ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት

ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት

ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት

“ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ።” (ሮሜ 10:⁠13) ሃዋርያ ጳውሎስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ስም ኣምላኽ ክንፈልጥ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኢዩ ኣጕሊሑ። እዚ ናይ ጳው​ሎስ ሓሳባት ናብቲ ኣብ መጀመርታ ዘቕረብናዮ ሕቶ ኢዩ ዝመልሰና:- የሱስ ኣብቲ ናይ ኣብ​ነት ጸሎቱ ካብ ካልእ ኣዝዩ ብዙሕ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት: መጀመርታ ‘ምቕዳስ’ ስም ኣምላኽ ዝጠቐሰ ስለምንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ነዚ ምእንቲ ክንርድኦ ናይ ክልተ መፍትሕ ዝዀና ቃላት ትርጕም ብዝበለጸ ምርዳእ የድልየና ኢዩ።

ቀዳማይ: እቲ ‘ምቕዳስ’ ዝብል ቃል ብሓቂ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ቃል ብቓሉ “ቅዱስ ምግባር” ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን: ስም ኣም​ላኽ ድሮ ቅዱስዶ ኸይኰነ፧ ብርግጽ ቅዱስ ኢዩ። ንስም ኣምላኽ ክንቅድሶ ከሎና ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ኣይንቕድሶን ኢና። ኣብ ክንድኡ: ቅዱስ ምዃኑ ኣፍልጦ ንህበሉ: ፍሉይ ገይርና ንርእዮ: ብዝለዓለ ክብሪ ንሕዞ። ስም ኣምላኽ ክቕደስ ክንጽሊ ከሎና: ነቲ ኵሎም ፍጡራት ከም ቅዱስ ገይሮም ዘኽብርሉ ግዜ ብተስፋ ንጽበ ኣሎና ማለት ኢዩ።

ካልኣይ: ናይታ “ስም” እትብል ቃል ልክዕ ኣወዓዕላ እንታይ ኢዩ፧ ኣምላኽ የሆዋ ዝብል ስም ከም ዘለዎ: ስሙ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ግዜ ከም ዝርከብ ርኢና ኢና። ነዚ ስም እዚ ናብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ግቡእ ቦታኡ ምምላስ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ተማያይጥናሉ ኢና። እቲ ስም ኣብኡ ዘየሎ እንተድኣ ኰይኑ: እቲ “ዎ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ]: ንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ: እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም” ዝብል ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ቃላት ከመይ ኢሉ ክፍጸም ይኽእል፧​—⁠መዝሙር 9:⁠10

ይኹን እምበር: ‘ስም ኣምላኽ ምፍላጥ’ ማለት: ስም ኣምላኽ ብእብራይስጢ ያህወህ ወይ ድማ ብእንግሊዝኛ ጂሆቫ ምዃኑ ምፍ​ላጥ ማለት ጥራይ ድዩ፧ ኣይኰነን: ካብኡ ንላ​ዕሊ ኢዩ። ሙሴ ኣብ ከረን ሲናይ ከሎ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ከኣ ብደበና ወሪዱ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ እሞ ስም እግዚኣብ⁠ሄር [“የሆዋ:” NW ] አወጀ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እዚ ምእዋጅ ስም የሆዋ እዚ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ፧ ናይ ባህርያቱ ምግላጽ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ:- “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር: [“የሆዋ: የሆዋ:” NW ] መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደን⁠ጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን።” (ዘጸኣት 34:​5, 6) ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረ ሓጺር ግዜ: ከም ብሓድሽ ሙሴ ንእስራኤላውያን ከምዚ በሎም:- “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] እነግር አሎኹ።” ቀጺሉኸ እንታይ በለ፧ ገለ ካብቲ ናይ የሆዋ ዝለዓለ ባህርያት ጠቐሰ: ነቲ ኣምላኽ ምእንቲ ስሙ ክብል ንእስራኤላውያን ዝገበረሎም ነገራት ድማ ደጊሙ ተዛረበሉ። (ዘዳግም 32:⁠3⁠-​43) ስለዚ: ስም ኣም​ላኽ ምፍላጥ ማለት እቲ ስም እቲ እንታይ ከም ዝውክል ምፍላጥን ነቲ ነዚ ስም እዚ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ምምላኽን ማለት ኢዩ።

የሆዋ ንስሙ ምስ ባህርያቱ: ዕላማታቱ ከምኡውን ግብርታቱ ኣተሓሒዝዎ ስለ ዘሎ: መጽ​ሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ ስም ኣምላኽ ቅዱስ ኢዩ ከም ዝብል ክንርድኦ ንኽእል ኢና። (ዘሌዋውያን 22:32) እቲ ስም እቲ ግርማዊ: ዓቢ: ዘፍርህ: ከምኡውን ክብጻሕ ዘይክእል ልዕልና ዘለዎ ኢዩ። (መዝሙር 8:⁠1፣ 99:⁠3፣ 148:​13) እወ: ስም ኣምላኽ ካብ መጸውዒ ስም ንላዕሊ ኢዩ። ከም ኣካል መጠን ንኣምላኽ ዝውክሎ ኢዩ። ንእተወሰነ እዋን ምስ ኣገልገለ ብኸም “ጐይታ” ዝኣመሰለ መዓርግ ዝትካእ ግዝያዊ ስም ጥራይ ኣይነበረን። የሆዋ ባዕሉ ንሙሴ “እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] . . . እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ” በሎ።​—⁠ዘጸኣት 3:⁠15

ሰብ ክሳዕ ዝከኣሎ እኳ እንተ ፈተነ: ንስም ኣምላኽ ካብ ምድሪ ፈጺሙ ኣየጥፍኦን ኢዩ። “ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብዪ ስለ ዝዀነ: ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ እሞ: ኣብ ኵሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑ: ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ: ይብል እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW]ጐይታ ሰራዊት።”​—⁠ሚልክያስ 1:⁠11፣ ዘጸኣት 9:⁠16፣ ህዝቅኤል 36:⁠23

ስለዚ: ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ጕዳይ ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳሲ ኢዩ። ኵሉ ዕላማታት ኣምላኽ ምስ ስሙ እተተሓሓዘ ኢዩ። ሰይጣን ኣብ መጀመርታ ንኣም⁠ላኽ ሓሳዊ: ንዓሌት ሰብ ክገዝእ ብቕዓት ዘይ⁠ብሉ: ብምባል ንስም የሆዋ ምስ ጸረፈ ኢዩ ናይ ወድሰብ ግድል ዝጀመረ። (ዘፍጥረት 3:​1⁠-​6፣ ዮሃንስ 8:⁠44) ወድሰብ ካብቲ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘለዎ ናይ ሰይጣን ሓሶት ምሉእ ቅሳነት ዘስተማቕር ስም ኣምላኽ ግቡእ ዝዀነ ሓቅነቱ ምስ ተረጋገጸ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ክርስትያናት ንምቕዳስ ስም ኣምላኽ ካብ ልቢ ዝጽልዩ። ይኹን እምበር: ስም ኣምላኽ ንምቕዳስ ክገብርዎ ዝኽእሉ ካልእ ነገራት እውን ኣሎ።

ስም ኣምላኽ ክንቅድስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሓደ ካብቲ መገዲ: ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ምንጋርን እታ ብክርስቶስ እትምራሕ መንግስቱ ድማ ናይ ደቅሰብ እንኮ ተስፋ ምዃና ምሕባርን ኢዩ። (ራእይ 12:⁠10) ንዘመናዊ ፍጻሜ ናይቲ “በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም: ንእግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ኣመስግኑ: ንስሙ ጸውዑ: ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ: ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ። ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር ዘምሩ: እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ይፈለጥ” ዝብል ቃላት ትንቢት ኢሳይያስ: ብዙሓት ሰባት ይገብርዎ ኣለዉ።​—⁠ኢሳይያስ 12:⁠4, 5

ካልእ መገዲ ንሕግታትን ትእዛዛትን ኣምላኽ ምሕላው ኢዩ። የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል “ትእዛዛተይ ድማ ሐልዉ: ግበርዎውን። ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] እየ። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ምእ​ንቲ ክቕደስሲ: ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ: ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] እየ” በሎም።​—⁠ዘሌዋውያን 22:⁠31, 32

እስራኤላውያን ሕግታት የሆዋ ብምሕላዎም ስሙ ዝቕደስ ብኸመይ ኢዩ፧ እቲ ንእስራኤላውያን ተዋሂቡ ዝነበረ ሕጊ ምእንቲ ስሙ ተባሂሉ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 20:⁠2⁠-17) ስለዚ: ነቲ ሕጊ ምስ ዝሕልዉ: ነቲ ስም ግቡእ ክብርን ግም​ትን ይህብዎ ከም ዝነበሩ የርእዩ። ብተወሳኺ: ከም ህዝቢ መጠን ስም የሆዋ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ነበረ። (ዘዳግም 28:10፣ 2 ዜና መዋእል 7:14) ብግቡእ ምስ ዝመላለሱ: ልክዕ ከምቲ ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎ ቈልዓ ነቦኡ ክብሪ ዘምጽኣሉ: እዚ ድማ ንየሆዋ ክብሪ የምጽኣሉ ነበረ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: እስራኤላውያን ንሕጊ ኣምላኽ ካብ ምሕላው ምስ ዝሰንፉ: ንስሙ የርክሱ ነበሩ። ስለዚ: ከም ንጣኦታት ምስዋእ: ብሓሶት ምምሓል: ንድኻ ምዕምጻጽ ከምኡውን ምንዝር ዝኣመሰለ ሓጢኣት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንስም ኣምላኽ ከም ዘርክስ’ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ።​—⁠ዘሌዋውያን 18:​21፣ 19:​12፣ ኤርምያስ 34:​16፣ ህዝቅኤል 43:⁠7

ብተመሳሳሊ: ክርስትያናት ብስም ኣምላኽ ትእዛዛት ተዋሂቦም ኣለዉ። (ዮሃንስ 8:⁠28) ከምኡውን: ምስቶም ‘የሆዋ ንስሙ ኢሉ ዘውጽኦም ህዝቢ’ ሓቢሮም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠14) ስለዚ: እቲ “ስምካ ይቀደስ” ኢሉ ካብ ልቢ ዝጽሊ ክርስትያን ኣብ ናብራኡ ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው ነቲ ስም ክቕድሶ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 5:⁠3) እዚ ድማ ንትእዛዛት ናይቲ ኵሉ ግዜ ነቦኡ ዘኽብር ዝነበረ ወዲ ኣምላኽ: የሱስ: ምሕላው እውን ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 13:​31, 34፣ ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:​19, 20

ኣብታ ቅድሚ ምቕታሉ ዝነበረት ምሸት: የሱስ ስም ኣምላኽ ንክርስትያናት ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሕዎ ኢዩ። ነቦኡ “እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም: ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ ኸፍልጦምውን እየ” በሎ። (ዮሃንስ 17:⁠26 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ምምሃሮም: ብብሕቶም ንፍቕሪ ኣምላኽ ምፍላጥ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ምስ ኣምላኽ ከም ፈቃር ኣቦኦም መጠን ብቐረባ ክፋለጡ ከም ዝኽእሉ ገይሩ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

ንዓኻ ብኸመይ ከም ዝትንክፈካ

ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-ዘበን ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ናይቶም ክርስትያን ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣኼባ: ወደ መዝሙር ያእ​ቆብ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ: ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም: ስምኦን ኣዘንትዩ አሎ።” ነቲ ስም እቲ ካብ ምዝውታር ወይ ካብ ምጻር እንተድኣ ሰኒፍካስ: ካብቶም ኣምላኽ ‘ንስሙ ኢሉ ዘው​ጽኦም ህዝቢ’ ምዃንካ ክትልለ ትኽእልዶ፧​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠14

ሽሕ’ኳ ብዙሓት ሰባት ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ክጥቀምሉ ዝወላወሉ እንተዀኑ: ብዙሓት ተር​ጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ካብቲ ትርጕማቶም እንተ ኣውጽእዎ: ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግን: ኣብ ኣምልኾኦም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ መዓልታዊ ዘረባኦምን ንኻልኦት ድማ ብምእዋጅን: ስም ኣምላኽ ናይ ምጻር መሰል ብሓጐስ ተቐቢሎምዎ ኢዮም። ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣምላኽ እንተድኣ ነጊሩካን ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ድማ ተጠቒሙን ካብ ኣየኖት ሃይማኖታውያን ጕጅለ ኢዩ ምበልካዮ፧ ልክዕ ከምቲ ጥንታውያን ኣምለኽቱ ዝገብርዎ ዝነበሩ: ኣብ ዓለም ንስም ኣምላኽ ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኣምልኾኦም ዝጥቀምሉ ሓደ ጕጅለ ጥራይ ኢዮም ዘለዉ። ንሳቶም ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም: ነዞም ክርስ​ትያ⁠ናት እዚኣቶም ‘ንስም ኣምላኽ ዝወጹ ህዝቢ’ ከም ዝዀኑ ዘፍልጦም ኢዩ። ነቲ ስም እቲ ክጾሩ ሓበን ይስምዖም ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ኣምላኽ ንሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዝሃቦም ስም እዚ ኢዩ። ኣብ ኢሳይያስ 43:⁠10 “ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም: ይብል እግዚኣብሄር” ዝብል ነንብብ። ኣምላኽ ኣብዚ ዝዛረበሎም ዘሎ ሰባት መን ኢዮም፧ ንገለ ካብቲ ቅድሚኡ ዘሎ ቍጽርታት እስከ ርአ።

ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ኣብ ኢሳ 43 ቍጽሪ 5 ክሳዕ 7: ኢሳይያስ ከምዚ ይብል:- “ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም: ካብ ምዕራብ ከኣ ክአኻኽበካ እየ። ንሰሜን፤ ኣምጽእ: ንደቡብ ከኣ: ኣይትኽላእ፤ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ: ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ: ነቲ ብስመይ እተጸውዔ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን ኣምጽኣዮ: እብል አሎኹ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዚ ግዜና: እዚ ጥቕስታት እዚ ነቶም ኣምላኽ ምእንቲ ከኽብርዎን መሰኻኽሩ ክዀኑን ኢሉ ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝኣከቦም ህዝቡ ዘመልክት ኢዩ። ስለዚ ስም ኣምላኽ ንዕኡ ጥራይ ዘፍልጦ ዘይኰነስ ነቶም ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሓቀኛታት ኣገልገልቱ ንኽልለዩ እውን ይሕግዝ ኢዩ።

ስም ኣምላኽ ካብ ምፍላጥ ዝርከብ በረኸታት

የሆዋ ነቶም ስሙ ዘፍቅሩ ሰባት የዕቍቦም ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ በለ:- “ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ: ከናግፎ: ንስመይ ስለ ዝፈለጦ: ከልዕሎ እየ።” (መዝሙር 91:⁠14 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) “ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ: እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዔውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁን ንስሙ ኸኣ ዚሐስቡን ዚኸ​ውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ” ስለ ዝብል ይዝክሮምውን ኢዩ።​—⁠ሚልክያስ 3:⁠16 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

ስለዚ: ንስም ኣምላኽ ካብ ምፍላጥን ምፍቃርን ዝርከብ ረብሓታት ኣብዚ ህይወት እዚ ጥራይ እተወሰነ ኣይኰነን። የሆዋ ንእዙዛት ደቅሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ሓጐስ ዘለዎ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ተመባጺዑሎም ኣሎ። ዳዊት “እኩያት ኪጸንቱ እዮም: ንእግዚኣብሄር ዚጽበይዎ ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም . . . ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:⁠9, 11 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝከኣል፧ የሱስ መልሲ ሂቡ ኣሎ። ኣብታ “ስምካ ይቀደስ” ኢልና ክን​ጽሊ ዝመሃረና ናይ ኣብነት ጸሎት: ከምዚ ብምባል ይውስኽ:- “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።” (ማቴዎስ 6:​9, 10) እወ: እታ ኣብ ኢድ የሱስ ክርስቶስ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ: ስም ኣምላኽ ክትቅድስን ኣብ ምድሪ ድማ ጽቡቕ ኵነታት ከተምጽእን ኢያ። እከይ ክትጸርግ: ውግእ: ገበን: ጥሜት: ሕማም ከምኡውን ሞት ከተልግስ ኢያ።​—⁠መዝሙር 46:​8, 9፣ ኢሳይያስ 11:​9፣ 25:​6፣ 33:​24፣ ራእይ 21:⁠3, 4

ኣብ ትሕቲ እታ መንግስቲ እቲኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ንኣምላኽ ብምፍላጥ። “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:​3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ህይወት ዝህብ ፍልጠት እዚ ምእንቲ ክትማሃሮ ክሕግዙኻ ሕጕሳት ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠29⁠-​31

እዚ ኣብዛ ብሮሹር ዘሎ ሓበሬታ ፈጣሪ ንዕኡ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ናይ ብሕቲ ስም ከም ዘለዎ ኣእሚኑካ ክኸውን ተስፋ ንገብር። እቲ ስም ንዓኻውን ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ስም እቲ ምፍላጡን ምዝውታሩን ብፍላይ ኣብ ኣምልኾ ዘለዎ ኣገዳስነት እትግንዘብ ይግበርካ።

ከምቲ ብዙሕ ዘበናት ይገብር ነብዪ ሚክያስ ብትብዓት ዝበሎ ክትብል እትቘርጽ ይግበ⁠ርካ:- “ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብ​ስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም: ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና።”​—⁠ሚክያስ 4:⁠5

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

‘ስም ኣምላኽ ምፍላጥ’ ማለት: ስሙ የሆዋ ምዃኑ ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ስም የሆዋ ‘ግርማዊ: ዓቢ: ዘፍርህ: ከምኡውን ክብጻሕ ዘይክእል ልዕልና ዘለዎ ኢዩ።’ ኵሉ ዕላማታት ኣምላኽ: ምስ ስሙ እተተሓሓዘ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]

ኣብቲ ኣንግሊካን ቲኦጂካል ረቪው (ጥቅምቲ 1959) [እንግሊዝኛ] እተባህለ ጽሑፍ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓንቀጽ: ዶር. ዋልተር ሎውሪ ስም ኣምላኽ ምፍላጥ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ናይ ሓደ እነፍቅሮ: እነዕልሎ: ወይ ከኣ ብዛዕባኡ እውን ከይተረፈ እንዛረብ ሰብ ናይ ብሕቲ ውልቃዊ ስሙ ምፍላጥ ዝለዓለ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብቲ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ድማ እዚ ዝያዳ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኣምላኽ ብስሙ ዘይፈልጦ ሰብ ንዕኡ ከም ሓደ ኣካል ገይሩ ኣይፈልጦን ኢዩ: ምስኡ ናይ ቀረባ ምዝርራብ (እዚ ማለት ድማ ብጸሎት) የብሉን: ከም ሓደ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ገይሩ ዝፈልጦ እንተድኣ ኰይኑ ድማ ከፍቅሮ ኣይክእልን ኢዩ።”