ንምዉታት ዝኸውን ርግጸኛ ተስፋ
ሓንቲ ጓል 25 ዓመት ሰበይቲ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ብ1981 እታ ዘዕበየትኒ ኣደይ ብሕማም መንሽሮ ሞተት። ናታ ሞት ንዓይን ነቲ ምሳይ ዘዕበየቶ ሓወይን ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ኣነ ጓል 17 ሓወይ ድማ ወዲ 11 ዓመት ኢና ነይርና። ንዓኣ ብምስኣነይ ብዙሕ ኢየ ሓዚነ። ኣብ ሰማይ ከም ዘላ ተማሂረ ስለ ዝነበርኩ ምስኣ ምእንቲ ክኸውን ህይወተይ ባዕለይ ከሕልፍ ደለኹ። እታ ዝበለጸት መሓዛይ ኢያ ነይራ።”
ሞት ነቲ እተፍቅሮ ሰብ መንጢሉ ክወስድ ሓይሊ ስለ ዘለዎስ ጭከና ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓካ። ሞት ምስ ኣጋጠመ ምስቲ እተፍቅሮ ሰብ ድሕሪ ደጊም ክትዛረብ: ክትስሕቕ: ወይ ክትሓቝፎ ዘይትኽእል ምዃንካ ምፍላጥ ድማ ንኽትጾሮ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ዝገብሮ። እቲ እተፍቅሮ ሰብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ ስለ እተነግረካ ጥራይ ግድን እቲ ስቓይ ይድምሰስ ኢዩ ማለት ኣይኰነን።
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ እተፈልየ ተስፋ ኢዩ ዝህብ። ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ: ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብዚ ቐረባ መጻኢ ግዜ ምስቲ ዝሞተ ፍቑር ሰብ እንደገና ምርኻብ ከም ዝከኣል: እዚ ድማ ኣብ ሓደ ዘይትፈልጦ ሰማይ ዘይኰነስ: ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ትሕቲ ሰላማውን ጽድቃውን ኵነታት ምዃኑ ይሕብር ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ሰባት ፍጹም ጥዕና ናይ ምስትምቓር ተስፋ ክህልዎም ኢዩ: እንደገና ኸኣ ፈጺሞም ኣይክሞቱን ኢዮም። ገለ ሰባት ‘እዚ ግን ዘይመስል ነገር ኢዩ!’ ይብሉ ይዀኑ።
እዚ ተስፋ እዚ ርግጽ ምዃኑ ንኽትኣምን ዝገብረካ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ሓደ መብጽዓ ንኽትኣምን: እቲ ነቲ መብጽዓ እቲ ዝገበረ ኣካል ንምፍጻሙ ፍቓደኛን ክእለት ዘለዎን ከም ዝዀነ ርግጸኛ ክትከውን የድልየካ። ምዉታት እንደገና ህያዋን ክዀኑ ኢዮም ኢሉ መብጽዓ ዝገበረ እምበኣር መን ኢዩ፧
ኣብ ጽድያ ናይ 31 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ክርስቶስ ብትብዓት ከምዚ ዝብል መብጽዓ ገበረ:- “ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም: ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ናይ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: . . . እሞ: በዚ ኣይትደነቑ።” (ዮሃንስ 5:21, 28, 29) እወ: የሱስ ክርስቶስ ሕጂ ሞይቶም ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንደገና ብህይወት ክነብሩ ምዃኖምን: ኣብ ትሕቲ ሰላማውን ገነታውን ኵነታት ንዘለኣለም ኣብኣ ናይ ምንባር ተስፋ ድማ ከም ዝህልዎም ተማባጺዑ ኢዩ። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 3:16፣ 17:3፣ ምስ መዝሙር 37:29 ከምኡውን ማቴዎስ 5:5 ኣረኣእዮ።) መብጽዓ ገይሩ ዘሎ የሱስ ስለ ዝዀነ: ንምፍጻሙ ፍቓደኛ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘተኣማምን ኢዩ። ከምኡ ክገብር ግን ይኽእል ድዩ፧
የሱስ ነቲ መብጽዓ እቲ ድሕሪ ምግባሩ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ምዉታት ከተንስእ ፍቓደኛ ምዃኑን ክእለት ከም ዘለዎን ብግብሪ ኣርእዩ ኢዩ።
“ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ”
ስምዒትካ ዝትንክፍ ትርኢት ኢዩ ነይሩ። ኣልኣዛር ከቢድ ሕማም ሓሚሙ ነበረ። ክልቲአን ኣሓቱ: ማርያምን ማርታን: ናብቲ ኣብ ስግር ርባ ዮርዳኖስ ዝነበረ የሱስ “ጐይታይ: እቲ እተፍቅሮስ እንሆ: ሐሚሙ አሎ” ብምባል መልእኽቲ ሰደዳሉ። (ዮሃንስ 11:3) የሱስ ንኣልኣዛር የፍቅሮ ከም ዝነበረ ይፈልጣ ነይረን ኢየን። የሱስ ነዚ ዝሓመመ ዓርኩ ክርእዮ ኣይምደለየንዶ፧ እቲ ዘገርም ግን: የሱስ ቀልጢፉ ናብ ቢታንያ ኣብ ክንዲ ዝኸይድ: ኣብቲ ዝነበሮ ዓዲ ተወሳኺ ክልተ መዓልትታት ጸንሐ።—ዮሃንስ 11:5, 6
ኣልኣዛር: እቲ ከም ዝሓመመ ዝነግር መልእኽቲ ምስ ተላእከ ገለ ግዜ ጸኒሑ ሞተ። የሱስ ሞት ኣልኣዛር ምስ ፈለጠ: ገለ ነገር ክገብር ደለየ። የሱስ ኣብ መወዳእታ ቢታንያ ኣብ ዝበጽሓሉ ግዜ: እቲ ፍቑር ዓርኩ ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልትታት ገይሩ ነበረ። (ዮሃንስ 11:17, 39) የሱስ ንሓደ ካብ ዝመውት ክንድኡ ግዜ ዝገበረ ሰብ እንደገና ናብ ህይወት ከምጽኦ ይኽእልዶ ነይሩ፧
እታ ፈታዊት ስራሕ ዝነበረት ማርታ: ምምጻእ የሱስ ምስ ሰምዐት ክትቅበሎ ወጸት። (ምስ ሉቃስ 10:38-42 ኣረኣእዮ።) የሱስ በቲ ሓዘና ተተንኪፉ “ሓውኪ ኺትንስእ እዩ” ብምባል ኣረጋገጸላ። ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ግዜ ዝፍጸም ትንሳኤ ዝነበራ እምነት ምስ ገለጸት ድማ: የሱስ ብግልጺ ከምዚ በላ:- “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ።”—ዮሃንስ 11:20-25
የሱስ ኣብቲ መቓብር ምስ በጽሐ: እቲ ንኣፍ ደጊኡ ዓጽይዎ ዝነበረ እምኒ ክለግስ ኣዘዘ። ድሕርዚ: ዓው ኢሉ ምስ ጸለየ: “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” ብምባል ኣዘዘ።—ዮሃንስ 11:38-43
ኵለን ኣዒንቲ ናይቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ኣብቲ ዮሃንስ 11:44
መቓብር ተተኺለን ነበራ። ድሕርዚ: ካብ ማእከል እቲ ጸልማት ሓደ ኣካል ተቐልቀለ። ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብመጠቕለሊ ተኣሲሩ: ገጹ ድማ ብጨርቂ ተጐንጒኑ ነበረ። የሱስ ከኣ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ተገኒዝሉ ዝነበረ ኣጭርቕቲ ብምሉኡ ናብ ምድሪ ወደቐ። እወ: እቲ ንኣርባዕተ መዓልትታት ሞይቱ ዝነበረ ኣልኣዛር ኢዩ ነይሩ!—ብሓቂ ተፈጺሙ ድዩ፧
እቲ ብዛዕባ ምትንሳእ ናይ ኣልኣዛር ዝነግር ጸብጻብ ታሪኻዊ ሓቅነት ዘለዎ ብምዃኑ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ተመዝጊቡ ይርከብ። እቲ ቐሪቡ ዘሎ ዝርዝራት ኣዝዩ ንጹር ስለ ዝዀነ ጽውጽዋይ ኢዩ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ንታሪኻዊ ሓቅነቱ ምጥርጣር ድማ: ንትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ሓዊስካ: ንዅሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተኣምራት ምጥርጣር ኢዩ። ንትንሳኤ የሱስ ምኽሓድ ድማ ንብምሉኡ እምነት ክርስትና ምኽሓድ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:13-15
ብሓቂ ክርአ ከሎ ድማ: ህላዌ ኣምላኽ ትኣምን እንተድኣ ኴንካ: ኣብ ትንሳኤ ንምእማን ክጽግመካ ኣይግብኦን ኢዩ። ንመረድኢ:- ሓደ ሰብ ናይ መወዳእታ ቃሉን ለበዋኡን ኣብ ቪድዮ ክመልኦ ይኽእል ኢዩ: ምስ ሞተ ድማ: ኣዝማዱን ኣዕሩኹን እቲ ሰብ ንብረቱ ብኸመይ ክመሓደር ከም ዘለዎ ክገልጽ ከሎ ክርእይዎን ክሰምዕዎ ይኽእሉ ማለት ኢዩ። ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት: ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ዘይሕሰብ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ኣብ ርሑቕ ክፍልታት ምድሪ ንዝነብሩ ገለ ሰባት: ናይ ቪድዮ ምምላእ ቴክኖሎጂ ክንዮ እቲ ዘለዎም ምርዳእ ብምዃኑ ተኣምራት ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ሰባት ነቲ ብፈጣሪ ዝቘመ ስነ-ፍልጠታዊ ስርዓታት ከምዚ ዝበለ ዝርአን ዝስማዕን ምስልታት ንምቕራጽ ክጥቀምሉ እንተድኣ ክኢሎም: ፈጣሪኸ ካብዚ ንላዕሊ ክገብርዶ ኣይክእልን ኢዩ፧ እምበኣር: እቲ ንህይወት ዝፈጠረ ኣካል እንደገና ናይ ምፍጣራ ዓቕሚ ክህልዎስ ምኽንያታዊዶ ኣይኰነን፧
እቲ ኣብ ኣልኣዛር እተፈጸመ እንደገና ናብ ህይወት ናይ ምምላስ ተኣምራት ሰባት ኣብ የሱስን ኣብ ትንሳኤን ዘለዎም እምነት ንኸዕብዩ ጠቒሙ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:41, 42፣ 12:9-11, 17-19) ስምዒት ብዝትንክፍ መገዲ: የሆዋን ወዱን ምዉታት ንምትንሳእ ዘለዎም ድሌትን ባህግን እውን ዝገልጽ ኢዩ።
ኣምላኽ ‘ክናፍቕ ኢዩ’
ኣልኣዛር ምስ ሞተ የሱስ ዝገበሮ ነገር ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣዝዩ ለዋህ ስምዒት ኢዩ ዝገልጽ። እቲ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ዘርኣዮ ዓሚቝ ስምዒት ንምዉታት ከተንስኦም ዘለዎ ብርቱዕ ባህጊ ኣነጺሩ ዝሕብር ኢዩ። ከምዚ ነንብብ:- “ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፍራ መጺኣ ምስ ረአየቶ: ኣብ እግሩ ተደፊኣ፤ ጐይታይ: ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ: ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ: በለቶ። ሽዑ የሱስ: ንሳ ኽትበኪ ኸላ: እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ኪበኽዩ ኸለዉ ርእዩ: ብመንፈሱ ተኪዙ እናኣሕነቕነቐ፤ ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፤ ጐይታይ: ንዓ እሞ ርኤ: በልዎ። የሱስ ነብዔ። ስለዚ ኣይሁድ፤ እስኪ ርአዩ: ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ: በሉ።”—ዮሃንስ 11:32-36
እቲ ናይ የሱስ ልባዊ ድንጋጽ: በዚ ዝስዕብ ሰለስተ መግለጺታት ተሓቢሩ ኣሎ:- “እናኣሕነቕነቐ:” “ብመንፈሱ ተኪዙ” ከምኡውን “ነብዔ”። ነዚ ስምዒት ዝትንክፍ ትርኢት ኣብ ምምዝጋብ ተዘውቲረን ዘለዋ ናይቲ በዅሪ ቋንቋ ቓላት: የሱስ ብሞት ናይቲ ዘፍቅሮ ዓርኩ ኣልኣዛር ኣዝዩ ከም እተተንከፈን ሓብቲ ኣልኣዛር ክትበኪ ምስ ረኣያ ድማ ኣዒንቱ ብንብዓት ቅጽርጽር ከም ዝበለን ኢየን ዝሕብራ። *
እቲ ኣዝዩ ዘገርም ነገር የሱስ ቅድሚ እዚ ካልኦት ክልተ ሰባት ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ ኢዩ። ንኣልኣዛር እውን ከምኡ ገይሩ ከተንስኦ መዲቡ ነበረ። (ዮሃንስ 11:11, 23, 25) እንተዀነ ግን “ነብዔ።” ስለዚ እምበኣር: የሱስ ሰባት ናብ ህይወት ዝመልሶም ግቡኡ ንምፍጻም ኢሉ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ከም እተራእየ እቲ ለዋህን ዓሚቝን ስምዒታቱ ነቲ ናይ ሞት መቕዘፍቲ ንምርሓቕ ዘለዎ ብርቱዕ ባህጊ ኣነጺሩ ዝሕብር ኢዩ።
የሱስ ንኣልኣዛር ከተንስኦ ኸሎ ዘርኣዮ ለዋህ ስምዒታት ነቲ ንመቕዘፍቲ ናይ ሞት ከርሕቕ ዘለዎ ብርቱዕ ባህጊ ዘንጸባርቕ ኢዩ
የሱስ ቅምጥ ኢሉ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ‘ቅርጺ ባህርይ’ ስለ ዝዀነ: ካብቲ ሰማያዊ ኣቦና እንጽበዮ ካብዚ ንታሕቲ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (እብራውያን 1:3) የሆዋ ምዉታት ከተንስእ ፍቓደኛ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ: እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ከምዚ በለ:- “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ . . . ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ: ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።” (እዮብ 14:14, 15 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዚ እታ “ምናፈቕካዮ ኔርካ” ተተርጒማ ዘላ ቃል ናይቲ በዅሪ ቋንቋ: ነቲ ናይ ኣምላኽ ልባዊ ናፍቖትን ባህግን ኢያ እተመልክት። (ዘፍጥረት 31:30፣ መዝሙር 84:2) ብርግጽ: የሆዋ ነቲ ምዉታት ዝትንስእሉ ግዜ ብናፍቖት ኢዩ ዝጽበዮ።
ነቲ ናይ ትንሳኤ መብጽዓ ብሓቂ ክንኣምኖ ንኽእልዶ፧ እወ: የሆዋን ወዱን ንምፍጻሙ ፍቓደኛታት ምዃኖምን ክእለት ከም ዘለዎምን ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዚ ንዓኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ግናኸ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ እተፈልየ ኵነታት ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ እተፍቅሮም ሰባት እንደገና ናይ ምሕባር ተስፋ ኣሎካ ማለት ኢዩ!
እቲ ንወድሰብ ኣብ ሓደ ባህ ዘብል ቦታ ኣታኽልቲ ዝፈጠሮ የሆዋ ኣምላኽ: ብግዝኣት ናይታ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ሕጂ ኣብ ክብሪ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ እትርከብ ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ገነት ክመልስ ተማባጺዑ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:7-9፣ ማቴዎስ 6:10፣ ሉቃስ 23:42, 43) ኣብታ እተመልሰት ገነት ሰብኣዊ ስድራ ቤት ካብ ኵሉ ቃንዛን ሕማምን ናጻ ብምዃን ንህይወት መወዳእታ ንዘይብሉ ግዜ እናስተማቐረ ናይ ምንባር ተስፋ ክህልዎ ኢዩ። (ራእይ 21:1-4፣ ምስ እዮብ 33:25፣ ኢሳይያስ 35:5-7 ኣረኣእዮ።) ኵሉ ጽልኢ: ዓሌታዊ ዝዀነ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ናይ ምርኣይ ባህሪ: ቀቢላዊ ዓመጽ: ከምኡውን ቁጠባዊ ጸቕጢ ከልግስ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቶም ምዉታት ዘተንስኦም ናብ ከምዚኣ ዝበለት ጽርይቲ ምድሪ ኢዩ።
ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ እተመስረተ ትንሳኤ: ንዅሎም ህዝብታት ሓጐስ ከምጽኣሎም ኢዩ
እታ ኣብ መእተዊ ናይዚ ክፍሊ እዚ ተጠቒሳ ዝነበረት ክርስትያን ሰበይቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዋ ተስፋ እዚ ኢዩ። ድሕሪ ሞት ኣዲኣ ሓያለይ ዓመታት ጸኒሑ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥንቁቕ መጽናዕቲ ክትገብር ሓገዝዋ። ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምስ ተማሃርኩ: በኽየ ኢየ። ነደይ እንደገና ከም ዝርእያ ምፍላጠይ ዘደንቕ ኢዩ ነይሩ።”
ብተመሳሳሊ ንሓደ እተፍቅሮ ሰብ ንምርኣይ ልብኻ ዝናፍቕ እንተድኣ ኰይኑ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ከመይ ገይርካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ክትገብሮ ከም እትኽእል ንኽትማሃር ክሕግዙኻ ሕጕሳት ኢዮም። ስለምንታይ ናብቲ ዝቐርበካ ኣደራሽ መንግስቲ ብምኻድ ዘይትረኽቦም: ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ዘይትጽሕፍ።
^ ሕ.ጽ. 20 እታ ኣብዚ “እናሕነቕነቐ” ዝብል ትርጕም ተዋሂብዋ ዘሎ ናይ ግሪኽ ቃል ካብታ ኣዝዩ ብዘሳቒ: ወይ ብዕምቈት ምልዕዓል እተስምዕ (ኢም·ብሪ·ማʹኦ·ማይ) እትብል ግሲ ዝመጸት ኢያ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብዚ ዅነታት እዚ ክህልዋ ዝኽእል ትርጕም: ዓሚቝ ስምዒት ንየሱስ ወሪርዎ ስለ ዝነበረ ከይተፈለጦ ካብ ውሽጢ ልቡ ኢዩ ኣሕነቕኒቑ ዝብል ኢዩ።” እታ “ብመንፈሱ ተኪዙ” ብምባል ተተርጒማ ዘላ መግለጺ ድማ ካብታ ብስምዒትካ ምርባሽ እተመልክት (ታ·ራስʹሶ) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝመጸት ኢያ። ብመሰረት ሓደ ኣዳላዊ መዝገበ-ቃላት ከኣ “ንሓደ ሰብ ብውሽጡ ከም ዝህወኽ ምግባር: . . . ብብርቱዕ ስቓይ ወይ ሓዘን ምትንካፍ” ማለት ኢያ። እታ “ነብዔ” እትብል መግለጺት ከኣ ካብታ “ምንባዕ: ቀስ ኢልካ ምብካይ” ዝትርጕማ (ዳ·ክርʹዮ) እትብል ናይ ግሪኽ ግሲ ዝመጸት ኢያ።