) እዚ ኸኣ ምስቲ የሱስ፡ “ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ . . . ኣብ 12 ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ን12 ነገዳት እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም” ኢሉ ዝኣተዎ ቓል ዚሰማማዕ እዩ። (ማቴ. 19:28) የሆዋ፡ ንየሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝሰዓብዎ 12 ሃዋርያት፡ ኣብ መጻኢ “12 እምኒ መሰረት” ሓዳስ የሩሳሌም ኬቝሙ ዕላማ ዝነበሮ እዩ ዚመስል። (ራእ. 21:2, 14) ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንጴጥሮስ፡ እቲ፡ “ሓላውነቱ ኻልእ ይውሰዶ” ዚብል ትንቢት ኣብ ይሁዳ ኸም ዚውዕል ኪርዳእ ሓገዞ።—መዝ. 109:8።
21 ከመይ ጌርካ እዩ ግና ተተካኢ ተሓርዩ፧ በቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ልሙድ ዝነበረ ተግባር፡ ማለት ዕጫ ብምውዳቕ እዩ። (ምሳ. 16:33) ኰይኑ ግና፡ ዕጫ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዕላማ ኸም ዜገልግል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመወዳእታ ግዜ እተሓበረ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እዩ። ድሕሪኡ መንፈስ ቅዱስ ምፍሳሱ፡ ነቲ ሜላ እቲ ግዜኡ ኸም ዚሓልፎ ገይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ስለምንታይ ዕጫ ይወድቕ ከም ዝነበረ ግና ኣስተብህል። ሃዋርያት፡ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ የሆዋ፡ ካብዞም ክልተ ሰብኡት ኣየናይ ከም ዝሓረኻ ኣርኢ” ኢሎም ጸለዩ። (ግብ. 1:23, 24) ካብዚ ቓላት እዚ ኸም እንርድኦ፡ የሆዋ ኺሓሪ እዮም ደልዮም። ሓደ ኻብቶም የሱስ ኪሰብኩ ዝለኣኾም 70 ደቀ መዛሙርቲ ኪኸውን ዚኽእል ማትያስ ከኣ ተሓርየ። በዚ ኸምዚ፡ ማትያስ ሓደ ኻብቶም “ዓሰርተው ክልተ” ዀነ። c—ግብ. 6:2።
22, 23. ነቶም ሎሚ ኣብ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዘለዎም ተገዛእትን ተኣዘዝትን ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
22 እዚ ተግባር እዚ፡ ህዝቢ ኣምላኽ እተወደቡ ኪዀኑ ኸም ዜድልዮም እዩ ዜዘኻኽር። ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ፡ ኣብ ጉባኤ ሓለውቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ሓላፍነት ዚስከሙ ሰባት ይሕረዩ እዮም። ሽማግለታት ነቲ ሓለውቲ ኼማልእዎ ዚግባእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ተጠንቂቖም ይምርምሩ፡ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኪረኽቡ ድማ ይጽልዩ እዮም። ስለዚ፡ እታ ጉባኤ ነቶም እተሸሙ ሰብኡት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተሸሙ ገይራ እያ እትርእዮም። ንሕና እውን ንመሪሕነቶም ተኣዘዝትን ተገዛእትን ብምዃን፡ ኣብታ ጉባኤ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ምእንቲ ኺሰፍን እጃምና ንገብር ኢና።—እብ. 13:17።
23 ሃዋርያት ብትንሳኤ የሱስን ብውድባዊ ምትዕርራይን ስለ እተበራትዑ፡ ነቲ ድሕሪኡ ዚጽበዮም ዝነበረ ምሉእ ብምሉእ ተዳለዉ። እዛ ቐጺላ ዘላ ምዕራፍ፡ ነቲ ኣገዳሲ ፍጻመ ኽትገልጾ እያ።
a ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ፡ “ኦ ኽቡር ቴዎፍሎስ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ገሊኦም ሰባት ካብዚ ኣጸዋውዓ እዚ ተበጊሶም፡ ቴዎፍሎስ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣማኒ ዘይኰነ ምርኡይ ሰብ ከም ዝነበረ ሓሳብ ይህቡ። (ሉቃ. 1:3) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ግና፡ ሉቃስ፡ “ኦ ቴዎፍሎስ” ጥራይ ኢሉ እዩ ጸዊዕዎ። ገሊኦም ምሁራት፡ ቴዎፍሎስ ንወንጌል ሉቃስ ድሕሪ ምንባቡ ኣማኒ ኸም ዝዀነ ሓሳብ ይህቡ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ሉቃስ ነቲ ናይ ኣኽብሮት መጸውዒ ኸም ዝሓደጎን ነቲ ሰብኣይ ከም መንፈሳዊ ሓዉ ገይሩ ኸም ዝጸሓፈሉን ይገልጹ።
b ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ትሮፖስ፡ ማለት “ኣገባብ” እትብል ቃል ደኣ እምበር፡ ነታ ሞርፊ፡ ማለት “መልክዕ” ዝትርጉማ ናይ ግሪኽኛ ቓል ኣይኰነን ተጠቒሙ።
c ጳውሎስ ጸኒሑ “ንኣህዛብ ሃዋርያኦም” ኪኸውን እኳ እንተ ተሸመ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ግና ኣይተቘጽረን። (ሮሜ 11:13፣ 1 ቈረ. 15:4-8) ንየሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ስለ ዘይሰዓቦ፡ ነቲ ፍሉይ መሰል ኣይበቕዐን።