ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ?

እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ?

እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ ?

ከምዚ ወለዶ እዚ ገይሩ ብዛዕባ መጨረሻ ዓለም ብዙሕ ክዝረብ ዝሰምዐ ካልእ ወለዶ የለን ። ብዙሓት ሰባት እዛ ዓለም እዚኣ ብኑክልየራዊ ባርዕ ክትጠፍእ ኢያ ዝብል ፍርሒ ኣለዎም : ካልኦት ከኣ ናይ ከባቢና ምብልሻው ወይ ምብካል ንዓለም ከጥፍኣ ይኽእል ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ ። ገና ኻልኦት ከኣ ቍጠባዊ ዕግርግር ንሓፋሽ ደቂሰብ ኣብ ነንሕድሕዶም ከም ዝለዓሉ ክገብሮም ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም ።

ብሓቂዶ እዛ ዓለም እዚኣስ ክትጠፍእ ኢያ ? ከምኡ እንተደኣ ኾይኑ እንታይ ማለት ኢዩ ? ቅድሚ ሕጂ ዓለም ጠፊኣዶ ትፈልጥ ?

ዓለም ትጠፍእ – ብኻልእ ድማ ትትካእ

እወ : ሓደ ግዜ ዓለም ጠፊኣ ነይራ ኢያ ። ብዛዕባ እታ ብመዓልታት ኖህ ኣዝያ ከፊኣ ዝነበረት ዓለም ክዛረብ ከሎ መጽሓፍ ቅዱስ “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍአት” ኢሉ ይገልጸልና ። ከምኡውን : “[ኣምላኽ] ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሓፋስ : ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ኸኣ : ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ” ይብለና ። — 2 ጴጥሮስ 2 : 5 ፣ 3 : 6

ምጥፋእ ናይታ ዓለም እቲአ እንታይ ማለት ከም ዝነበረን እንታይ ማለትውን ከም ዘይነበረን እሞ ኣስተብህሉ ። መወዳእታ ናይ ደቂሰብ ማለት ኣይነበረን ከመይሲ ኖህን ስድራቤቱን ካብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ማይ ምጥልቕላቕ ድሒኖም ኢዮም ። ምድርን እዚ ብኸዋኽብቲ ዘጌጸ ምልኩዕ ሰማያትውን ኣይጠፍኡን ። እታ “ናይ ሓጥኣን ዓለም” እወ እቲ እኩይ ስርዓት ኢዩ ዝጠ⁠ፍአ ።

ዳሕራይ ከኣ ዘርኢ ኖህ እናበዝሑ ምስ ከዱ ካልእ ዓለም እናማዕበለት ከደት ። እዛ ካልኣይቲ ዓለም ወይ እዚ ኣገባብ እዚ ድማ ክሳዕ እዚ ዘሎናዮ ግዜ ይነብር ኣሎ ። ዛንትኣ ብውግእን ግብረ ገበንን ዓመጻን ዝመልአ ኢዩ ። ነዛ ዓለም እዚኣኸ እንታይ ከጋጥማ ኢዩ ? ነባሪትዶ ኮን ትኸውን ?

መጻኢ ግዜ ናይዛ ዓለም እዚኣ

እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ብዛዕባ ጥፍኣት ናይታ ብግዜ ኖህ ዝነበረት ዓለም ምስ ተዛረበ ወሲኹ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ. . .  ንሓዊ ይሕሎ አሎ” ይብል ። (2 ጴጥሮስ 3 : 7) ብርግጽ ከምቲ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ዝብሎ “[እዛ ሕጂ ዘላ] ዓለም ትሓልፍ እያ ።” — 1 ዮሃንስ 2:17

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ብቓሉ እዛ ምድሪ እዚኣን እዚ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያትን ክሓልፉ ኢዮም ማለቱ አይኰነን : ምኽንያቱ ኸኣ ብመዓልቲ ኖህ እዚኦም ኣይሓለፉን ። (መዝሙር 104 : 5) ኣብ ክንድኡስ እዛ ዓለም እዚኣ ምስቲ “ሰማያት” ወይ ከኣ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣን ኰይኖም ዝሰርሑ ገዛእታን እቲ ናታ “ምድሪ” ወይ ከኣ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኢዩ ከም ብሓዊ ዝጠፍእ ። (ዮሃንስ 14 : 30 ፣ 2 ቈረንቶስ 4 : 4) እዛ ዓለም እዚኣ ወይ እዚ ኣገባብ እዚ ኢዩ : ከምታ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም ዝጠፍኤት ዝጠፍእ ። የሱስ ክርስቶስውን ነቲ “ብመዓልትታት ኖህ” ዝነበረ ኵነታት ጠቒሱ ቀቅድሚ እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ምጥፍኣውን እንታይ ክፍጸም ከም ዘለዎ ንኸረድእ ከም ኣብነት ተጠቒምሉ ኣሎ ። — ማቴዎስ 24 : 37 – 39

የሱስ ብዛዕባ መዓልታት ኖህ እተዛረበ: ሃዋርያቱ “ትእምርቲ [ምልክት ትሓዓ] ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ” ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብሉ ካብ ዝሃቦ መልሲ እዩ ። (ማቴዎስ 24 : 3) ስዓብቲ የሱስ እዛ ዓለም እዚኣ ከም ትጠፍእ ይፈልጡ ነይሮም ። እዚ ትጽቢት እዚ ግን የፍርሖምዶ ነይሩ ?

ብኣንጻሩ እኳ ደኣ : የሱስ : ብዛዕበ እቲ ቀቅድሚ መወዳእታ ዓለም ክፍጸም ዘለዎ ኵነታት ምስ ገለጸ : ‘ምድሓኖም ብምቕራቡ’ ክሕጐሱ ኣተባብዖም ። (ሉቃስ 21 : 28) እወ : ካብ ሰይጣንን ካብቲ እኩይ ስርዓቱን ድሒንካ ናብታ ሰላማዊት ሓዳስ ዓለም ምእታው ኢዩ ። — 2 ጴጥሮስ 3 : 13

ግናኸ መዓስ ኢያ እዛ ዓለም እዚኣ ትጠፍእ ? የሱስ ብዛዕባ ‘ምምጽኡን ብዛዕባ መወዳእታ ዓለምን’ እንታይ “ምልክት” ሂቡ ነይሩ ?

“እቲ ምልክት”

እታ ኣብዚ “ምምጻእ” ታባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ፓሩሲያ እትብል ኢያ : ትርጕማ ኸኣ “ምህላው” ማለት ኢያ ። ስለዚ እቲ “ምልክት” ምስ ተራእየ : ክርስቶስ ብኡብኡ ክመጽእ ዘይኰነስ ዛጊት ተመሊሱ ኣሎ ማለት ኢዩ ። ከም ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ብዘይርአ ኣገባብ ክገዝእ ምጅማሩን : ብዝቐልጠፈ ግዜ ኸኣ ንጸላእቱ ከጥፍኦም ምዃኑን ማለት ኢዩ ። — ራእይ 12 : 7 – 12 ፣ መዝሙር 110 : 1 , 2

የሱስ ንሓንቲ ፍጻሜ ጥራይ ኣይኰነን ከም “ምልክት” ዝሃበ ። ብዙሕ ፍጻሜታትን ኵነታት ናይ ዓለምን ገሊጹ ኢዩ ። እዚ ኹሉ ኸኣ ኣብቲ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ዝብልዎ ግዜ ክፍጸም ነበሮ ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 1 – 5 ፣ 2 ጴጥሮስ 3 : 3, 4) ገለ ካብቲ የሱስ መለለዪ ናይዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ገሊጽዎ ዘሎ ነገራት እስከ ንርአ ።

‘ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል ኢዩ ።’ (ማቴዎስ 24 : 7 ) ኣብዚ ግዜና ዝተፈጸመ ውግእ : ብዓቐኑ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ ኣዝዩ ዝዓበየ ኢዩ ። ሓደ ጸሓፍ ዛንታ : “እቲ [ብ1914 ዝተጀመረ] ቀዳማይ ውግእ ዓለም እቲ ናይ መጀመርያ ‘ጠቕላላዊ ውግእ’ ኢዩ ነይሩ” ክብል ትዕዝብቱ ይገልጽ ። ይኹን እምበር ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ብዝተዓጻጸፈ መጥፍኢ ኢዩ ነይሩ ። ውግእ ገና ንምድሪ የዕንዋ አሎ ። እወ እቲ ቃላት ናይ የሱስ ብዘገርም መገዲ ፍጻሜኡ ረኺቡ ኢዩ ።

“ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ ።” (ማቴዎስ 24 : 7 ) ደድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዳርጋ ኣብ ኵሉ ዛንታ ወድሰብ እቲ ኣዝዩ ዝዓበየ ጥሜት መጸ ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለምውን ሓደ ዘስካሕክሕ ጥሜት ሰዓበ ። ሓምሻይ ኣፍ ናይ ህዝቢ ዓለም ብሓለንጊ ጥሜት ይግረፍ ኣሎ ። 14 ሚልዮን ቆልዑ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ብሰንኪ ግቡእ ኣመጋግባ ዘይምርካብ ይሞቱ ኣለዉ ። ብርግጽ “ዋሕዲ መግቢ” ኣሎ ።

‘ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውን እዩ ።’ (ሉቃስ 21 : 11 ) ካብ 1914 ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈጸመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘበ ናት ኣብ ዓዓመት ብገምጋም ብዓሰርተ ኢድ ዝተዓጻጸፉ ሰባት ሞይቶም ። ገለ ሒደት ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እስከ ንርአ:- ብ1920 ኣብ ቻይና 200, 000 ተቐቲሎም : ብ1923 ኣብ ጃፓን 99, 300 ግዳያት ነይሮም : ብ1939 ኣብ ቱርኪ 32,700 ሓደጋታት ነይሩ ። ብ1970 ኣብ ፔሩ 66, 800 ተቐቲሎም : ኣብ 1976 ከኣ ኣብ ቻይና ዳርጋ 240, 000 (ካልእ ምንጭታት ከም ዝብልዎ ኸኣ 800, 000) ግዳያት ነይሮም ። ብርግጽ “ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ” !

‘ኣብ በቦትኡ ድማ ፌራ ኪኸውን እዩ ።’ (ሉቃስ 21 : 11 ) ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስተወድአ : ብኡብኡ : ገለ 21 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ብሕማም ስፓኒሽ ጸለውታ ሞቱ ። ሳይንስ ዳይጀስት ዝተባህለ ጽሑፍ “ኣብ ኵሉ ዝሓለፈ ዛንታ : ከምዚ ዝመርርን ዝቕልጥፍን ናይ ሞት መቕዘፍቲ ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ ” ይብል ። ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ሕማም ልቢ : መንሽሮ : ኤይድስን ካልእ ብዙሕ ዓይነት መዓትን በማእታት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ ኢዩ ።

‘ምብዛሕ ዓመጻ ።’ (ማቴዎስ 24 : 12 ) ዓለምና ካብ 1914 ጀሚራ ከም ናይ ግብረ ገበንን ዓመጻን ዓለም ኰይና ኢያ እትፍለጥ ዘላ ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብቐትሪ ከይተረፈ ኣብ ጐደናታት ዑቕባ ወይ ደሓን ዝስምዖ ሰብ የለን ። ምሸት ከኣ ሰባት ንደገ ምውጻእ ስለ ዝፈርሁ ማዕጾኦም ዓጽዮ ­ምን ረጊጦምን ኣብ ገዝኦም ኢዮም ዘምስዩ ።

ብዙሕ ካልእ ነገራትውን ኣብዘን ደሕሮት መዓልትታት ክፍጸም ከም ዘለዎ ተነጊሩ ነይሩ : ኵሉ ድማ ይፍጸም ኣሎ ። እዚ ኸኣ መወዳእታ ዓለም ከም ዝቐረበ ዝሕብር ኢዩ ። ደሓንቲ ክህልዉ ምዃኖም ምፍላጥ ግን ዘሐጕስ ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሓልፍ እያ” ምስ በለ “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ይብል ። — 1 ዮሃንስ 2 : 17

ስለዚ ፍቓድ ኣምላኽ ክንመሃርን ክንገብሮን የድሊ ። ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና እዛ ዓለም እዚኣ ክትጠፍእ ከላ ድሒንና ኣብቲ በረኸታት ናይ ኣምላኸ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክንሕጐስ ኢና ። ኣብቲ ግዜቲ ክፍጸም ዘለዎ ተስፋ : መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ይገልጾ:- “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ ።. . .  ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን : ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን : ወይ ጫውጫው : ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ ።” — ራእይ 21 : 3, 4

ፍልይ ዝበለ መግለጺ ዝተዋህቦም ጥራይ እንተዘይኰይኑ ኩሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ካብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo Credits: Airplane: USAF photo. Child: WHO photo by W. Cutting. Earthquake: Y. Ishiyama, Hokkaido University, Japan.