ምዕራፍ 28
“ክሳብ ወሰናት ምድሪ”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድሕሪ ክርስቶስ ዝጀመርዎ ዕዮ ይቕጽልዎ ኣለዉ
1. ኣብ መንጎ ቐዳሞት ክርስትያናትን ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እንታይ ምምስሳል ኣሎ፧
ብቕንኣት መስኪሮም እዮም። መንፈስ ቅዱስ ዚህቦ ሓገዝን መምርሕን ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ልቦም ደሪኽዎም እዩ። መስጐጕቲ ንኸናፍሮም ኣይለጐሞን። ኣምላኽ ከኣ ኣብዚሑ ባረኾም። እዚ ዅሉ፡ ኣብ ቀዳሞት ክርስትያናት ተፈጺሙ እዩ፣ ሎሚ እውን ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይፍጸም ኣሎ።
2, 3. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት እንታይ ፍሉይ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዘሎና ዛንታ እዩ ዘሎ፧
2 በቲ ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ዜደንቕ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ እምነት ዜደልድል ጸብጻብ ከም እተተባባዕካ ኣየጠራጥርን እዩ። ብዛዕባ ቀዳማይ ክርስትና ዚገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ እዚ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ብርቂ ኺብሃል ይከኣል እዩ።
3 ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ 32 ሃገራትን ዞባታትን፡ ኣብ 54 ከተማታት፡ ከምኡ እውን ኣብ 9 ደሴታት ዝነበሩ 95 ውልቀ ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ብዛዕባ ተራ ሓፋሽን ዕቡያት ሃይማኖተኛታትን ምኩሓት ፖለቲካውያንን ዕቡዳት መሳጐጕትን ዚገልጽ ዛንታ ዝሓዘት እያ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብዛዕባ ዝነበሩ እሞ፡ ንቡር ጸገማት ህይወት ሰጊሮም ነቲ ብስራት ብቕንኣት ብዛዕባ ዝሰበኹ ኣሕዋትን ኣሓትን እያ እትገልጽ።
4. ምስ እኒ ሃዋርያ ጳውሎስን ጣቢታን ካልኦት ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽርን ብፍሉይ ዜተኣሳስረና ነገር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪም፡ እቲ ለጋስ በርናባስ፡ እቲ ተባዕ እስጢፋኖስ፡ እታ ለዋህ ጣቢታ፡ እታ ተቐባሊት ጋሻ ልድያ፡ ከምኡ እውን ካልኦት ብዙሓት እሙናት መሰኻኽር ብቕንኣት ንጥፈታቶም ይፍጽሙሉ ኻብ ዝነበረ እዋን፡ ዳርጋ 2,000 ዓመት ርሒቕና ኢና ዘሎና። ኰይኑ ግና፡ ምሳታቶም ብፍሉይ ዜተኣሳስረና ነገር ኣሎና፧ ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኺህልወና ኽኢሉ፧ ምኽንያቱ፡ ንሕና እውን ከማታቶም ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር መዝነት ተዋሂቡና እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽንሳተፍ ምኽኣልናስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተባሪኽና!
5. ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ንመዝነቶም ኣበይ እዮም ኪፍጽሙ ጀሚሮም፧
5 ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ ዝሃቦም መዝነት እሞ ንሕሰበሉ። (ግብ. 1:8) ፈለማ፡ መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣብ የሩሳሌም” መሰኻኽር ኪዀኑ ሓይሊ ሃቦም። (ግብ. 1:1–8:3) ቀጺሎም፡ ብመሪሕነት እቲ መንፈስ፡ “ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን” መስከሩ። (ግብ. ) ድሕሪኡ፡ ነቲ ብስራት “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ኼብጽሕዎ ጀመሩ።— 8:4–13:3ግብ. 13:4–28:31።
6, 7. ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና፡ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ዝሓሸ እንታይ ሓለፋ ኣሎና፧
6 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ፡ ንምምስካር ዚጥቀሙሉ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበሮምን። ወንጌል ማቴዎስ እንተ ወሓደ ኽሳዕ 41 ድ.ክ. ኣይተዳለወትን ነይራ። ገሊአን መልእኽትታት ጳውሎስ፡ ቅድሚ እቲ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ ከባቢ 61 ድ.ክ. እተዛዘመትሉ እዋን እየን ተጻሒፈን። ኰይኑ ግና፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ብሕታዊ ቕዳሕ እቲ እተማልአ ቕዱሳት ጽሑፋት ኰነ፡ ንተገደስቲ ኺሓድጉሎም ዚኽእሉ እተፈላለየ ጽሑፋት ኣይነበሮምን። ኣይሁድ ክርስትያናት፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ቅድሚ ምዃኖም፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣብ ምኵራብ ኪንበብ ይሰምዑ ነይሮም እዮም። (2 ቈረ. 3:14-16) ንሳቶም እውን እንተ ዀኑ፡ ምናልባት ጥቕስታት ሸሚዲዶም ኪጠቕሱ ስለ ዝነበሮም፡ ትጉሃት ተምሃሮ ኪዀኑ ነበሮም።
7 ሎሚ መብዛሕትና ብሕታዊ ቕዳሕ መጽሓፍ ቅዱስን ኣኺሉ ዚተርፍ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ኣሎና። ነቲ ብስራት ኣብ 240 ሃገራት ብሓያሎ ቛንቋታት እናሰበኽና፡ ደቀ መዛሙርቲ ንገብር ኣሎና።
ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ምቕባል
8, 9. (ሀ) መንፈስ ቅዱስ ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንታይ ኪገብሩ እዩ ኣኽኢልዎም፧ (ለ) እቲ እሙን ባርያ ብመንፈስ ኣምላኽ እናተሓገዘ እንታይ እዩ ዜዳሉ ዘሎ፧
8 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺምስክሩ መዝነት ኪህቦም ከሎ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ . . . ኢኹም” ኢልዎም ነይሩ እዩ። ሰዓብቲ የሱስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ ንጡፍ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ኣምላኽ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ መሰኻኽር ኰይኖም ኬገልግሉ ነበሮም። ጴጥሮስን ጳውሎስን ብመንፈስ ቅዱስ ገይሮም ሕሙማት ኣሕውዮም፡ ኣጋንንቲ ኣውጺኦም፡ ምዉታት ከኣ ኣተንሲኦም እዮም። ይኹን እምበር፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦ ሓይሊ፡ ዝያዳ ኣገዳሲ ዕላማ እውን ነይርዎ እዩ። ነቶም ሃዋርያትን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜምጽእ ልክዕ ፍልጠት ንምክፋል ኣኽኢልዎም እዩ።—ዮሃ. 17:3።
9 ብመዓልቲ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ “ከምቲ እቲ መንፈስ ኪዛረቡ ዘኽኣሎም እውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።” በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባ እቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” መስከሩ። (ግብ. 2:1-4, 11) ሎሚ ብተኣምራዊ መገዲ ብቛንቋታት ኣይንዛረብን ኢና። ኰይኑ ግና፡ እቲ እሙን ባርያ ብመንፈስ ቅዱስ እናተሓገዘ፡ ብሓያሎ ቛንቋታት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት የዳሉ ኣሎ። ንኣብነት፡ ብሚልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ኣብ ወወርሒ ይሕተም ኣሎ፣ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና ድማ ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ሒዙ ኣሎ። እዚ ዅሉ ኸኣ፡ ብዛዕባ እቲ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ክንሰብኽ የኽእለና።—ራእ. 7:9።
10. ካብ 1989 ኣትሒዙ፡ ንትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት እንታይ እዩ ተገይሩ፧
10 እቲ ባርያ፡ ካብ 1989 ኣትሒዙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብሓያሎ ቛንቋታት ንምድላው ጻዕሪ ይገብር ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ እዚ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ናብ ልዕሊ 200 ቛንቋ ተተርጒሙን ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት ተሓቲሙን ኣሎ፣ ገና እውን ብዙሕ ይመጽእ ኣሎ። ኣምላኽን መንፈሱን ጥራይ እዩ ነዚ ጻዕርታት እዚ ዕዉት ኪገብሮ ዚኽእል።
11. ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምትርጓም፡ ክሳዕ ሕጂ እንታይ ተዓይዩ ኣሎ፧
11 ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት ዚርከቡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወለንተኛታት ክርስትያናት፡ ዕዮ ትርጉም ይዓይዩ ኣለዉ። ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን መሲሓዊ ንጉሱን እታ ቘይማ ዘላ ሰማያዊት መንግስቱን፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ‘ኣጸቢቑ ዚምስክር’ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ካልእ ውድብ ስለ ዘየሎ፡ እዚ ኼገርመና የብሉን።—ግብ. 28:23።
12. ጳውሎስን ካልኦት ክርስትያናትን ንዕዮ ምስክርነት ኪፍጽምዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧
12 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ዝነበሩ ኣይሁድን ንኣህዛብን ምስ መስከረሎም፡ “እቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘንቀዱ . . . ኣመኑ።” (ግብ. 13:48) ሉቃስ ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ ጳውሎስ “ከይተኸልከለ . . . ብብዙሕ ትብዓት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎም” ነበረ። (ግብ. 28:31) ኣበይ እዩ ዚሰብኽ ነይሩ፧ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ሮሜ እዩ ነይሩ። ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ፡ እንተ ብመደረ ወይ ብኻልእ መገዲ ገይሮም፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናተሓገዙ ንዅሉ ዕዮ ምስክርነት ፈጺሞም እዮም።
መስጐጕቲ እናኣጋጠመ ኽነሱ ምጽናዕ
13. መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
13 ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠሞም፡ ትብዓት ኪውሃቦም ናብ የሆዋ ተማህሊሎም እዮም። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሎም፧ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ ቃል ኣምላኽ እውን ብትብዓት ተዛረቡ። (ግብ. 4:18-31) ንሕና እውን መስጐጕቲ እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ኣብ ዕዮ ምስክርነት ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ጥበብን ብርታዐን ኪውሃበና ንጽሊ ኢና። (ያእ. 1:2-8) በረኸት ኣምላኽን ሓገዝ መንፈስ ቅዱስን ስለ ዘሎና፡ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዕና ንቕጽል ኢና። ብርቱዕ ምጽራር ኰነ፡ ሕሱም መስጐጕቲ ዀነ፡ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዕንቅፋት ንዕዮ ምስክርነት ኣይዓግቶን እዩ። መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ፡ ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ዜኽእለና መንፈስ ቅዱስን ጥበብን ትብዓትን ኪውሃበና ኽንጽሊ ኣሎና።—ሉቃ. 11:13።
14, 15. (ሀ) “እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ ጸበባ” እንታይ ኣፍረየ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና፡ ብዙሓት ኣብ ሳይበርያ ዚነብሩ ሰባት ሓቂ ዝፈለጡ ብኸመይ እዮም፧
14 እስጢፋኖስ ብኢድ ጸላእቱ ቕድሚ ሙማቱ፡ ብትብዓት መስኪሩ እዩ። (ግብ. 6:5፣ 7:54-60) በቲ ኣብቲ ግዜ እቲ እተላዕለ “ብርቱዕ መስጐጕቲ፡” ብዘይካ ሃዋርያት፡ ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ይሁዳን ሰማርያን ፋሕ ኢሎም እዮም። እዚ ግና ንዕዮ ምስክርነት ደው ኣየበሎን። ፊልጶስ ናብ ሰማርያ ኸይዱ፡ “ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም፡” ጽቡቕ ፍረ ድማ ረኸበ። (ግብ. 8:1-8, 14, 15, 25) ብዘይካዚ፡ ከምዚ ዚብል እውን ነንብብ ኢና፦ “እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ ጸበባ ፋሕ ዝበሉ ኸኣ፡ ክሳብ ፊንቄን ቆጵሮስን ኣንጾክያን ከዱ፣ እቲ ቓል ግና ንኣይሁድ ጥራይ ነገሩ። ገለ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀሬኔን ነበሩ፣ ንሳቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ ብስራት ጐይታና የሱስ እናኣበሰሩ፡ ነቶም ግሪኽኛ ዝቛንቋኦም ነገርዎም።” (ግብ. 11:19, 20) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መስጐጕቲ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርጊሕዎ እዩ።
15 ኣብዚ ግዜና እውን፡ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢሙ እዩ። ብፍላይ ኣብ 1950ታት፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሳይበርያ ተሓይሮም እዮም። ኣብ እተፈላለየ ሰፈራታት ስለ እተበተኑ፡ እቲ ብስራት ኣብታ ሰፋሕ ሃገር ብቐጻሊ ተዘርጊሑ እዩ። ክንድኡ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ብስራት ንምስባኽ፡ ክሳዕ 10,000 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሕቀት ኪጐዓዙ ዜኽእሎም ገንዘብ ኣይምረኸቡን ነይሮም! ይኹን እምበር፡ እቲ መንግስቲ ባዕሉ ናብቲ ኻልእ ጫፍ ክፋል እታ ሃገር ኣግዓዞም። ሓደ ሓው ከም ዝበሎ፡ “እቶም ሰበ ስልጣን ባዕሎም፡ ኣብ ሳይበርያ ንዚነብሩ ኣሽሓት ቅኑዓት ሰባት፡ ሓቂ ኺፈልጡ መገዲ ኸፊቶምሎም እዮም።”
የሆዋ ኣብዚሑ ባረኾም
16, 17. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ጸብጻብ፡ የሆዋ ንዕዮ ምስክርነት ከም ዝባረኾ መርትዖ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧
16 የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ይባርኾም ምንባሩ ኣየተሓታትትን እዩ። ጳውሎስን ካልኦት ክርስትያናትን ተኸሉን ማይ ኣስተዩን፡ ‘ኣምላኽ ግና ኣብቈለ።’ (1 ቈረ. 3:5, 6) ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ፡ የሆዋ ነቲ ዕዮ ምስክርነት ከም ዝባረኾ ዜርኢ መርትዖ ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት፡ “ቃል ኣምላኽ እናዓበየ፡ ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ” ዚብል ንረክብ ኢና። (ግብ. 6:7) እቲ ዕዮ ምስክርነት እናሰፍሐ ምስ ከደ ኸኣ፡ “እታ ኣብ ብዘላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ጉባኤ ሰላም ረኺባ ተሃንጸት፣ ብ[ኣኽብሮታዊ] ፍርሃት የሆዋን ብምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስን ክትመላለስ ከላ ኸኣ፡ እናበዝሐት ከደት።”—ግብ. 9:31።
17 ተባዓት መሰኻኽር፡ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ንዝነበሩ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ሓቂ ኣፍለጥዎም። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ኢድ የሆዋ ኸኣ ምሳታቶም ነበረት፣ ብዙሕ ዝቝጽሮም ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ” ይብል። (ግብ. 11:21) ብዛዕባ ኣብታ ኸተማ እተገብረ ተወሳኺ ዕቤት እውን፡ “ቃል የሆዋ ድማ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ” ዚብል ነንብብ። (ግብ. 12:24) ጳውሎስን ካልኦት ክርስትያናትን ንኣህዛብ ኣጸቢቖም ኪምስክሩሎም ምስ ጀመሩ ድማ፡ “ቃል የሆዋ እናዓበየን እናሰዓረን ከደ” ተባሂሉ ኣሎ።—ግብ. 19:20።
18, 19. (ሀ) “ኢድ የሆዋ” ምሳና ኸም ዘላ እንተኣማመን ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዚድግፍ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።
18 ሎሚ እውን “ኢድ የሆዋ” ምሳና ኸም ዘላ ኣየተሓታትትን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዮም ብዙሓት ሰባት ኣሚኖም፡ ርእሶም ንኣምላኽ ወፍዮም፡ ዚጥመቑ ዘለዉ። ብዘይካዚ፡ ከምቲ ጳውሎስን ካልኦት ቀዳሞት ክርስትያናትን ዝገበርዎ፡ ብርቱዕ ምጽራር፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ከቢድ መስጐጕቲ ተጻዊርና፡ ኣገልግሎትና ኽንቅጽል ዝኸኣልና፡ ሓገዝን በረኸትን ኣምላኽ ስለ ዝረኸብና ጥራይ ኢና። (ግብ. 14:19-21) የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ኣብ ጐድንና እዩ። እተን “ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ” ድማ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ወትሩ ይድግፋና እየን። (ዘዳ. 33:27) የሆዋ ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ፡ ንህዝቡ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎ እውን ክንርስዕ የብልናን።—1 ሳሙ. 12:22፣ መዝ. 94:14።
19 ንኣብነት፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ሓው ሃራልት ኣፕት ይምስክር ስለ ዝነበረ፡ ኣባላት ናዚ ናብ መዳጐኒ ደምበ ዛክሰንሃውዘን ኣእተውዎ። ኣብ ግንቦት 1942፡ እቶም ጌስታፖ ናብ ብዓልቲ ቤቱ ኤልሳ ኸይዶም፡ ነታ ሕጻን ጓሎም ኣሕዲጎም፡ ንዓኣ ኣሰርዋ። ኣብ እተፈላለየ መዳጐኒ ደምበታት ከኣ ዳጐንዋ። ሓብትና ኣፕት ከምዚ በለት፦ “ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ጀርመን ዘሕለፍክዎ ግዜ ፍሉይ ትምህርቲ ምሂሩኒ እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና፡ መንፈስ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜበራትዕ ተማሂረ እየ። ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ቕድሚ ምእታወይ፡ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና መንፈስ የሆዋ ህድኣት ከም ዚህብ ዚገልጽ ሓንቲ ሓብቲ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ኣንቢበ ነይረ። ቍሩብ ኣጋኒና ኽትከውን ኣለዋ ዚብል ሓሳብ ነበረኒ። ባዕለይ በቲ ፈተናታት ምስ ሓለፍኩ ግና፡ እቲ ዝበለቶ ሓቂ ምዃኑ ፈለጥኩ። ብሓቂ ኸምኡ እዩ ዚኸውን። እንተ ዘይተመኪርካዮ፡ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ ኸቢድ እዩ። ንዓይ ግና ብሓቂ ኣጋጢሙኒ እዩ።”
ብቐጻሊ ኣጸቢቕካ መስክር!
20. ጳውሎስ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧ እዚኸ ንገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኸመይ እዩ ኼተባብዖም ዚኽእል፧
20 መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣብ መደምደምታኣ፡ ጳውሎስ ብቕንኣት “መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብከሎም” ከም ዝነበረ ትገልጽ። (ግብ. 28:31) ኣብ ሮሜ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ስለ ዝነበረ፡ ናብ በቤት እናኸደ ኺሰብኽ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንዅሎም እቶም ናብ ቤቱ ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት ይምስክረሎም ነይሩ እዩ። ሎሚ፡ ገሊኦም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሰንኪ እርጋን፡ ሕማም፡ ወይ ስንክልና፡ ካብ ቤት ኣይወጽኡን እዮም፣ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከኣ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን እዮም ዚነብሩ። ኰይኑ ግና፡ ከም ቀደሞም ንኣምላኽ የፍቅርዎ እዮም፡ ኪምስክሩ ኸኣ ባህጊ ኣለዎም። ሰማያዊ ኣቦና ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ምስቶም ብዛዕባኡን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ዕላማታቱን ኪፈልጡ ሃረር ዚብሉ ሰባት ኪራኸቡሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺፈጥረሎም፡ ክንልምኖ ንኽእል ኢና።
21. ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ክንምስክር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
21 መብዛሕትና ኻብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ ኰነ፡ ብኻልእ መዳያት ብምምስካር፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ንካፈል ኢና። ሃየ እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ “ኽሳብ ወሰናት ምድሪ” ንምምስካር ዚግበር ዕዮ እናተኻፈልና፡ ነቲ ኸም ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዘሎና ግደ ንምፍጻም ዚከኣለና ዘበለ ንግበር። ክርስቶስ ኣብዚ ኸም ዘሎ ዚሕብር “ምልክት” ብንጹር ይርአ ስለ ዘሎ፡ እዚ ዕዮ እዚ ብህጹጽ ኪግበር ኣለዎ። (ማቴ. 24:3-14) ግዜ ኸነባኽን የብልናን። ሕጂ፡ “ብዙሕ ዕዮ ጐይታ” ኣሎና።—1 ቈረ. 15:58።
22. ንመዓልቲ የሆዋ እናተጸበና እንታይ ንምግባር ኢና ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧
22 ነታ ‘ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ’ እናተጸበና፡ ብትብዓትን ብተኣማንነትን ንመስክር። (ዮኤ. 2:31) ከም ሰብ ቤርያ ዝኣመሰሉ ‘ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ዚቕበልዎ’ ብዙሓት ሰባት፡ ገና ኽንረክብ ኢና። (ግብ. 17:10, 11) “ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ባርያ!” ክሳዕ እንብሃል፡ ካብ ምምስካር ድሕር ኣይንበል። (ማቴ. 25:23) ሕጂ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ብቕንኣት እጃምና እንተ ኣበርኪትናን ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንናን፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ‘ኣጸቢቕና ኣብ ምምስካር’ ተሳትፎ ምግባርና፡ ንዘለኣለም ኣለም ኬሐጕሰና እዩ!