ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!

እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!

እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!

‘እዚ ዅሉ መከራ ዚርአ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ዝሓተትካሉ እዋን ይህሉ ይኸውን። ወድሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ብውግእ: ብድኽነት: ብዕንወት: ብገበን: ብዘይፍትሓውነት: ብሕማም: ከምኡውን ብሞት ከቢድ ሓሳረ መከራ ኼሕልፍ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት ካብ ካልእ ግዜ ዝኸፍአ መከራ ተራእዩ እዩ። እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜስ ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧

መልሱ ‘እወ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኼብቅዕ እዩ’ ዚብል ምዃኑስ ኣየ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ይብለና። ንኽንደይ ዚኣክል ግዜኸ እዮም ዚወርስዋ፧ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ይምልሰልና።—መዝሙር 37:10, 11, 29

ኣምላኽ ንእከይን መከራን ምስ ኣልገሶ: ምድሪ ናብ ገነት ክትቅየር እያ። ድሕርዚ ሰባት ፍጹም ጥዕናን ምሉእ ሓጐስን ረኺቦም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብል።—ራእይ 21:4

ኣብታ ሓዳስ ዓለም: ምዉታት እውን ከይተረፉ ነዚ በረኸት እዚ ተኻፈልቲ ንኪዀኑ ኺትንስኡ እዮም። እወ: “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ብእኡ ኸም ዚኣምን ዝገለጸሉ እተነስሐ ገባር ክፉእ: “ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን: ብሓቂ እብለካ አሎኹ” ዝበሎ።—ሉቃስ 23:43

መከራ ዝጀመረ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንደቅሰብ እዚ ዜደንቕ ተስፋ ኼምጽኣሎም ዕላማ ኻብ ገበረ: መከራ ኺጅምር ዝፈቐደ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ንነዊሕ ግዜ ኪቕጽል ዝፈቐደኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኪፈጥሮም ከሎ ብኣካልን በእምሮን ፍጹማት ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ኣብ ገነት ኤድን ኣንበሮም: ዜዕግብ ዕዮ ድማ ሃቦም። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብል። (ዘፍጥረት 1:31) ንኣምላኽ እንተ ዚእዘዝዎ ነይሮም: ፍጹማት ደቂ ምወለዱ: ምድሪ ኸኣ ሰባት ብሰላምን ብሓጐስን ንዘለኣለም ዚነብሩላ ዓለምለኻዊት ገነት ምዀነት ነይራ።

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኪፈጥሮም ከሎ እቲ ዜደንቕ ውህበት ዝዀነ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣስሪጹሎም እዩ። ከም ኣእምሮ ዘይብሉ ሮቦት ኣይነበሩን። ይኹን እምበር: ነዚ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብቕኑዕ መገዲ ምስ ዚጥቀምሉ ማለት ንሕግታት ኣምላኽ ምስ ዚእዘዙ ጥራይ እዮም ሕጉሳት ኰይኖም ኪነብሩ ዚኽእሉ ነይሮም። ኣምላኽ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” በለ። (ኢሳይያስ 48:17) ሰባት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ዕዉታት ኰይኖም ኪነብሩ ስለ ዘይተፈጥሩ: ሓደ ሰብ ነዚ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብዘይግቡእ እንተደኣ ተጠቒሙሉ ጥፍኣት እዩ ዜስዕበሉ። መጽሓፍ ቅዱስ “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ” ይገልጸልና።—ኤርምያስ 10:23

እቲ ዜሕዝን ግን እቶም ቀዳሞት ወለድና ኻብ ኣምላኽ ተፈልዮም ዕዉታት ኰይኖም ኪነብሩ ዚኽእሉ ዀይኑ ተሰምዖም። ይኹን እምበር: ንግዝኣት ኣምላኽ ምስ ነጸግዎ: ንሱ ድማ ፍጽምናኦም ነፈጎም። ስለዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣሪጎም ክሳዕ ዚሞቱ እናኣንቈልቈሉ ኸዱ። ንሕናውን ዘርኦም ስለ ዝዀንና: ዘይፍጽምናን ሞትን ወረስና።—ሮሜ 5:12

እቲ ቐንዲ ጕዳይ ዝዀነ ልዑላውነት

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኣጥፊኡ ኻልኦት ሰብኣይን ሰበይትን ዘይፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ምኽንያት ንልዑላውነቱ ማለት ነቲ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ብድሆ ስለ ዝቐረበሉ እዩ። እቲ እተላዕለ ሕቶ: ‘ንኺገዝእ መሰል ዘለዎ መን እዩ፧ ናይ መን ኣገዛዝኣኸ እዩ ቕኑዕ፧’ ዚብል እዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ኸኣ ‘ሰባት ብኣምላኽ እንተ ዘይግዝኡ ነይሮም ዚሓሸ ኺገብሩ ምኸኣሉዶ፧’ ዚብል ሕቶ ይብገስ። ኣምላኽ ንሰባት ምሉእ ናጽነት ረኺቦም ብገዛእ ርእሶም ኪመሓደሩ እኹል ግዜ ብምፍቃድ: ብዝሓሸ መገዲ ኺነብሩ ዚኽእሉ ኣብ ትሕቲ ኣገዛዝኣኡ ድዮም ወይስ ብገዛእ ርእሶም ምስ ዚመሓደሩ ንዚብል ሕቶ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዚኸውን መልሲ ኣዳለወ። እቲ እተዋህበ ግዜ: ካብ መሪሕነት ኣምላኽ ተፈልዮም ንዅሉ ዓይነት ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ሃይማኖታውን ስርዓታት ኪፍትኑ ዜኽእሎም እኹል ግዜ እዩ።

ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ፧ ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ታሪኽ ወድሰብ ከም ዚሕብሮ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺርአ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን: ወድሰብ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝኸፍአ መከራ ኣሕለፈ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ተቐትሉ። ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝዀኑ ድማ ብእተፈላለየ ውግእ ሞቱ። ገበንን ዓመጽን ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ሓሽሽ ኣብ ምሉእ ዓለም ተላቢዑ እዩ ዘሎ። ብጾታዊ መገዲ ዚመሓላለፍ ሕማማት ይላበድ ኣሎ። ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዓመት ዓመት ብጥሜትን ሕማምን ይሞቱ ኣለዉ። ናብራ ስድራቤትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ኣብ ኵሉ ኣንቈልቊሉ እዩ። ካብ ምምሕዳር ደቅሰብ ዋላ ሓደ ነዚ ጸገማት እዚ ፍታሕ ኪረኽበሉ ኣይከኣለን። ዋላ ሓደ እውን ይኹን እርጋንን ሕማምን ሞትን ኬጥፍእ ዝኸኣለ የልቦን።

ኵነታት ወድሰብ: ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግዜና እተነበዮ እዩ ዘሎ። ቃል ኣምላኽ ነዚ ዘሎናዮ ኣገባብ “ክፉእ ዘመን” ዚመጽኣሉ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ እዩ ዚገልጾ። ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኸኣ ‘እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ናብ ዝገደደ በጺሖም እዮም።’—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13

መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ

እዚ ዅሉ እተራእየ መርትዖ እቲ ወድሰብ ካብ ኣምላኽ ተፈልዩ ብገዛእ ርእሱ ኺመሓደር ዝገበሮ ዅሉ ፍሹል ፈተነታት መወዳእታኡ ኸም ዝቐረበ ዚሕብር እዩ። ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ዚግበር ምምሕዳር ወድሰብ ፈጺሙ ኺዕወት ከም ዘይክእል ብንጹር ተራእዩ እዩ። ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ሰላም: ሓጐስ: ምሉእ ጥዕና: ዘለኣለማዊ ህይወት ኬምጽእ ዚኽእል። ስለዚ እምበኣር: እቲ የሆዋ እከይን መከራን ኪህሉ ዜፍቅደሉ ግዜ ኼብቅዕ ቀሪቡ እዩ። ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ጣልቃ ብምእታው ንብምሉኡ እዚ ዘየዕግብ ኣገባብ እዚ ኼጥፍኦ እዩ።

ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሎሚ ዘሎ ሰብኣዊ ግዝኣት] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ሎሚ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” (ዳንኤል 2:44) የሆዋ በታ ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ዚረጋገጽ ልዑላውነቱ: ወይ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል: እቲ ቐንዲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። የሱስ ብዛዕባ ሓደ ጕሉሕ ምልክት እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኪንበ ኸሎ: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ።—ማቴዎስ 24:14

መወዳእታ ምስ መጸ መን እዩ ኺድሕን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: እምበኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ: ንመገዲ ጻድቃንውን ሐልዋ። ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።” (ምሳሌ 2:21, 22) እቶም ቅኑዓት ተባሂሎም ዘለዉ እቶም ፍቓድ የሆዋ ዚፈልጡን ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎን እዮም። የሱስ ክርስቶስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) እወ: “ዓለም ትሐልፍ እያ: . . . እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—1 ዮሃንስ 2:17

ፍልይ ዝበለ መግለጺ እተዋህቦ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ: ኵሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ካብቲ ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ እዩ።