ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም ኣምላኽን ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስን

ስም ኣምላኽን ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስን

ስም ኣምላኽን ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስን

ኣብ መጀመርታ ናይ ካልኣይ ክፍለ⁠-ዘበን: ካብቶም ሃዋርያት እቲ ናይ መወዳእታ ምስ ሞተ: እቲ ብየሱስን ሰዓብቱን ኣቐዲሙ ተዘሪብሉ ዝነበረ ካብ እምነት ክርስትና ምዕላው ኣጸቢቑ ከስፋሕፍሕ ጀመረ። ኣረማዊ ፍልስፍናታትን ሰረተ⁠-እምነታትን ናብታ ጉባኤ ሰሊዅ ኣተወ፣ ኣንቆራታትን ምክፍፋላትን ጀመረ: እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ናይቲ እምነት ንጽህና ድማ ተበላሸወ። ስም ኣምላኽ ምዝውታር ድማ ተቛረጸ።

እዚ ናይ ክሕደት ክርስትና እናስፋሕፍሐ ክኸ​ይድ ከሎ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ተጻሒፉሉ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ቋንቋታት እብራይስጥን ግሪኽን ናብ ካልእ ቋንቋታት ምትርጓም ኣድላዪ እናዀነ መጸ። እቶም ተርጐምቲ ንስም ኣምላኽ ኣብቲ ትርጕማቶም ብኸመይ ተርጐምዎ፧ ኣብ ዝበዝሕ: ነቲ “ጐይታ” ዝብል መተካእታ ኢዮም ተጠቒሞም። ኣብቲ እዋን እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝነ​በረ ትርጕም እቲ ብጀሮም ናብቲ ልሙድ ቋንቋ ላቲን እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ላቲን ቩልጌት ኢዩ ነይሩ። ጀሮም ነቲ ቴትራግራማተን (የሀወሀ) ብዶሚኑስ: ማለት “ጐይታ” ዝብል ተክኦ።

ቀስ እናበለ: ከም ቋንቋ ፈረንሳ: እንግሊዝኛ: ከምኡውን ቋንቋ ስጳኛ ዝኣመሰለ ሓደስቲ ቋንቋታት ኣብ ኤውሮጳ ክቕልቀል ጀመረ። ይኹን እም⁠በር: ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ናብዚ ሓደስቲ ቋንቋታት እዚ ምትርጓም ከልከለት። በዚ ኸኣ: እቶም በቲ ናይ መጀመርታ ቋንቋ እብራይስጢ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀሙ ኣይሁድ ንስም ኣምላኽ ምስ ረኸብዎ ምድማጹ ክኣብዩ ከለዉ: መብዛሕትኦም “ክርስትያናት” ድማ ነቲ ስም ኣምላኽ ዘይጥቀም ናይ ላቲን ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝሰምዑ ነይሮም።

ድሕሪ ገለ ግዜ: ስም ኣምላኽ እንደገና ክዝውተር ጀመረ። ብ1278: ኣብቲ ረይመንዱስ ማርቲኒ እተባህለ ወዲ ስጳኛ ፈላሲ ዘዳለዎ: ፑጂዮ ፊድየ እተባህለ ጽሑፍ ብቛንቋ ላቲን ተረኽበ። ረይመንዱስ ማርቲኒ ዮሁኣ ዝብል ኣጸሓሕፋ ኢዩ ተጠቒሙ። a ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: ብ1303 ፖርቼቱስ ደ ሳልቫቲኪስ: ቪክቶሪያ ፖርቼቲ ኣድ​ሸርሱስ ኢምፒዮስ ሄብራዮስ [ላቲን] ዘርእስታ መጽሓፍ ኣዳልዩ ወድአ። ንሱ እውን: ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኢሆኡኣህ: ኢሆኣ: ከምኡውን ኢሆኣህ ዝብል እተፈላለየ ኣጸሓሕፋ ብምጥቃም ስም ኣምላኽ ጠቒሱ ኢዩ። ድሕርዚ: ብ1518: ፔትሩስ ጋላቲኑስ ደ ኣርካነስ ካቶሊከ ቬሪታተስ [ላቲን] ዘርእስታ መጽሓፍ ሓተመ: ኣብኣ ድማ ንስም ኣምላኽ ኤሆኣ ኢሉ ጽሒፉዎ ኣሎ።

ዊልያም ቲንደል ነተን ናይ መጀመርታ ሓሙ​ሽተ መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ምስ ሓተመ: ብ1530 ስም ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቕሰ። ኣብኡ ስም ኣምላኽ ኣእትዩ ኣሎ: ኣብ እተፈላለየ ጥቕስታት ዝበዝሕ ኤሆኣህ ኢሉ ጽሒፍዋ ኣሎ: b ከምኡውን ኣብቲ ናይዚ ሕታም እዚ መተሓሳሰቢ ጽሑፍ ከምዚ ዝስዕብ ጸሓፈ:- “ኤሆቫህ ስም ኣምላኽ ኢዩ። . . . መብዛሕትኡ ግዜ ብዓበይቲ ፊደላት ተጻሒፉ ዘሎ ጐይታ: (ብጀካ እቲ ኣብ ሕትመት ዘጋጥም ዝዀነ ይኹን ጌጋ) ኣብ ክንዲ እቲ ናይ እብራይስጢ ኤሆቫህ ዝኣተወ ኢዩ።” ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኣብ ውሑዳት ቍጽርታት ጥራይ ኣብቲ ቴትራግራማተን ዝርከበሉ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ስም የሆዋ ብምእታው ኣብ መብዛሕትኡ ካልእ ቦታታት ከኣ “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ምጥቃም ተዘውተረ።

ብ1611 እቲ ኣዝዩ ብሰፊሑ ዝዝውተር ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ማለት ኣውቶራይዝድ ቨር​ሽን ተሓትመ። ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ: ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ እቲ ስም ኣርባዕተ ግዜ ይርከብ። (ዘጸኣት 6:​3፣ መዝሙር 83:​18፣ ኢሳይያስ 12:​2፣ 26:⁠4) እቲ ናይ ግጥሚ መልክዕ ኣብ ዝሓዘ ጽሑፍ ዝዝውተር “ያህ” ዝብል ሓጺር ኣጸዋውዓ ናይቲ ስም: ኣብ መዝሙር 68:⁠4 ይርከብ ኢዩ። ከምኡውን ኣብ ከም በዓል “እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ይርኢ” ዝብል ናይ ቦታ ስም ድማ እቲ ስም ብምሉኡ ተጻሒፉ ይርከብ። (ዘፍጥረት 22:​14፣ ዘጸኣት 17:​15፣ መሳፍንቲ 6:⁠24) ይኹን እምበር: ነቲ ናይ ቲንደል ኣብነት ብምስዓብ: ተርጐምቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት ንስም ኣምላኽ ብ“ጐይታ” ወይ ድማ “ኣምላኽ” ተክእዎ። ግናኸ ስም ኣምላኽ ኣብ ኣርባዕተ ጥቕስታት ክርከብ እንተድኣ ተኻኢሉ: ስለምንታይ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቋንቋ እብራይስጢ እቲ ስም ኣብ ዘለዎ ኣሽሓት ጥቕስታት ክርከብ ዘይተኻእለ፧

ኣብ ቋንቋ ጀርመን እውን ተመሳሳሊ ነገር ተፈጺሙ ኢዩ። ብ1534 ማርቲን ሉተር ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቋንቋታት እተመስረተ ናይ መጽ​ሓፍ ቅዱስ ምሉእ ትርጕም ሓተመ። ብገለ ምኽንያት ስም ኣምላኽ ኣየእተወን ኣብ ክንድኡ ከም ሄር (“ጐይታ”) ዝኣመሰለ መተካእታታት ተጠቕመ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ብ1526 ኣብ ኤርምያስ 23:​1⁠-​8 ተመርኲሱ ዘቕረቦ ስብከት “እዚ የሆዋ: ጐይታ: ዝብል ስም: ኣብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዝውዕል” ስለ ዝበለ: ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ስም ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ።

ብ1543 ሉተር ብቕንዕና ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንሳቶም [ኣይሁድ] እቲ የሆዋ ዝብል ስም ዘይድመጽ ኢዩ ይብሉ: እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን ኢዮም። . . . ብብርዕን ቀለምን ክጽሓፍ ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ: ስለምንታይ ድኣ ካብቲ ብብርዕን ቀለምን ምጽሓፍ ዝሓሸ መገዲ: ማለት ብኣፍ ክድመጽ ዘይከኣል፧ ስለምንታይ ድኣ ዘይጽሓፍ: ዘይንበብ: ወይ ዘይሕሰብ እውን ኢዩ ዘይበልዎ፧ ንዅሉ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቲኻ: ገለ ጸይቅስ ኣሎ።” እንተዀነ ግን: ሉተር ኣብቲ ባዕሉ ዘዳለዎ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምእራም ዘድልዮ ነገራት ኣይኣረመን። ይኹን እምበር: ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት: ካልኦት ናይ ቋንቋ ጀርመን መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ዘጸኣት 6:​3 ነቲ ስም ኣእትዮምዎ ኢዮም።

ኣብቲ ዝሰዓበ ክፍለ⁠-ዘበናት: ተርጐምቲ መጽ​ሓፍ ቅዱስ ካብቲ ክልተ መገድታት ሓዲኡ ሰዓቡ። ገሊኦም ፈጺሞም ስም ኣምላኽ ዝበሃል ምጥቃም ከወግዱ ከለዉ: ካልኦት ድማ የሆዋ ወይ ከኣ ያህወህ ዝብል ኣጻሓሕፋ ብምዝውታር ኣብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብሰፊሑ ተጠቕምሉ። ስም ኣምላኽ ዘየዘውትሩ ክልተ ትርጕማት ንውሰድ እሞ: ብኣበሃህላ እቶም ተርጐምቲ ኸኣ ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ንርአ።

ነቲ ስም ዘውጽእሉ ምኽንያት

ጀይ. ኤም. ፖዊስ ስሚዝ ከምኡውን ኤድጋር ጀይ. ጉድስፒድ: ብ1935 ዘመናዊ ትርጕም መጽ​ሓፍ ቅዱስ ምስ ሓተሙ: ኣንበብቲ ከም መተካእታ ስም ኣምላኽ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት ጐይታ ከምኡውን ኣምላኽ ዝብል ኣትዩ ረኸቡ። ከምኡ ዝገበርሉ ምኽንያት ድማ ኣብቲ መቕድም ተገሊጹ ነበረ:- “ኣብዚ ትርጕም እዚ ነቲ ናይቶም ደገፍቲ ልምዲ ዝዀኑ ኣይሁድ ኣገባብ ኢና ስዒብና: ነቲ ‘ያህወህ’ ዝብል ስም ብ‘ጐይታ’ ከምኡውን ነቲ ‘ጐይታ ያህወህ’ ዝብል ሓረግ ድማ ብ‘ጐይታ ኣምላኽ’ ዝብል ተኪእናዮ ኣሎና። ኣብ ክንዲ እቲ ናይ መጀመርታ ‘ያህወህ’ ኣትዩ ዘሎ ‘ጐይታ’ ወይ ‘ኣምላኽ’ ዝብል: ብዓበይቲ ፊደላት ኢዩ ተጻሒፉ ዘሎ።”

ድሕርዚ: ኣንጻር ልምዲ ናይቶም የሀወሀ ዝብል ክረኽቡ ከለዉ “ጐይታ” ኢሎም ዘድምጹ ኣይሁድ እቲ መቕድም ከምዚ ይብል:- “ስለዚ እምበኣር: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ዝነበረ መኣዛ ክረክብ ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ጐይታ ወይ ኣምላኽ ዝብል ምስ ዝረክብ ‘ያህወህ’ ኢሉ ከንብቦ ኣለዎ”!

ነዚ ከተንብብ ከሎኻ ከምዚ ዝስዕብ ሕቶ ብቕልጡፍ ኣብ ኣእምሮኻ ይመጽእ:- “ጐይታ” ኢልካ ኣብ ክንዲ እተንብብ “ያህወህ” ኢልካ ምንባብ “ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ዝነበረ መኣዛ” ዘውህብ እንተድኣ ኰይኑ: ስለምንታይ ድኣ ተርጐምቲ ኣብቲ ትርጕሞም “ያህወህ” ዘይተጠቕሙ፧ ስለምንታይ ድኣ ኢዮም: ንስም ኣምላኽ ከምቲ ንሳቶም ዝብልዎ “ጐይታ” ዝብል ቃል ገይሮም ‘ዝተክእዎን’ ነቲ ናይ መጀመርታ መቐ​ረት ድማ ዝዓበጥዎን፧

እቶም ተርጐምቲ: ናይቶም ደገፍቲ ልምዲ ዝዀኑ ኣይሁድ ኣብነት ይስዕቡ ከም ዝነበሩ ተዛሪቦም ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዝስ ንሓደ ክር​ስትያን ጥበባዊ ድዩ፧ እቶም ንየሱስ ዝነጸግዎን ንሱ ድማ “ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣም​ላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ” ዝበሎምን: እቶም ናይ ኣይ​ሁድ ልምዲ ዓቀብቲ ዝዀኑ ፈሪሳውያን ምንባሮም ዘክር። (ማቴዎስ 15:​6) ከምዚ ዝበለ ናይ ምትካእ ተግባር ብሓቂ ንቓል ኣምላኽ ዘዳ​ኽም ኢዩ።

ብ1952 ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሓዘ ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን ብቛንቋ እንግሊዝ ተሓትመ: እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ እውን እንተዀነ: ናይ ስም ኣምላኽ መተካእታታት ተጠቕመ። እዚ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ እቲ ናይዚ ሕታም እዚ ምንጪ ዝዀነ ናይ መጀመርታ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን: ኣብ ምሉእ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ የሆዋ ዝብል ስም ኢዩ ተጠቒሙ። ስለዚ: ናይቲ ስም ምውጻእ ርኡይ ለውጢ ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ እተገብረ፧

ኣብቲ ናይ ሪቫይዝድ ስታንዳርድ ቨርሽን መቕድም ከምዚ ነንብብ:- “እቲ ኮሚቴ ብኽ​ልተ ምኽንያታት ናብቲ ኣዝዩ ልሙድ ዝዀነ ናይ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ኣጠቓቕማ [ማለት: ስም ኣምላኽ ምውጻእ] ተመሊሱ ኣሎ:- (1) እቲ ‘የሆዋ’ ዝብል ቃል ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ ተዘውቲሩ ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ናይ ስም ኣጸሓሕፋ ብልክዕ ኣይውክልን ኢዩ፣ ከምኡውን (2) ነቲ ሓደን በይኑን ኣምላኽ: ያኢ ካብኣቶም ምፍላይ ዘድልዮ ካልኦት ኣማልኽቲ ከም ዘለዉ: ናይ ብሕቲ ስም ምሃብ ቅድሚ ዘመነ⁠-ክርስትና ኣብ ኣይሁድነት ተቛሪጹ ዝነበረ ኢዩ: ኣብቲ ኣድማሳዊ እምነት ናይታ ክርስትያናዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ኴንካ ንኣምላኽ ብስሙ ክትጽውዖ ድማ ፈጺሙ ዘይግቡእ ኢዩ።”

እዝስ ቅቡል ዝዀነ መከራኸሪ ነጥብታት ድዩ፧ ከምቲ ኣቐዲምና እተመያየጥናሉ: እቲ የሱስ ዝብል ስም ነቲ ሰዓብቱ ኣብ መጀመርታ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣጸዋውዓ ስም ወዲ ኣምላኽ ብልክዕ ኣይውክልን ኢዩ። እንተዀነ ግን: እዚ ምኽንያት እዚ ነቲ ኮሚቴ ስም የሱስ ኣልጊሱ ኣብ ክንድኡ ከም “ማእከላይ” ወይ “ክርስቶስ” ዝብል መዓርጋት ከም ዝጥቀም ኣይገበሮን። ሓቂ ኢዩ: እዚ መዓርጋት እዚ ይዝውተር ኢዩ: ግናኸ ኣብ ርእሲ እቲ የሱስ ዝብል ስም ድኣ’​ምበር ኣብ ክንዲ እቲ ስም እቲ ዝውዕል ኣይኰነን።

እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: ካብኣቶም ምፍላይ ዘድልዮ ካልኦት ኣማልኽቲ የለዉን ዝብል መከራኸሪ ነጥቢ: ብሓጺሩ ሓቂ ኣይኰነን። ብደቅሰብ ዝምለኹ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣማልኽቲ ኣለዉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብዙሓት ኣማልኽቲ ኣለዉ’ በለ። (1 ቈረንቶስ 8:​5፣ ፊልጲ 3:​19) ልክዕ ኢዩ: ከምቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝብሎ: ሓቀኛ ኣምላኽ ሓደ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ: ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ስም ምጥቃም ካብ ዝህቦ ሓደ ዓቢ ጥቕሚ: ካብ ኵሎም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዝፈልዮ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ስም ኣምላኽ ምጥቃም “ፈጺሙ ዘይግቡእ” እንተድኣ ኰይኑ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዳርጋ 7,000 ግዜ ዝርከብ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧

እቲ ሓቂ: ብዙሓት ተርጐምቲ: እቲ ስም ምስቲ ዘመናዊ ኣደማምጽኡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክወጽእ ከም ዘለዎ ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። ኣብቲ ትርጕማቶም ኣእትዮምዎ ኢዮም: እቲ ውጽኢት ድማ ኵሉ ግዜ ነቲ ናይ መጽ​ሓፍ ቅዱስ ደራሲ ዝያዳ ክብሪ ዝህብን ነቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ብተኣማንነት ዘነጽርን ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። ገለ ካብቶም እቲ ስም ሒዞም ዘለዉ ብብዝሒ ዝዝውተሩ ትርጕማት: ናይ ቫሌራ ትርጕም (ቋንቋ ስጳኛ: ብ1602 እተሓትመ): ናይ ኣልመይዳ ትርጕም (ቋንቋ ፖርቱጋል: ብ1681 እተሓትመ): እቲ ናይ መጀመርታ ትርጕም ኤልበርፊልደኽ (ቋንቋ ጀርመን: ብ1871 እተሓትመ): ከምኡውን ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርዥን (እንግሊዝኛ: ብ1901 እተሓትመ)። ገለ ገለ ትርጕማት: ብፍላይ ድማ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል: ስም ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ዝጥቀም እኳ እንተዀነ ያህወህ ብም​ባል ኢዩ ዝጽሕፎ።

ሕጂ እቶም ኣብ ትርጕማቶም ነቲ ስም ዘእተዉ ገለ ገለ ተርጐምቲ ዝሃብዎ ሓሳባት ምስቲ ናይ​ቶም ነቲ ስም ዘውጽእዎ ተርጐምቲ ዘቕርብዎ ምኽንያት ኣረኣእዮ።

ካልኦት ነቲ ስም ዘእተውሉ ምኽንያት

ቀጺሉ ናይቲ ብ1901 እተሓትመ ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርዥን (እንግሊዝኛ) ተርጐምቲ ዝሃ​ብዎ ሓሳባት ኣሎ:- “[እቶም ተርጐምቲ] እቲ መለኮታዊ ስም ኣዝዩ ቅዱስ ብምዃኑ ብኣፍካ ከተውስኦ ኣይግባእን ዝብል ናይ ኣይሁድ ማሪት: ድሕሪ ደጊም ኣብ እንግሊዝኛ ወይ ኣብ ካልእ ዝዀነ ትርጕም ብሉይ ኪዳን ክዕብልል ከም ዘይብሉ ምሉእ ብምሉእ ተሰማምዑ . . . እዚ ኣብ ዘጸ. 3. 14, 15 እተገልጸ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጽሑፍ ብሉይ ኪዳን ድማ ብተደጋጋሚ ጐሊሑ ዘሎ ናይ ዝኽሪ ስም: ንኣምላኽ ኣካል ዘለዎ: ኣምላኽ ኪዳን: ኣምላኽ ራእይ: መድሓኒ: ዓርኪ ህዝቡ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጾ። . . . እዚ ብሕታዊ ስም እዚ ምስቲ ሒዝዎ ዘሎ ብዙሕ ቅዱስ ዝዀነ ነገራት: ናብቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ዘለዎ ዘየጠራጥር ቦታ ተመሊሱ ኣሎ።”

ብተመሳሳሊ: ኣብ መቕድም ናይቲ ብቛንቋ ጀርመን እተዳለወ ናይ መጀመርታ ኤልበርፊልደኽ ቢብል: ከምዚ ነንብብ:- “ጂሆቫ። ኣንባቢ ንብ​ዙሕ ዓመታት ዝለመዶ ስለ ዝዀነ: ነዚ ስም ናይቲ ኣምላኽ ቃል ኪዳን እስራኤል ከምቲ ዘለዎ ጽሒፍናዮ ኣሎና።”

እቲ ዘ ባይብል ኢን ሊቪንግ ኢንግሊሽ (እን​ግሊዝኛ) ዝተርጐመ: ስቴቨን ቲ. ባይንግተን: ስለ​ምንታይ ስም ኣምላኽ ከም እተጠቕመ ክገ​ልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ እቲ ኣጸ⁠ሓሕፋን ኣደማምጻን ኣይኰነን። እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ እዚ ስም እዚ ብሕታዊ ስም ምዃኑ ምንጻር ኢዩ። ነዚ ስም እዚ በቲ ከም ‘ጐይታ’ ዝኣመሰለ ናይ ሓባር ኣስማት ወይ ካብኡ ዝገ​ደደ ድማ ብቕጽል ኣስማት [ንኣብነት: ዘለኣለማዊ] እን⁠ተድኣ ተተኪኡ ብግቡእ ክትርድኦ ዘይከኣል ብዙሕ ጥቕስታት ኣሎ።”

ብጀይ. ቢ. ሮዘርሃም እተዳለወ ካልእ ትርጕም ዝሃቦ ምኽንያት ድማ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብቲ ትር​ጕሙ ስም ኣምላኽ ተጠቒሙ ኢዩ: ግን ነቲ ያህወህ ዝብል ኣጸዋውዓ መረጸ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ብ1911 እተሓትመ ስታዲስ ኢን ዘ ሳልምስ (እንግሊዝኛ) ዝብል ጸኒሑ ዘዳለዎ መጽሓፍ: እንደገና ነቲ የሆዋ ዝብል ኣጸዋውዓ ተጠቕመ። ስለ⁠ምንታይ፧ ባዕሉ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ጂሆቫ​—⁠ነዚ ናይ እንግሊዝኛ ኣጸዋውዓ ዘለዎ ናይ ዝኽሪ ስም (ዘጸ. 3:18) ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ መዝሙር ዳዊት ትርጕም ምጥቃም: ብዛዕባ እቲ ያህወህ ዝብል ቃል ልክዕ ዝዀነ ኣደማምጻኡ ምጥርጣር ስለ ዘሎ ኣይኰነን፣ ኣብ ክንድኡ ግን: ካብ ተግባራዊ መርትዖ ብምብጋስ ኣብ ከምዚ ዝበለ ነገራት: ማለት እቲ ቀንዲ ቁም ነገር ነቲ መለኮታዊ ስም ብቐሊሉ ከም ዝፍለጥ ንምግባር ስለ ዝዀነ: ብብሕተይ ነቲ እዝንን ዓይንን ሰብ ዝለመዶ ምጥቃም ዝሓሸ ምዃኑ ብምግንዛብ ከምኡ ክገብር መሪጸ ኣሎኹ።”

ኣብ መዝሙር 34:3 ኣምለኽቲ የሆዋ “ንእግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ምሳይ ኣዕብይዎ: ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ” ብምባል ተማዒዶም ኣለዉ። ስም ኣምላኽ ዘይብሉ ናይ መጽ​ሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ዘንብቡ ሰባት: ነዚ ምዕዶ እዚ ከመይ ገይሮም ኢዮም ምሉእ ብምሉእ ክምልስሉ ዝኽእሉ፧ እንተ ወሓደ ገሊኣቶም ተርጐምቲ ንቅ​ዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ክትርጕሙ ከለዉ ንስም ኣምላኽ ኣብቲ ትርጕማቶም ንም​እታው ብምትብዖም: ክርስትያናት ሕጕሳት ኢዮም: በዚ ድማ ከምቲ ስሚዝን ጉድስፒድን ዝበልዎ “ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጽሕፍ ዝነበረ መኣዛ” ይዕቀብ።

ይኹን እምበር መብዛሕትኦም ተርጐምቲ: ኣብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እኳ ንስም ኣምላኽ እንተ ኣእተዉ: ካብቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት: “ሓድሽ ኪዳን:” የውጽእዎ ኢዮም። እቲ ነዚ ዘቕርብዎ ምኽንያት እን​ታይ ኢዩ፧ ኣብዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ስም ኣምላኽ ክኣቱ ቅቡል ዝገብሮ ገለ ምኽንያትዶ ኣሎ ኢዩ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ገለ ዘበናት ጸኒሑ ዝወጸ ቅዳሓት ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ እቲ ጂሆቫ ዝብል መለኮታዊ ስም ኢዩ ተጠቒሙ።

b ዘፍጥረት 15:2፣ ዘጸኣት 6:3፣ 15:3፣ 17:16፣ 23:17፣ 33:19፣ 34:23፣ ዘዳግም 3:24። ቲንደል እውን: ኣብቲ ኣብ ኣንትዋርፕ ኰይኑ ብ1534 ዘዳለዎ ሓድሽ ኪዳን ኣብቲ ናይ መጨረሽታ ክፍሊ ዝወሰኾ: ንስም ኣምላኽ ኣብ ህዝቅኤል 18:23 ከምኡውን 36:23 ኣእትይዎ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቶም ነቲ ኣውቶራይዝድ ቨርዥን ዝበሃል ትርጕም ዘዳለዉ ተርጐምቲ ንስም ኣምላኽ: የሆዋ: ኣብ ኣርባዕተ ጥቕስታት ጥራይ ኣእትዮምዎ ኣለዉ: ኣብ ኵሉ ካልእ ቦታታት ግን በቲ ኣምላኽ ከምኡውን ጐይታ ዝብል መዓርጋት ተክእዎ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ስም ኣምላኽ ምጥቃም “ፈጺሙ ዘይግቡእ” እንተድኣ ኰይኑ: ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ኣብቲ ናይ እብራይስጢ በዅሪ ጽሑፍ ዳርጋ 7,000 ግዜ ዝርከብ፧

[ሳጹን/ኣብ ገጽ 20, 21 ዘሎ ስእልታት]

ስም ኣምላኽ ንምጥፋእ እተራእየ ጽልኢ ድዩ፧

ኣብዚ ግዜ እዚ: ብቛንቋ ኣፍሪካንስ (ዘርኢ ዳች ዘለዎም ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዛረብዎ ቋንቋ) ስም ኣምላኽ ዘለዎ ዘመ​ናዊ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ የሎን። እዚ ዘገ​ርም ነገር ኢዩ: ከመይሲ ኣብቲ ሃገር ብዝዝረብ ናይ ቀቢላ ቋንቋታት እተዳለወ ትርጕማት እዚ ስም እዚ ዝውቱር ኢዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝዀነ እስከ ንርአ።

ኣብቲ ብ24 ነሓሰ 1878 እተገብረ ናይ ሶሳይቲ ኦቭ ትሩ ኣፍሪካነርስ (ጂ. ኣር. ኤ) ኣኼባ: ብቛንቋ ኣፍሪካንስ ትር​ጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክዳሎ ብርቱዕ ምሕጽንታ ቀሪቡ ነበረ። ሽዱ​ሽተ ዓመታት ጸኒሑ: እቲ ጕዳይ እንደገና ተላ​ዕለ እሞ: ኣብ መወዳእታ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ናይ መጀ​መርታ ቋንቋታት ክትርጐም ተወሰነ። እቲ ዕዮ ነቲ ኣብ ትራንስቫል ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ዝለዓለ ኣካያዲ ዝነበረ ኤስ. ጀይ. ዱ ቶይት ተዋህበ።

ንዱ ቶይት እተዋህበት ናይ መምርሒ ደብዳበ: እዚ ዝስ⁠ዕብ ትሕዝቶ ነበራ:- “እቲ ናይ ጐይታ ናይ ብሕቲ ስም ጐይታ: የሆዋ ወይ ጃህቨ: ኣብ ምሉእ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለዎ ክጸሓፍ ኣለዎ [ማለት ብጐይታ ወይ ኣምላኽ ዝብል ክትካእ የብሉን]።” ኤስ. ጀይ. ዱ ቶይት ሸውዓተ ናይ መጽ​ሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ናብ ቋንቋ ኣፍሪካንስ ተርጐመ: ኣብ ኵለን ድማ እቲ የሆዋ ዝብል ስም ይርከብ።

ካልእ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጽሑፋት እውን: ሓደ ግዜ ስም ኣምላኽ ነይርዎም ኢዩ። ንኣብነት: ኣብቲ ብ1914 ብጀይ. ኤ. ማልሀርበ: እተዳለወ ደ ኮርተ ካቴኪስሙስ [ቋንቋ ላቲን] እተባህለ መጽሓፍ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ:- “እቲ ቀንዲ ስም ኣምላኽ መን ኢዩ፧” እቲ መልሲ “ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳትና ብዓበይቲ ፊደላት ጐይታ ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ኢዩ። እዚ [ስም እዚ] ንዝዀነ ይኹን ፍጡር ፈጺሙ ኣይተዋህበን።”

ኣብቲ ዲየ ካትኪሳስየቡክ [ቋንቋ ዳች] እዚ ዝስዕብ ሕቶ ይርከብ:- “እሞ ነቲ የሆዋ ወይ ጐይታ ዝብል ስም ፈጺ​ምና ክን​ጥቀመሉ የብልናን ማለት ድዩ፧ ኣይሁዳውያን ከምኡ ኢዮም ገይሮም። . . . ትርጕም ናይቲ ትእዛዝ ግን እዚ ኣይ​ነበረን። . . . ስሙ ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና: ግን ብኸንቱ ኣይኰነን።” ክሳዕ እዚ ቐረባ ግዜ: እንደገና እተሓትመ ጽሑፋት ዲየ ሃሌሉጃህ (ናይ መዝሙር መጽሓፍ) እውን ኣብ ገለ ገለ መዝሙራት ስም ኣምላኽ ሒዙ ይርከብ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ናይ ዱ ቶይት ትርጕም ተፈላጥነት ኣይ​ነበሮን: ብ1916 ድማ ንናይ ቋንቋ ኣፍሪካንስ መጽሓፍ ቅዱስ ምሕታም እትዕዘብ ናይ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኮሚቴ ተመዘዘት። እዛ ኮሚቴ እዚኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ናይ ምውጻእ ፖሊሲ ነበራ። ብ1971 ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ደቡብ ኣፍሪቃ: ብቛንቋ ኣፍሪካንስ ሒደት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ዝሓዘ “ግዝያዊ ትርጕም” ኣዳለወ። ስም ኣምላኽ ኣብቲ መእተዊ እኳ እንተ ተጠቕሰ: ኣብ ውሽጢ እቲ ጽሑፍ ናይቲ ትርጕም ግን ኣይኣተወን። ብተመሳሳሊ: ብ1979 “ሓድሽ ኪዳን” ከምኡውን መዝሙር ዳዊት ዝሓዘ ሓድሽ ትርጕም ወጸ: እዚውን ብተመሳሳሊ ስም ኣምላኽ ኣይነበሮን።

ኣብ ርእሲ እዚ: ካብ 1970 ኣትሒዙ ካብቲ ዲየ ሃሌሉጃህ ዝበሃል መጽሓፍ እቲ የሆዋ ዝብል ስም ወጸ። ከምኡውን በቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ናይ ዳች ተሃድሶ ቤተ⁠-ክርስትያን እተዳለወ ሻድሻይ ሕታም ናይ ዲየ ካትኪሳሲየቡክ ዝበሃል መጽሓፍ እውን ሕጂ ነቲ ስም ኣውጽኦ።

አረ: እቲ የሆዋ ዝብል ኣጸዋውዓ ንምርሓቕ እተገበረ ጻዕ​ርታትስ ኣብ መጻሕፍቲ ጥራይ ኣይተወሰነን። ኣብ ፓርል ዝር​ከብ ናይ ዳች ተሃድሶ ቤተ⁠-ክርስትያን: ጂሆቫ ጂረ [ቋንቋ ዳች] (“የሆዋ ክህብ ኢዩ”) ዝብል ቃላት እተቐርጾ እምነ⁠-​መሰረት ነበሮ። ናይዛ ቤተ⁠-​ክርስትያን እዚኣን ናይቲ እምነ⁠-​መሰረታን ስእሊ: ኣብ ናይ 22 ጥቅምቲ 1974 ንቕሑ! ሕታም: (እን​ግሊዝኛ) ብቛንቋ ኣፍሪካንስ ወጺኡ ኣሎ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: እቲ ኣብቲ እምነ⁠-መሰረት ዝነበረ ጽሑፍ ዲየ ሄረ ሳል ቩርሰን [ቋንቋ ኣፍሪካንስ] (“ጐይታ ክህብ ኢዩ”) ብዝብል ካልእ ቃላት ተተክአ። እቲ ጽሑፍ እተወስደሉ ጥቕስን ናይቲ እምነ⁠-መሰረት ዕለትን ከምቲ ዘለዎ ተገድፈ: እቲ የሆዋ ዝብል ስም ግን ካብኡ ወጸ።

ስለዚ: ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ተዛረብቲ ቋንቋ ኣፍሪካንስ ስም ኣምላኽ ኣይፈልጡን ኢዮም። እቶም ነቲ ስም ዝፈልጥዎ ኣባላት ቤተ⁠-ክርስትያን ድማ ክጥቀምሉ ይሓፍሩ ኢዮም። አረ ገሊኣቶምሲ ስም ኣምላኽ ጐይታ ኢዩ ኢሎም ይካትዑ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ የሆዋ ዝብል ስም ምሂዞም ብምባል ይኸስዎም።

[ስእልታት]

ኣብ ፓርል: ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ናይ ዳች ተሃድሶ ቤተ⁠-ክርስትያን። ኣብ መጀመርታ: እቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣብቲ እምነ⁠-መሰረት ተቐሪጹ ነበረ (ላዕለዋይ የማን)። ጸኒሑ ግን ብኻልእ ተተክአ (ላዕለዋይ ጸጋም)

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ካብ ናይ ሰንት ጀነቪየ ቤተ መጻሕፍቲ: ፓሪስ: ፈረንሳ (ቈጽሊ ወረቐት 162b) እተረኽበ ኢደ⁠-ጽሑፍ (ኣብ መበል 13 ወይ 14 ክፍለ⁠-​ዘበን እተጻሕፈ) ይርአ ከም ዘሎ: ዮሆኡዋ ዝብል ኣጸሓሕፋ ዘለዎ ስም ኣምላኽ ኣብቲ ናይ 1278 ፑጂዮ ፊደይ ዝበሃል ጽሑፍ ይርከብ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ዊልያም ቲንደል ኣብቲ ብ1530 ዘሕተሞ: እተን ሓሙሽተ ናይ መጀመርታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ትርጕም: ንስም ኣምላኽ ኣብ ዘጸኣት 6:3 ኣእትይዎ ኣሎ። ስም ኣምላኽ እተጠቕመሉ ምኽንያት ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ትርጕም ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ገሊጽዎ ኣሎ

[ምንጪ ስእሊ]

(Photograph courtesy of the American Bible Society Library, New York)