ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 41

ንየሆዋ ዜሐጕሱ ቘልዑ

ንየሆዋ ዜሐጕሱ ቘልዑ

ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበሩ ቘልዑ ብዝበለጸ ንየሆዋ ዜሐጐሶ መን ይመስለካ፧⁠— ወዱ የሱስ እዩ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ንኼሐጕስ ኢሉ ዝገበሮ ነገራት እስከ ንዘራረብ።

ስድራ​ቤት የሱስ: ካብታ እታ ጽብቕቲ ቤተ መቕደስ የሆዋ እትርከበሉ ከተማ የሩሳሌም መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ዚኸውን ርሒቖም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ እቲኣ ‘ቤት ኣቦይ’ ኢልዋ እዩ። ንሱን ስድራ​ቤቱን ዓመት ዓመት ፋስጋ ኼብዕሉ ይኸዱ ነበሩ።

ሓደ እዋን: የሱስ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ: ስድራ​ቤቱ ፋስጋ ኣብዒሎም ናብ ዓዶም ኪምለሱ ጕዕዞኦም ጀመሩ። ኣብ ዚሓድሩላ ቤት ምስ በጽሑ ግን: የሱስ ምስ ኣዝማዶምን ምስ ዚፈልጥዎምን ከም ዘየለ ፈለጡ። ስለዚ: ማርያምን ዮሴፍን ንየሱስ ኪደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኣበይ ዝነበረ ይመስለካ፧⁠—

ንየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸብዎ። ነቶም መምህራን ይሰምዖምን ሕቶታት ይሓቶምን ነበረ። ኪሓትዎ ኸለዉ ኸኣ ይምልሰሎም ነበረ። በቲ ዚህቦም ዝነበረ ጽቡቕ ምላሽ ከኣ ተገረሙ። ኣምላኽ ብወዱ እተሓጐሰሉ ምኽንያት ኣስተብሂልካሉዶ፧⁠—

ማርያምን ዮሴፍን ኣብ መወዳእታ ንየሱስ ምስ ረኸብዎ ሃድኡ። የሱስ ግን ኣይተጨነቐን ነይሩ። እቲ ቤተ መቕደስ ምሹእ ቦታ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ድማ ‘ኣብቲ ናይ ኣቦይ ቤት ኪኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧’ በሎም። እቲ ቤተ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ: ኣብኡ ኪኸውን ከኣ ይፈቱ ነበረ።

ብድሕሪኡ: ማርያምን ዮሴፍን ነቲ ወዲ 12 ዓመት ዝነበረ የሱስ ሒዞምዎ ናብ ናዝሬት ከዱ። የሱስ ምስ ወለዱ ዝነበሮ ርክብ ከመይ ዝነበረ ይመስለካ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ “ይእዘዞምውን ነበረ” ይብለና። እዚ እንታይ ማለት ይመስለካ፧⁠— እወ: ወለዱ ዝበልዎ ዘበለ ይገብር ነይሩ ማለት እዩ። ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ኻብ ዒላ ማይ ምምጻእ ዜጠቓልል ዕዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ።​—⁠ሉቃስ 2:41-52

እቲ ቘልዓ ዝነበረ የሱስ ንኣምላኽ ከመይ ገይሩ እዩ ኣሐጒስዎ፧

ብዛዕባ እዚ እሞ ሕሰብ:- ሽሕኳ የሱስ ፍጹም እንተ ነበረ: ነቶም ዘይፍጹማት ወለዱ ግን ይእዘዞም ነበረ። እዚ ንኣምላኽ የሐጕሶዶ ነይሩ፧⁠— ቃል ኣምላኽ ንቘልዑ ‘ንወለድኹም ተኣዘዝዎም’ ስለ ዚብል: ብርግጽ የሐጕሶ እዩ ነይሩ። (ኤፌሶን 6:1) ንስኻውን ከም የሱስ ንወለድኻ ትእዘዞም እንተደኣ ዄንካ: ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ትኽእል ኢኻ።

ንኣምላኽ ከነሐጕሰሉ እንኽእል ካልእ መገዲ ኸኣ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ብምንጋር እዩ። ገሊኦም ሰባት እዚ ቘልዑ ኺገብርዎ ዘለዎም ነገር ኣይኰነን ይብሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ሰባት ንቘልዑ ኸምዚ ኸይገብሩ ኪኽልክልዎም ምስ ፈተኑ: የሱስ “ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ: ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧” ኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 21:16) ስለዚ: ንሕናውን ኵላትና ንሰባት ብዛዕባ የሆዋን ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣምላኽ ምዃኑን ክንነግሮም ብሓቂ ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ክንነግሮም ንኽእል ኢና። ከምዚ እንተደኣ ጌርና ኸኣ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ኢና።

እቲ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ እንነግሮም ነገራት ካበይ ኢና እንመሃሮ፧⁠— ኣብ ገዛ ዄንና ኻብ እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ብዝያዳ ግን ኣብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ንኼጽንዑ ዚእከቡሉ ቦታ ኢና ኽንመሃር እንኽእል። ህዝቢ ኣምላኽ መን ምዃኖም ግን ከመይ ጌርና ኢና ኽንፈልጥ እንኽእል፧⁠—

እቶም ሰባት ኣብ ኣኼባታቶም እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ ብሓቂዶ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓሳባት እዮም ዚምህሩ፧ ኣንቢቦም ይመያየጡሉ ድዮም፧ ንኣምላኽ በዚ መገዲ እዚዶ ኣይኰንናን ክንሰምዖ እንኽእል፧⁠— ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትከ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚብል ክንሰምዕዶ ኣይኰንናን ትጽቢት እንገብር፧⁠— ይኹን እምበር: ሰባት ንህይወትካ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽትመርሕ የብልካን እንተ ዚብሉኻኸ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ህዝቢ ኣምላኽ እዮም ምበልካዮምዶ፧⁠—

ክንሓስበሉ ዘሎና ኻልእ ነጥቢ እውን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: ህዝቢ ኣምላኽ ‘ንስሙ ዝዀኑ ህዝቢ’ ዀይኖም ከም ዚቘሙ ይዛረብ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ስም ኣምላኽ የሆዋ ስለ ዝዀነ: ንሰባት ‘የሆዋ ኣምላኽኩም ድዩ፧’ ኢልና ኽንሓቶም ንኽእል ኢና። ኣይኰነን እንተደኣ ኢሎምና: ህዝቢ ኣምላኽ ከም ዘይኰኑ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ህዝቢ የሆዋ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ይዛረቡ እዮም። ትእዛዛቱ ብምሕላው ከኣ ንዕኡ ዘለዎም ፍቕሪ የርእዩ እዮም።​—⁠1 ዮሃንስ 5:3

ነዚ ዅሉ እተጠቕሰ ነገራት ዚገብሩ ሰባት ትፈልጥ እንተደኣ ዄንካ: ንኣምልኾ ምስኣቶም ክትእከብ ኣሎካ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ጽን ኢልካ ኽትሰምዕ: ሕቶታት ኪሕተት ከሎ ኸኣ መልሲ ኽትምልስ ኣሎካ። የሱስ ኣብ ቤት ኣምላኽ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኸምኡ እዩ ዚገብር ነይሩ። ከምዚ ትገብር እንተደኣ ዄንካ ኸኣ: ንስኻውን ከም የሱስ ንኣምላኽ ከተሐጕሶ ኢኻ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ንኣምላኽ ዘሐጐሱ ኻልኦት ቈልዑ ትፈልጥዶ፧⁠— ጢሞቴዎስ ሓደ ብሉጽ ኣብነት እዩ። ኣቦኡ ብየሆዋ ዚኣምን ኣይነበረን። ኤውንቄ ኣዲኡን ሎኢስ ዓባዩን ግን ብየሆዋ ዚኣምና እየን ነይረን። ጢሞቴዎስ ንዓታተን ይሰምዐን ነበረ: ብዛዕባ የሆዋ ኸኣ ተማህረ።

ኣቦኡ ኣማኒ እኳ እንተ ዘይነበረ: ጢሞቴዎስ እንታይ ኪገብር እዩ ዚደሊ ነይሩ፧

ጢሞቴዎስ እናዓበየ ምስ ከደ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ጢሞቴዎስ ዝነበረላ ኸተማ ኺበጽሕ ከደ። ክሳዕ ክንደይ ንየሆዋ ኼገልግል ይደሊ ኸም ዝነበረ ኸኣ ኣስተብሃለሉ። ስለዚ: ንኣምላኽ ብዝሰፍሐ መገዲ ምእንቲ ኼገልግል ኢሉ ምስኡ ኺማልኦ ዓደሞ። ኣብ ዝኸድዎ ዘበለ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ የሱስን ይነግሩ ነበሩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 16:1-5፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:14, 15

ይኹን እምበር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ኣብነት ተጠቒሶም ዘለዉ ንኣምላኽ ዘሐጐሱ ቘልዑ ኣወዳት ጥራይ ድዮም፧⁠— ኣይኰኑን። ብዛዕባ ንኣምላኽ ዘሐጐሰት ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል እውን ንርአ። ንሳ ብህይወት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ህዝቢ ሶርያን ህዝቢ እስራኤልን ተጻሊኦም ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ሶርያውያን ምስ እስራኤል ተዋግኡ እሞ ነዛ እስራኤላዊት ቈልዓ ማሪኾም ወሰድዋ። ናብ ቤት እቲ ንእማን ዚበሃል ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት ተወስደት። ኣብቲ ቤት እቲ ኸኣ ኣገልጋሊት ሰበይቲ ንእማን ኰነት።

ንእማን ደዌ ዚበሃል ሕማም ነበሮ። ሓኻይም ኪሕግዝዎ ኣይከኣሉን። እዛ እስራኤላዊት ቈልዓ ግን ሓደ ኻብቶም ፍሉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝዀነ ነብዪ ንንእማን ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ትኣምን ነበረት። ንእማንን ሰበይቱን ግን ንየሆዋ ኣየምልኹን እዮም ነይሮም። ስለዚ: እዛ ቘልዓ እዚኣ ነቲ እትፈልጦ ነገር ክትነግሮም ነይ​ርዋዶ፧ ንስኻ እንተ ትኸውን እንታይ ምገ​በርካ፧⁠—

እዛ እስራኤላዊት ቈልዓ እዚኣ ንኣምላኽ ከመይ ገይራ እያ ኣሐጒሳቶ፧

እታ ንእሽቶ ጓል ‘ንእማን ናብቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ የሆዋ እንተ ዚኸይድ: ኻብ ደዌኡ ምሓወየ ነይሩ’ በለት። ንእማን ነታ ጓል ሰምዓ: ናብ ነብዪ የሆዋ ኸኣ ከደ። ከምቲ እቲ ነብዪ ዝበሎ ምስ ገበረ ኸኣ ሓወየ። እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ዚኸውን ገበሮ።​—⁠2 ነገስት 5:1-15

ንስኻኸ ልክዕ ከምቲ እታ ንእሽቶ ጓል ዝገበረቶ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራትን ምእንቲ ኺፈልጡ ኽትሕግዞም ምደለኻዶ፧⁠— ንመን ክትሕግዝ ምኸኣልካ፧⁠— ልክዕ እዩ: መጀመርታ ሓገዝ ዜድልዮም ኰይኑ ኣይስምዖምን ይኸውን። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዚገበሮ ሰናይ ነገራት ክትዛረቦም ትኽእል ኢኻ። ምናልባት እውን ይሰምዑኻ ይዀኑ። እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኸም ዜሐጕሶ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።

ንኣሽቱ ንኣምላኽ ብምግልጋል ሓጐስ ኪረኽቡ ዜተባብዕ ተወሳኺ ሓሳባት ኣብ መዝሙር 122:1፣ 148:12, 13መክብብ 12:1፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:12፣ ከምኡውን እብራውያን 10:23-25 ኪርከብ ይከኣል እዩ።