ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 15

ንሕያውነት ዚምልከት ትምህርቲ

ንሕያውነት ዚምልከት ትምህርቲ

ንሓደ ሰብ ከይፈለጥካዮ: ከም ክፉእ ጌርካ ኽትሓስቦስ ቅኑዕዶ ይመስለካ፧​— ኣይኰነን። ከምዚ ምስ እንገብር: ንሓደ ሰብ እተፈልየ መልክዕ ስለ ዘለዎ ወይ ካልእ ቋንቋ ስለ ዚዛረብ ጥራይ ንጸልኦ ኣሎና ማለት እዩ።

ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኸተሕድርሲ ቕኑዕዶ ይመስለካ፧​— ቅኑዕ ኣይኰነን: ሕያውነት እውን ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ካባና ስለ እተፈልየ ጥራይ ክንጭክነሉ ግቡእ ኣይኰነን።

ሕስብ እሞ ኣብሎ። ካልእ ዝዓሌቱ ወይ ከኣ ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ ትፈልጥዶ፧​— ምናልባት እውን ስለ እተጐድኡ ወይ ስለ ዝሓመሙ ፍልይ ዝበለ መልክዕ ዘለዎም እትፈልጦም ሰባት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ካባኻ እተፈልዩ ሰባት ሕያውነትን ፍቕርን ተርእዮምዶ ኢኻ፧​—⁠

ነቶም እተፈልየ ዝዓሌቶም ሰባት ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧

ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንሰምዖ እንተደኣ ዄንና: ንዅሎም ሰባት ሕያውነት ከነርእዮም ኢና። ንሓደ ሰብ ብምኽንያት ዓዱ ወይ ዓሌቱ እተፈልየ ጌርና ንኽንርእዮ ምኽንያት ኪዀነና የብሉን። ዓዱ ወይ ዓሌቱ ብዘየገድስ ሕያውነትና ኸነርእዮ ኣሎና። በዚ ዚኣምኑ ዅሎም ሰባት እኳ እንተ ዘይኰኑ: የሱስ ግን እዚ ትምህርቲ እዚ እዩ ምሂሩና። እስከ ብዛዕባኡ ንዘራረብ።

ሓደ ብዛዕባ ኻልኦት ሕማቕ ኣመለኻኽታ ዝነበሮ ኣይሁዳዊ ናብ የሱስ መጺኡ ‘ንዘለኣለም ምእንቲ ኽነብር እንታይ ክገብር ኣሎኒ’ ኢሉ ሓተቶ። የሱስ: ምናልባት እቲ ሰብኣይ ንደቂ ዓሌትና ወይ ነቶም ከም ናትና ዜግነት ዘለዎም ጥራይ ሕያውነት ከነርኢ ኣሎና ኢሉ ኺምልሰሉ ይጽበዮ ኸም ዝነበረ ፈለጠ። ስለዚ: የሱስ ነታ ሕቶ ባዕሉ ኣብ ክንዲ ዚምልሰሉ ‘ሕጊ ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እዩ ዚነግረና፧’ ኢሉ ሓተቶ።

እቲ ሰብኣይ ከኣ ‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ኣፍቅሮ: ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ’ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ‘ቅኑዕ መሊስካ። ከምኡ ግበር እሞ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክትረክብ ኢኻ’ በሎ።

ይኹን እምበር: እቲ ሰብኣይ ካብኡ ንእተፈልዩ ሰባት ሕያውነት ወይ ፍቕሪ ኼርእዮም ኣይደለየን። ስለዚ: መመኽነይታ ኬቕርብ ፈተነ። ንየሱስ ከኣ “ብጻየይከ መን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ከምዚ ኺብል ከሎ “ብጾትካ ኣዕሩኽትኻ እዮም” ወይ ከኣ “ንዓኻ ዚመስሉ ሰባት እዮም” ኢሉ ኺምልሰሉ እዩ ዚደሊ ነይሩ ዚኸውን። የሱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ ብዛዕባ ሓደ ኣይሁዳውን ሳምራውን ዚገልጽ ዛንታ ነገሮ። እቲ ዛንታ እንሆ:-

ሓደ ሰብኣይ ካብ ከተማ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ይወርድ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይሁዳዊ እዩ ነይሩ። ኪኸይድ ከሎ: ከተርቲ ሓዝዎ። ምስ ወቕዕዎ ወደቐ እሞ: ገንዘቡን ክዳውንቱን ገፈፍዎ። ከትከትዎ: ዳርጋ ምዉት ገይሮም ድማ ገዲፎምዎ ኸዱ።

ቍሩብ ጸኒሑ ሓደ ኻህን በታ መገዲ መጸ። ነቲ እተጐድአ ሰብኣይ ከኣ ረኣዮ። ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ ኔርካ፧​— እቲ ኻህን ሓሊፍዎ ስቕ ኢሉ መገዱ ቐጸለ። ሓንሳእ እውን ይኹን ደው ኣይበለን። ነቲ ሰብኣይ ኪሕግዞ ኢሉ ፈጸሙ ኣይፈተነን።

ቀጺሉ ኻልእ ሃይማኖታዊ ሰብኣይ በቲ መገዲ መጸ። ንሱ ኣብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዜገልግል ሌዋዊ እዩ ነይሩ። ንኺሕግዞ ደው ኢሉዶ ዀን ይኸውን፧​— ኣይበለን። ልክዕ ከምቲ እቲ ኻህን ዝገበሮ እዩ ገይሩ።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ሳምራዊ መጸ። በቲ መጥወዪ መገዲ ኺመጽእ ከሎ ትርእዮዶ ኣሎኻ፧​—⁠ ነቲ ኣይሁዳዊ ተጐዲኡ ወዲቑ ረኣዮ። መብዛሕትኦም ሳምራውያንን ኣይሁድን ንሓድሕዶም ፈጺሞም ኣይፋተዉን እዮም። (ዮሃንስ 4:9) እሞኸ እዚ ሳምራዊ እዚ ነቲ ሰብኣይ ከይሓገዞ ሓሊፍዎ ድዩ ኸይዱ፧ ‘ነዚ ኣይሁዳዊ እዚ ስለምንታይ እየ ዚሕግዞ፧ ኣነ ተጐዲአ ነይረ እንተ ዚኸውን ንሱ ኣይምሓገዘንን’ ኢሉ ድዩ፧

እቲ ሳምራዊ ሕያዋይ ብጻይ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ሳምራዊ ነቲ ኣብ ጥቓ መገዲ ዝወደቐ ሰብኣይ ጠመቶ እሞ ደንገጸሉ። ንኺመውት ሓዲግዎ ኪኸይድ ኣይደለየን። ስለዚ ድማ ካብ ኣድጉ ወሪዱ ናብቲ ሰብኣይ ከደ እሞ ነቲ ቝስሉ ኺደርዘሉ ጀመረ። ዘይትን ወይንን ኣፍሰሰሉ። እዚ ድማ እቲ ቝስሊ ንኺሓዊ ዚሕግዝ እዩ። ሽዑ ነቲ ቝስሊ ብጨርቂ ገይሩ ጠቕለለሉ።

እቲ ሳምራዊ ነቲ እተጐድአ ሰብኣይ ቀስ ኣቢሉ ተሰኪሙ ኣብ ኣድጉ ኣወጥሖ። ሓቢሮም በቲ መገዲ ቐስ ኢሎም ወረዱ እሞ ኣብ መዕረፍ ኣጋይሽ ወይ ንእሽቶ ሆቴል በጽሑ። እቲ ሳምራዊ መደቀሲ ተኻረየሉ: ዜድሊ ኽንክን ከኣ ገበረሉ።

ቀጺሉ የሱስ ነቲ ዝዛረቦ ዝነበረ ሰብኣይ ‘ካብዞም ሰለስተ: ሕያዋይ ብጻይ ኣየናዮም ይመስለካ፧’ ኢሉ ሓተቶ። ንስኻ እንታይ ምበልካ፧ እቲ ኻህን ድዩ እቲ ሌዋዊ: ወይስ እቲ ሳምራዊ እዩ፧⁠—

እቲ ሰብኣይ ‘ሕያዋይ ብጻይ: እቲ ደው ኢሉ ነቲ እተጐድአ ሰብኣይ እተኸናኸኖ እዩ’ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ ‘ጽቡቕ ኣለኻ። ኪድ ንስኻውን ከምኡ ግበር’ በሎ።​—⁠ሉቃስ 10:25-37

እዝስ ጽቡቕ ዛንታዶ ኣይኰነን፧ ብጾትና መን ምዃኖም ዜነጽር እዩ። ብጾትና ኣጸቢቕና እን​ቐርቦም ኣዕሩኽትና ጥራይ ኣይ​ኰኑን። ደቂ ዓሌትና ወይ ከኣ ከማና ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ጥራይ እውን ኣይኰኑን። የሱስ: ዓዶም: መልክዖም: ወይ ቋንቋኦም ብዘየገድስ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ሕያዎት ክንከውን ከም ዘሎና እዩ ምሂሩና።

የሆዋ እውን ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ኣምላኽ እዩ። ንሰባት ብኣድልዎ ኣይጸልኦምን እዩ። የሱስ ‘እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ’ በለ። ስለዚ እም​በኣር: ንሕናውን ልክዕ ከም ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ሕያዎት ክን​ከውን ኣሎና።​—⁠ማቴዎስ 5:44-48

ከመይ ጌርካ ኢኻ ሕያዋይ ብጻይ ክትከውን እትኽእል፧

ስለዚ: ሓደ ሰብ ተጐዲኡ እንተደኣ ርኢኻዮ: እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧⁠— እቲ ሰብ ወዲ ኻልእ ሃገር እንተ ዀይኑ: ወይ ከኣ ካልእ ዝዓሌቱ እንተደኣ ዀይኑኸ፧ እዚ ብዘየገድስ ብጻይካ እዩ: ክትሕግዞ ድማ ኣሎካ። ንኽትሕግዞ ዓቕሚ ዘይብልካ ዀይኑ እንተደኣ ተሰሚዑካ: ዕብይ ዝበለ ሰብ ከም ዚሕግዞ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ፖሊስ ወይ መምህር ክትጽውዕ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ምስ እትገብር ልክዕ ከምቲ ሳምራዊ ሕያውነት ኢኻ እተርኢ ዘለኻ።

እቲ ዓብዪ መምህር ሕያዎት ክንከውን ይደልየና እዩ። መንነቶም ብዘየገድስ ንኻልኦት ሰባት ክንሕግዝ ይደልየና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዚገልጽ ዛንታ ዝነገረ።

ዓሌቶም ወይ ዜግነቶም ብዘየገድስ ንሰባት ሕያውነት ከነርእዮም ከም ዘሎና ዚገልጽ ትምህርቲ ኣብ ምሳሌ 19:22፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ 17:26 ርአ።