ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 3

“ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ”

“ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ”

መንፈስ ቅዱስ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ምፍሳሱ ዘሕደሮ ጽልዋ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:1-47 እተመስረተ

1. ኣብ በዓል ጰንጠቈስጠ ዝነበረ ሃዋህው ግለጽ።

 ጐደናታት የሩሳሌም ባህ ብዜብል ንጥፈታት መሊኡ ነበረ። a ሌዋውያን እናተቐባበሉ መዝሙራት ሃለል (መዝሙር 113 ክሳዕ 118) ኪዝምሩ ኸለዉ፡ ካብቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መሰውኢ ትኪ ይዓርግ ነበረ። በጻሕቲ ነቲ ጐደናታት ኣጻበብዎ። ካብ ከም ዔላምን መሶጶታምያን ቀጶዶቅያን ጶንጦስን ግብጽን ሮሜን ዝኣመሰለ ርሑቕ ቦታታት እዮም መጺኦም። b ዘተኣኻኸቦም እንታይ እዩ ነይሩ፧ ጰንጠቈስጠ ወይ በዓላት ሓምሳ ንምብዓል እዮም ተኣኻኺቦም፣ እዛ በዓል እዚኣ፡ ‘ቀዳማይ ፍረ ዚእከበላ መዓልቲ’ ተባሂላ እውን ትጽዋዕ እያ። (ዘሁ. 28:26) እዚ ዓመታዊ ዚብዓል ዝነበረ በዓል፡ መወዳእታ ዓጺድ ስገምን መጀመርታ ዓጺድ ስርናይን ዜመልክት እዩ ነይሩ። እታ መዓልቲ ብሓቂ እተሐጕስ መዓልቲ እያ ነይራ።

2. ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እንታይ ዜደንቕ ነገር ኰነ፧

2 ኣብታ ኣብ ጽድያ 33 ድ.ክ. ዝወዓለት መዓልቲ፡ ሰዓት ትሸዓተ ናይ ንግሆ ኣቢሉ ንዘመናት ዘስደመመ ነገር ኣጋጠመ። “ብሃንደበት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዚመስል ደሃይ ካብ ሰማይ መጸ።” (ግብ. 2:2) እቲ ብርቱዕ ደሃይ ነታ እቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተኣከቡላ ቤት መልኣ። ቀጺሉ፡ ሓደ ዜደንቕ ነገር ኪኸውን ጀመረ። ልሳናት ሓዊ ዚመስል ተራእዮም፣ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ዓለበ። c ድሕሪኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ “ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፡” ብኻልእ ቋንቋታት ድማ ኪዛረቡ ጀመሩ! ካብታ ቤት ምስ ወጹ፡ ነቶም ኣብ ጐደናታት የሩሳሌም ዘጓነፍዎም በጻሕቲ ብቛንቋኦም ኪዛረብዎም ስለ ዝኸኣሉ፡ እቶም በጻሕቲ በዚ ተገረሙ! እወ፡ ኵሎም እቶም በጻሕቲ “በብቛንቋኦም” ኪሰምዑ ኸኣሉ።—ግብ. 2:1-6

3. (ሀ) መዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዋ ዕለት ክትብሃል እትከኣል ብኸመይ እያ፧ (ለ) ጴጥሮስ ዘቕረቦ መደረ ምስቲ “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት” ብኸመይ ይተኣሳሰር፧

3 እዚ ዜነቓቕሕ ጸብጻብ እዚ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዓብዪ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንፈሳዊ ህዝቢ እስራኤል ቈመ፡ ማለት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ተመስረተት። (ገላ. 6:16) ኣብ ልዕሊ እዚ እውን፡ ጴጥሮስ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ህዝቢ ኺዛረቦም ከሎ፡ ካብተን ነፍሲ ወከፈን ንእተፈላለየ ጕጅለ ሰባት ፍሉይ መሰል ዚኸፍታ ሰለስተ “መፋትሕ መንግስተ ሰማያት፡” ነታ ቐዳመይቲ ተጠቕመላ። (ማቴ. 16:18, 19) እታ ቐዳመይቲ መርሖ፡ ንኣይሁድን ንጵሮሴሊታትን ነቲ ብስራት ምእንቲ ኪቕበሉን ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪቕብኡን ኣኽኣለቶም። d በዚ ኸምዚ፡ ክፍሊ መንፈሳዊ እስራኤል ኰኑ፡ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኣብ መሲሓዊት መንግስቲ ናይ ምግዛእ ተስፋ እውን ኪህልዎም ከኣለ። (ራእ. 5:9, 10) ድሕሪ ግዜ፡ እዚ ፍሉይ መሰል እዚ ፈለማ ናብ ሳምራውያን፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ኣህዛብ ተዘርግሐ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ካብቲ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዘጋጠመ ኣገዳሲ ፍጻመ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

“ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4)

4. ኣብዚ ግዜና ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ መቐጸልታ እታ ኣብ 33 ድ.ክ. ዝቘመት ጉባኤ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧

4 ክርስትያናዊት ጉባኤ በቶም “ኵላቶም ሓቢሮም ብሓንሳብ” ኣብ ሓንቲ ደርቢ ዝነበሩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ እተቐብኡ 120 ደቀ መዛሙርቲ ተጀመረት። (ግብ. 2:1) ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቍጽሪ ጥሙቓት ኣባላት እታ ጉባኤ ብኣሽሓት ወሰኸ። እዚ ግና መጀመርታ እታ ኽሳዕ ሕጂ እናወሰኸት እትኸይድ ዘላ ውድብ እዩ! እወ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምምጻኡ፡ በታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ብሓባር ዜቝምዋ ማሕበር፡ ማለት በታ ኣብዚ ግዜና ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢልካ እዩ ‘ብስራት መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ዚስበኽ።’—ማቴ. 24:14

5. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምሕባር እንታይ በረኸት ይርከብ፧

5 ብዘይካዚ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰነ ኻብ “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ኣባላታ፡ ምንጪ መንፈሳዊ ብርታዐ እያ። (ዮሃ. 10:16) ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “ምእንቲ ኽትጸንዑስ፡ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም ኢለ፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ” ብምባል ነቲ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ዘለዎ ሞሳ ገለጸ።—ሮሜ 1:11, 12

6, 7. ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቲ የሱስ ንዅሎም ኣህዛብ ኪስበኽ ዝሃቦ መዝነት ብኸመይ ትፍጽሞ ኣላ፧

6 ዕላማ እዛ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብቲ ናይታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ እተፈልየ ኣይኰነን። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በዳሂ፡ ግናኸ ዜሐጕስ ዕዮ ኺህቦም ከሎ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” በሎም።—ማቴ. 28:19, 20

7 የሆዋ ሎሚ ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ዚጥቀም። ልክዕ እዩ፡ ንሰባት በብቛንቋኦም ምስባኽ በዳሂ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት የዳልዉ ኣለዉ። ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣዘውቲርካ ትእከብ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ከኣ ትሳተፍን እንተ ኣሊኻ፡ እኹል ዜሐጕስ ምኽንያት ኣሎካ። እወ፡ ምስቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ንስም የሆዋ ኣጸቢቖም ኪምስክሩ ፍሉይ መሰል ዘለዎም ሒደት ሰባት ኢኻ እትቝጸር!

8. ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ሓገዝ ኢና እንረክብ፧

8 የሆዋ ኣምላኽ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ እዚ ብሓጐስ ጸኒዕካ ኽትቅጽል ምእንቲ ኺሕግዘካ ኢሉ፡ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኣዳልዩልካ ኣሎ። ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ” ኢሉ ጸሓፈሎም። (እብ. 10:24, 25) ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ንኻልኦትን ንርእስኻን ከተተባብዕ እትሕግዝ የሆዋ ዝገበረልካ መሰናድዎ እያ። ካብ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣይትፈለ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ድማ ከቶ ኣይትሕደግ!

“በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ስለ ዝሰምዕዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 2:5-13)

“ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ በብቛንቋና ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣለና።”​—ግብሪ ሃዋርያት 2:11

9, 10. ገሊኦም ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት፡ መልእኽቲ ኼብጽሑሎም ኢሎም እንታይ እዮም ገይሮም፧

9 እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ተኣኻኺቦም ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ። መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ፡ ሓደ ሓባራዊ ቛንቋ፡ ማለት ግሪኽኛ ወይ እብራይስጢ ይዛረቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ‘በብቛንቋኦም ኪዛረቡ ሰምዕዎም።’ (ግብ. 2:6) እቶም ሰማዕቲ ነቲ ብስራት ብቛንቋ ኣዲኦም ኪሰምዑ ብምኽኣሎም ተገሪሞም ኪዀኑ ኣለዎም። ልክዕ እዩ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ቋንቋታት ወጻኢ ናይ ምዝራብ ተኣምራዊ ኽእለት የብሎምን። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኣህዛብ ይሰብኩ ኣለዉ። ብኸመይ፧ ገሊኦም ኣብ ጥቓኦም ኣብ እትርከብ ጉባኤ ቛንቋ ወጻኢ ኼገልግሉ ወይ ናብ ወጻኢ ሃገር ኪግዕዙ ኢሎም ካልእ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ሰማዕቶም ብጻዕርታቶም ይግረሙ እዮም።

10 ንኣብነት፡ ምስ ሸውዓተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢራ ቛንቋ ጉጃራቲ እተማህረት ክርስቲን ንውሰድ። ሓንቲ ቛንቋ ጉጃራቲ እትዛረብ መሳርሕታ ምስ ኣጓነፈታ፡ ነታ ሰበይቲ ብቛንቋኣ ሰላምታ ሃበታ። እታ ሰበይቲ በዚ ስለ እተደነቐት፡ ክርስቲን ከም ጉጃራቲ ዝኣመሰለ ኣጸጋሚ ቛንቋ ምእንቲ ኽትምሃር እትጽዕረሉ ዘላ ምኽንያት ሓተተታ። ክርስቲን ጽቡቕ ምስክርነት ክትህብ ከኣለት። እታ ሰበይቲ ድማ ንክርስቲን፡ “ክትነግርኒ ዘሎኪ ኣገዳሲ ነገር ኪህሉ ኣለዎ” በለታ።

11. ካልእ ቋንቋ ንዚዛረቡ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧

11 ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ኵላትና ኻልእ ቋንቋ ኽንምሃር ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ምእንቲ ኽንሰብከሎም ክንዳሎ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ሓደ መገዲ፡ በቲ JW Language® ዚብሃል ኣፕሊኬሽን ጌርካ ኣብ ከባቢኻ ብብዝሒ ብዚዝረብ ቋንቋ ብኸመይ ሰላምታ ኸም እትህብ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ሒደት ሓረጋት እንተ ተማሂርካ እውን፡ እዚ ንተገዳስነት እቶም ነቲ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኬለዓዕል ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ jw.org ሓብሮም፣ ነቲ ኣብኡ ብቛንቋኦም ዚርከብ በበይኑ ዓይነት ቪድዮታትን ጽሑፋትን እውን ከተርእዮም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎትና ነዚ ናውቲ እዚ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ከምቲ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ኻብ ካልኦት ዓድታት ንዝመጹ ሰባት “በብቛንቋኦም” ምስ ኣበሰርዎም እተሓጐሱ፡ ንሕና እውን ክንሕጐስ ንኽእል ኢና።

“ጴጥሮስ . . . ተንሲኡ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-37)

12. (ሀ) ነብዪ ዮኤል ነቲ ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ዘጋጠመ ተኣምራዊ ፍጻመ ዝኣመተ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተራእየ ፍጻመ ትንቢት ዮኤል፡ ትጽቢት ዚግበረሉ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

12 “ጴጥሮስ . . . ተንሲኡ” ነቶም እተፈላለየ ቛንቋ ዚዛረቡ ህዝቢ ተዛረቦም። (ግብ. 2:14) እቲ ብቛንቋታት ናይ ምዝራብ ተኣምራዊ ኽእለት ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ እዚ ድማ ፍጻመ እቲ፡ “መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ” ዚብል ትንቢት ዮኤል ምዃኑ ገለጸሎም። (ዮኤ. 2:28) የሱስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንኣቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚኸውን ካልእ ሓጋዚ ኺህበኩም እዩ” በሎም፣ ነዚ ሓጋዚ እዚ ድማ “መንፈስ” ኢሉ ገለጾ።—ዮሃ. 14:16, 17

13, 14. ጴጥሮስ ንልቢ ሰማዕቱ ንምትንካይ ዝጸዓረ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ነቲ ሜላኡ ኽንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ኣብ መደምደምታ፡ ጴጥሮስ ነቶም ህዝቢ፡ “ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ኵላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ” ብምባል ጽኑዕ ቃላት ተዛረቦም። (ግብ. 2:36) ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትኦም ንጴጥሮስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኣብ እተሰቕለሉ እዋን ብኣካል ኣይነበሩን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ተግባር እቲ ብደረጃ ህዝቢ ብሓላፍነት ተሓተትቲ እዮም ነይሮም። ጴጥሮስ ነቶም ኣይሁድ ብኣኽብሮት ከም እተዛረቦምን ልቦም ከም ዝተንከየን ግና ኣስተብህል። ዕላማኡ ንሰማዕቱ ንምዅናን ዘይኰነስ፡ ናብ ንስሓ ኸም ዚበጽሑ ንምግባር እዩ ነይሩ። እቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ በቲ ዘረባኡ ተቐይሞምዶ፧ ኣይፋልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ልቦም ተወግአ።” “እንታይ ንግበር፧” ኢሎም እውን ሓተቱ። ጴጥሮስ ብኣወንታዊ መገዲ ምዝራቡ፡ ልቢ ብዙሓት ሰባት ብምትንካይ ከም ዚንስሑ ኣብ ምግባር ግደ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 2:37

14 ነቲ ጴጥሮስ ንልቢ ሰባት ንምትንካይ እተጠቕመሉ ኣገባብ ክንቀድሖ ንኽእል ኢና። ንሰባት ክንምስክረሎም ከለና፡ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ዚጠቕስዎ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ኸነተኵረሉ ኣየድልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብቲ ኽንሰማምዓሉ እንኽእል ነጥብታት ተመርኲስና፡ ዘረባና ኽንሃንጽ ኣሎና። ምስ ሰማዕትና ሓባራዊ ባይታ እንተ ኣንጺፍና፡ ድሕሪኡ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ብሜላ ኸነረድኦም ንኽእል ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣወንታዊ መገዲ ኪቐርብ ከሎ፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ መልእኽቲ ንምቕባል ዝሰፍሐ ዕድል ይህልዎም።

“ነፍሲ ወከፍኩም . . . ይጠመቕ” (ግብሪ ሃዋርያት 2:38-47)

15. (ሀ) ጴጥሮስ እንታይ ኢሉ እዩ እተዛረበ፧ እቶም ሰማዕቱኸ እንታይ ገበሩ፧ (ለ) እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ ነቲ ብስራት ዝሰምዑ ኣሽሓት ሰባት፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንጥምቀት ኪበቕዑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧

15 ኣብታ ባህ እተብል መዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ጴጥሮስ ነቶም ነቲ መልእኽቲ እተቐበሉ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ “ተነስሑ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ . . . ይጠመቕ” በሎም። (ግብ. 2:38) ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣስታት 3,000 ሰባት ኣብ የሩሳሌም ወይ ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዚርከብ ጋብላታት ተጠምቁ። e እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ስምዒታውያን ኰይኖም ዝገበርዎ ውሳነ ድዩ ነይሩ፧ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ደቂ ክርስትያናትን ገና ኸይተዳለዉ ተቐላጢፎም ኪጥመቑ ዚድግፍ ሓሳባት ድዩ ሒዙ ዘሎ፧ ኣይኰነን። እቶም ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. እተጠምቁ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ትጉሃት ተምሃሮ ቃል ኣምላኽ ምንባሮምን ክፍሊ እቲ ንየሆዋ እተወፈየ ህዝቢ ኸም ዝነበሩን ኣይትረስዕ። ኣብ ርእሲኡ፡ ቅንኣቶም ብግብሪ ኣርእዮም ነይሮም እዮም፣ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ኪእከቡ ኢሎም ነዊሕ ርሕቀት እዮም ተጓዒዞም። ነቲ ብዛዕባ እቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ዚገልጽ ኣገዳሲ ሓቅታት ድሕሪ ምቕባሎም፡ ንኣምላኽ ንምግልጋል ድሉዋት እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ግና፡ ጥሙቓት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኰይኖም ኬገልግልዎ ነበሮም።

16. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

16 የሆዋ ነቶም ጕጅለ ብርግጽ ባሪኽዎም እዩ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ኵሎም እቶም ዝኣመኑ ብሓንሳእ ነበሩ፣ ዘለዎም ኵሉ እውን ናይ ሓባር ነበረ፣ ጥሪቶምን ንብረቶምን ሸይጦም ከኣ፡ ንዅሎም ከከም ዜድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ።” f (ግብ. 2:44, 45) ኵሎም ክርስትያናት ነዚ ፍቕሪ ዝመልኦ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኪቐድሕዎ ኸም ዚደልዩ ኣየጠራጥርን እዩ።

17. ሓደ ሰብ ንጥምቀት ብቑዕ ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ስጕምትታት እዩ ኺወስድ ዘለዎ፧

17 ክርስትያናዊ ወፈያን ጥምቀትን፡ እተወሰነ ኣገዳሲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስጕምትታት ዚሓትት እዩ። ሓደ ሰብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኬጥሪ ኣለዎ። (ዮሃ. 17:3) ድሕሪኡ፡ ኪኣምነሉን ብዝሓለፈ መገዱ ኺንሳሕን፡ ማለት ብሓቂ ኸም እተጣዕሰ ኼርኢ ኣለዎ። (ግብ. 3:20) ቀጺሉ፡ ኪልወጥ፡ ወይ ካብ መገዱ ኺምለስ፡ ከምኡ እውን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ዚሰማማዕ ቅኑዕ ተግባራት ኪጽመድ ኣለዎ። (ሮሜ 12:2፣ ኤፌ. 4:23, 24) ነዚ ስጕምትታት እዚ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ብጸሎት ርእሱ ንኣምላኽ ይውፊ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ይጥመቕ።—ማቴ. 16:24፣ 1 ጴጥ. 3:21

18. ንጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ እንታይ ፍሉይ መሰል እዩ ተኸፊቱሎም ዘሎ፧

18 ንስኻኸ ርእስኻ ወፊኻ እተጠመቕካ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ተዋሂቡካ ዘሎ ፍሉይ መሰል ከተመስግነሉ ኣሎካ። ከምቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተመልኡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣጸቢቕካ ኽትምስክርን ፍቓድ የሆዋ ኽትገብርን ትኽእል ኢኻ!

a የሩሳሌም—ማእከል ኣይሁድነት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

c እቲ “ልሳናት” ተባሂሉ ዘሎ ቓል ብቓሉ ሓዊ ዘይኰነስ፡ “ሓዊ ዚመስል” ነገር እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ከም ሓዊ ዚበርህ ነገር ከም እተራእየ ዚሕብር ኪኸውን ኣለዎ።

d ጵሮሴሊታት እንታዎት እዮም ነይሮም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

e ብ7 ነሓሰ 1993 እውን፡ ኣብቲ ኣብ ክየቭ፡ ዩክረይን እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ 7,402 ሰባት ኣብ ሽዱሽተ ጋብላታት ተጠሚቖም እዮም። ብምሉኡ እቲ ስነ ስርዓት ጥምቀት፡ ክልተ ሰዓትን ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቒቕን ወሰደ።

f እዚ ግዜያዊ መሰናድዎ ዘድለየ፡ እቶም በጻሕቲ ተወሳኺ መንፈሳዊ ፍልጠት ንምርካብ ኣብ የሩሳሌም ኪቕንዩ ስለ ዘድለዮም እዩ። ብፍታው ንብረቶም የማቕሉ ስለ ዝነበሩ፡ ከም ኮምዩኒስትነት ጌርካ ኺርአ የብሉን።—ግብ. 5:1-4