ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 27

“ኣጸቢቑ እናመስከረ”

“ኣጸቢቑ እናመስከረ”

ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣስረ፡ ስብከቱ እውን ቀጸለ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 28:11-31 እተመስረተ

1. ጳውሎስን ብጾቱን እንታይ ምትእምማን እዩ ዝነበሮም፧ ስለምንታይከ፧

 እዋኑ 59 ድ.ክ. ኣቢሉ እዩ ነይሩ። “ደቂ ድያ” ዚብል ኣርማ ዘለዋ እኽሊ ዝጸዓነት ክትከውን እትኽእል መርከብ፡ ካብታ ኣብ መዲተራነያን እትርከብ መሊጠ ናብ ኢጣልያ ነቐለት። ሽዑ እሱር ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስን ሉቃስን ኣርስጣርኮስን ኣብታ መርከብ ነበሩ። (ግብ. 27:2) እዞም ወንጌላውያን እዚኦም፡ ከምቲ እቶም ባሕረኛታት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ካብቶም ካስቶርን ፖሉክስን ዚብሃሉ ማናቱ ደቂ እቲ ድያ ዚብሃል ኣምላኽ ግሪኽ ዕቝባ ኣይደለዩን። (ግብ. 28:11) የግዳስ፡ ነቲ ንጳውሎስ ኣብ ሮሜ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ኢሉ ንሓቂ ኸም ዚምስክር ዝነገሮ የሆዋ እዮም ዜገልግሉ ነይሮም።—ግብ. 23:11፣ 27:24

2, 3. ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ በየን ኣቢላ እያ ተጓዒዛ፧ ጳውሎስ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ እንታይ ደገፍ እዩ ረኺቡ፧

2 ኣብታ ምስ ኣቴናን ሮሜን እትወዳደር ዝነበረት ኣብ ሲሲሊ እትርከብ ውቅብቲ ኸተማ ሲራኩሳ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሖም፡ ናብታ ኣብ ጫፍ ሓውሲ ደሴት ኢጣልያ እትርከብ ረግዩም፡ ብመርከብ ከዱ። ካብኣ፡ እታ መርከብ ብንፋስ ደቡብ እናተሓገዘት፡ ናብታ 320 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ወደብ ጱተዮሉስ (ሕጂ ጥቓ ኔፕልስ) ብኻልአይቲ መዓልቲ ኣተዉ።—ግብ. 28:12, 13

3 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጳውሎስ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ ናብ ሮሜ ዚገብሮ ጕዕዞ እዩ ዚጐዓዝ ነይሩ፣ ኣብ ሮሜ ኣብ ቅድሚ ሃጸይ ኔሮ እዩ ኪቐርብ ነይርዎ። ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ምስኡ ነይሩ እዩ። (2 ቈረ. 1:3) ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ እቲ ኣምላኽ ዚገብረሉ ደገፍ ኰነ፡ እቲ ጳውሎስ ከም ሚስዮናዊ መጠን ንኣገልግሎቱ ዝነበሮ ቕንኣት ኣይነከየን።

“ጳውሎስ . . . ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን” (ግብሪ ሃዋርያት 28:14, 15)

4, 5. (ሀ) ኣብ ጱተዮሉስ ዝነበሩ ኣሕዋት ንጳውሎስን ብጾቱን ከመይ ገይሮም እዮም ዜአንገድዎም፧ ንጳውሎስ ክንድኡ ዚኣክል ናጽነት ኪፍቀደሉ ዝኸኣለኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ክርስትያናት በቲ ጽቡቕ ኣካይዳኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

4 ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ ጱተዮሉስ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ነገር፡ “ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሸውዓተ መዓልቲ ኽንቅኒ እውን ለመኑና” ብዚብል ቃላት ተገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 28:14) እቶም ኣብ ጱተዮሉስ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ንኣጋይሽ ብምእንጋድ ዝመጸ፡ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጎም እዮም። እቶም ተቐበልቲ ጋሻ ዝዀኑ ኣሕዋት፡ በቲ ኻብ ጳውሎስን ብጾቱን ዝረኸብዎ መንፈሳዊ መተባብዒ ብእተዓጻጸፈ መገዲ ኸም እተኻሕሱ ኣየጠራጥርን እዩ። እቲ ዚሕሎ እሱር ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ናጽነት ኪፍቀደሉ ዝኸኣለ ግና ብኸመይ እዩ፧ እቶም ሮማውያን ሓለውቱ ምሉእ ብምሉእ ይኣምንዎ ስለ ዝነበሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

5 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ኣብ መዳጐኒ ደምበታትን ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፡ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ኣካይዳኦም ፍሉይ ናጽነት ተዋሂብዎምን ሓለፋ ተገይሩሎምን እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ሩማንያ፡ ብሰንኪ ዘረፋ ን75 ዓመት እተፈርዶ ሰብኣይ፡ ቃል ኣምላኽ ኬጽንዕ ጀመረ፡ ባህርያቱ እውን ብዜደንቕ መገዲ ቐየረ። ስለዚ ድማ፡ እቶም ሰበ ስልጣን እቲ ቤት ማእሰርቲ በይኑ ናብ ከተማ ኸይዱ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዜድሊ ነገራት ኪዕድግ መደብዎ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣካይዳና ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ።—1 ጴጥ. 2:12

6, 7. ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

6 ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጱተዮሉስ ናብታ 50 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቓ፡ ናብ ሮሜ ኣብ እትመርሕ መገዲ ኣጵያ እትርከብ ካፕዋ፡ ብእግሮም ተጓዒዞም ኪዀኑ ኣለዎም። እዛ ውርይቲ መገዲ እዚኣ ጸፋሕቲ ኣእማን እተነጽፋ ዀይና፡ ብእኡ ኽትጐዓዝ ከለኻ፡ ባህ ዜብል ገጠራት ኢጣልያ ዀነ እተወሰነ ኽፋል ባሕሪ መዲተራነያን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኻብ ሮሜ 60 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ፖንቲን ተባሂሉ ዚፍለጥ ዓዘቕቲ ዀነ ዕዳጋ ኣጵዩስ ኣብዛ መገዲ እዚኣ እዩ ዚርከብ ነይሩ። ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ብዛዕባ ጳውሎስን ብጾቱን ‘ወረ ምስ ሰምዑ፡’ ክሳዕ እቲ ዕዳጋ መጹ፣ ገሊኦም ከኣ ኣብቲ ኻብ ሮሜ 50 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ሰለስተ መሓድር ጸንሕዎም። ከመይ ዝበለት ፍቕሪ ዀን እዮም ኣርእዮም!—ግብ. 28:15

7 ዕዳጋ ኣጵዩስ ነቶም ኣድካሚ ጕዕዞ ዝገበሩ ተጓዓዝቲ ዚኸውን ጽቡቕ መዕረፊ ኣይነበሮን። ሮማዊ ገጣምን ጸሓፍን ዝነበረ ሆረስ፡ ነቲ ዕዳጋ እቲ፡ “ብባሕረኛታትን ብእኩያት ወነንቲ መዕረፍ ኣጋይሽን ዝመልአ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። “ማዩ ኣዝዩ ዜፈንፍን” ወይ ጨናዊ ምዃኑ ጽሒፉ ኣሎ። ኣብኡ ምብላዕ እውን ኣብዩ እዩ። እዚ ዅሉ ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ፡ ካብ ሮሜ ዝመጹ ኣሕዋት ንጳውሎስን ንብጾቱን ናብቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ጕዕዞም ኣሰንዮምዎም ንምኻድ፡ ብታሕጓስ ኣብቲ ቦታ እቲ ተጸብዮምዎም እዮም።

8. ጳውሎስ ነቶም ኣሕዋት “ምስ ረኣዮም፡” ንኣምላኽ ዘመስገነ ስለምንታይ እዩ፧

8 እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ጳውሎስ [ንኣሕዋቱ] ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኣምላኽ ኣመስገነን ተተባብዐን” ይብል። (ግብ. 28:15) እወ፡ ነቶም ፍቑራት ኣሕዋት ምስ ረኣዮም ጥራይ፡ ተበራትዐን ተጸናንዐን፣ ምናልባት እውን ንገሊኦም ብኣካል ይፈልጦም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ንኣምላኽ ዘመስገነ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ንጥቕሚ ኻልኦት እተቐድም ፍቕሪ፡ ሓንቲ ኻብተን መዳያት ፍረ መንፈስ ምዃና ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ገላ. 5:22) ሎሚ እውን ክርስትያናት ብፍቕሪ ተደሪኾም ንሓድሕዶም ይደጋገፉን ንእተሸገሩ የጸናንዑን እዮም።—1 ተሰ. 5:11, 14

9. ነቲ በቶም ንጳውሎስ ኪቕበልዎ ዝመጹ ኣሕዋት እተራእየ መንፈስ ብኸመይ ከነንጸባርቖ ንኽእል፧

9 ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣሕዋት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ነቶም ንየሆዋ ብዝያዳ ንምግልጋል ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ሓለውቲ ወረዳን በጻሕቲ ሚስዮናውያንን ካልኦት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን የአንግድዎም እዮም። ንስኻ እውን፡ ‘ሓላው ወረዳ ኺበጽሓና ኸሎ፡ ንዕኡን—እንተ ተመርዕዩ ኸኣ—ንሰበይቱን ብምእንጋድ፡ ንምድጋፎም ዝያዳ ኽገብር እኽእልዶ፧ ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ንምግልጋል መደብ ክገብር እኽእልዶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብዙሕ በረኸት ክትረክብ ኢኻ። ንኣብነት፡ እቶም ካብ ሮሜ ዝመጹ ኣሕዋት፡ ጳውሎስን ብጾቱን ሃናጺ ተመክሮታት ኪነግርዎም ከለዉ፡ ብዙሕ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም።—ግብ. 15:3, 4

“ኣብ ኵሉ ኸም ዚቃወምዋ” (ግብሪ ሃዋርያት 28:16-22)

10. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ ነይሩ፧ ኣብታ ኸተማ ምስ ኣተወኸ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ እንታይ እዩ ገይሩ፧

10 እቶም ተጓዓዝቲ ኣብ መወዳእታ ናብ ሮሜ ምስ ኣተዉ፡ “ጳውሎስ ምስ ሓደ ዚሕልዎ ወተሃደር ንበይኑ ኪቕመጥ ተፈቕደሉ።” (ግብ. 28:16) እቶም ኣብ ቤት ዚእሰሩ ዝነበሩ እሱራት ምእንቲ ኸየምልጡ፡ ምስቲ ዚሕልዎም ወተሃደር ኣእዳዎም ብሰንሰለት ይእሰሩ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ፡ ሰንሰለት እውን ስቕ ኣየበሎን። ስለዚ፡ እቲ ጕዕዞ ዘስዓበሉ ድኻም ክሳዕ ዚወጸሉ ንሰለስተ መዓልቲ ምስ ኣዕረፈ፡ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ፡ ተላለዮም፡ መስከረሎም ከኣ።

11, 12. ጳውሎስ ንኣይሁድ ኪዛረቦም ከሎ፡ ኣቐዲሞም ምእንቲ ኸይፈርድዎ ኼህድኦም ዝፈተነ ብኸመይ እዩ፧

11 ጳውሎስ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣንጻር ህዝብና ወይ ኣንጻር ልምዲ ኣቦታትና ሓንቲ ዘይገበርኩ ኽነሰይ፡ ካብ የሩሳሌም እሱር ኰይነ ናብ ኢድ ሮማውያን ተዋሂበ። ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዜብጽሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ኪፈትሑኒ ደልዮም ነይሮም። ኣይሁድ ምስ ተቓወሙ ግና፡ ናብ ቄሳር ይግባይ ክብል ተገዲደ፣ ግናኸ፡ ንህዝበይሲ ዚኸስሰሉ ነገር ስለ ዘሎኒ ኣይኰነን።”—ግብ. 28:17-19

12 ጳውሎስ ነቶም ኣይሁድ ሰማዕቱ፡ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ሓባራዊ ባይታ ኼንጽፍን ኣቐዲሞም ምእንቲ ኸይፈርድዎ ኬህድኦምን እዩ ፈቲኑ። (1 ቈረ. 9:20) መምጽኢኡ ድማ ንኣይሁድ ኪኸስስ ኢሉ ዘይኰነስ፡ ንቄሳር ይግባይ ኪብል ኢሉ ምዃኑ ንጹር ገበረሎም። ዘረባኡ ግና ንኣይሁድ በዅሪ እዝኖም እዩ ነይሩ። (ግብ. 28:21) ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣይሁድ መልእኽቲ ዘይለኣኹ ስለምንታይ እዮም፧ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ፡ ሓንቲ ኻብተን ድሕሪ እቲ ሓጋይ ናብ ኢጣልያ ዝበጽሓ ቐዳሞት መራኽብ እያ ነይራ ኽትከውን ዘለዋ፣ ተወከልቲ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ኣይሁድ ኰኑ፡ ደብዳበ ዀነ ኣይበጽሐን ነይሩ” በለ።

13, 14. ጳውሎስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝራብ እንታይ መእተዊ እዩ ተጠቒሙ፧ ንሕናኸ ኣብነቱ ኽንቀድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ጳውሎስ ቀጺሉ ነቶም ኣይሁድ ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝራብ፡ ዜሀንጢ መእተዊ ተጠቕመ። “ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ ሰንሰለት እዚ ተኣሲረ ዘለኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም” በሎም። (ግብ. 28:20) እቲ ተስፋ እቲ፡ ምስቲ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ዚእወጅ መሲሕን መንግስቱን ኣጸቢቑ እተኣሳሰረ እዩ። እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ፡ “ብዛዕባ እዛ ኑፋቐ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ኸም ዚቃወምዋ ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓሳባትካ ኻባኻ ኽንሰምዕ ግቡእ ይመስለና” በልዎ።—ግብ. 28:22

14 ነቲ ብስራት ክንነግር ኣጋጣሚ ኽንረክብ ከለና፡ ከም ዚሓስቡ ብዚገብር ቃላት ወይ ብሕቶታት ጌርና፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ፡ ተገዳስነት ሰማዕትና ኸነለዓዕል ንኽእልዶ፧ ኣብ ከም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምንባብን ኣብ ምምሃርን ትጋህ ዘርእስቱ ጽሑፋት ብሉጽ ሓሳባት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት ጽቡቕ ጌርካ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

“ኣጸቢቑ እናመስከረ” ኣርኣያ ሓደገልና (ግብሪ ሃዋርያት 28:23-29)

15. ኣብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምስክርነት፡ እንታይ ኣርባዕተ ነጥብታት እዩ ጐሊሑ ዚርአ፧

15 ኣብታ እተቛጸሩላ መዓልቲ፡ እቶም ኣብታ ኸተማ ዚነብሩ ኣይሁድ “ብዙሓት ኰይኖም” ናብታ ጳውሎስ ዚቕመጠላ ቤት ከዱ። ጳውሎስ “ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት፡ . . . ካብ ሕጊ ሙሴን ካብ ነብያትን ብዛዕባ የሱስ ምእንቲ ኼእምኖም፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ እናመስከረ ገለጸሎም።” (ግብ. 28:23) ኣብቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣርባዕተ ነጥብታት ጐሊሑ ኺርአ ይከኣል እዩ። ቀዳማይ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኰረ። ካልኣይ፡ ንሰማዕቱ ኼእምኖም ይጽዕር ነበረ። ሳልሳይ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ኣዘራረቦም። ራብዓይ፡ “ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት” ብምምስካር፡ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእ ምዃኑ ኣርኣየ። ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ዚዀነና! እሞኸ እዚ እንታይ ኣፍረየ፧ “ገሊኣቶም ነቲ ዝበሎ ኣመንዎ፣” ገሊኣቶም ግና ኣይኣመንዎን። ኣብ መንጎኦም ምክፍፋል ተፈጥረ፣ ሉቃስ ከም ዝጸሓፎ ድማ፡ “ኪኸዱ . . . ተበገሱ።”—ግብ. 28:24, 25ሀ

16-18. እቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ዝሃብዎ ኣሉታዊ ምላሽ ንጳውሎስ ዘይተጸበዮ ዘይኰኖ ስለምንታይ እዩ፧ ንሕናኸ መልእኽትና ኺንጸግ ከሎ ኸመይ ኪስምዓና ይግባእ፧

16 እቲ ንጳውሎስ ዝሃብዎ ምላሽ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ስለ እተጠቕሰን ንዕኡ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ስለ ዘጋጠሞን፡ ዘይተጸበዮ ኣይኰኖን። (ግብ. 13:42-47፣ 18:5, 6፣ 19:8, 9) ስለዚ፡ ጳውሎስ ነቶም ምቕባል ኣብዮም ዚኸዱ ዝነበሩ ኣጋይሹ፡ “መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ንኣቦታትኩም ጽቡቕ እዩ ተዛሪብዎም፣ ከምዚ ኢሉ፦ ‘ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ፡ ከምዚ በሎም፦ “ብርግጽ ክትሰምዑ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይክትርድኡን ኢኹም፣ ብርግጽ እውን ክትርእዩ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተብህሉን ኢኹም። ከመይሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ደንዚዙ ኣሎ”’” በሎም። (ግብ. 28:25ለ-27) እታ ንልቦም ብዚምልከት “ደንዚዙ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ “ረጒዱ” ኽትብሃል ትኽእል እያ፣ እዚ ድማ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ውሽጡ ኸይኣቱ ዚኽልክል ማለት እዩ። (ግብ. 28:27ትርጉም 1956) እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን እዩ!

17 ጳውሎስ ኣብ መዕጸዊኡ፡ ኣህዛብ ዘይከምቶም ኣይሁድ ሰማዕቱ፡ “ኪሰምዕዎ” ምዃኖም ገለጸ። (ግብ. 28:28፣ መዝ. 67:2፣ ኢሳ. 11:10) ብዙሓት ኣህዛብ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉ ብዓይኑ ስለ ዝረኣየ፡ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ኣፍ ልቡ ነፊሑ ኺዛረብ ይኽእል ነይሩ እዩ።—ግብ. 13:48፣ 14:27

18 ሰባት ነቲ ብስራት ኪነጽግዎ ኸለዉ፡ ንሕና እውን ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ፡ ንዓና ብውልቂ ኸም ዘይተቐበሉና ጌርና ኽንጕሂ የብልናን። ከመይሲ፡ ነታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ዚረኽብዋ፡ ብተዛማዲ ሒደት ሰባት ጥራይ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 7:13, 14) ብዘይካዚ፡ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ተሓጒስና መርሓባ ኢልና ንቀበሎም።—ሉቃ. 15:7

“መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎም” (ግብሪ ሃዋርያት 28:30, 31)

19. ጳውሎስ ንዅነታቱ ኸመይ ገይሩ እዩ ጽቡቕ ገይሩ ዚጥቀመሉ ዝነበረ፧

19 ሉቃስ ንጸብጻቡ ብኣወንታውን ፍቕራውን መገዲ ኺዛዝም ከሎ ኸምዚ በለ፦ “[ጳውሎስ] ኣብታ እተኻረያ ቤት ከኣ ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፣ ንዅሎም እቶም ናብኡ ዝመጹ እውን ብጽቡቕ ይቕበሎም ነበረ፣ ከይተኸልከለ ድማ ብብዙሕ ትብዓት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎምን ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህሮምን ነበረ።” (ግብ. 28:30, 31) ጳውሎስ ጋሻ ብምቕባልን ብእምነትን ብቕንኣትን ዝመጸ ዜደንቕ ኣብነት እዩ ሓዲጉ።

20, 21. ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት እተጠቕሙ ገለ ኣብነታት ጥቐስ።

20 ሓደ ኻብቶም ጳውሎስ እተቐበሎም ሰባት፡ ኦኔሲሞስ ዚብሃል ካብ ቈሎሴ ዝሃደመ ባርያ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ንኦኔሲሞስ፡ ክርስትያን ኪኸውን ሓገዞ፣ ኦኔሲሞስ ከኣ ብግዲኡ፡ ንጳውሎስ ‘እሙንን ፍቑርን ሓው’ ኰኖ። ወረግ ጳውሎስሲ፡ “ዝወለድክዎ ወደይ” ኢሉ እውን ገሊጽዎ ኣሎ። (ቈሎ. 4:9፣ ፊሞ. 10-12) ኦኔሲሞስ ንጳውሎስ ብዙሕ ኣተባቢዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። a

21 ካልኦት እውን ካብ ሰናይ ኣብነት ጳውሎስ ተጠቒሞም እዮም። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ ጳውሎስ ንሰብ ፊልጲ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም፦ “ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ ነገር ንምስፋሕ እቲ ብስራት ኰይኑ ኸም ዘሎ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ፣ ስለዚ፡ እቲ ምእንቲ ክርስቶስ እተኣሰርኩሉ ማእሰርተይ፡ ኣብ ኵሎም እቶም ዘብዐኛታት ሃጸይን ኣብ ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ። መብዛሕትኦም ብጐይታ ኣሕዋት፡ ብምኽንያት ማእሰርተይ እምንቶ ኣሕዲሮም፡ ከይፈርሁ ቓል ኣምላኽ ንምዝራብ ብዝያዳ ተቢዖም ኣለዉ።”—ፊል. 1:12-14

22. ጳውሎስ ነቲ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩሉ ዝነበረ እዋን ብጽቡቕ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧

22 ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ሕጂ ኽፍሊ እቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዝዀና ኣገድስቲ መልእኽትታት ጸሓፈ። b እዘን መልእኽትታት እዚአን ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተጻሕፈሎም ክርስትያናት ጠቒመናኦም እየን። እቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ምኽሪ ኸምቲ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ጠቓሚ ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ግብራዊ ብምዃኑ፡ ንሕና እውን ንጥቀም ኢና።—2 ጢሞ. 3:16, 17

23, 24. ብዙሓት ዘመናውያን ክርስትያናት ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተኣሲሮም ክነሶም፡ ከም ጳውሎስ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

23 ጳውሎስ ኣብ እተፈትሓሉ እዋን—እዚ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ኣይተጠቕሰን—ንኣርባዕተ ዓመት ዚኣክል ተኣሲሩ ጸኒሑ እዩ፣ ክልተ ኻብዚ ኣብ ቂሳርያ፡ ክልተ ድማ ኣብ ሮሜ እዩ ኣሕሊፍዎ። c (ግብ. 23:35፣ 24:27) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዚከኣሎ ዘበለ እናገበረ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያኡ ሒዙ ቐጸለ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ብዘይፍትሓዊ መገዲ እኳ እንተ ተኣስሩ፡ ሓጐሶም ዓቂቦምን ስብከቶም ቀጺሎምን እዮም። ንኣብነት፡ ንኣዶልፎ እስከ ንውሰድ። ንሱ ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ኣብ ስጳኛ ተኣስረ። ሓደ ብዓል ስልጣን፡ “እተገርም ኢኻ። መከራ ኢና ኣጽጊብናካ፣ እናሓሰምና ብዝኸድና መጠን ከኣ፡ ዝያዳ ፍሽኽታ ይህልወካ፡ ብዝያዳ እውን ጥዑም ቃላት ትዛረብ” በሎ።

24 ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ሓለውቲ ንኣዶልፎ ስለ ዝኣመንዎ፡ እታ እተኣስረላ ኽፍሊ ማዕጾኣ ኸይዓጸዉ ይገድፍዋ ነበሩ። ወተሃደራት ናብኡ መጺኦም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ይሓትትዎ ነበሩ። ሓደ ኻብቶም ሓለውቲ እሞ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብብ ኢሉ ናብታ ኣዶልፎ እተኣስረላ ኽፍሊ ኪኸይድ ከሎ፡ ኣዶልፎ ይሕልወሉ ነበረ። ስለዚ፡ እቲ እሱር ንሓላው እሱራት “ሓለዎ!” ንሕና እውን ካብቲ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓደግዎ ኣብነት ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ኣብ ጽንኩር ኵነታት እውን እንተ ዀነ፡ ‘ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ኣዚና ንድፈር።’

25, 26. ጳውሎስ 30 ኣብ ዘይመልእ ዓመታት፡ እንታይ ዜደንቕ ትንቢት ኪፍጸም እዩ ዝረኣየ፧ ነዚኸ ምስዚ ግዜና ብኸመይ ነነጻጽሮ፧

25 ናይ ክርስቶስ ሃዋርያ ኣብ እተኣስረላ ቤት ኰይኑ፡ ንዅሎም ኪበጽሕዎ ዝመጹ ብዛዕባ “መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎም” ምንባሩ ዚሕብር መግለጺ፡ ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዚኸውን ባህ ዜብል መደምደምታ እዩ። ኣብ ምዕራፍ ሓደ፡ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ ዝሃቦም መዝነት ኣንቢብና ኔርና። (ግብ. 1:8) ካብቲ ግዜ እቲ፡ 30 ኣብ ዘይመልእ ዓመታት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት [ከም] እተሰብከ” ተገሊጹ እዩ። d (ቈሎ. 1:23) እዚ ንሓይሊ መንፈስ ኣምላኽ ዜርኢ ሓያል ምስክርነት እዩ።—ዘካ. 4:6

26 ሎሚ እውን እቲ መንፈስ እቲ ነቶም ዝተረፉ ኣሕዋት ክርስቶስ ኰነ ነቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ሓይሊ ስለ ዚህቦም፡ ኣብ ልዕሊ 240 ሃገራት ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ይምስክሩ’ ኣለዉ። (ዮሃ. 10:16፣ ግብ. 28:23) ንስኻኸ ኣብቲ ዕዮ እቲ እጃምካ ተበርክትዶ ኣለኻ፧

a ጳውሎስ ንኦኔሲሞስ ምስኡ ኼጽንሖ እኳ እንተ ደለየ፡ ከምኡ ምግባር ግና ንሕጊ ሮሜ ዚጥሕስን ንመሰላት እቲ ጐይታ ኦኔሲሞስ ዝዀነ ፊልሞን ዚግህስን እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ ኦኔሲሞስ ካብ ጳውሎስ እተላእከት፡ ፊልሞን ንባርያኡ ኸም መንፈሳዊ ሓዉ ኪቕበሎ እተተባብዕ መልእኽቲ ሒዙ፡ ናብ ጐይታኡ ተመልሰ።—ፊሞ. 13-19

c ጳውሎስ ድሕሪ 61 ድ.ክ. ዝነበሮ ህይወት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d ን‘ዅሉ ፍጥረት እተሰብከ’ ብስራት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።