ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 48

ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ

ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ኣንበሮም። ሽሕኳ ብዘ⁠ይ ምእዛዞም እንተ ሞቱ: ኣምላኽ ንደቆም እንተላይ ነዞም ሎሚ ዘሎና ዘርኦም ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክንነብር ኣጋጣሚ ኸፈተልና። መጽሓፍ ቅዱስ “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ይመባጻዕ።​—⁠መዝሙር 37:29

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ይገልጽ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ 2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ ሕጂ ዘሎ “ሰማያት” በዘን ሎሚ ዘለዋ ምድራውያን መንግስትታት ዝቘመ ኪኸውን ከሎ የሱስ ክርስቶስን እቶም ምስኡ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡን ግን ነቲ “ሓድሽ ሰማያት” የቝሙ። ምልእቲ ምድሪ በቲ ሓድሽ ሰማያት ማለት በታ ሰላም ዝሰፈና ጽድቃዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትመሓደረሉ ግዜስ ኣየ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን ኪኸውን እዩ!

እቲ “ሓድሽ ምድሪ”ኸ እንታይ እዩ ዜመልክት፧⁠— እቲ ሓድሽ ምድሪ ነቶም ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሕያዎት ሰባት እዩ ዜመልክት። ሓድሓደ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ምድሪ” ኺዛረብ ከሎ ንመሬት ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት እዩ ዜመልክት። (ዘፍጥረት 11:1፣ መዝሙር 66:4፣ 96:1) ስለዚ: እቶም ንሓድሽ ምድሪ ዜቝሙ ሰባት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እዮም ዚነብሩ።

ሽዑ እዛ ሕጂ ዘላ ብእኩያት ሰባት ዝቘመት ዓለም ኣይክትህሉን እያ። እቲ ብግዜ ኖህ ዝወረደ ማይ ኣይሂ ነታ ሽዑ ዝነበረት ብእኩያት ሰባት ዝቘመት ዓለም ከም ዘጥፍኣ ኣይትረስዕ። ከምቲ ኣቐዲምና እተመሃርናዮ ኸኣ እዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ኣብ ኣርማጌዶን ክትጠፍእ እያ። እምበኣር ሕጂ: ኣብታ ድሕሪ ኣርማጌዶን እትመጽእ ሓዳስ ዓለም እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዚህሉ ንርአ።

ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧⁠— ዋላ ሓደ ዶክተር ንዘለኣለም ኬንብረና ኣይክእልን እዩ። ካብ ሞት ኬድሕነና ዚኽእል መድሃኒት የለን። ናብ ኣምላኽ ብምቕራብ ጥራይ ኢና ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእል። ንኣምላኽ ከመይ ጌርና ኽንቀርቦ ኸም እንኽእል ከኣ እቲ ዓብዪ መምህር ነጊሩና ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስና ገንጺልና ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ቍጽሪ 3 እሞ ነውጽእ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ እቲ ዓብዪ መምህር ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”

ስለዚ: የሱስ ንዘለኣለም ንኽንነብር እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እዩ ዝነገረና፧⁠— ብመጀመርታ: ብዛዕባ የሆዋ እቲ ሰማያዊ ኣቦናን ብዛዕባ እቲ ህይወቱ ዝሃበና ወዱን ክንፈልጥ ይግብኣና። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ኣሎና ማለት እዩ። እዛ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ከኣ ነዚ ኽትሕግዘና እያ።

ብዛዕባ የሆዋ ምፍላጥ ግን ንዘለኣለም ንኽንነብር ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧⁠— ልክዕ ከምቲ መዓልቲ መዓልቲ ምግቢ ኽንበልዕ ዘሎና: ብዛዕባ የሆዋ እውን መዓልቲ መዓልቲ ኽንመሃር የድልየና። መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ይብል።​—⁠ማቴዎስ 4:4

ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ሓጢኣትና ኼርሕቐልና ኢሉ ስለ ዝለኣኾ ብዛዕባ የሱስ እውን ክንፈልጥ ኬድልየና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን” ይብል። ወሲኹ እውን “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12፣ ዮሃንስ 3:36) ስለዚ እምበኣር: ብየሱስን ብዘ⁠ይ ብእኡ ንዘለኣለም ክንነብር ከም ዘይንኽእልን ብሓቂዶ ንኣምን ኢና፧⁠— ንኣምን እንተደኣ ዄንና: ኵሉ መዓልቲ ኻብቲ ዓብዪ መምህር ክንመሃር ኢና: ነቲ ዝበሎ ኸኣ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኢና።

ካብቲ ዓብዪ መምህር ክንመሃረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ደጋጊምካ ብምንባብን ንዅሉ እቲ ቐሪቡ ዘሎ ስእልታት እናረኣኻ ብዛዕባኡ ብምስትንታንን እዩ። ኣብቲ ስእልታት ቀሪቡ ዘሎ ሕቶታት ክትምልሶ ፈትን። ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣቦኻን ኣዴኻን ኴንካ ኣንብባ። ወለድኻ እንተደኣ ዘየልዮም ከኣ ምስ ካልኦት ዓበይትን ምስ ካልኦት ቈልዑን ኴንካ ኣንብባ። ሰባት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ንምንባር እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ካብቲ ዓብዪ መምህር ንኺመሃሩ ኽንሕግዞምሲ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧⁠—

መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሓልፍ እያ” ይብለና። ቀጺሉ ግን ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብኸመይ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል ይገልጽ። “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ይብል። (1 ዮሃንስ 2:17) ስለዚ እምበኣር: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብኸመይ ኢና ንዘለኣለም ክንነብር እንኽእል፧⁠— እወ: ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ የሱስ እቲ ኽቡር ወዱን ፍልጠት ብምቕሳም እዩ። ይኹን እምበር: ነቲ እተመሃርናዮ እውን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኼድልየና እዩ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ: ከምዚ ንምግባር ንኽትሕግዘካ ተጠቐመላ።