ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 37

ንየሆዋን ንወዱን ንዘክሮም

ንየሆዋን ንወዱን ንዘክሮም

ሓደ ሰብ ክቡር ህያብ እንተ ዚህበካ: እንታይ ምተሰምዓካ፧⁠— የቐንየለይ ጥራይ ኢልካ ብምኻድ ነቲ ዝሃበካ ፈጺምካ ምረሳዕካዮዶ፧ ወይስ ነቲ ሰብ እትን ነቲ ዝገበረልካ ነገርን ምዘከርካዮ፧⁠—

የሆዋ ኣምላኽ ሓደ ኽቡር ህያብ ሂቡና እዩ። ንኺሞተልና ንወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። የሱስ ስለምንታይ ከም ዚሞተልናስ ትፈልጥዶ፧⁠— እዚ ኽንርድኦ ዘሎና ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ።

ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 23 እተመሃርናዮ: ኣዳም ነቲ ፍጹም ሕጊ ኣምላኽ ምስ ኣፍረሰ ሓጥአ። ንሕና ድማ ካብቲ ኣቦ ዅላትና ዝዀነ ኣዳም ሓጢኣት ወረስና። ስለዚ እምበኣር: እንታይ የድልየና ምበልካ፧⁠— ሓደ ኣብ ምድሪ ፍጹም ህይወት ሒዙ ዚነብር ሓድሽ ኣቦ የድልየና። እቲ ኣቦ እቲ መን እዩ ኪኸውን ዚኽእል ምበልካዮ፧⁠— የሱስ እዩ ኪኸውን ዚኽእል።

የሆዋ ንየሱስ ኣብ ክንዲ ኣዳም ኣቦ ምእንቲ ኪዀነልና ኢሉ ናብ ምድሪ ለኣኾ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ቐዳማይ ሰብ: ኣዳም: ህያው ነፍሲ ዀነ . . . እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ” ይብል። እቲ ቐዳማይ ኣዳም መን እዩ፧⁠— እወ: እቲ ኣምላኽ ካብ ሓመድ ምድሪ ዝፈጠሮ ሰብ እዩ። እቲ ኻልኣይ ኣዳምከ መን እዩ፧⁠— የሱስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ቐዳማይ ሰብ [ኣዳም] ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ: እቲ ኻልኣይ ሰብ [የሱስ] ግና ካብ ሰማይ እዩ” ብምባል ነዚ ኣነጺርዎ ኣሎ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:45, 47፣ ዘፍጥረት 2:7

ኣምላኽ ንህይወት የሱስ ካብ ሰማይ ወሲዱ ኣብ ውሽጢ ማርያም ስለ ዘንበሮ: የሱስ ካብ ኣዳም ሓጢኣት ዚበሃል ኣይወረሰን። ፍጹም ሰብ ዝዀነ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። (ሉቃስ 1:30-35) ኪውለድ ከሎ ሓደ መልኣኽ ነቶም ጓሶት ‘ሎሚ መድሓኒ ተወሊዱልኩም ኣሎ’ ዝበሎም እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። (ሉቃስ 2:11) ይኹን እምበር: እቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ንኼድሕነና መጀመርታ እንታይ እዩ ኺገብር ዜድልዮ ነይሩ፧⁠— ዓብዩ ልክዕ ከም ኣዳም ምሉእ ሰብኣይ ኪኸውን የድልዮ ነበረ። ሽዑ “ኻልኣይ ኣዳም” ኪኸውን ይኽእል ማለት እዩ።

እቲ መድሓኒና ዝዀነ የሱስ “ኣቦ ዘለኣለም” እውን ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ እዩ ተባሂሉ ዘሎ። (ኢሳይያስ 9:6, 7) እወ: እቲ ፍጹም ዝነበረ የሱስ: ነቲ ምስ ሓጥአ ዘይፍጹም ዝዀነ ኣዳም ብምትካእ ኣቦና ኪኸውን ይኽእል እዩ። በዚ መገዲ እዚ ነቲ “ኻልኣይ ኣዳም” ኣቦና ኪኸውን ክንመርጾ ንኽእል ኢና። ርግጽ እዩ: የሱስ እውን ንባዕሉ ወዲ የሆዋ ኣምላኽ እዩ።

ኣዳምን የሱስን ብኸመይ እዮም ዚመሳሰሉ፧ ተመሳሳልነቶም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኸውንከ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ የሱስ ፍልጠት ብምቕሳም ከም መድሓኒና ጌርና ኽንቅበሎ ንኽእል ኢና። ካብ ምንታይ ክንድሕን ከም ዜድልየናስ ትዝክሮዶ፧⁠— እወ: ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣትን ሞትን እዩ። እቲ የሱስ እኹል ሰብኣይ ምስ ኰነ ኣብ ክንዳና ዝሰውኦ ፍጹም ህይወቱ በጃ ይበሃል። የሆዋ በጃ ዘዳለወልና ሓጢኣትና ምእንቲ ኼርሕቐልና ኢሉ እዩ።​—⁠ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 5:8፣ 6:23

መቸም ነቲ ኣምላኽን ወዱ የሱስን ዝገበሩልና ነገራት ክንርስዖ ኣይንደልን ኢና: ሓቀይ እንድየ፧⁠— የሱስ ነቲ ዝገበረልና ንኽንዝክሮ ኺሕግዘና ዚኽእል ፍሉይ መገዲ ንደቀ መዛሙርቱ ኣርእይዎም ነይሩ እዩ። ብዛዕባኡ እስከ ንዘራረብ።

ኣብ የሩሳሌም ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ናይ ሓንቲ ቤት ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እዋኑ ለይቲ እዩ። የሱስን ሃዋርያቱን ኣብ መኣዲ ቐሪቦም ኣለዉ። ኣብቲ መኣዲ ኸኣ ጥቡስ ስጋ በጊዕን ቅጫን ቀይሕ ወይንን ተቐሪቡ ኣሎ። ፍሉይ መኣዲ ኸኣ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ እዚ ኸም እተገብረስ ትፈልጥዶ፧⁠—

እቲ መኣዲ: ነቲ የሆዋ ኣማእታት ዓመ​ታት ይገብር ህዝቡ እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ባሮት ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ዝገበረሎም ነገር ዜዘኻኽሮም እዩ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ‘ንነፍሲ ወከፍ ስድራ​ቤት ሓንቲ በጊዕ ሓሪድኩም: ነቲ ደሙ ኣብ ቀዋሚ ልዳት ኣባይትኹም ልኸይዎ’ ኢሉ ኣዘዞም። ቀጺሉ ኸኣ ‘ኣብ ቤትኩም ኣቲኹም ነቲ ስጋ ብልዕዎ’ በሎም።

ደም በጊዕ ንህዝቢ እስራኤል ዘዕቘቦም ብኸመይ እዩ፧

እስራኤላውያን ድማ ከምኡ ገበሩ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ብሃገር ግብጺ ሓለፈ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣባይቲ ኸኣ በዅሪ ውሉዳት ቀተለ። ኣብ ቀዋሚ ልዳት ደም በጊዕ ተለኽዩ ኺርኢ ኸሎ ግን ነታ ገዛ ይሓልፋ ነበረ። ኣብተን ደም በጊዕ እተለኽየለን ኣባይቲ ዝሞተ ቘልዓ የለን። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ: በቲ መልኣኽ የሆዋ ዝገበሮ ነገር ኣዝዩ ስለ ዝፈርሀ: ንእስራኤላውያን ‘ሓራ ወጺእኩም ኢኹም። ካብ ግብጺ ውጹ!’ በሎም። ኣግማሎምን ኣእዱጎምን ጽዒኖም ከኣ ወጹ።

የሆዋ: ህዝቡ ብኸመይ ሓራ ኸም ዘውጽኦም ኪርስዑ ኣይደለዮምን። ስለዚ ኸኣ ‘ሓንሳእ ኣብ ዓመት ከምቲ ሎሚ ለይቲ ዝበላዕኩምዎ ምግቢ ብልዑ’ በሎም። ነዚ ፍሉይ መኣዲ እዚ ኸኣ ፋስጋ ኢሎም ሰመይዎ። እታ “ፋስጋ” እትብል ቃል ካብታ “ምሕላፍ” ዚብል ትርጕም ዘለዋ ቓል ዝመጸት እያ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ መልኣኽ ኣምላኽ ነቲ ብደም እተለኽየ ኣባይቲ ‘ሓለፎ።’ ​—⁠ዘጸኣት 12:1-13, 24-27, 31

የሱስን ሃዋርያቱን ካብ መኣዲ ፋስጋ ኺበልዑ ኸለዉ ብዛዕባ እዚ እዮም ዚሓስቡ ነይሮም። ድሕሪዚ የሱስ ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ገበረ። እዚ ቕድሚ ምግባሩ ግን: እቲ ዘይእሙን ሃዋርያ ዝነበረ ይሁዳ ተሰጐ። ድሕሪኡ የሱስ ካብቲ ዝተረፈ ቕጫ ኣልዒሉ ጸለየ እሞ ቘራሪሱ ንሃዋርያቱ ሃቦም። “ውሰዱ: ብልዑ” በሎም። ‘እዚ ቕጫ እዚ ነቲ ኣብ ክንዳኹም ኪመውት ከለኹ ዝውፍዮ ስጋይ እዩ ዜመልክት’ ኢሉ ኸኣ ነገሮም።

ቀጺሉ የሱስ: ቀይሕ ወይኒ ዝሓዘት ጽዋእ ኣልዓለ። ካልኣይ ሳዕ ናይ ምስጋና ጸሎት ምስ ኣቕረበ ኸኣ ናብ ኵሎም ከም ዚዘውር ብምግባር “ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” በሎም። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ነገሮም:- ‘እዚ ንደመይ ዜመልክት እዩ። ካብ ሓጢኣትኩም ሓራ ምእንቲ ኺገብረኩም ከኣ ቅሩብ ጸኒሐ ደመይ ከፍስስ እየ። እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ።’​—⁠ማቴዎስ 26:26-28፣ 1 ቈረንቶስ 11:23-26

እቲ የሱስ ምስ ወይኒ ዘመሳሰሎ ደሙ እንታይ እዩ ኺገብረልና ዚኽእል፧

የሱስ: ደቀ መዛሙርቱ ምእንቲ ኺዝክርዎ: ኵሉ ሳዕ ኪገብርዎ ኸም ዘለዎም ዝነገሮም ሓሳብ ኣስተብሂልካሉዶ፧⁠— ካብ ሽዑ ንደሓር ፋስጋ ኣየብዕሉን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ ዓመት ሓንሳእ ነዚ ፍሉይ መኣዲ እዚ: ንየሱስን ሞቱን ንምዝካር የብዕልዎ ማለት እዩ። እዚ መኣዲ እዚ ድራር ጐይታ ይበሃል። ሎሚ በዓል ዝኽሪ ኢልና እውን ንጽውዖ ኢና። ስለምንታይ፧⁠— ነቲ የሱስን ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽን ዝገበሩልና ስለ ዜዘክረና እዩ።

እቲ ቕጫ ብዛዕባ ስጋ የሱስ ከም እንሓስብ ኪገብረና ኣለዎ። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ነዚ ስጋ እዚ ኺስውእ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። እቲ ቐይሕ ወይኒኸ፧⁠— ነቲ ደም የሱስ ዘለዎ ዋጋ ኼዘኻኽረና ኣለዎ። ካብቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ግዜ ፋስጋ ዝፈሰሰ ደም በጊዕ ዝያዳ ይኸብር። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: ብደም የሱስ ሓጢኣትና ኺሕደገልና ኸም ዚኽእል ይነግረና። ኵሉ ሓጢኣትና ምስ ኣልገሰ ኸኣ ኣይክንሓምምን: ኣይክንኣርግን: ኣይክንመውትን እውን ኢና። ኣብ ድራር ጐይታ ወይ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኽንእከብ ከለና: ብዛዕባ እዚ ኽንሓስብ ኣሎና።

ኣብ በዓል ዝኽሪ ዅሉ ሰብ ድዩ ቕጫ ኺበልዕን ወይኒ ኺሰትን ዘለዎ፧⁠— የሱስ ነቶም ዚበልዑን ዚሰትዩን ‘ኣብ መንግስተይ ግደ ኺህልወኩም: ኣብ ሰማይ ከኣ ምሳይ ኴንኩም ኣብ ዝፋናት ክትቅመጡ ኢኹም’ በሎም። (ሉቃስ 22:19, 20, 30) እዚ ማለት ከኣ ምስ የሱስ ኪነግሱ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ማለት እዩ። ስለዚ: ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዘለዎም እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ኪገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ጥራይ እዮም።

ይኹን እምበር: እቶም ካብቲ ቕጫ ዘይበልዑ ወይ ካብቲ ወይኒ ዘይሰትዩ እውን እንተዀኑ ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከቡ ኣለዎም። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— የሱስ ኣብ ክንዳና እውን ስለ ዝሞተልና እዩ። ናብ በዓል ዝኽሪ ኽንከይድ ከለና: ከም ዘይረሳዕናዮ ኢና እነርኢ። ነቲ ዜደንቕ ህያብ ኣምላኽ ከኣ ንዝክሮ ኣሎና ማለት እዩ።

እቲ የሱስ ዝኸፈለልና በጃ ኽሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዜርኢ ጥቕስታት ኣብ 1 ቈረንቶስ 5:7፣ ኤፌሶን 1:7፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6፣ ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 1:​18, 19 ኪርከብ ይከኣል እዩ።