ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 26

“ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ”

“ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ”

ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ ተሰብረት፡ ዓባይ እምነትን ንሰባት ዘላቶ ፍቕርን ድማ ኣርኣየ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 27:1–28:10 እተመስረተ

1, 2. ጳውሎስ እንታይ ዓይነት ጕዕዞ እዩ ኺገብር ነይርዎ፧ ገለ ኻብቲ ሽዑ ዘተሓሳሰቦ ነገራትከ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

 ጳውሎስ ብዛዕባ እተን ኣብ መጻኢኡ ብዙሕ ጽልዋ ዜሕድራ ቓላት ደጋጊሙ ሓሰበ። ፌስጦስ እቲ ሹም፡ “ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” ኢልዎ ነይሩ እዩ። ንኽልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ናብ ሮሜ ዝገበሮ ጕዕዞ እንተ ወሓደ ለውጢ ዀይንዎ እዩ። (ግብ. 25:12) ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ጕዕዞ ባሕሪ፡ ጽሩይ ኣየር ዘስተንፈሰሉን ባህ ዜብል ትርኢት ዝረኣየሉን ጥራይ ዘይምንባሩ ኣጸቢቑ ይዝክር እዩ። እቲ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ንምቕራብ ዝገበሮ መገሻ ኸኣ፡ ብዙሕ ሕቶታት ኣበጊሱሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

2 ጳውሎስ፡ ሰለስተ ሳዕ ዝነበራ መርከብ ስለ እተሰብረቶ፡ ለይትን መዓልትን ድማ ኣብ ባሕሪ ሓዲሩ ስለ ዝወዓለ፡ ብዙሕ ግዜ “ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ” እዩ ነይሩ። (2 ቈረ. 11:25, 26) ብዘይካዚ፡ እቲ ናብ ሮሜ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ካብቲ ናጻ ሰብ ኰይኑ ዚገብሮ ዝነበረ ሚስዮናዊ ጕዕዞታት እተፈልየ እዩ ነይሩ። ከም እሱር ኰይኑ ነዊሕ ጕዕዞ ኺገብር፡ ማለት ካብ ቂሳርያ ናብ ሮሜ ንልዕሊ 3,000 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ኪጐዓዝ ነበሮ። ነቲ ጕዕዞ እቲ ብዘይ ገለ ጕድኣት ኪውድኦዶ ኽኢሉ፧ ዋላ እውን እንተ ኽኢሉ፡ ናብ ሞቱ ገጹ ድዩ ዚጐዓዝ ነይሩ፧ በታ ሽዑ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ካብ ኵሉ ዝሓየለት መንግስቲ እዩ ኺፍረድ ነይርዎ።

3. ጳውሎስ እንታይ ቈራጽነት እዩ ገይሩ ዝነበረ፧ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣኸ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

3 ድሕሪ እዚ ዅሉ ብዛዕባ ጳውሎስ ዘንበብካዮ ዛንታ እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገራት ተስፋ ዝቘረጸን ዝቐበጸንዶ ይመስለካ፧ ዘይመስል እዩ! ጽንኩር ኵነታት ይጽበዮ ኸም ዝነበረ እኳ እንተ ፈለጠ፡ እንታይ ዓይነት ጸገማት ከም ዜጋጥሞ ግና ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። እቲ ኺቈጻጸሮ ዘይክእል ነገራት ኬምጽኣሉ ዚኽእል ጭንቀት፡ ነቲ ኻብ ኣገልግሎቱ ዚረኽቦ ሓጐስ ኬጥፍኣሉ ኣይፈቐደን። (ማቴ. 6:27, 34) ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ፡ ዋላ እውን ንዓለማውያን ገዛእቲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ፡ ፍቓድ የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ግብ. 9:15) ዝመጸ ይምጻእ፡ መዝነቱ ኺፍጽም ቈሪጹ እዩ ነይሩ። ንሕና እውን ከምኡ ዓይነት ቈራጽነት ደይኰነን ዘሎና፧ እምበኣር፡ ነቲ ጳውሎስ ኣብቲ ታሪኻዊ ጕዕዞ ዘጋጠሞ ነገራት ንመርምሮ፣ ካብ ኣብነቱ ድማ ግብራዊ ጥቕሚ ኽንረክብ ኢና።

“ንፋስ ኣንጻርና ስለ ዝነበረ” (ግብሪ ሃዋርያት 27:1-7ሀ)

4. ጳውሎስ ብምንታይ ዓይነት መርከብ እዩ ጕዕዞኡ ጀሚሩ፧ ኣሰንዮምዎ ዚጐዓዙ ዝነበሩ ብጾቱኸ መነመን እዮም፧

4 ንጳውሎስን ንኻልኦት እሱራትን ናብቲ ዩልዮስ ዝስሙ ሓለቓ ሚእቲ ኣሕለፍዎም። ንሱ ድማ ናብ ቂሳርያ ብዝመጸት መርከብ ንግዲ ኣቢሎም ኪኸዱ ወሰነ። እታ መርከብ ካብታ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ንእሽቶ እስያ እትርከብ ወደብ ኣድራሚትስ ዝመጸት እያ ነይራ። ወደብ ኣድራሚትስ፡ ኣብ መንጽር እታ ኣብ ደሴት ለስቦስ ዝነበረት ከተማ ሚጢሌኔ ትርከብ ነበረት። እታ መርከብ፡ ደው ኣብ ዘበለትሉ ኣጋጣሚ፡ ጽዕነት እናኣራገፈትን እናጸዓነተን፡ ፈለማ ናብ ሰሜን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ምዕራብ ገጻ እያ ኽትጐዓዝ መዲባ። ከምዚኣ ዝኣመሰላ መራኽብ፡ ንተጐዓዝቲ፡ ምናዳ ኸኣ ንእሱራት ዚምሽኣ ኣይነበራን። (“ ጕዕዞ ባሕርን መስመራት ንግድን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ጳውሎስ በይኑ ኣይኰነን ምስቶም ገበነኛታት ዚጐዓዝ ነይሩ። እንተ ወሓደ ኽልተ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ ማለት ኣርስጣርኮስን ሉቃስን ምስኡ ነበሩ። ነቲ ጸብጻብ ዝጸሓፎ፡ ሉቃስ እዩ። እዞም ክልተ እሙናት ብጾት ንጕዕዞኦም ባዕሎም እንተ ኸፊሎም ወይ ከም ኣገልገልቲ ጳውሎስ ኰይኖም እንተ ኸይዶም ኣይንፈልጥን ኢና።—ግብ. 27:1, 2

5. ጳውሎስ ኣብ ሲዶን ብኸመይ እዩ ምስ ክርስትያናት ብጾት ኪራኸብ ዝኸኣለ፧ ካብዚኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

5 ኣብ ባሕሪ ሓደ መዓልቲ ምስ ኣሕለፉን፡ ናብ ሰሜን ገጾም 110 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ምስ ተጓዕዙን፡ እታ መርከብ ኣብታ ኣብ ገምገም ሶርያ እትርከብ ሲዶን ደው በለት። ዩልዮስ ንጳውሎስ ከም ተራ ገበነኛ ገይሩ ኣይኰነን ዚሕዞ ነይሩ፣ ከምዚ ዝገበረ ኸኣ ጳውሎስ ገበነኛ ምዃኑ ዘይተረጋገጸ ሮማዊ ስለ ዝዀነ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 22:27, 28፣ 26:31, 32) ዩልዮስ ንጳውሎስ ናብ ክርስትያናት ብጾቱ ኺበጽሕ ፈቐደሉ። እቲ ሃዋርያ ንነዊሕ ግዜ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሑ፡ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ሓልዮት ኬርእይዎ ምኽኣሎም ብዙሕ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም! ንስኻኸ ንኻልኦት ብፍቕሪ ኸተአንግዶምን ንሳቶም ድማ ኪሃንጹኻን ዜኽእል ኣጋጣሚታት ክትረክብ ትኽእልዶ፧—ግብ. 27:3

6-8. ጳውሎስ ካብ ሲዶን ናብ ክኒዶስ ብኸመይ እዩ ተጓዒዙ፧ ንስብከት ተጠቒሙሉ ኪኸውን ዚኽእል እንታይ ኣጋጣሚኸ እዩ ነይርዎ፧

6 እታ መርከብ ካብ ሲዶን ናብ ገማግም ቂልቅያ ገጻ ኸደት፡ ብጥቓ እታ ጳውሎስ ዝዓበየላ ጠርሴስ ኣቢላ እውን ሓለፈት። ሉቃስ ኣብ ካልእ ቦታታት ደው ከም ዝበሉ እኳ እንተ ዘይጠቐሰ፡ “ንፋስ ኣንጻርና ስለ ዝነበረ” ብምባል፡ ጸኒሑ ኣብ ሓደጋ ዘእተዎም ዝርዝር ነጥቢ ጠቐሰ። (ግብ. 27:4, 5) እንተዀነ ግና፡ ጳውሎስ ንዅሉ ኣጋጣሚታት ነቲ ብስራት ንምስባኽ ይጥቀመሉ ምንባሩ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ እሱራትን ባሕረኛታትን ወተሃደራትን ካልኦት ሰባትን ኰነ ነቶም ኣብ ወደባት ዝረኸቦም ሰባት ብርግጽ መስኪሩሎም ኪኸውን ኣለዎ። ንሕናኸ ንዝረኸብናዮ ዅሉ ኣጋጣሚታት ንስብከት ንጥቀመሉ ዲና፧

7 ድሕርዚ፡ እታ መርከብ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ገምገም ንእሽቶ እስያ እትርከብ ወደብ ሚራ በጽሐት። ኣብኣ ኸኣ ጳውሎስን ካልኦት ሰባትን፡ ናብ ሮሜ ናብ እትወስዶም ካልእ መርከብ ሰገሩ። (ግብ. 27:6) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሮሜ ኻብ ግብጺ ብዙሕ እኽሊ ተእቱ ነበረት፣ እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ግብጺ ድማ ኣብ ሚራ የዕርፋ ነበራ። ዩልዮስ እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ረኸበ፡ ነቶም ወተሃደራትን እሱራቱን ድማ ናብኣ ኣእተዎም። እታ መርከብ፡ ካብታ ቐዳመይቲ መርከብ ኣጸቢቓ እትዓቢ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። ከመይሲ፡ ብዙሕ ጽዕነት ስርናይ፡ ከምኡ እውን ባሕረኛታትን ወተሃደራትን እሱራትን ካልኦትን፡ ብድምር 276 ሰባት ሒዛ ነበረት። መርከብ ብምቕያሮም፡ ጳውሎስ ዚሰብከሉ ኽሊ ሰፊሑሉ እዩ፣ ነዚ ዅነታት እዚ ኸም እተጠቕመሉ ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

8 ካብኡ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጫፍ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ክኒዶስ በጽሑ። ጽቡቕ ንፋስ እንተ ዚነፍስ ነይሩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ኺበጽሑ ምኽኣሉ። ሉቃስ ግና፡ “ብዙሕ መዓልትታት ገፈፍ እናበልና ምስ ተጕዓዝና፡ ብጭንቂ ናብ ክኒዶስ መጻእና” ኢሉ ጸብጺቡ ኣሎ። (ግብ. 27:7ሀ) ብመርከብ ዚግበር ጕዕዞ እናጸንከረ ኸደ። (“ ኣንጻር ዚነፍስ ንፋሳት መዲተራነያን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እታ መርከብ ምስቲ ብርቱዕ ንፋስን ዚናወጽ ባሕርን ክትቃለስ ከላ፡ ኣብኣ ዝነበሩ ሰባት እንታይ የጋጥሞም ምንባሩ እሞ ሕስብ ኣብሎ።

“በቲ ማዕበል ናብዝን ናብትን ንድፋእ ስለ ዝነበርና” (ግብሪ ሃዋርያት 27:7ለ-26)

9, 10. ኣብ ጥቓ ቅሬጥስ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧

9 እቲ ሓለቓ መርከብ ካብ ክኒዶስ ናብ ምዕራብ ገጹ ጕዕዞኡ ኪቕጽል መደበ፣ ሉቃስ ግና፡ “ንፋስ . . . ከልከለና” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 27:7ለ) እታ መርከብ ካብቲ ቐንዲ መሬት እናረሓቐት ምስ ከደት፡ ካብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዚርከብ ወሓዚ ረሓቐት። ድሕሪኡ፡ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝመጸ ብርቱዕ ንፋስ ናብ ደቡብ ገጹ ደፍኣ፣ ምናልባት ከኣ ብናህሪ እያ እትግስግስ ነይራ እትኸውን። ከምቲ ደሴት ቆጵሮስ ኣቐዲማ ነታ ብገምገመ ገምገም ዝኸደት መርከብ ካብቲ ኣንጻራ ዚነፍስ ዝነበረ ንፋስ ከውሊ ዝዀነታ፡ ደሴት ቅሬጥስ እውን ነዛ መርከብ ከውሊ ዀነታ። እታ መርከብ ብመንጽር እታ ብምብራቓዊ ጫፍ ቅሬጥስ እትርከብ ሰልሞና ምስ ሓለፈት፡ እቲ ዅነታት ቍሩብ ተመሓየሸ። ስለምንታይ፧ እታ መርከብ ብደቡባዊ ሸነኽ እታ ደሴት ስለ ዝበጽሐት፡ ካብቲ ብርቱዕ ንፋስ ከውሊ ረኸበት። እቶም ተጐዓዝቲ እተሰምዖም እፎይታ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቶም ባሕረኛታት ግና፡ እታ መርከብ ኣብ ባሕሪ ኸላ ቘራሪ ወርሓት ከየርክባ የተሓሳስቦም ነበረ።

10 ሉቃስ ቀጺሉ፡ “ብጭንቂ ብጸግዒ ጸግዓ [ብጸግዒ ቅሬጥስ] ተጓዒዝና፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ኸተማ ላስያ እትርከብ ጽቡቕ ወደብ እትብሃል ቦታ መጻእና” ኢሉ ነቲ ዘጋጠሞም ብልክዕ ገሊጽዎ ኣሎ። ብምድሪ ተኸዊሎም እኳ እንተ ነበሩ፡ ነታ መርከብ ንምቍጽጻራ ኣጸጊምዎም ነበረ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ልሳን ባሕሪ ነታ መርከብ ኬዕርፉላ ዚኽእሉ ቦታ ረኸቡ። ኣብኡኸ ኽንደይ ጸንሑ፧ ሉቃስ፡ “ብዙሕ ግዜ” ኸም ዝሓለፈ ገሊጹ ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ ኣብ መስከረም/ጥቅምቲ ብባሕሪ ዚግበር ጕዕዞ ሓደገኛ ብምንባሩ፡ ብዙሕ ምጽናሖም ጐዳኢ እዩ ነይሩ።—ግብ. 27:8, 9

11. ጳውሎስ ነቶም መጓዕዝቱ እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃቦም፧ ንሳቶም ግና እንታይ ውሳነ እዮም ዝገበሩ፧

11 ጳውሎስ ኣብ ጕዕዞ መዲተራነያን ተመክሮ ስለ ዝነበሮ፡ ገሊኦም ተጓዓዝቲ ንጳውሎስ ምኽሪ ሓቲቶምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ንሱ ድማ እታ መርከብ ጕዕዞኣ ኸይትቕጽል ሓሳብ ሃቦም። እንተ ቐጺላ ግና፡ “ጕድኣትን ብዙሕ ጥፍኣትን” ከም ዚረኽቦም ሓበሮም፣ ምናልባት እውን ዚሞቱ ይህልዉ ይዀኑ። እቲ መራሕ መርከብን እቲ ዋና መርከብን ግና ጕዕዞ ኪቕጽሉ ደለዩ፣ ከምኡ ዝሓሰቡ ድማ ብህጹጽ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ኪኸዱ ስለ ዝደለዩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጕዕዞ ኪቕጽሉ ንዩልዮስ ኣእመንዎ፣ ዚበዝሑ ኻብቶም ተጓዓዝቲ ናብታ ኣብቲ ገምገም ርሕቕ ኢላ እትርከብ ወደብ ፊኒቅስ ኪበጽሑ ዝሓሸ ዀይኑ ተሰምዖም። ምናልባት ፊኒቅስ ነቲ ቘራሪ ወርሓት ኬሕልፉሉ ዚኽእሉ ዝዓበየን ዝሓሸን ወደብ ነይርዋ ይኸውን። ስለዚ፡ ህዱእ ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ፡ በዚ ተዓሽዮም ነቐሉ።—ግብ. 27:10-13

12. ካብ ቅሬጥስ ምስ ሓለፉ፡ እታ መርከብ እንታይ ሓደጋታት ኣጋጠማ፧ እቶም ባሕረኛታትከ ኻብ ሓደጋ ንምምላጥ እንታይ ገበሩ፧

12 ድሕሪኡ፡ ዓብዪ ሽግር ኣጋጠሞም፣ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ፡ “ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ” ተላዕለ። ኣብታ ኻብ ጽቡቕ ወደብ 65 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ “ካውዳ እትብሃል ንእሽቶ ደሴት” ምስ በጽሑ፡ ንእተወሰነ ግዜ ኸውሊ ረኸቡ። ኰይኑ ግና፡ እታ መርከብ ናብ ደቡብ ገጻ እናተደፍአት ከይዳ ኣብ ድበት ሑጻ ገማግም ኣፍሪቃ ኸይትስበር ሰጊኦም ነይሮም እዮም። እቶም ባሕረኛታት ካብዚ ንምምላጥ፡ ነታ በታ መርከብ እትጕተት ዝነበረት ንእሽቶ ጃልባ ስሒቦም ኣውጽእዋ። እታ ጃልባ ማይ መሊኣ ነይራ ኽትከውን ስለ እትኽእል፡ ንምውጻኣ ብዙሕ ተጋዲሎም እዮም። ድሕሪኡ፡ ነታ ዓባይ መርከብ ምእንቲ ኸይትስበር ብታሕቲ ብገመድ ወይ ብሰንሰለት ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩ። ነቲ ቐንዲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም ከኣ፡ ከምኡ ትኺድ ሓደግዋ። እዚ ኣዝዩ ዜርዕድ ከም ዝነበረ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ እቲ ‘ማዕበል ናብዝን ናብትን ይደፍኦም ስለ ዝነበረ፡’ እቲ እተገብረ ነገራት እኹል ፍታሕ ኣይነበረን። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ናውቲ መርከብ ደርበይዎ፣ ነዚ ዝገበሩ ኸኣ ምእንቲ ኸይትጥሕል ኢሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ግብ. 27:14-19

13. እታ ጳውሎስ ዝነበራ መርከብ ማዕበል ምስ ኣጋጠማ፡ ኣብኣ ዝነበሩ ኸመይ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም፧

13 እቶም ተጓዓዝቲ ኣዝዮም ፈሪሆም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ጳውሎስን ብጾቱን ግና ኣይፈርሁን። ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ለይቲ፡ ጐይታ ንጳውሎስ፡ ኣብ ሮሜ ኸም ዚምስክረሉ ነጊርዎ ነይሩ እዩ፣ ጸኒሑ እውን መልኣኽ ነዚ ኣረጋጊጹሉ እዩ። (ግብ. 19:21፣ 23:11) ኰይኑ ግና፡ ንኽልተ ሰሙን ለይትን መዓልትን እቲ ማዕበል ቀጸለ። ቀጻሊ ዝናምን ብርቱዕ ደበናን ስለ ዝነበረ፡ ጸሓይን ከዋኽብትን ኪርእዩ ኣይከኣሉን። እቲ መራሕ መርከብ፡ እታ መርከብ ኣበይ ከም ዝነበረት ወይ ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ኺፈልጥ ኣይከኣለን። ከም ንቡር ምግቢ እኳ ኺበልዑ ኣይከኣሉን። ቍርን ዝናምን ሕማም መርከብን ፍርህን ተደራሪብዎም ከሎ፡ ብዛዕባ ምግቢ ዚሓስብ ኣይነበረን።

14, 15. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም መጓዕዝቱ ኺዛረቦም ከሎ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጠቐሶ መጠንቀቕታ መሊሱ ዝጠቐሰሎም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ ጳውሎስ ዝነገሮም ትስፉው መልእኽቲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

14 ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ሂብዎም ዝነበረ መጠንቀቕታ ጠቐሰሎም። ነዚ ዝጠቐሰ ግና፡ ‘ኢለኩምዶ ኣይነበርኩን፧’ ኪብል ኢሉ ዘይኰነስ፡ ኪሰምዕዎ መርትዖ ምእንቲ ኪዀኖ ኢሉ እዩ። ድሕሪኡ፡ “ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኣይኪጠፍእን እዩ እሞ፡ ክትቀስኑ እምሕጸነኩም ኣለኹ” በሎም። (ግብ. 27:21, 22) እዘን ቃላት እዚአን ነቶም ሰባት ብዙሕ ኣጸናኒዐናኦም ኪዀና ኣለወን። ጳውሎስ እውን ነቲ ትስፉው መልእኽቲ ኻብ የሆዋ ተቐቢሉ ኺነግሮም ብምኽኣሉ፡ ብዙሕ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ንሕና እውን፡ የሆዋ ብዛዕባ ህይወት ኵሉ ሰብ ከም ዚሓሊ ኽንዝክር ኣሎና። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይግደስ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “የሆዋስ፡ ኵሎም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ኺጠፍእ . . . ዘይደሊ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (2 ጴጥ. 3:9) እምበኣር ነቲ የሆዋ ዝሃበና መልእኽቲ ተስፋ፡ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ብህጹጽ ክንነግሮም ይግባእ። ክቡር ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ።

15 ጳውሎስ ነቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ “ስለቲ ኣምላኽ . . . ዘተስፈዎ ቓል ተስፋ” ይምስክረሎም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 26:6፣ ቈሎ. 1:5) እታ መርከብ ክትስበር ከም እትኽእል ምስ ፈለጡ፡ ካብቲ ጽንኩር ኵነታት ከም ዜምልጡ ተስፋ ኺህቦም ከሎ ኸኣ፡ “በዛ ለይቲ እዚኣ፡ መልኣኽ እቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኽ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ‘ጳውሎስ፡ ኣይትፍራህ። ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኣሎካ፣ እንሆ ኸኣ፡ ንዅሎም እቶም ምሳኻ ዚጕዓዙ፡ ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ’ ኢሉኒ እዩ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ስለዚ፡ ኣቱም ሰባት፡ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ኣጆኹም። ግናኸ፡ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና” ኢሉ ኣተባብዖም።—ግብ. 27:23-26

“ኵላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ” (ግብሪ ሃዋርያት 27:27-44)

“ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንኣምላኽ ኣመስገነ።”​—ግብሪ ሃዋርያት 27:35

16, 17. (ሀ) ጳውሎስ እንታይ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ እዩ ዝጸለየ፧ እዚኸ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧ (ለ) እቲ ጳውሎስ ኣቐዲሙ ኢልዎ ዝነበረ ነገር እተፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

16 ንኽልተ ሰሙን ከርተት ድሕሪ ምባሎምን እታ መርከብ 870 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ድሕሪ ምጕዓዛን፡ እቶም ባሕረኛታት ሓደ ለውጢ ኼስተውዕሉ ጀመሩ፣ ምናልባት ከኣ ማዕበል ንምድሪ ኺጸፍዖ ሰሚዖም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እታ መርከብ ናብ ካልእ ምእንቲ ኸይትውሰድን ናብ ምድሪ ኪቐርቡ ኸለዉ ብቕድሚታ ምእንቲ ኽትጽጋዕን፡ ብሸነኽ ሪተ መርከብ፡ ማለት ብሸነኽ ድሕሪት እታ መርከብ መልህቕ ኣውረዱ። ድሕሪኡ፡ ካብታ መርከብ ኪሃድሙ ምስ ፈተኑ፡ እቶም ወተሃደራት ከልከልዎም። ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ወተሃደራትን፡ “እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸኒሖም፡ ንስኻትኩም ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” በሎም። እታ መርከብ ካብቲ ነውጺ ቝሩብ ስለ ዝሃድአት፡ ጳውሎስ ንዅሎም ተጓዓዝቲ ኸም ዘይሞቱ እንደገና ኣረጋጊጹ፡ ምግቢ ኺበልዑ ተማሕጸኖም። “ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ንኣምላኽ ኣመስገነ።” (ግብ. 27:31, 35) ጸሎት ምስጋና ብምቕራቡ፡ ንሉቃስን ኣርስጣርኮስን ሎሚ ንዘለና ክርስትያናትን ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ሰባት እተቕርቦ ጸሎትከ፡ ንኻልኦት ዜተባብዕን ዜጸናንዕን ድዩ፧

17 ጳውሎስ ጸሎት ድሕሪ ምቕራቡ፡ “ኵላቶም . . . ቀሰኑ እሞ በልዑ።” (ግብ. 27:36) ድሕሪኡ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ፣ በዚ ምኽንያት እዚ እታ መርከብ ልዕል ኢላ ጸምበለል ስለ እትብል፡ ናብ ደንደስ ባሕሪ ኽትቀርብ ከላ ዝቐለለ ይዀነላ። ምስ ወግሐ፡ እቶም ባሕረኛታት ነታ መርከብ ናብ ምድሪ ኼጸግዕዋ ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ነቲ መልህቕ በቲኾም፡ ነቲ መእለይታት መርከብ ፈቲሖም፡ ንእሽቶ ጋንጽላ ቕድሚት ገተሩ። እታ መርከብ ብወገን ቅድሚታ ኣብ ሑጻ ወይ ኣብ ጭቃ ተሸኽለት፡ ብወገን ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰባበረት። ገሊኦም ወተሃደራት ነቶም እሱራት፡ ዋላ ሓደ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ኪቐትልዎም ሓሰቡ፣ ዩልዮስ ግና ከልከሎም። ኵላቶም ሓምቢሶም ወይ ብሉሕ ጸምበለል ኢሎም ናብ ምድሪ ኺወጹ ነገሮም። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ፡ ዋላ ሓደ ኻብቶም 276 ሰባት ኣይሞተን። እወ፡ “ኵላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።” ኣበይ ግና እዮም ነይሮም፧—ግብ. 27:44

“ፍልይ ዝበለ ርሕራሐ” (ግብሪ ሃዋርያት 28:1-10)

18-20. ሰብ ማልታ “ፍልይ ዝበለ ርሕራሐ” ዝገበሩ ርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ ኣምላኽ ብጳውሎስ ኣቢሉ እንታይ ተኣምር እዩ ዝገበረ፧

18 ምስ ደሓኑ፡ ኣብታ ኻብ ሲሲሊ ናብ ደቡብ እትርከብ ደሴት ማልታ ኸም ዘለዉ ፈለጡ። (“ ማልታ ኣበይ ትርከብ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቶም ደቂ ዓዲ ጽቡቕ ገይሮም “ፍልይ ዝበለ ርሕራሐ” ገበሩሎም። (ግብ. 28:2) ነቶም ጠስጢሶምን ብቝሪ ኸርዲዶምን ዝመጹ ጓኖት፡ ምእንቲ ኺሞቑ ሓዊ ኣጐዱሎም። ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ሓደ ተኣምር ተፈጸመ።

19 ጳውሎስ ንጥቕሚ ዅሎም ኢሉ፡ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኼእቱ ኸሎ፡ ሓደ መርዛም ኣፍዑት ወጺኡ፡ ኢዱ ነኺሱ ጠልጠል በለ። እቶም ደቂ ዓዲ፡ ኣምላኽ ይቐጽዖ ኸም ዘሎ ገይሮም ሓሰቡ። a

20 እቶም ንጳውሎስ ብተመን ኪንከስ ዝረኣይዎ ደቂ ዓዲ፡ “ኪሓብጥ” ተጸበይዎ። እታ ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ በዅሪ ቓል፡ ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ናይ ሕክምና ቓል” እያ። “ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪም” ነዛ ቓል እዚኣ ምጥቃሙ ኣየገርምን እዩ። (ግብ. 28:6፣ ቈሎ. 4:14) ዝዀነ ዀይኑ፡ ጳውሎስ ነቲ መርዛም ተመን ጸግ ኣበሎ፡ ዋላ እውን ኣይተጐድአን።

21. (ሀ) ኣብዚ ሉቃስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ ልክዕነት ከም ዝሓለወ ዜርኢ ገለ ኣብነታት እንታይ እዩ፧ (ለ) ጳውሎስ እንታይ ተኣምራት እዩ ፈጺሙ፧ እዚኸ ኣብቶም ደቂ እታ ደሴት እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧

21 ጱብልዮስ ዚብሃል ሃብታም ብዓል መሬት ኣብቲ ኸባቢ ይነብር ነበረ። እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብ ማልታ ብሮሜ እተሸመ ብዓል ስልጣን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሉቃስ ንዕኡ፡ “ኣውራ እታ ደሴት” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፣ ሎሚ ኣብ ማልታ ኣብ እተረኽበ ኽልተ ጽሑፋት ከኣ፡ እዚ መዓርግ እዚ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንጳውሎስን ብጾቱን ሰለስተ መዓልቲ ኣአንገዶም። ኣቦ ጱብልዮስ ግና ሓሚሙ ነበረ። ኣብዚ እውን ሉቃስ ነቲ ዅነታቱ ብልክዕ ገሊጹ ኣሎ። “ረስንን ውጽኣትን ሓሚሙ ደቂሱ ነበረ” ኢሉ ብምጽሓፍ፡ ዓይነት ሕማሙ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ። ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ጸለየሉን ኢዱ ኣንበረሉን፡ ንሱ ድማ ሓወየ። እቶም ደቂ እታ ደሴት በቲ ተኣምር ኣዝዮም ስለ እተገረሙ፡ ካልኦት ሕሙማት ናብ ጳውሎስ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። ንሳቶም ከኣ ንጳውሎስን ብጾቱን ዜድልዮም ዘበለ ሃብዎም።—ግብ. 28:7-10

22. (ሀ) ሓደ ፕሮፌሰር ነቲ ሉቃስ ብዛዕባ እቲ ናብ ሮሜ እተገብረ ጕዕዞ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ብኸመይ ነኣዶ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

22 እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ታሪኽ ጕዕዞ ጳውሎስ፡ ብልክዕነቱን ብሓቅነቱን ዜተኣማምን እዩ። ሓደ ፕሮፌሰር ከም ዝገለጾ፡ “ሉቃስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብንጹር ዚገልጽ ኣጸሓሕፋ እዩ። ብዛዕባ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ባሕረኛታት ዚገልጽ ዝርዝር ነጥብታት፡ ብትኽክል እተጻሕፈን ንዅነታት ምብራቓዊ መዲተራነያን ብልክዕ ዚገልጽን” ስለ ዝዀነ፡ መዝገበ ዕለት ይሕዝ ምንባሩ ይሕብረና። ሉቃስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪጐዓዝ ከሎ፡ ነዚ ነገራት እዚ ይምዝግብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ይገብር እንተ ነይሩ፡ ብድሕርዚ እውን ብዙሕ ኪጸሓፍ ዘለዎ ነገራት ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብ መወዳእታ ናብ ሮሜ ምስ በጽሑ፡ ንጳውሎስ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

a እቶም ሰባት ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዓይነት ኣትማን ምፍላጦም፡ ኣብታ ደሴት ኣፍዑት ከም ዝነበሩ ይሕብር። ኣብዚ ግዜና፡ ኣብ ማልታ ኣፍዑት ኣይርከቡን እዮም። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ፡ ምስ ምንዋሕ ዘመናት ኣብቲ ቦታ ለውጢ ስለ ዘጋጠመ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ እውን ኣብታ ደሴት ሰባት እናበዝሑ ምስ ከዱ፡ ነቶም ኣትማን ስለ ዘጥፍእዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።