ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም ኣምላኽ —ትርጕሙን ኣደማምጽኡን

ስም ኣምላኽ —ትርጕሙን ኣደማምጽኡን

ስም ኣምላኽ —⁠ትርጕሙን ኣደማምጽኡን

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝአከቦ መን እዩ፧ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ፧ ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ዘጽንዔስ መን እዩ፧ እንታይ እዩ ስሙ፧ ስም ወዱኸ እንታይ እዩ፧ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ፧” ብምባል ሓተተ። (ምሳሌ 30:4 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ንሕናኸ ስም ኣምላኽ መን ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጦ ንኽእል፧ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ ኢዩ። ፍጥረት: ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘርኢ ሓያል መረጋ​ገጺ እኳ እንተዀነ: ስሙ ግን ኣይነግረናን ኢዩ። (ሮሜ 1:20) አረ: ፈጣሪ ባዕሉ እንተ ዘይነጊሩናስ ስም ኣምላኽ ፈጺምና ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ድማ ኣብ መጽሓፉ: ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፍዎ ኣሎ።

ኣብ ሓደ ዓቢ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ: ኣምላኽ ሙሴ እናሰምዖ ናይ ገዛእ ርእሱ ስም ደጋ​ጊሙ ጸዊዑ ኢዩ። ሙሴ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ እቲ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብዚ ክሳዕ ግዜና ተዓቂቡ ዝጸንሐ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሒፉዎ ኣሎ። (ዘጸኣት 34:5) ኣምላኽ ስሙ ‘በጻብዑ’ እውን ከይተረፈ ጽሒፉ ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዓሰርተ ትእዛዛት ኢልና እንጽውዖ ሕግታት ንሙሴ ክህቦ ከሎ: ብተኣምራታዊ መገዲ ኢዩ ጽሒፍዎ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “[ኣምላኽ] ኣብ ከረን ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድኤ: ክልተ ጽላት ምስክር: በጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፋ ጽላት እምኒ ሀቦ።” (ዘጸኣት 31:18) ስም ኣምላኽ ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓሰ​ርተ ትእዛዛት ሾሞንተ ግዜ ዝኣክል ይርከብ። (ዘጸኣት 20:1-17) ስለዚ ኣምላኽ ብቓልን ብጽሑፍን ገይሩ ስሙ ንሰብ ባዕሉ ገሊጹሉ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ስም እቲ መን ኢዩ፧

ብቛንቋ እብራይስጢ יהוה ተባሂሉ ኢዩ ዝጸሓፍ። እዘን ኣርባዕተ ፊደላት እዚኣተን: ቴትራግራማተን ተባሂለን ኢየን ዝጽውዓ: ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ ኸኣ ካብ የማን ናብ ጸጋም ኢየን ዝንበባ: ኣብ ብዙሕ ዘመናዊ ቋንቋታት ድማ የሀወሀ ወይ ጀሀቨሀ ተባሂለን ክጸሓፋ ይኽእላ ኢየን። ስም ኣምላኽ በዘን ኣርባዕተ ተደመ​ጽቲ ፊደላት ተወኪሉ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ “ብሉይ ኪዳን:” ወይ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዳርጋ 7,000 ግዜ ይርከብ ኢዩ።

እቲ ስም ናይታ “ምዃን:” ብልክዕ ድማ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” a ዝብል ትርጕም ዘለዋ: ሃ·ዋህ ʹ (הוה) እትብል ናይ እብራይስጢ ግሲ ኣቃውማ ዘለዎ ኢዩ። ስለዚ እቲ ስም: ኣምላኽ በብደረጅኡ መብጽዓታቱ ዝፍጽምን ብዘይ ገለ ጕድለት ድማ ዕላማታቱ ኣብ ግብሪ ዘውዕልን ኣካል ከም ዝዀነ ዘፍልጦ ኢዩ። እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ከምዚ ዝበለ ትርጕም ዝመልኦ ስም ክህልዎ ዝኽእል።

ከምቲ ኣብዛ ዝሓለፈት ክፍሊ (ኣብ ገጽ 5) ተዘርዚሩ ዘሎ: ኣብ መዝሙር 83:​18 ስም ኣምላኽ ተጻሒፉሉ ዘሎ እተፈላለየ ኣገባባት ትዝክሮዶ፧ ካብቲ ቀሪቡ ዘሎ ትርጕማት እቲ ክልተ: ከም መተካእታ ስም ኣምላኽ (“ጐይታ:” እቲ “ዘለኣለማዊ”) ዝብል መዓርጋት ዝሓዘ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብተን ዝተረፋ ክልተ ትርጕማት: ኣብቲ ያህወህ ከምኡውን የሆዋ ዝብል: እተን ኣርባዕተ ፊደላት ናይ ስም ኣምላኽ ክትርእየን ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣደማምጻ ግን እተፈልየ ኢዩ። ስለምንታይ፧

ስም ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ዝድመጽ፧

እቲ ሓቂ: ኣብ መጀመርታ ስም ኣምላኽ ብኸመይ ይድመጽ ከም ዝነበረ ኣረጋጊጹ ዝፈ​ልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን ዝብል ኢዩ። ስለምንታይ፧ ርግጽ ኢዩ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተ​ጻ⁠ሕ⁠ፈሉ ናይ መጀመርታ ቋንቋ እብራይስጢ ኢዩ: ቋንቋ እብራይስጢ ክጸሓፍ ከሎ ድማ እቶም ጸሓፍቲ—⁠መዳምጽቲ ዘይብሉ​—ተደመጽቲ ጥራይ ኢዮም ጽሒፎም። ስለዚ: እቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተመርሑ ጸሓፍቲ ስም ኣም​ላኽ ክጽሕፉ ከለዉ: ነቶም ተደመጽቲ ጥራይ ክጽሕፉ ርዱእ ዝዀነ ነገር ኢዩ።

ጥንታዊ ቋንቋ እብራይስጢ መዓልታዊ ዝዝረብ ቋንቋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጸሓሕፋ ጸገም ኣይነበሮን። ናይቲ ስም ኣደማምጻ ንእስራኤላውያን ልሙድ ኢዩ ነይሩ: ተጻሒፉ ምስ ዝረኽብዎ ድማ ብዙሕ ከይተጨነቑ መዳምጽቲ ይውስኽሉ ነበሩ (ልክዕ ከምቲ ሓደ ትግርኛ ዘንብብ ሰብ “ዶ/ር” ክረክብ ከሎ “ዶክተር:” ከምኡውን “ወ/ሮ” ክረክብ ከሎ “ወይዘሮ” ኢሉ ዘንብቦ ማለት ኢዩ)።

ነዚ ኵነታት እዚ ንምልዋጥ ክልተ ነገራት ኢዩ ተፈጺሙ። ቀዳማይ: ነቲ መለኮታዊ ስም ዓው ኢልካ ክትጽውዖ ጌጋ ኢዩ ዝብል ማሪታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ መንጎ እቶም ኣይሁድ ተላዕለ፣ ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ከለዉ ነቲ ስም ምስ ዝረኽብዎ: ’ኣዶ·ናይʹ (“ልዑል ጐይታ”) ዝብል ናይ እብራይስጢ ቃል የድምጹ ነበሩ። ብተወሳኺ ድማ: ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ጥንታዊ ቋንቋ እብራይስጢ መዓልታዊ መረዳድኢ ቋንቋ ካብ ምዃን ኣቋረጸ: ከምዚ እናበለ ድማ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ተረስዐ።

እቲ ናይ ቋንቋ እብራይስጢ ኣደማምጻ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ ምእንቲ ከይተርፍ: ኣብቲ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ቀዳማይ ሽሓዊ መዋእል ከ.ኣ.ዘ. ዝነብሩ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ምሁራት: ነቲ ዝጠፍአ መዳምጽቲ ዝትክእ ናይ ነጥብታት ምልክት መሃዙ: ነዚ ድማ ኣብቲ ናይ እብራይስጢ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥቓ እቶም ተደመጽቲ ወሰኽዎ። በዚ ኸምዚ ድማ: ክልቲኦም ማለት መዳምጽቲ ከምኡውን ተደመጽቲ ተጻሕፉ: እቲ ኣደማምጻ ድማ ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሮ ብምዃን ተዓቀበ።

ኣብ ስም ኣምላኽ በጺሖም ግን: ኣብ ክንዲ እቲ ግቡእ ናይ መዳምጽቲ ምልክት ዝገብርሉ: ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት እቲ ኣንባቢ ኣዶ·ናይʹ ክብል ከም ዘለዎ ንምዝኽኻር ካልእ ናይ መዳምጽቲ ምልክታት ገበርሉ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ኤሁኣህ ዝብል ኣጸሓሕፋ መጸ: ኣብ መወዳእታ ድማ ጂሆቫ: ኣብ እንግሊዝኛ ተቐባልነት ዘለዎ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ኰነ። እዚ ኣደማምጻ እዚ: ካብቲ ንስም ኣምላኽ ዝኸውን ናይ መጀመርታ ቋንቋ እብራይስጢ መሰረታዊ ድምጽታት ዝሓዘ ኢዩ።

ኣየናይ ኣደማምጻ ኢኻ ክትጥቀም፧

እንተዀነ ግን: ከም ያህወህ ዝኣመሰለ ኣደ​ማምጻታት ካበይ ኢዩ መጺኡ፧ እዚ በቶም ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ኣደማምጻ ስም ኣም​ላኽ ክምርምሩ ዝፈተኑ ዘመናውያን ምሁራት ዝቐረበ ኣገባብ ኢዩ። ኵላቶም እኳ እንተዘይኰኑ: ገለ ካብኣቶም: እቶም ቅድሚ የሱስ ዝነ​በሩ እስራኤላውያን ንስም ኣምላኽ ምናል⁠ባት ያህወህ ኢሎም ኢዮም ዘድምጽዎ ነይሮም ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ይኹን እምበር: ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ምናልባት ከምኡ ኢሎም: ወይ ከኣ ካልእ ኣደማምጻ ይጥቀሙ ነይሮም ይዀኑ።

እንተዀነ ግን: ብዙሓት ነቲ ጂሆቫ ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ኣደማምጻ ኢዮም ዝመርጹ። ስለምንታይ፧ ካብ ያህዌህ ንላዕሊ ተቐባልነት ዘለዎን ልሙድን ስለ ዝዀነ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናብቲ ናይ መጀመርታ ኣደማምጻ ዝቐረበ ዓይነት ኣገባብ እንተ ዝዝውተርዶ ኣይምሓሸን፧ ፈጺሙ ዝሓሸ ኣይኰነን: ከመይሲ ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጠቓቕማ ስም: ከምዚ ዓይ​ነት ልምዲ የለን።

ዝበለጸ ኣብነት ንምውሳድ: ነቲ ናይ የሱስ ስም ርአ። የሱስ ኣብ ናዝሬት ክዓቢ ኸሎ ስድ⁠ራቤቱን ኣዕሩኹን ኣብቲ መዓልታዊ ዘረባኦም እንታይ ኢሎም ይጽውዕዎ ከም ዝነበሩ ትፈልጥዶ፧ ምናልባት የሹዋ (ወይ የሆሹዋ) ኢሎም ይጽውዕዎ እኳ እንተ ነበሩ: እቲ ሓቂ ግን ርግጸኛ ዀይኑ ዝፈልጦ ሰብ የለን ዝብል ኢዩ። የሱስ ተባሂሉ ይጽዋዕ ከም ዘይነበረ ግን ርግጽ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ዛንታ ህይወቱ ብቛንቋ ግሪኽ ከጸሓፍ ከሎ እቶም መንፈስ ዝመርሖም ጸሓፍቲ ነቲ ናይ መጀመርታ ናይ እብራይስጢ ኣደማምጻ ከም ዘለዎ ክጽሕፍዎ ኣይፈተኑን። ኣብ ክንድኡ: ነቲ ስም ብቛንቋ ግሪኽ ኢ·የ·ሱስ ʹ ብምባል ተርጐምዎ። ሎሚ: ብመሰረት ቋንቋ ናይቶም ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተፈላለየ መልክዕ ኢዩ ተተርጒሙ ዘሎ። ብቛንቋ ስጳኛ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብቡ ሰባት: የሱስ ዝብል ክረኽቡ ከለዉ (ሄሰ·ሱስʹ ኢሎም የድምጽዎ)። ኢጣልያውያን ጄሱ ኢሎም ይጽሕፍዎ (ጄይ·ዙʹ ኢሎም ድማ የድምጽዎ)። ጀርመናውያን ድማ ጀሱስ ኢሎም ይጽሕፍዎ (ያይʹሱስ ኢሎም ከኣ የንብብዎ)።

መብዛሕትና: ዳርጋ ኵልና እውን ከይተረፈ እቲ ናይ መጀመርታ ኣደማምጽኡ ብሓቂ ስለ ዘይንፈልጦ ናይ የሱስ ስም ካብ ምጥቃም ከነ​ቋርጽ ይግብኣናዶ፧ ክሳዕ ሕጂ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ዘቕረበ ተርጓሚ የለን። ነቲ ምእንታና ክብል ደሙ ዘፍሰሰ ፍቑር ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ ዘፍልጦ ብምዃኑ: ነቲ ስም እቲ ክንጥቀመሉ ንደሊ ኢና። ንዅሉ እቲ ስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱሉ ዘሎ ቦታታት ኣው​ጺእና በቲ ከም “መምህር” ወይ “ማእከ⁠ላይ” ዝብል መዓርጋት ምትካእ ንየሱስ ክብሪ ምርኣይዶ ምዀነ፧ ብርግጽ ኣይኰነን! በቲ ኣብ ቋን​ቋና ዘሎ ልሙድ ኣደማምጻ ገይርና ንስሙ ክንጥቀመላ ከሎና ምስ የሱስ ናይ ቀረባ ርክብ ክንገብር ንኽእል ኢና።

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እነንብቦ ዝዀነ ይኹን ስም ዝምልከት እውን ተመሳሳሊ ሓሳባት ክወሃብ ይከ​ኣል ኢዩ። በቲ ቋንቋና ነድምጾም ድኣ’ምበር ነቲ ናይ መጀመርታ ኣደማምጻ ክንቀድሖ ኢልና ኣይንፍትንን ኢና። ስለዚ ኣብ ክንዲ ይር·ሜያ ʹሁ “ኤርምያስ” ኢና እንብል። ብተመሳሳሊ ኣብቲ ግዜኡ የሻ ʽ·ያ ʹሁ ተባሂሉ ዝፍለጥ እኳ እንተ ነበረ: ነዚ ነብዪ እዚ ኢሳይያስ ኢልና ኢና እንጽውዖ። እቶም ነቲ ናይ መጀመርታ ኣደማምጻ ዝፈልጥዎ ምሁራት እኳ ከይተረፉ ብዛዕባ እቶም ሰባት እቲኣቶም ክዛረቡ ኸለዉ: ነቲ ጥንታዊ ኣደማምጻ ዘይኰነስ ነዚ ዘመናዊ ኣደማምጻ ኢዮም ዝጥቀሙ።

ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ዝምልከት እውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ። እቲ የሆዋ ዝብል ዘመናዊ ኣደማምጻ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ኣደማምጻ ክኸውን እኳ እንተ ዘይከኣለ: እዚ ንኣገዳስነት ናይቲ ስም ፈጺሙ ዘጕድሎ ኣይኰነን። ነቲ የሱስ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ዝበሎ ፈጣሪ: ህያው ኣምላኽ: ኣዝዩ ልዑል ፈልዩ ዘፍልጦ ስም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:9

‘ብኻልእ ክትካእ ኣይክእልን ኢዩ’

ብዙሓት ተርጐምቲ ነቲ ያህወህ ዝብል ኣደማምጻ ዝመርጹ እኳ እንተዀኑ: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምኡውን ካልኦት ብዙሓት ትርጕማት: ሰባት ንዘበናት ዝኣክል ዝለመድዎ ብምዃኑ ነቲ ጂሆቫ ዝብል ኣደማምጻ ምጥ​ቃም ቀጺሎም ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ልክዕ ከምቲ ካልእ ኣገባባት ሒዝዎ ዘሎ: ነተን የሀ​ወሀ ወይ ጀሀቨሀ b ዝብላ ናይ ቴትራግራማተን ኣርባዕተ ፊደላት ዓቂብወን ኢዩ።

ኣቐድም ኣቢሉ: ጀርመናዊ ፕሮፌሰር ጉስ​ታቭ ፍሬደሪክ ኦህለር ምስዚ ብዝሰማማዕ ምኽንያት ተመሳሳሊ ውሳነ ገይሩ ነበረ። እተፈላለየ ኣደማምጻታት ምስ ዘርዘረ ከምዚ ብምባል መደምደምታ ሃበ:- “ካብ ሕጂ ንንዮ ነቲ የሆዋ ዝብል ቃል ተጠቒመ ኣሎኹ: ምኽንያቱ ከም ሓቁ እንተድኣ ኰይኑ: እዚ ስም እዚ ኣብቲ እንጥቀመሉ ቃላት ዝያዳ ልሙድ ኰይኑ ኢዩ: ብኻልእ ክትካእ ድማ ኣይክኣልን ኢዩ።”​—⁠ቴዮሎጊ ደስ ኣልተን ተስታመንትስ (ቋንቋ ጀርመን): ካልኣይ ሕታም: ብ1882 እተሓትመ: ገጽ 143

ብተመሳሳሊ: ናይ ካቶሊክ ምሁር ፓውል ጆን: ኣብታ ግራሜር ደ ሊብሬ ቢብሊክ [ቋንቋ ፈረንሳ] እትበሃል ናይ 1923 ሕታም: ኣብ ገጽ 49 ዝርከብ ሓደ እግረ⁠-ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ትርጕማትና: ኣብ ክንዲ እቲ (ግምታዊ ዝዀነ) ያህወህ ዝብል ኣደማምጻ ጂሆቫ ዝብል ተጠቒምና ኣሎና . . . እዚ ድማ ኣብ ቋንቋ ፈረንሳ ልሙድ ዝዀነ ስነ⁠-ጽሑፋዊ ኣገባብ ኢዩ።” ከምቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሳጹን ተሓቢሩ ዘሎ: ኣብ ካልእ ብዙሕ ቋንቋታት እውን ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተመሳሳሊ ኣገባብ ኢዮም ተጠቒሞም።

ግናኸ: ከም ያህወህ ዝኣመሰለ ኣደማምጻ ምጥቃም ጌጋ ኢዩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ጌጋ ኣይኰነን። እቲ የሆዋ ዝብል ኣጸዋውዓ ኣብ መብዛሕትኡ ቋንቋታት “እተለምደ” ብምዃኑ ኣንበብቲ ቀልጢፎም ክርድእዎ ስለ ዝኽእሉ ጥራይ ኢዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር በቲ ስም ምጥቃምን ንኻልኦት ሰባት ድማ ምእዋጁን ኢዩ። “ንእግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ኣመስግኑ: ንስሙ ጸውዑ: ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ: ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ።”​—⁠ኢሳይያስ 12:⁠4

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስዚ ትእዛዝ እዚ ብምስምማዕ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ብኸመይ ከም እተመላለሱ እስከ ንርአ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትር​ጕም ሓዳስ ዓለም 1984: ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 1A ርአ።

b ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) ናይ 1984 ሕታም ተወሳኺ መሐበሪ 1A ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን]

እተፈላለዩ ምሁራት እቲ የሀወሀ ዝብል ስም መጀመርታ ብኸመይ ይድመጽ ከም ዝነበረ እተፈላለየ ርእይቶታት ኢዩ ዘለዎም።

ዶ/ር ኤም. ረይሰል ኣብታ ዘ ሚስተርየስ ኔም ኦቭ የ.ሀ.ወ.ሀ. [እንግሊዝኛ] እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 74 “ኣብ መጀመርታ: ናይቲ ቴትራግራማተን ኣደማምጻ: የሁኣህ ወይ ያሁኣህ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ” በለ።​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ካኖን ዲ. ዲ. ዊልያምስ በዓል ካምብሪጅ: “ጃህወህ እቲ ልክዕ ኣደማምጻ ናይተን ቴትራግራማተን [ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።] ከም ዘይኰነ መርትዖ ይሕብር: አረ የረጋግጽ ኢዩ . . . ምናልባት እቲ ስም ባዕሉ ጃሆህ ነይሩ ይኸውን” ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎ።​—⁠ትሳይት​ሽሪፍት ፊየር ዲ ኣል⁠ት⁠ቴ⁠ስታመንትሊሽ ቪሰንሻፍት [ቋንቋ ጀርመን]: 1936 ጥራዝ 54: ገጽ 269

ኣብቲ ‘ሪቫይዝድ ሴጎንድ ቨርዥን’ እተባህለ ናይ ቋንቋ ፈረንሳ ማህደረ ቃላት: ኣብ ገጽ 9 እዚ ዝስዕብ ሓሳብ ተዋሂቡ ኣሎ:- “እዚ ኣብ ናይ ቀረባ እዋን ትርጕማት ዝዝውተር ዘሎ ያህቬ ዝብል ኣደማምጻ ኣብ ሒደት ጥንታዊ መርትዖታት እተመስረተ ኢዩ: ይኹን እምበር: እዚኣቶም መደምደምታ ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። ሓደ ሰብ ንኸም በዓል ናይ ነብዪ ኤልያስ (ኤሊያሆኡ) ዝኣመሰለ መለኮታዊ ስም ዝሕውስ ስም እንተድኣ ሓሲብሉ: እቲ ኣደማምጻ ብልክዕ ያሆ ወይ ያሆኡ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”

ብ1749 ቴለር እተባህለ ጀርመናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ ዘንበቦ እተፈላለየ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነበረ:- “ዶዮዶራስ በዓል ሲሲሊ: ማክሮቢዩስ: ክለመንትስ ኣሌክሳንድሪኑስ: ሰይንት ጀሮም ከምኡውን ኦሪገንስ ጃኦ ኢሎም ጸሓፉ፣ ሳማሪታንስ: ኢፒፋንዩስ: ቴዮደረቱስ ጃሄ ወይ ጃቬ፣ ሉድዊግ ኬፐል ጃቮህ ኢሉ የንብቦ፣ ድሩሲዩስ ጃህቨ፣ ሆቲንገር ጄህቫ፣ ሜርሴሩስ ጂሆቫ፣ ካስቴሊዮ ጆቫ፣ ከምኡውን ለ ክለርክ ጃዎህ ወይ ጃቮህ ኢሉ የንብቦ።”

ስለዚ እቲ ናይ መጀመርታ ኣደማምጻ ስም ኣምላኽ ከም ዘይፍለጥ ርዱእ ኢዩ። ብኸመይ ይድመጽ ከም ዝነበረ ምፍላጥ ድማ ብሓቂ ዘገድስ ኣይኰነን። ከምኡ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ኣምላኽ ባዕሉ ምእንቲ ክንጥቀመሉ ኢሉ ብርግጽ ምዓቀቦ ነይሩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ንስም ኣምላኽ ብመሰረት እቲ ኣብ ቋንቋና ልሙድ ዝዀነ ኣደማምጻ ክንጥቀመሉ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]

የሆዋ ዝብል ኣጸዋውዓ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ዝሕብር: ብእተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝውተር ናይቲ መለኮታዊ ስም ኣጸሓሕፋ

ኣዋባካል - የሆኣ

ቦጉቱ - ጂሆቫ

ካንቶኔዝ - የህዎዋ

ዳንሽ - ጂሆቫ

ዳች - ጂሆቫ

ኢፊቅ - ጂሆቫ

እንግሊሽ - ጂሆቫ

ፊጂያን - ጂኦቫ

ፊኒሽ - ጂሆቫ

ፍሬንች - ዤሆቫ

ፉቱና - ኢሆቫ

ጀርመን - የሆቫ

ሃንጋሪያን - ጂሆቫ

ኢግቦ - ጂሆቫ

ኢታልያን - ጀኦቫ

ጃፓኒዝ - ኢሆባ

ማኦሪ - ኢሆዋ

ሞቱ - ኤሆቫ

ምዋላ⁠-​ማሉ - ጂሆቫ

ናሪንዬሪ - ጂሆቫ

ነምበ - ጂሆቫ

ፔታትስ - ጂሆኡቫ

ፖሊሽ - ጂሆዋ

ፖርቹጊዝ - ጂኦቫ

ሮማንያን - ኤሆቫ

ሳሞኣን - ኢኦቫ

ሶቶ - ጂሆቫ

ስፓኒሽ - ጂሆቫ

ስዋሂሊ - የሆቫ

ስዊድሽ - ጂሆቫ

ታሂታን - ኤሆቫ

ታጋሎግ - ጂሆቫ

ትግርኛ - የሆዋ

ቶንጋን - ጂሆቫ

ቬንዳ - የሆቫ

ኮሁሳ - ኡየሆቫ

ዮሩባ - ጂሆፋ

ዙሉ - ኡጄሆቫ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

“የሆዋ” ስም ኣምላኽ ምዃኑ ኣብቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀኑ ጽሑፋት እውን ከይተረፈ ብሰፊሑ እተፈልጠ ኢዩ።

ፍራንዝ ሹበርት ነታ ብጆኣን ላዲስላቭ ፒርከር እተጻሕፈት “ዘ ኦልማይቲነስ” (እንግሊዝኛ) ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ግጥሚ ዝኸውን ሙዚቃ ኣዳልዩ ነበረ: ኣብዛ ግጥሚ እዚኣ ድማ ስም ኣምላኽ ክልተ ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ። ኣብታ “ናቡኮ” እትበሃል ናይ ቬርዲ ኦፔራ እውን እቲ ስም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ትርኢት ተጠቒሱ ኣሎ።

ብተወሳኺ: ኣርተር ሆኔገር እተባህለ ፈረንሳዊ ደራሲ ኣብ ዘዳለዎ “ንጉስ ዳዊት” እተባህለ መደረ: ነቲ የሆዋ እተባህለ ስም ልዕል ዝበለ ቦታ ሂብዎ ኣሎ: ቪክቶር ሁጎ እተባህለ ፍሉጥ ፈረንሳዊ ደራሲ ድማ ኣብቲ ዝደረሶ: መጻሕፍቲ ልዕሊ 30 ግዜ ዝኸውን ተጠቒምሉ ኣሎ። ክልቲኦም ማለት ቪክቶርን ላመርታይንን “የሆዋ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ግጥምታት ጽሒፎም ኢዮም።

በቲ ናይ ጀርመን ፈደራላዊ ባንክ ብ1967 እተሓትመት: ዶቸ ታለር (ናይ ጀርመን ሰልዲ) [ቋንቋ ጀርመን] እትበሃል መጽሓፍ: “የሆዋ” ዝብል ስም እተጻሕፎ ካብ ናይ ሲለስያ ዳቺ እተረኽበ ናይ 1634 ራይኽተለር ጥንታዊ ናይ ሓጺን ሰልዲ ዝሓዘ ስእሊ ኣሎ። እታ መጽሓፍ ነቲ ብግልባጥ እቲ ናይ ሓጺን ሰልዲ ዘሎ ስእሊ ኣመልኪታ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ትሕቲ እቲ ዘንጸባርቕ የሆዋ ዝብል ካብ ማእከል ደበና ዝወጽእ ስም: ኣኽሊል እተደፍኦ ዋልታ ምስናይ ካባ ሰራዊት ሲለሲያ ይርአ።”

ኣብ ምብራቕ ጀርመን: ሩዶልስታድት ኣብ እተባህለ ቤተ⁠-መዘክር: ኣብ መበል 17 ክፍለ⁠-ዘበን ጉስታቩስ ካልኣይ ኣዶልፍ እተባህለ ንጉስ ሽወደን ይኽደኖ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ክዳን ኣብቲ ኳሌታ የሆዋ ዝብል ስም ብዓበይቲ ፊደላት ተጻሒፉ ይርከብ።

ስለዚ: ንብዙሕ ዘበናት ዝኣክል እቲ የሆዋ ዝብል ኣጸዋውዓ ስም ኣምላኽ ንምድማጽ ዘመልክት ብዓለምለኸ ደረጃ እተፈልጠ ኢዩ: ነዚ ክጽዋዕ ዝሰምዑ ሰባት ንመን ይዝረበሉ ከም ዘሎ ቀልጢፎም ይፈልጥዎ ኢዮም። ከምቲ ፕሮፌሰር ኦህለር ዝበሎ: “እዚ ስም እዚ ኣብቲ እንጥቀመሉ ቃላት ዝያዳ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ: ክትካእ ድማ ኣይከኣልን ኢዩ።”​—⁠ቴኦሎጊ ደስ ኣልተን ተስታመንትስ (ቋንቋ ጀርመን)።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቫቲካን: ኣብቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ናይ ጳጳስ ክለመንት መበል 13 መቓብር ዝርከብ: ስም ኣምላኽ እተጻሕፎ ናይ ሓደ መልኣኽ ምስሊ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ስም ኣምላኽ እተጻሕፎም ብዙሓት ናይ ሓጺን ሰልድታት ተሰሪሖም ነይሮም ኢዮም። እዚ ናይ ሓጺን ሰልዲ እዚ ናይ 1611 ኰይኑ: ኣብ ኑረምበርግ: ጀርመን እተረኽበ ኢዩ። እቲ ናይ ላቲን ጽሑፍ ኸኣ “ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ” ይንበብ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእልታት]

ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት: ብቴትራግራማተን መልክዕ እተጻሕፈ ስም ኣምላኽ ናይ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ህንጻታት መመልክዒ ኰይኑ ነበረ

ፎኽቭየ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን: ልዮንስ: ፈረንሳ

ካቴድራል ቦኽገስ: ፈረንሳ

ኣብ ላ ሴሎ ዱኖይስ ዝርከብ ቤተ⁠-ክርስትያን: ፈረንሳ

ኣብ ዲኘ ዝርከብ ቤተ⁠-ክርስትያን: ደቡባዊ ፈረንሳ

ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዝርከብ ቤተ⁠-ክርስትያን: ብራዚል

ካቴድራል ስትራስበርግ: ፈረንሳ

ካቴድራል ቅዱስ ማርቆስ: ቬነሰ: ኢጣልያ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]

ኣብ ቦርደሾልም: ጀርመን ኣብ ዝርከብ ገዳም ስም የሆዋ ብኸምዚ ኣገባብ ተጻሒፉ ይርከብ

ኣብ ናይ 1635 ናይ ሓጺን ሰልዲ ጀርመን

ኣብ ፈህመርን: ጀርመን: ኣብ ዝርከብ ልዳት ናይ ሓደ ቤተ⁠-ክርስትያን

ኣብ ሃርማንቸስላግ: ታሕተዋይ ኣውስትርያ: ኣብ ሓደ ናይ 1845 እምነ⁠-መቓብር