ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 21

ምጅሃር ግቡእ ድዩ፧

ምጅሃር ግቡእ ድዩ፧

ምጅሃር ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ትፈልጦዶ፧⁠— ሓደ ኣብነት ንርአ። ኣጸቢቕካ ዘይትኽእሎ ነገር ክትገብር ፈቲንካዶ ትፈልጥ፧ ምናልባት ኵዕሶ ኽትቀልዕ ፈቲንካ ትኸውን። ወይ ከኣ ሃክቲ ኽትጻወት ፈቲንካ ትኸውን። ሓደ ሰብ ብኣሽካዕላል “ኦይ! ካባኻስ ኣነ እባ እሓይሽ” ኢሉካዶ ይፈልጥ፧⁠— ከምዚ ኺብል ከሎ: እቲ ሰብ ይጀሃር እዩ ዘሎ።

ካልኦት ከምዚ እናበሉ ኺጀሃሩ ኸለዉ እንታይ እዩ ዚስምዓካ፧ ደስዶ ይብለካ፧⁠— ንስኻ ብዛዕባ ርእስኻ እንተ ትጀሃርከ: ካልኦት እንታይ ይስምዖም ምበልካ፧⁠— ንኻልእ ሰብ “ካባኻስ ኣነ እሓይሽ” ምባሉ ጽቡቕ ድዩ፧⁠— የሆዋ ነቶም ከምኡ ዚብሉ ሰባት ይፈትዎም ድዩ፧⁠—

እቲ ዓብዪ መምህር: ንገዛእ ርእሶም ካብ ካልኦት ከም ዚሕሹ ዀይኑ ዚስምዖም ዝነበረ ሰባት ይፈልጥ ነበረ። እቶም ሰባት ብዛዕባ ርእሶም ይጅሃሩ ወይ ይሕበኑ ንኻልኦት ከኣ ኣትሒቶም ይርእይዎም ነበሩ። ስለዚ: የሱስ ጃህራ ኽሳዕ ክንደይ ጌጋ ምዃኑ ንኼረድኦም ሓደ ዛንታ ነገሮም። እስከ ንስምዓዮ።

እቲ ዛንታ ብዛዕባ ሓደ ፈሪሳውን ተጋውን እዩ። ፈሪሳውያን ብዛዕባ ርእሶም ካብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ ጻድቃን ወይ ቅዱሳን ከም ዝዀኑ ዚሓስቡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም ነይሮም። እቲ ኣብ ዛንታ የሱስ ተጠቒሱ ዘሎ ፈሪሳዊ ኺጽሊ ኢሉ ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ከደ።

ኣምላኽ በቲ ተጋዊ ደኣ እምበር: በቲ ፈሪሳዊ ዘይተሓጐሰ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ: ሓደ ተጋዊ ወይ ቀረጽ ዚእክብ ሰብ እውን ኪጽሊ ናብቲ ቤተ መቕደስ ከም ዝኸደ ገለጸ። መብዛሕትኦም ሰባት ንተገውቲ ኣይፈትውዎምን እዮም ነይሮም። ዜታልልዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም ነይሩ። ከም ሓቂ ድማ ሓያሎ ተገውቲ ዚበዝሕ ግዜ ሓቀኛታት ኰይኖም ኣይርከቡን እዮም ነይሮም።

ኣብቲ ቤተ መቕደስ: እቲ ፈሪሳዊ ኸምዚ ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸለየ:- ‘ዎ ኣምላኽ: ከም ካልኦት ሰባት ሓጢኣተኛ ስለ ዘይኰንኩ አመስግነካ ኣሎኹ። ንሰባት ኣየታለልኩን: ካልእ ሕማቕ ነገራት እውን ኣይገበርኩን። ከምዚ ተጋዊ እዚ እውን ኣይኰንኩን። ኣነ ጻድቕ እየ። ብዛዕባኻ ንኽሓስብ ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኽህልወኒ: ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ ምግቢ ኸይበላዕኩ እውዕል። ነቲ ቤተ መቕደስ ዚኸውን ከኣ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ዓስራይ ኣፍ እህብ።’ እቲ ፈሪሳዊ ኻብ ካልኦት ዝሓሸ ዀይኑዶ ኣይኰነን ተሰሚዕዎ፧⁠— ብዛዕባ እዚ ንኣምላኽ እውን ነጊርዎ እዩ።

እቲ ተጋዊ ግን ከምኡ ኣይነበረን። ኪጽሊ ኸሎ ዓይኑ ንሰማይ ቋሕ ኣቢሉ እኳ ኣይረኣየን። ኣብ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ደው ኢሉ ርእሱ ኣድኒኑ ነበረ። በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ኣዝዩ ስለ ዝጐሃየ ኸኣ: ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ጽቡቕ ነገራት ንኣምላኽ ኪዛረቦ ኣይፈተነን። ኣብ ክንዳኡ ግን “ኣምላኸይ: ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ:” ኢሉ እዩ ጸልዩ።

ካብዞም ክልተ ሰባት ኣየናዮም እዩ ንኣምላኽ ዜሐጐሶ ምበልካ፧ እቲ ጻድቕ ኰይኑ እተሰምዖ ፈሪሳዊ ድዩ: ወይስ እቲ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ዝጐሃየ ተጋዊ እዩ፧⁠—

የሱስ: ንኣምላኽ ዘሐጐሶ እቲ ተጋዊ ኸም ዝዀነ እዩ ሓቢሩ። ስለምንታይ፧ ‘ንርእሱ ኻብ ካልኦት ዝሓሸ ኸም ዝዀነ መሲሉ ኺርአ ዚፍትን ይዋረድ: ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል’ ብምባል ገሊጹልና እዩ።​—⁠ሉቃስ 18:​9-14

የሱስ በዚ ዛንታ እዚ ኼመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧⁠— ካብ ካልኦት ዝሓሽና ኸም ዝዀንና ጌርና ኽንሓስብ ጌጋ ምዃኑ እዩ ዚምህር ነይሩ። ከምኡ ኢልና ኸም እንሓስብ ብኣፍና እኳ እንተ ዘይገለጽና: ብግብርና ግን ክንገልጾ ንኽእል ኢና። ካብ ካልኦት ዝሓሽካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ብግብርኻ ኣርኢኻዶ ትፈልጥ፧⁠— ብዛዕባ ሃዋርያ ጴጥሮስ እስከ ንርአ።

የሱስ ንሃዋርያቱ ኣብቲ ንሱ ዚእሰረሉ እዋን ኵሎም ሓዲጎምዎ ኸም ዚኸዱ ምስ ነገሮም: ጴጥሮስ ‘ኵሎም እኳ ገዲፎምኻ እንተ ኸዱ: ኣነ ግን ፈጺመ ኣይገድፈካን እየ’ ብምባል ተጃሃረ። ይኹን እምበር: ጴጥሮስ ተጋግዩ እዩ ነይሩ። ካብ መጠን ንላዕሊ እዩ ብገዛእ ርእሱ ዚተኣማመን ነይሩ። ንየሱስ ገዲፍዎ ኸይዱ እዩ። ይኹን እምበር: ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 30 እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንርእዮ ተመሊሱ እዩ።​—⁠ማቴዎስ 26:31-33

ዘመናዊ ኣብነት ድማ ንርአ። ምናልባት ንስኻን መማህርትኻን ኣብ ቤት ትምህርቲ ገለ ሕቶ ተሓቲትኩም ንበል። ንስኻ ቐልጢፍካ እንተ ትምልስ: እቲ ተመሃራይ ግን ኪምልስ እንተ ዘይክእልከ፧ መልሱ ኽትፈልጦ ኸለኻ ኸም ዜሐጕሰካ ፍሉጥ እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ምስቲ ቐልጢፉ መልሱ ኺረኽቦ ዘይከኣለ ተመሃራይ ከተወዳድራ ግን ቅኑዕዶ ይመስለካ፧⁠— ነቲ ተመሃራይ ሕማቕ ከም ዚስምዖ ብምግባር ንገዛ ርእስኻ ንፉዕ ጌርካ ምሕሳብሲ ግቡእ ድዩ፧⁠—

እቲ ፈሪሳዊ ኸምኡ እዩ ገይሩ። ካብቲ ተጋዊ ንሱ ኸም ዚበልጽ እዩ ተጃሂሩ። እቲ ዓብዪ መምህር ግን እቲ ፈሪሳዊ ኸም እተጋገየ ሓበረ። ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ካብ ካልእ ሰብ ብዝሓሸ መገዲ ኺገብሮ ኸም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ብምግባሩ ግን ብሓቂ ዝበለጸ ሰብ እዩ ማለት ኣይኰነን።

ካብ ካልእ ሰብ ብዝያዳ ምስ እትፈልጥ: ዝበለጽካ ኢኻ ማለት ድዩ፧

ስለዚ እምበኣር: ካብ ካልእ ሰብ ብዝያዳ ንፈልጥ እንተደኣ ዄንና: ንኽንጅሃር ብቑዕ ምኽንያት ይዀነና ድዩ፧⁠— ሕስብ እሞ ኣብል። ንሓንጎልና ወይ ነእምሮና ባዕልና ዲና ፈጢርናዮ፧⁠— ኣይኰንናን። ንነፍሲ ወከፍና ኣእምሮ ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። መብዛሕትኡ እንፈልጦ ነገራት ከኣ ካብ ካልእ ሰብ ኢና ተማሂርናዮ። ምናልባት ካብ መጽሓፍ ዘንበብናዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ሰብ ብዛዕባኡ ነጊሩና እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምናልባት ንሓደ ግድል ባዕልና እንተደኣ ፈቲሕናዮ: ከመይ ጌርና ኢና ፈቲሕናዮ፧⁠— እወ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ኣእምሮ ብምጥቃም ኢና።

ሓደ ሰብ ኪጽዕር ከሎ: ኬተባብዖ ዚኽእል ቃላት ክትዛረቦ ሰናይ እዩ። በቲ ዝገበሮ ኸም እት​ሕጐስ ንገሮ። ብዝሓሸ መገዲ ንኺገብሮ እውን ክትሕግዞ ትኽእል ኢኻ። ሰባት ከምኡ ኺገ​ብሩልካዶ ኣይኰንካን እት​ደሊ፧⁠—

ካብ ካልእ ሰብ ዝደልደልና ምዃንና: ንኽንጀሃር ምኽንያት ዘይኰነና ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት ካብ ካልኦት ሰባት ዝያዳ ዝሓየሉ ወይ ዝደልደሉ እዮም። ንስኻ ኻብ ሓውካ ወይ ካብ ሓብትኻ ዝደልደልካ ኢኻ ንበል። እዚ ንኽትጅሃር ምኽንያት ይዀነካ ድዩ፧⁠— ኣይከውንን እዩ። ድልዱላት ንኽንከውን ዚሕግዘና እቲ እንበልዖ ምግቢ እዩ። እቲ እኽሊ ንኺበቍል ዚሕግዝ ጸሓይን ዝናምን ካልእ ነገራትን ኣምላኽዶ ኣይኰነን ሂቡና፧⁠— ስለዚ እምበኣር: ድልዱላት ክንከውን ከለና ንኣምላኽ ኢና ኸነመስግኖ ዚግባእ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 14:16, 17

ሓደ ሰብ ኪጀሃር ከሎ ኽንሰምዖ ደስ ኣይብለናን እዩ: ኣይኰነን ድዩ፧⁠— ነቲ የሱስ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ: ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም” ዝበሎ ቓላት ንዘክሮ። ከምዚ እንተደኣ ጌርና: ከምቲ እቲ ዓብዪ መምህር ኣብቲ ዛንታኡ ዝጠቐሶ ብዛዕባ ርእሱ እተጃሃረ ፈሪሳዊ ኣይክንከውንን ኢና።​—⁠ሉቃስ 6:31

ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብ ንየሱስ ሕያዋይ በሎ። እቲ ዓብዪ መምህርከ ‘እወ: ኣነ ሕያዋይ እየ’ ኢሉ ድዩ፧⁠— ኣይበለን። ኣብ ክንዳኡስ “ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ፧ ብዘ⁠ይ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” እዩ ዝበለ። (ማርቆስ 10:18 ትርጕም 1990) እቲ ዓብዪ መምህር ፍጹም እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ ርእሱ ኣይተጃህረን። ኣብ ክንዳኡስ: ምሉእ ውዳሰ ነቦኡ የሆዋ እዩ ሂብዎ።

ክንሕበነሉ እንኽእል ግን ኣሎዶ፧⁠— እወ ኣሎ። በቲ ፈጣሪና ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክንሕበን ንኽእል ኢና። ውቁብ ዕራርቦ ጸሓይ ወይ ካልእ ዜደንቕ ፍጥረት ክንርኢ ኸለና: ንኻልእ ሰብ ‘ነዚ እኮ እቲ ዜደንቕ የሆዋ ኣምላኽና እዩ ፈጢርዎ’ ኢልና ኽንነግሮ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዛጊት ዝፈጠሮ ዓበይቲ ግብርታቱን ብሕጂ ዚገብሮ ነገራትን ንኽንዛረብ ወትሩ ድሉዋት ንኹን።

እዚ ወዲ እዚ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚሕበን ዘሎ፧

ብዛዕባ ምጅሃር ወይ ምሕባን ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ነንብብ እሞ: ብዛዕባ ርእስና ኽንጀሃር ከም ዘይብልና ኽንመሃር ኢና:- ምሳሌ 16:5, 18፣ ኤርምያስ 9:23, 24፣ 1 ቈረንቶስ 4:7፣ 13:4