እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት
እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት
የሆዋ ኣምላኽ: ሰብ ንስሙ ክፈልጦን ክጥቀመሉን ይደሊ ኢዩ። እዚ ድማ ካብቲ ባዕሉ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ናይ መጀመርታ ክልተ ሰባት ስሙ ምግላጹ ክረጋገጽ ይከኣል ኢዩ። ሄዋን ንቃየል ድሕሪ ምውላዳ: ብመሰረት እቲ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ “ብረድኤት እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ሰብ ተቐበልኩ” ስለ ዝበለት: ኣዳምን ሄዋንን ምስ ስም ኣምላኽ ሌላ ከም ዝነበሮም ንፈልጥ ኢና።—ዘፍጥረት 4:1
ድሕርዚ ድማ ከም ሄኖክን ኖህን ዝኣመሰሉ እሙናት ሰብኡት ‘ምስቲ [“ሓቀኛ:” NW ] ኣምላኽ ከም እተመላለሱ’ ነንብብ። (ዘፍጥረት 5:24፣ 6:9) ንሳቶምውን ንስም ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። ድሕሪ ማይ ኣይሂ እውን እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ዝነበረ ኖህን ስድራቤቱን ነቲ ስም ምዝውታር ቀጺሎም ኢዮም። ገለ ግዜ ጸኒሑ ኣብ ባቤል ዓቢ ዕልወት እኳ እንተ ተገብረ: ሓቀኛታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስሙ ምዝውታር ቀጺሎም ኢዮም። ኣብቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕግታት ብኣማእታት ግዜ ይርከብ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ዘዳግም ጥራይ 551 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ።
ኣብ ግዜ መሳፍንቲ: እስራኤላውያን ስም ኣምላኽ ንምዝውታር ኣይሓፈሩን ወይ ኣይፈርሑን። ንሓድሕዶም ሰላምታ ክለዋወጡ ኸለዉ እውን ከይተረፈ ይጥቀሙሉ ነይሮም ኢዮም። (ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ እብራይስጢ) ቦኣዝ ነቶም ዓጻዶ ሰላም ክብሎም ከሎ ከምዚ ነንብብ:- “የሆዋ ምሳኻትኩም ይኹን።” ንሳቶም ድማ ነቲ ሰላምታኡ “የሆዋ ይባርኽካ” ብምባል መለስሉ።—ሩት 2:4 NW
ኣብ ምሉእ ታሪኽ እስራኤላውያን: ክሳዕ እቲ ካብ ምርኮ ባቢሎን ድሕሪ ምምላሶም ዝነበረ ግዜ: ብስም የሆዋ ምጥቃም ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ንጉስ ዳዊት: እቲ ምስ ልቢ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ዝነበረ ሰብኣይ: ነዚ መለኮታዊ ስም ብብዝሒ ተጠቒምሉ ኢዩ—ኣብቲ ዝጸሓፎ መዝሙራት ብኣማእታት ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22) ስም ኣምላኽ ኣብ ብዙሕ ናይ እስራኤላውያን ብሕታዊ ስም እውን ኣትዩ ይርከብ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢና: ኣዶንያ (“ያህ ጐይታይ ኢዩ”—“ያህ” ሓጺር ኣጸዋውዓ የሆዋ ኢዩ): ኢሳይያስ (“የሆዋ የድሕን”): ዮናታን (“የሆዋ ይህብ”): ሚክያስ (“ከም ያህ መን ኣሎ”): ከምኡውን እያሱ (“የሆዋ መድሓኒ ኢዩ”) ኢልና እነንብብ።
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ
ኣብ ግዜ ጥንቲ እቲ መለኮታዊ ስም ብሰፊሑ ይዝውተር ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ መርትዖታት እውን ኣሎ። ብመሰረት እቲ ኣብ ኢዝራኤል ኤክስፕሎሬሽን ጆርናል [እንግሊዝኛ] (ጥራዝ 13: ቍ. 2) ዘሎ ጸብጻብ: ብ1961 ብሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ የሩሳሌም ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ሓደ ጥንታዊ ናይ መቓብር በዓቲ ተረኽበ። ኣብቲ መናድቑ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ሻሙናይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እተጻሕፈ ዝበሃል ናይ እብራይስጢ እተቐርጸ ጽሑፍ ነበረ። እቲ እተቐርጸ ጽሑፍ: ከም “የሆዋ: ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ኢዩ” ዝብል ዝኣመሰለ ምሉእ ሓሳባት ዝሓዘ ኢዩ።
ብ1966 ኣብቲ ኢዝራኤል ኤክስፕሎሬሽን ጆርናል (ጥራዝ 16: ቍ. 1) ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣራድ: ደቡባዊ እስራኤል: እተረኽበ ናይ እብራይስጢ ጽሕፈት ዘለዎ ናይ ዕትሮ ስብርባራት ዝገልጽ ጸብጻብ ተሓቲሙ ወጺኡ ነበረ። እዚ: ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ካብቲ ናይ ዕትሮ ስብርባራት ናብ ኤልያሺብ ዝስሙ ሰብኣይ እተጻሕፈ ናይ ብሕቲ ደብዳበ ነበረ። እቲ ደብዳበ ከምዚ ብምባል ይጅምር:- “ናብ ጐይታይ ኤሊያሺብ:- የሆዋ ሰላም ይሃብካ።” ከምዚ ኢሉ ድማ ይድምድም:- “ኣብ ቤት የሆዋ ይነብር።”
ብ1975 ከምኡውን 1976: ኣብ ኔገብ ዝዓዩ ዝነበሩ ናይ ኵዕታ መሬት መጽናዕቲ ዝገብሩ ሰባት ብመርጊ ኣብ እተሰርሐ መናድቕ: ንመኸዘኒ ኣብ ዘገልግል ዓበይቲ ሳርማታትን ካብ ኣእማን እተሰርሐ ኣቕሑን: ናይ እብራይስጥን ናይ ፊንቄያውያንን
እተቐርጸ ጽሑፍ ዘለዎ እኩብ ነገራት ረኺቦም ኢዮም። እቲ እተቐርጸ ጽሑፍ: እታ ኣምላኽ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል: ከምኡውን ብናይ እብራይስጢ ፊደላት እተጻሕፈ የሀወሀ ዝብል ስም ኣምላኽ ዘጠቓለለ ኢዩ። ኣብ የሩሳሌም እውን እንተዀነ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ምናልባት ቅድሚ ምርኮ ባቢሎን ዝነበረት ክትከውን እትኽእል ሓንቲ ንእሽቶ ጥቕላል ብሩር ተረኺባ ኢያ። እታ ጥቕላል ምስ ተኸፍተት: ኣብኣ ስም የሆዋ ብእብራይስጢ ተጻሒፉ ከም እተረኽበ ተመራመርቲ ተዛሪቦም ኢዮም።—ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው: (እንግሊዝኛ) መጋቢት/ሚያዝያ 1983: ገጽ 18ስም ኣምላኽ ይዝውተር ከም ዝነበረ ዘርኢ ካልእ ኣብነት ድማ ኣብቲ ናይ ላኪሽ ደብዳበታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምርካቡ ኢዩ። እዞም ኣብ ናይ ዕትሮ ስብርባራት እተጻሕፉ ደብዳበታት: ኣብታ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣዝያ ውርይቲ ዝዀነት ዕርድቲ ከተማ ላኪሽ: ካብ 1935 ክሳዕ 1938 ኣብ ዝነበረ ዓመታት እተረኽቡ ኢዮም። እዚኣቶም እቲ ኣብ ናይ ይሁዳ ርሑቕ ቦታ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝነበረ ኣዛዚ ሰራዊት: ኣብ ምውዳእ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ መንጎ እስራኤልን ባቢሎንን ውግእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብቲ ኣብ ላኪሽ ዝነበረ ያኦሽ እተባህለ ሓላፊኡ ዝጸሓፎም ደብዳበታት ኢዮም ዝመስሉ።
ካብቲ ክንበብ እተኻእለ ሾመንተ ናይ ዕትሮ ስብርባራት: እቲ ሸውዓተ በዚ ዝስዕብ ሰላምታ ኢዩ መልእኽቱ ዝጅምር:- “ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን የሆዋ ንጐይታይ ጽቡቕ ጥዕና ይሃቦ!” ኣብዚ ሸውዓተ መልእኽትታት ስም ኣምላኽ ኵሉዅሉ 11 ግዜ ይርከብ: እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ናይ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ስም የሆዋ መዓልታዊ ይዝውተር ከም ዝነበረ ብንጹር ዝሕብር ኢዩ።
ኣረማውያን መራሕቲ እውን ከይተረፈ ንኣምላኽ እስራኤላውያን ክጠቕሱ ከለዉ ነቲ መለኮታዊ ስም ይፈልጥዎን ይጥቀምሉን ነይሮም ኢዮም። ስለዚ ኸኣ: ኣብቲ ናይ ሞኣብ እምኒ: ሜሳ ንጉስ ሞኣብ በቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘርኣዮ ወተሃደራዊ ጅግንነት ተጃሂሩ ኢዩ: ገለ ካብቲ ዝበሎ ነገራት ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ:- “ኬሞሽ ‘ኪድ እሞ: ንኔቦ ካብ እስራኤል ማርካ!’ በለኒ። ስለዚ ብለይቲ ናብኣ ከድኩ ካብ ወጋሕታ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ኸኣ ተዋጋእኩ: ንዓኣ ማሪኸ ንዅሎም ቀተልኩዎም። . . . ካብኡ [ኣቕሑ] የሆዋ ወሲደ ድማ ኣብ ቅድሚ ኬሞሽ ኣንበርኩዎ።”
እቲ ቲኦሎጊሸስ ቤልቴኽቡኽ ትሱም ኣልተን ተስታመንት (ቋንቋ ጀርመን) እተባህለ መጽሓፍ: ነቲ ስም ኣምላኽ ዘዘውትር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ ጽሑፋት ብምጥቃስ: ኣብ ጥራዝ 3 ዓምዲ 538 ከምዚ ይብል:- “እቲ ጀሀወሀ ዝብል ናይ ቴትራግራማተን ኣጸሓሕፋ ዝሓዘ 19 ኣቢሉ ዝኸውን ናይ ሰነድ መርትዖታት: ናይ ማሶራውያን ጽሑፍ ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ካብቲ ናይ ኣራድ መዛግብቲ ዝያዳ ትጽቢት ክግበር ይከኣል ኢዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ካብ ቋንቋ ጀርመን እተተርጐመ።
ስም ኣምላኽ ኣይተረስዐን
ሰባት ምስ ስም ኣምላኽ ዝነበሮም ሌላ ከምኡውን ብእኡ ምጥቃሞም ክሳዕ እቲ ቅድሚ ግዜ የሱስ 400 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ዝነብር ዝነበረ ሚልክያስ ቀጺሉ ኢዩ። ሚልክያስ ኣብታ ብስሙ እትጽዋዕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ: ኵሉዅሉ 48 ግዜ ዝኸውን ብምጥቃም ነቲ መለኮታዊ ስም ዝለዓለ ቦታ ሂብዎ ኢዩ።
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ብዙሓት ኣይሁድ ካብ ሃገር እስራኤል ርሒቖም ክነብሩ ጀመሩ: ገሊኣቶም ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ እብራይስጢ ምንባቡ ስኢኖም ኢዮም። ስለዚ: ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ክፋል ናይቲ ሽዑ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ (“ብሉይ ኪዳን”) ናብቲ ሓድሽ ኣህጉራዊ ቋንቋ ግሪኽ ምትርጓም ተጀመረ። ይኹን እምበር: ስም ኣምላኽ ሸለል ኣይተባህለን። እቶም ተርጐምቲ: ስም ኣምላኽ ከምቲ ናይ እብራይስጢ ኣገባብ ገይሮም ብምጽሓፍ: ዓቂቦምዎ ኢዮም። ክሳዕ ግዜና ዝጸንሑ ጥንታውያን ቅዳሓት ናይ ግሪኽ ትርጕም ሰብዓ ሰገድ ነዚ የረጋግጽዎ ኢዮም።
እንተዀነ ግን: የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እቲ ኵነታት ከመይ ነበረ፧ ንሱ ይኹን ሃዋርያቱ ንስም ኣምላኽ ከም እተጠቕምሉኸ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ኣብዛ ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ስባር ዕትሮ እተጻሕፈት ደብዳበ: ስም ኣምላኽ ክልተ ግዜ ተጻሒፉ ይርከብ።
[ምንጪ ስእሊ]
(Picture by courtesy of the Israel Department of Antiquities and Museums)
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእልታት]
ስም ኣምላኽ ኣብተን ናይ ላኪሽ ደብዳበታትን ናይ ሞኣብ እምንን እውን ይርከብ ኢዩ።