ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 5

“ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ”

“ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ”

ሃዋርያት ኣብ መትከሎም ጸንዑ፡ እዚ ድማ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት ኰነ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:12–6:7 እተመስረተ

1-3. (ሀ) ሃዋርያት ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ዝቐረቡ ስለምንታይ እዮም፧ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ጕዳይከ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ሃዋርያት ዝወሰድዎ መትከል ኣዝዩ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

 እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዚብሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ እተቐመጡ ፈራዶ፡ ብቝጥዓ ነዲዶም ነበሩ! ሃዋርያት የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዮም ቈይሞም ነይሮም። ስለምንታይ፧ እቲ ሊቀ ኻህናትን መራሕ እቲ ዋዕላን ዝነበረ ዮሴፍ ቀያፋ፡ “በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩ ብጽኑዕ ኣዚዝናኩም ኔርና” ኢሉ ኣትሪሩ ተዛረቦም። እዚ ነዲሩ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ስም የሱስ እኳ ኺጠቅስ ኣይደለየን። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “እንሆ ግና፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ፣ ደም እዚ ሰብ እዚ ኣብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ቘሪጽኩም ኣለኹም” በሎም። (ግብ. 5:28) መልእኽቱ ንጹር እዩ ነይሩ፣ ‘ስብከት ደው ኣብሉ፡ እንተ ዘይኰነ ኣብኣ ትረኽብዋ!’ እዩ ዚብሎም ነይሩ።

2 ሃዋርያት እንታይ ኢሎም መለሱ፧ ኪሰብኩ መዝነት ዝሃቦም፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ስልጣን እተዋህቦ የሱስ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 28:18-20) ንሰብ ፈሪሆም ስብከቶም ኣቋሪጾም ድዮም፡ ወይስ ብትብዓት ጸኒዖም ስብከቶም ቀጺሎም እዮም፧ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ጕዳይ፡ ‘ንኣምላኽ ድዮም ዚእዘዙ፡ ወይስ ንሰብ፧’ ዚብል እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብ ክንዲ ዅሎም ሃዋርያት ኰይኑ፡ ከይተወላወለ ተዛረበ። ቃላቱ ዘየማትእን ትብዓት ዝመልኦን እዩ ነይሩ።

3 ንሕና እውን ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን፡ ሃዋርያት ነቲ ኻብቲ ዋዕላ ዘጋጠሞም ምፍርራህ እንታይ ምላሽ ከም ዝሃቡ የገድሰና እዩ። እቲ ንምስባኽ እተዋህበ መዝነት፡ ንዓና እውን ዚምልከት እዩ። ነዚ ኣምላኽ ዝሃበና መዝነት ክንፍጽም ከለና፡ ምጽራር ኬጋጥመና ይኽእል እዩ። (ማቴ. 10:22) ተጻረርቲ ንዕዮና ኪቕይዱ ወይ ኪእግዱ ይፍትኑ ይዀኑ። እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ሃዋርያት ዝወሰድዎ መትከልን ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ኸም ዚቐርቡ ዝገበሮም ኵነታትን ምምርማርና ኺጠቕመና ይኽእል እዩ። a

“መልኣኽ የሆዋ ንመዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጽኦም” (ግብሪ ሃዋርያት 5:12-21ሀ)

4, 5. ቀያፋን ሰዱቃውያንን “ብቕንኢ ተመሊኦም” ዝተንስኡ ስለምንታይ እዮም፧

4 ጴጥሮስን ዮሃንስን ስብከቶም ደው ኬብሉ ትእዛዝ ምስ ተዋህቦም፡ “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራብ ክንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም ከም ዝመለሱ ትዝክር ትኸውን። (ግብ. 4:20) ድሕሪ እዚ ፍጻመ እዚ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ኰኑ እቶም ዝተረፉ ሃዋርያት፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ይሰብኩ ነበሩ። ሃዋርያት ትእምርቲ ይፍጽሙ ነበሩ፣ ንኣብነት፡ ንሕሙማት የሕውዩን ኣጋንንቲ የውጽኡን ነበሩ። እዚ ድማ ኣብቲ ብዙሓት ኣይሁድ ዚእከቡሉ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ቤተ መቕደስ ዚርከብ “ገበላ ሰሎሞን” ዚብሃል ቦታ እዮም ዚገብርዎ ነይሮም። ጽላሎት ጴጥሮስ እውን ከይተረፈ ንሕሙማት የሕዊ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ! ሓያሎ ኻብቶም ካብ ሕማሞም ዝሓወዩ ሰባት፡ መንፈሳዊ ምሕዋይ ንምርካብ እውን ፍቓደኛታት ኰኑ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ብጐይታ ዚኣምኑ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ይውሰኽዎም ነበሩ።”—ግብ. 5:12-15

5 ቀያፋን እቶም ንሱ ዚሓብሮም ጕጅለ ሰዱቃውያንን “ብቕንኢ ተመሊኦም” ተንስኡ፡ ንሃዋርያት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። (ግብ. 5:17, 18) እቶም ሰዱቃውያን እተቘጥዑ ስለምንታይ እዮም፧ ሃዋርያት፡ የሱስ ከም ዝተንስአ እዮም ዚምህሩ ነይሮም፣ ሰዱቃውያን ከኣ ኣብ ትንሳኤ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። ሃዋርያት፡ ብየሱስ ብምእማን ጥራይ ምድሓን ከም ዚርከብ ይምህሩ ነይሮም፣ ሰዱቃውያን ከኣ እቶም ህዝቢ ንየሱስ ከም መራሒኦም እንተ ርእዮምዎ፡ ሮሜ ኸይትቐጽዖም ፈርሁ። (ዮሃ. 11:48) ስለዚ፡ ሰዱቃውያን ንሃዋርያት ስቕ ኬብልዎም ቈሪጾም ተላዕሉ!

6. ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ መስጐጕቲ ኸም ዚልዓል ዚገብሩ ቐንዲ ቐስቀስቲ መን እዮም፧ እዚ ኼገርመና ዘይብሉኸ ስለምንታይ እዩ፧

6 ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ መስጐጕቲ ኸም ዚልዓል ዚገብሩ ቐንዲ ቐስቀስቲ፡ ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ሰበ ስልጣን መንግስትን መራኸቢ ብዙሓንን ዘለዎም ጽልዋ ተጠቒሞም፡ ንስብከትና ደው ኬብልዎ ይጽዕሩ። እዚ ኼገርመና ኣለዎዶ፧ ኬገርመና ኣየብሉን። መልእኽትና ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ዜቃልዕ እዩ። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪቕበሉ ኸለዉ፡ ካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እምነታትን ልምድታትን እዮም ሓራ ዝወጹ። (ዮሃ. 8:32) መልእኽትና ንመራሕቲ ሃይማኖት ብቕንኣት እንተ መልኦም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!

7, 8. እቲ መልኣኽ ዝሃቦም ትእዛዝ ኣብ ሃዋርያት እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኪኸውን ኣለዎ፧ ንሕናኸ እንታይ ኢልና ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

7 ሃዋርያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ጕዳዮም ኪስምዓሎም ኣብ ዚጽበዩሉ እዋን፡ ብኢድ ጸላእቶም ሰማእታት ዚዀኑ መሲልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ. 24:9) ለይቲ ግና ዘይተጸበይዎ ነገር ኣጋጠሞም፣ “መልኣኽ የሆዋ ንመዓጹ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጽኦም።” b (ግብ. 5:19) ድሕሪኡ እቲ መልኣኽ፡ “ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም . . . ንህዝቢ ንገሩ” ኢሉ ንጹር መምርሒ ሃቦም። (ግብ. 5:20) ሃዋርያት ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ቅኑዕ ይገብሩ ምንባሮም ብዘይ ጥርጥር ኣረጋገጹ። እቲ መልኣኽ እተዛረቦ ቓላት እውን፡ ዝመጸ እንተ መጸ ኺጸንዑ ኣበርቲዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዝሓየለ እምነትን ትብዓትን ድማ፡ “ኣብ ምውጋሑ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ።”—ግብ. 5:21

8 ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ዜጋጥመኒ፡ ስብከተይ ንምቕጻል ዜኽእል እምነትን ትብዓትን ምሃለወኒዶ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ናይ ምምስካር’ ኣገዳሲ ዕዮ፡ ካብ መላእኽቲ ደገፍን መምርሕን ከም ዚውሃቦ ምፍላጥና ኼበራትዓና ይኽእል እዩ።—ግብ. 28:23፣ ራእ. 14:6, 7

“ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” (ግብሪ ሃዋርያት 5:21ለ-33)

“ኣምጺኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም።”​—ግብሪ ሃዋርያት 5:27

9-11. ሃዋርያት ነቲ እቶም ኣባላት ዋዕላ ኸይሰብኩ ዝኣዘዝዎም ትእዛዝ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ እዚ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት ዚኸውንከ ብኸመይ እዩ፧

9 ቀያፋን ካልኦት ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሩ ፈራዶን ንሃዋርያት ኪፈርድዎም ተዳለዉ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እተፈጸመ ነገር ስለ ዘይፈለጡ፡ ነቶም እሱራት ኬምጽእዎም ገላዉ ለኣኹ። እቲ ቤት ማእሰርቲ ብጽኑዕ ተሸጒሩ፡ “ሓለውቲ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም” እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ገላዉ ነቶም እሱራት ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ሰኣንዎም ዝሰምበድዎ ስምባድ እሞ ገምቶ። (ግብ. 5:23) ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ፡ ሃዋርያት ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም፡ መሊሶም ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ይሰብኩ ምህላዎም ፈለጠ! እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ገለ ኻብ ገላዉኡን ተቐላጢፎም ናብ ቤተ መቕደስ ከይዶም፡ ነቶም እሱራት ናብቲ ዋዕላ ኣምጽእዎም።

10 ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እቶም ብቝጥዓ ነዲዶም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ንሃዋርያት ከይሰብኩ ንጹር መምርሒ ሃብዎም። ሃዋርያትከ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ጴጥሮስ ከም ኣፈኛ ዀይኑ ብምግልጋል፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሉ ብትብዓት መለሰሎም። (ግብ. 5:29) በዚ ኸምዚ፡ ሃዋርያት ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት ሓደጉ። ሰብኣውያን ገዛእቲ፡ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ነገር ኪኽልክሉ ወይ ኣምላኽ ዝኸልከሎ ነገር ኪእዝዙ ኸለዉ፡ ኣይንእዘዞምን ኢና። ስለዚ፡ ኣብዚ ግዜና “ሰበ ስልጣን” ንዕዮ ምስክርነትና እንተ ኣጊዶምዎ፡ ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ካብ ኣምላኽ እተዋህበና ዕዮ ኽንሓድግ ኣይንኽእልን ኢና። (ሮሜ 13:1) ኣብ ክንዳኡስ፡ ብጥበብ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ንምምስካር ዜኽእለና መገዲ ነናዲ ኢና።

11 ሃዋርያት ብትብዓት ዝሃብዎ መልሲ ነቶም ፈራዶ መሊሱ ኣቘጥዖም። “ኪቐትልዎም” ድማ ተማኸሩ። (ግብ. 5:33) እቶም ተባዓትን ቀናኣትን መሰኻኽር ሰማእታት ዚዀኑሉ ግዜ ዝኣኸለ መሰለ። ብዘይተለምደ መገዲ ግና ሓገዝ ረኸቡ!

“ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም” (ግብሪ ሃዋርያት 5:34-42)

12, 13. (ሀ) ገማልኤል ንመሳርሕቱ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧ ንሳቶምከ እንታይ ገበሩ፧ (ለ) ሎሚ የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ብኸመይ ጣልቃ ኺኣቱ ይኽእል፧ ‘ስለ ጽድቂ መከራ ኽንጸግብ’ እንተ ፈቒዱኸ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

12 ሓደ ገማልኤል ዚብሃል “ብዅሉ እቲ ህዝቢ ዚኽበር መምህር ሕጊ” ተንሲኡ ተዛረበ። c እዚ ፈላጥ ሕጊ እዚ፡ ነቲ ዅነታት ስለ እተቘጻጸሮን ‘ንሃዋርያት ሓንሳእ ኣብ ወጻኢ ኼጽንሕዎም እውን ስለ ዝኣዘዘን፡’ በቶም መሳርሕቱ ኣኽቢርካ ዚርአ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 5:34) መራሕቶም ምስ ሞቱ ብቕልጡፍ እተበተኑ ጕጅለታት ድሕሪ ምጥቃሱ፡ እቲ ዋዕላ ነቶም መራሒኦም ኣብ ቀረባ ዝሞቶም ሃዋርያት ኣብ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ዓቕልን ተጻዋርነትን ኬርኢ ተማሕጸነ። እቲ ገማልኤል ዘቕረቦ መረዳእታ ዜእምን እዩ ነይሩ፣ “ነዞም ሰባት እዚኦም ኣይትተንክይዎም፡ ሕደግዎም። እዚ ውጥን እዚ ወይ እዚ ግብሪ እዚ ኻብ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ኪፈርስ እዩ፣ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እንተ ዘይኰነስ፡ ምናልባት ምስ ኣምላኽ እትብኣሱ ዄንኩም ክትርከቡ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 5:38, 39) እቶም ፈራዶ ቓሉ ሰምዑ። እንተዀነ ግና፡ ንሃዋርያት ገረፍዎም፡ “ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ድማ ሓደግዎም።”—ግብ. 5:40

13 ሎሚ እውን የሆዋ፡ ንህዝቡ ንምክልኻል ከም ገማልኤል ዝኣመሰሉ ተፈላጥነት ዘለዎም ሰባት ኬበግስ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 21:1) ዓብዪ ስልጣን ንዘለዎም ገዛእቲ፡ ፈረድቲ፡ ወይ ሓገግቲ ሕጊ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዖም ምእንቲ ኺውስኑ ኺድርኾም ይኽእል እዩ። (ነህ. 2:4-8) ‘ስለ ጽድቂ መከራ ኽንጸግብ’ እንተ ፈቒዱ ግና፡ ብዛዕባ ኽልተ ነገራት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (1 ጴጥ. 3:14) ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንጸንዕ ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 10:13) ካልኣይ፡ ተጻረርቲ ንዕዮ ኣምላኽ ‘ኬፍርሱ ኣይክእሉን’ እዮም።—ኢሳ. 54:17

14, 15. (ሀ) ሃዋርያት ምስ ተገርፉ ኸመይ ተሰምዖም፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ህዝቢ የሆዋ ብሓጐስ ከም ዚጽመሙ ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

14 እቲ መግረፍቲ ንሃዋርያት ድሂልዎም ወይ ኣጃጅይዎዶ፧ ኣይፋልን። “ካብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ።” (ግብ. 5:41) ስለምንታይ ግና እዮም “እናተሓጐሱ” ኸይዶም፧ እቲ መግረፍቲ ዜምጸኦ ቓንዛ ኸም ዘየሐጐሶም እተረጋገጸ እዩ። ንየሆዋ ዘለዎም ንጽህና ብምሕላዎምን ኣስኣሰር እቲ ኣርኣያኦም ዝዀነ የሱስ ብምስዓቦምን ይስጐጉ ኸም ዘለዉ ስለ ዝፈለጡ እዮም ተሓጒሶም።—ማቴ. 5:11, 12

15 ንሕና እውን ምእንቲ እቲ ብስራት መከራ ኽንጸግብ ከለና፡ ብሓጐስ ንጽመም ኢና። (1 ጴጥ. 4:12-14) ኣደዳ ምፍርራህ፡ መስጐጕቲ፡ ወይ ማእሰርቲ ምዃንና ኣየሐጕሰናን እዩ። ንጽህናና ምሕላውና ግና፡ ዓሚቝ ዕግበት የምጽኣልና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓታት ንሓያሎ ዓመታት ግፍዒ ዝወረዶ ሄንሪክ ዶርኒክ እስከ ንውሰድ። ብ1944፡ ሰበ ስልጣን ንዕኡን ንሓዉን ናብ መዳጐኒ ደምበ ኣእተውዎም። እቶም ተጻረርቲ፡ “ዝዀነ ነገር ኪገብሩ ኸተእምኖም ዘይከኣል እዩ። ሰማእት ኴንካ ሙማት ሓጐስ እዩ ዜምጽኣሎም” በሉ። ሓው ዶርኒክ፡ “ሰማእት ክኸውን ድሌት እኳ እንተ ዘይነበረኒ፡ ንመከራ ብትብዓት ምስጋረይ ከምኡ እውን ንየሆዋ እሙን ብምዃን ክብረተይ ምሕላወይ ግና ሓጐስ ኣምጺኡለይ እዩ” በለ።—ያእ. 1:2-4

ከም ሃዋርያት፡ “ኣብ በቤት” ንሰብኽ ኢና

16. ሃዋርያት ኣጸቢቖም ንምምስካር ቈሪጾም ከም እተላዕሉ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ ሃዋርያት ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ሜላ ስብከት ከም እንስዕብከ ብኸመይ ነርኢ፧

16 ሃዋርያት ግዜ ኸየባኸኑ፡ ናብ ዕዮ ምስክርነት ተመልሱ። በቲ ዘጋጠሞም ድምብርጽ ከይበሎም፡ “ኵሉ መዓልቲ . . . ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ከየቋረጹ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ።” (ግብ. 5:42) እዞም ቀናኣት ሰበኽቲ እዚኦም፡ ኣጸቢቖም ንምምስካር ቈሪጾም እዮም ተላዒሎም ነይሮም። ከምቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዞም፡ ናብ ኣባይቲ ሰባት ከይዶም መልእኽቶም የብጽሑ ምንባሮም ኣስተብህል። d (ማቴ. 10:7, 11-14) በዚ ኸምዚ ኸኣ እዮም ንየሩሳሌም ብትምህርቶም መሊኦምዋ ኪዀኑ ዘለዎም። ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ሃዋርያት ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ሜላ ስብከቶም እዮም ዚፍለጡ። ንዅሉ እቲ ኣብ ክልና ዚርከብ ኣባይቲ ብምብጻሕ፡ ኵሉ ሰብ ነቲ ብስራት ኪሰምዕ ኣጋጣሚ ስለ እንኸፍተሉ፡ ኣጸቢቕና ኽንምስክር ከም እንደሊ ነርኢ ኢና። የሆዋ ነቲ ኣብ በቤት እናኸድና እንገብሮ ኣገልግሎት ባሪኽዎዶ፧ እወ፡ ባሪኽዎ እዩ። ኣብዚ ግዜ መወዳእታ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐቢሎምዎ ኣለዉ፡ ብዙሓት ከኣ ኣብ በቤት እናኸድካ ኣብ ዚግበር ምስክርነት እዮም ነቲ ብስራት ንፈለማ ግዜ ሰሚዖም።

ንሓደ “ኣገዳሲ ጕዳይ” እተመዘዙ ብቑዓት ሰብኡት (ግብሪ ሃዋርያት 6:1-6)

17-19. እንታይ ኪኸፋፍል ዚኽእል ጕዳይ እዩ እተላዕለ፧ ሃዋርያት ነቲ ጕዳይ እቲ ንምፍታሕከ እንታይ መምርሒ እዮም ሂቦም፧

17 ድሕርዚ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሓዳስ ጉባኤ ሓደ ኣስጋኢ ነገር ተፈጥረ። እዚኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብዙሓት ካብቶም ሽዑ እተጠምቁ ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሩሳሌም ኪበጽሑ ዝመጹ እዮም ነይሮም፣ ናብ ዓዶም ቅድሚ ምምላሶም ከኣ ዝያዳ ኺምሃሩ ደለዩ። ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ድማ፡ ዜድሊ ምግብን ካልእ ነገራትን ንምምላእ ብፍታዎም ገንዘብ ወፈዩ። (ግብ. 2:44-46፣ 4:34-37) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ተነቃፊ ጕዳይ ተፈጥረ። ኣብቲ “ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ፡” እተን ተዛረብቲ ቛንቋ ግሪኽኛ ዝዀና መበለታት ‘ሸለል ተባህላ።’ (ግብ. 6:1) እተን ተዛረብቲ ቛንቋ እብራይስጢ ዝዀና መበለታት ግና ሸለል ኣይተባህላን። እዚ ኣድልዎ ምንባሩ ርዱእ እዩ። እዚ ጕዳይ እዚ ድማ ኪኸፋፍል ዚኽእል ሓደገኛ ነገር እዩ።

18 እቶም ከም ኣመሓዳሪ ኣካል እታ እናሰፍሐት ትኸይድ ዝነበረት ጉባኤ ዀይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ “ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግና፡ ኣብ መኣዲ ምግቢ ኽንዕድል ግቡእ ኣይኰነን” በሉ። (ግብ. 6:2) ነዚ ንምፍታሕ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም” ሸውዓተ ሰብኡት ኪሓርዩ መምርሒ ሃብዎም፣ ነዚኣቶም ድማ ሃዋርያት ኣብ ልዕሊ እቲ “ኣገዳሲ ጕዳይ” ኪምዝዝዎም እዮም ሓሲቦም። (ግብ. 6:3) እቲ ዕዮ፡ ምምቃል ምግቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገንዘብ ምሓዝ፡ ዜድሊ ነገራት ምሽማት፡ ከምኡ እውን ብጥንቃቐ መዛግብቲ ምሓዝ ዜጠቓልል ነይሩ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ብቑዓት ሰብኡት እዮም ዜድልዩ ነይሮም። ኵሎም እቶም እተሓርዩ ሰብኡት ስማት ግሪኽኛ ነበሮም፣ እዚ ድማ በተን እተበደላ መበለታት ዝያዳ ተቐባልነት ከም ዚህልዎም ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሃዋርያት ብዛዕባ እቶም ዝቐረቡሎም ሸውዓተ ሕጹያት ብጸሎት ድሕሪ ምሕሳቦም፡ ነቲ “ኣገዳሲ ጕዳይ” እቲ መዘዝዎም። e

19 እቶም ኣብቲ ዕለታዊ ምዕዳል ምግቢ እተሸሙ ሸውዓተ ሰብኡት፡ ካብቲ ነቲ ብስራት ናይ ምስባኽ ሓላፍነቶም ናጻ ዀይኖም ድዮም፧ ኣይኰኑን። ሓደ ኻብቶም ሽዑ እተሓርዩ ሰብኡት፡ እስጢፋኖስ እዩ ነይሩ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ ተባዕን ሓያልን ምስክር ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ግብ. 6:8-10) ፊልጶስ እውን ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ እዩ ነይሩ፣ ንሱ ድማ “ወንጌላዊ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ግብ. 21:8) እምበኣር፡ እቶም ሸውዓተ ሰብኡት ድሕሪ ምምዛዞም እውን እንተ ዀነ፡ ቀናኣት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም።

20. ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ሃዋርያት ዝሓደግዎ ኣብነት ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧

20 ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ነቲ ሃዋርያት ዝሓደግዎ ኣብነት እዮም ዚስዕቡ። ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪውሃቦም ዚሕጸዩ ሰብኡት፡ ኣምላኻዊ ጥበብ ከም ዘለዎምን ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዚምርሑን ኬርእዩ ኣለዎም። እቶም ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ዜማልኡ ሰብኡት፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ዀይኖም ይሽየሙ እዮም። f (1 ጢሞ. 3:1-9, 12, 13) ብዛዕባ እቶም ነቲ ብቕዓታት ዜማልኡ ሰብኡት፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተሸይሞም ኪብሃል ይከኣል እዩ። እዞም ጻዕራማት ሰብኡት፡ ንመብዛሕትኡ ኣገዳሲ ጕዳይ ብሓላፍነት ይኣልዩ እዮም። ንኣብነት፡ ሽማግለታት ነቶም ብሓቂ ሓገዝ ዜድልዮም ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ክርስትያናት፡ ግብራዊ ደገፍ ምእንቲ ኺግበረሎም ኬተሓባብሩ ይኽእሉ እዮም። (ያእ. 1:27) ገሊኦም ሽማግለታት፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ምውዳብ፡ ወይ ምስ ሆስፒታል ኣብ ዜረዳድእ ኮሚተ ብዙሕ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። ኣገልገልቲ ጉባኤ ኸኣ ነቲ ብቐጥታ ምስ ምጕሳይ ወይ ምስ ምምሃር ዘይተሓሕዝ ብዙሕ ዕዮታት ይፍጽሙ እዮም። ኵሎም እዞም ብቑዓት ሰብኡት እዚኣቶም፡ ነቲ ጉባኤያውን ውድባውን ሓላፍነታቶም ኣብ ዚፍጽሙሉ እዋን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ግዴታኦም እውን ዕሽሽ ኪብሉ የብሎምን።—1 ቈረ. 9:16

“ቃል ኣምላኽ እናዓበየ . . . ኸደ” (ግብሪ ሃዋርያት 6:7)

21, 22. የሆዋ ነታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ጉባኤ ኸም ዝባረኻ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

21 እታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ጉባኤ ነቲ ኻብ ወጻኢ ዘጋጠማ መስጐጕትን ነቲ ኻብ ውሽጢ ዘጋጠማ ኪኸፋፍል ዚኽእል ጸገማትን ብደገፍ የሆዋ ሰገረቶ። “ቃል ኣምላኽ እናዓበየ፡ ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ፣ ብዙሓት ካብ ካህናት እውን ነታ እምነት ተኣዘዙ” ዚብል ስለ እነንብብ፡ በረኸት የሆዋ ኸም ዝረኸበት ንጹር ኰነ። (ግብ. 6:7) እዚ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ብዛዕባ ዕቤት ዚገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት እዩ። (ግብ. 9:31፣ 12:24፣ 16:5፣ 19:20፣ 28:31) ሎሚ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ካልኦት ክፍልታት ዓለም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ዘሎ ዕቤት ዚገልጽ ጸብጻብ ምስማዕናስ ዜተባብዕዶ ኣይኰነን፧

22 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ እቶም ዝነደሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ምስጓጕ ኣየቋረጹን። ድሕርዚ፡ ገና ብርቱዕ መስጐጕቲ እዩ ወሪድዎም። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ እስጢፋኖስ ኣደዳ ብርቱዕ ምጽራር ኰነ።

a እቲ ዋዕላ—ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ንመላእኽቲ ብቐጥታ ዚጠቅስ 20 እተፈላለየ ቦታታት፡ እቲ ቐዳማይ እዩ። ኣቐዲሙ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 1:10፡ “ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት” ብዚብል ቃላት፡ ብተዘዋዋሪ ተጠቒሶም ኣለዉ።

c ገማልኤል—በቶም ረቢታት ዚኽበር ሰብ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d ‘ኣብ በቤት’ ምስባኽ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

e እቲ “ኣገዳሲ ጕዳይ” ከቢድ ሓላፍነት ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰብኡት ካብ ሽማግለታት ዚሕተት መሰረታዊ ብቕዓታት እዮም ኣማሊኦም። ይኹን እምበር፡ ሰብኡት ከም ሽማግለታት ወይ ሓለውቲ ዀይኖም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺሽየሙ ዝጀመረሉ ግዜ ብልክዕ መዓስ ምዃኑ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይሕብርን እዩ።

f ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት እዮም ሽማግለታት ንምሻም ስልጣን ዚውሃቦም ነይሩ። (ግብ. 14:23፣ 1 ጢሞ. 5:22፣ ቲቶ. 1:5) ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ሓለውቲ ወረዳ ይሸይም፣ እዞም ሓለውቲ እዚኦም ድማ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ናይ ምሻም ሓላፍነት ኣለዎም።