ቈልዑ ኻብ ወለዲ ዚደልይዎ ነገር
ኵሎም ወለዲ: ወድሰብ ምሉእ ብምሉእ ኪርድኦ ንዘይክእል ሓደ ፍረ አእጃሞም የበርክቱ እዮም። በዚ ኸምዚ ኣብ ውሽጢ ኣደ ምሉእ ብምሉእ ህያው ዝዀነ ሰብ ይፍጠር። ስለዚ: ሕጻን ምስ ተወልደ: ሰባት ነዚ “ተኣምር” እንተ በልዎ ዜገርም ኣይኰነን።
ቈልዑ ምውላድ ካብቲ ወለዲ ዚስከምዎ ሓላፍነት እቲ ናይ መጀመርታ ጥራይ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ሕጻናት ኣብ መጀመርታ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወለዶም እዮም ዚምርኰሱ: እናዓበዩ ምስ ከዱ ግን ካብ ኣካላዊ ኽንክን ንላዕሊ የድልዮም። በእምሮ: ብስምዒት: ብስነ-ምግባር ኰነ ብመንፈስ ንኺዓብዩ ሓገዝ የድልዮም እዩ።
ቈልዑ ብዚግባእ ንኺዓብዩ ግን: ብፍላይ ፍቕሪ ወለዲ የድልዮም። ፍቕርኻ ብቓላት ምግላጽ ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ብግብሪ ኺስነ ኣለዎ። እወ: ቈልዑ ጽቡቕ ናይ ወለዲ ኣብነት የድልዮም እዩ። ኣብ ህይወቶም ዚምርሑሉ ስነ-ምግባራዊ መምርሒ የድልዮም። እዚ ኸኣ ካብ ዕሸልነቶም ጀሚሩ ኺወሃቦም ኣለዎ። ቈልዑ: ኸሎ ገና ሓገዝ እንተደኣ ዘይተዋሂብዎም: ኣዝዩ ዜጕሂ ነገራት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ: የጋጥም ከኣ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ዚምህር ዝበለጸ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ዚርከብ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥቕሚ እዩ ዚህበና። ቈልዑ እዚ ትምህርቲ እዚ ምስ ዚወሃቦም: እቲ ዚንገሮም ዘሎ ነገራት ሓደ ሰብ ዝበሎም ዘይኰነስ እቲ ሰማያዊ ኣቦኦም የሆዋ ዝበሎም ምዃኑ ኺግንዘቡ እዮም። እዚ ኸኣ ነቲ ምኽሪ ዝያዳ ሓይሊ ይህቦ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ ኣብ ኣእምሮ ደቆም ቅኑዕ ስርዓታት ንኺተኽሉሎም ኪጽዕሩ የተባብዖም እዩ። ይኹን እምበር: ቈልዑ እናዓበዩ ምስ ከዱ: ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ንኼዘራርብዎም ይኸብዶም እዩ። እዛ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንኸየጋጥም ምእንቲ ኽትሕግዝ ተባሂላ እያ ተዳልያ። ወለዲ ምስ ደቆም ኰይኖም ኬንብብዎ ዚኽእሉ መንፈሳዊ ጽሑፋት ሒዛ ኣላ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ቈልዑ ምስቶም ዜንብቡሎም ሰባት ንኺዘራረቡ እትሕግዝ እያ።
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንቘልዑ መልሲ ኺህቡ ኸም እተተባብዕ ከተስተብህል ኢኻ። ኣብቲ ጽሑፋት ብጥንቃቐ እተዳለወ ሕቶታት ቀሪቡ ኣሎ። ኣብቲ ሕቶ ምስ በጻሕካ ፈላዪ ሕንጻጽ (—) ክትረክብ ኢኻ። እዚ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ: ነቲ ቘልዓ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ከተተባብዖ ኸም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ። ቈልዑ ኺሳተፉ ባህ እዩ ዚብሎም። ሓደ ቘልዓ ሓሳባቱ ኺገልጽ እንተደኣ ዘይተፈቒዱሉ: ተገዳስነቱ ቐልጢፉ እዩ ዚቕህም። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ንጓል ከተንብበላ ኸለኻ እናቐየርካ ኣንብበላ። ንኣብነት:- ኣብ ምዕራፍ ሓደ: ነቲ ኣብ መወዳእታ እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ሕጡብ ጽሑፋት ዚርከብ ኣብ ገጽ 11 ዘሎ “ንስኻውን ነቦኻን ነዴኻን ጽን ኢልካ ብምስማዕ ንየሱስ ክትቀድሖ ትኽእል ኢኻ” ዚብል ምሉእ ሓሳባት “ንስኺውን ነቦኽን ነዴኽን ጽን ኢልኪ ብምስማዕ ንየሱስ ክትቀድሕዮ ትኽእሊ ኢኺ” ኢልካ ኣንብበላ።
ብዝያዳ ግን እዚ ሕቶታት እዚ ኣተሓሳስባ እቲ ቘልዓ እንታይ ምዃኑ ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ እዩ። እቲ ቘልዓ ዘይቅኑዕ መልሲ ኺህብ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ደድሕሪ እቲ ሕቶ ተዋሂቡ ዘሎ መልሲ ነቲ ቘልዓ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ንኼማዕብል ምእንቲ ኺሕግዞ ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ።
ካልእ ፍልይ ዝበለ ኽፍሊ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እቲ ልዕሊ 230 ዚኸውን ስእልታታ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ስእልታት ኣብ ጥቓኡ ጽሑፍ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ነቲ ቘልዓ ኣብቲ ዝረኣዮ ስእሊ ተመርኲሱ ወይ ብመሰረት እቲ ዘንበቦ ሓሳባቱ ንኺገልጽ ዚሕግዞ እዩ። ስለዚ: ነቲ ስእልታት ምስቲ ቘልዓ ዄንካ ርኣዮ። እዚ ነቲ እተመሃሮ ኣገዳሲ ነጥብታት ዜጕልሕ ጽቡቕ መምሃሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ቘልዓ ኼንብብ ዚኽእል እንተደኣ ዀይኑ: ነታ መጽሓፍ ምሳኻ ዀይኑን ንበይኑን ኬንብባ ኣተባብዓዮ። ብዙሕ ብዘንበበ መጠን እቲ ሒዛቶ ዘላ ሰናይ ምኽሪ ኣብ ኣእምሮኡን ኣብ ልቡን ብዝያዳ እናተቐርጸ ኪኸይድ እዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎኡን ዘሎ ምቅርራብን ምክብባርን እናደልደለ ምእንቲ ኪኸይድ ነታ መጽሓፍ ኣዘውቲርኩም ብሓንሳእ ኴንኩም ኣንብብዋ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዳርጋ ዘይሕሰብ እኳ እንተ ነበረ: ሎሚ ቘልዑ ኣደዳ ብዕሉግ ጾታዊ ርክብን ሓተታ መናፍስትን ካልእ ዜሕስር ተግባራትን ኰይኖም ኣለዉ። ስለዚ እምበኣር: ዕቝባ የድልዮም እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ብኸመይ ዕቝባ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ርዝነት ብዘለዎ ቐጥታዊ መገዲ ትገልጽ። ምስናይዚ ግን ቈልዑ ብፍላይ ኣብቲ ምንጪ ዅሉ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዜተኵሩ ኺግበር የድሊ። እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ወትሩ ንሰባት ናብ የሆዋ ኸም ዜተኵሩ እዩ ዚገብር ነይሩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንስኻን ስድራቤትካን ህይወትኩም ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ብምቕራጽ ዘለኣለማዊ በረኸት ንኽትረኽቡ ኽትሕግዘኩም ተስፋ ንገብር።