ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

8ይ ክፋል • ግብሪ ሃዋርያት 21:18–28:31

“ከይተኸልከለ . . . መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎም . . . ነበረ”

“ከይተኸልከለ . . . መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎም . . . ነበረ”

ግብሪ ሃዋርያት 28:31

ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ጳውሎስ፡ ቍጡዓት ህዝቢ ኸም ዘጋጠምዎ፡ ከም እተኣስረ፡ ኣብ ቅድሚ እተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሮሜ ኸኣ ከም ዝቐረበ ኽንርኢ ኢና። ኣብዚ ዅሉ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምምስካር ኣየቋረጸን። ነቲ መሳጢ መደምደምታ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ክትምርምር ከለኻ፡ ‘ነዚ ተባዕን ቀናእን ወንጌላዊ ብኸመይ ክመስሎ እኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።