ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 9

ንፈተናታት ክንቃወሞ የድልየና

ንፈተናታት ክንቃወሞ የድልየና

ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገር ንኽትገብር ተዛሪቡካዶ ይፈልጥ፧⁠— ንኽትገብሮ ደፋፊኡካ ድዩ፧ ወይስ እንተደኣ ጌርካዮ ኸም እትሕጐሰሉን ክሳዕ ክንድቲ ጌጋ ኸም ዘይኰነን እዩ ነጊሩካ፧⁠— ሓደ ሰብ ከምዚ ምስ ዚገብር ይፍትነካ እዩ ዘሎ።

ምስ እንፍተን እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኢድና ብምሃብ ጌጋ ኽንገብር ይግብኣናዶ፧⁠— ከምዚ ምግባር ንየሆዋ ኣየሐጕሶን እዩ። መን ከም ዚሕጐስ ግን ትፈልጥዶ፧⁠— እወ: ሰይጣን ድያብሎስ እዩ ዚሕጐስ።

ሰይጣን ጸላኢ ኣምላኽ እዩ: ንዓናውን ጸላኢና እዩ። መንፈስ ስለ ዝዀነ ኽንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና። ንሱ ግን ኪርእየና ይኽእል እዩ። ሓደ መዓልቲ ድያብሎስ ንየሱስ እቲ ዓብዪ መምህር ኪፍትኖ ጸዓረ። የሱስ እንታይ ከም ዝገበረ ንርአ። በዚ ድማ ንሕናውን ክንፍተን ከለና: ቅኑዕ ዘበለ ኽንገብር ከም ዘሎና ኽንፈልጥ ኢና።

የሱስ ምስ ተጠምቀ እንታይ እዩ ኺዝክር ጀሚሩ፧

የሱስ ወትሩ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር እዩ ዚደሊ ነይሩ። ነዚ ድማ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብምጥማቕ ብጋህዲ ገሊጽዎ እዩ። ሰይጣን ንየሱስ ኪፍትኖ ዝደለየ ደድሕሪ ጥምቀቱ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ንየሱስ ‘ሰማያት ከም እተኸፍተሉ’ ይነግረና። (ማቴዎስ 3:16) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ንዅሉ እቲ ቕድም ኣብ ሰማይ ኰይኑ ምስ ኣቦኡ ዜሕልፎ ዝነበረ ህይወት ኪዝክሮ ኸም ዝጀመረ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

የሱስ ምስ ተጠምቀ ብዛዕባ እቲ ኺዝክሮ ዝጀመረ ነገራት ንኼስተንትን ኢሉ ናብ በረኻ ኸደ። ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ሓለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምንም ነገር ስለ ዘይበልዐ ኣዝዩ ጠመየ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸኣ እዩ ሰይጣን ንየሱስ ኪፍትኖ ዝጸዓረ።

ድያብሎስ ንየሱስ በእማን ገይሩ ዝፈተኖ ብኸመይ እዩ፧

ድያብሎስ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ: እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” በሎ። ሽዑ እንጌራ እንተ ዚረክብሲ ኣየ ኽንደይ ኰን ምተዓንገለ ነይሩ! እንተዀነ ግን: የሱስ ነእማን ናብ እንጌራ ኪቕይሮ ምኸኣለዶ ነይሩ፧⁠— እወ: ምኸኣለ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እዚ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ፍሉይ ክእለት ስለ ዘለዎ እዩ።

ድያብሎስ ንእምኒ ናብ እንጌራ ንኽትቅይሮ እንተ ዝሓተካ ነይሩስ ምቐየርካዮዶ፧⁠— የሱስ ጠምዩ እዩ ነይሩ። ሓንሳእ እንተ ዚቕይሮሲ እንታይ ጸገም ምሃለዎ፧⁠— የሱስ ንኽእለቱ በዚ ኣገባብ እዚ ኺጥቀመሉ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። የሆዋ ነዚ ኽእለት እዚ ዝሃቦ: ንሰባት ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺስሕቦም ኢሉ ደኣ እዩ እምበር: ንርእሱ ምእንቲ ኺጥቀመሉ ኢሉ ኣይኰነን።

ስለዚ ድማ የሱስ ንሰይጣን ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ዘሎ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በሎ። የሱስ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ምግባር ካብ ምግቢ ንላዕሊ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ይኹን እምበር: ድያብሎስ እንደገና ፈተና ኣቕረበሉ። ንየሱስ ናብ የሩሳሌም ወሰዶ እሞ ኣብታ ቤተ መቕደስ ኣብ በሪኽ ቦታ ደው ኣበሎ። ሰይጣን ‘መላእኽቲ ኣምላኽ ንኸይትጕዳእ ኪድግፉኻ ምዃኖም ዚነግር ጽሑፍ ስለ ዘሎ: ወዲ ኣምላኽ እንተደኣ ዄንካስ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ’ በሎ።

ሰይጣን ከምዚ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧⁠— ንየሱስ ናይ ዕሽነት ተግባር ንኺፍጽም ኪፍትኖ ደልዩ እዩ። የሱስ ግን ኣብዚ እውን ንሰይጣን ኣይሰምዖን። ‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ: ዚብል ጽሑፍ ኣሎ’ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ: ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ንየሆዋ ኺፍትኖ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።

ሰይጣን ድሕርዚ እውን እንተዀነ ኣይተሓለለን። ቀጺሉ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሰዶ። ንመንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ድማ ኣርኣዮ። ሽዑ ሰይጣን ንየሱስ “ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ: እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ።

ብዛዕባ እቲ ድያብሎስ ዘቕረቦ ህያብ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እዘን ኵለን መንግስትታት ደቅሰብሲ ብሓቂዶ ናይ ሰይጣን እየን፧⁠— የሱስ ንሰይጣን ‘ናትካ ኣይኰናን’ ኣይበሎን። ናይ ሰይጣን እንተ ዘይኰና ነይረን ከምኡ ምበሎ ነይሩ። እወ: ሰይጣን ብሓቂ ናይ ኵለን ሃገራት ዓለም ገዛኢ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” እዩ ዚብሎ።​—⁠ዮሃንስ 12:31

ሰይጣን ንየሱስ ንዅለን እዘን መንግስትታት ኬቕርበሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧

ድያብሎስ: ‘እንተ ሰጊድካለይ ሓደ ነገር ክህበካ እየ’ ኢሉ እንተ ዚመባጽዓልካ እንታይ ምገበርካ፧⁠— የሱስ ካብ ሰይጣን ዚረኽቦ ህያብ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ንድያብሎስ ምስጋድ ወይ ምምላኽ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ: ‘መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ: ይብል እዩ እሞ ኪድ ርሓቕ: ሰይጣን’ ዝበሎ።​—⁠ማቴዎስ 4:1-10፣ ሉቃስ 4:1-13

እንተ ትፍተን እንታይ ምገበርካ፧

ንሕና እውን ፈተናታት የጋጥመና እዩ። ገለ ኻብቲ ዜጋጥመና ፈተናታት ትፈልጦዶ፧⁠— ሓንቲ ኣብነት ክህበካ። ኣዴኻ ብሽኮቲ ወይ ዶልሺ ተዳሉ እሞ: መኣዲ ኽሳዕ ዚቐርብ ካብኡ ንኸይትበልዕ ትነግረካ ትኸውን። ኣዚኻ ስለ ዝጠመኻ ግን ንኽትበልዕ ትፍተን ትኸውን። እሞ ነዴኻ ኽትእዘዛ ዲኻ፧⁠— ሰይጣን ክትእዘዛ ኣይደልየካን እዩ።

ንየሱስ ዘክሮ። ንሱውን ኣዝዩ ጠምዩ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ምእዛዝ ካብ ምብላዕ ንላዕሊ ኸም ዜገድስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣዴኻ ዝበለትካ ምስ እትገብር ንየሱስ ከም እትመስል ኢኻ እተርኢ ዘለኻ።

ወይ ከኣ ገሊኦም ቈልዑ ብእተፈላለየ መልክዕ ሓሽሽ ክትወስድ ይፍትኑኻ ይዀኑ። እዚ ብሓቂ ደስ ዜብል ስምዒት ኬሕድረልካ እዩ ይብሉኻ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ሓሽሽ ሓደገኛ እዩ: ኬሕምመካ: አረ ኪቐትለካ እውን ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ሓደ ሰብ ሽጋራ ብምሃብ ‘ሰብኣይ እንተ ዄንካ እስከ ስተያ’ ኢሉ ኪደፋፍኣካ ይኽእል እዩ። ከምዚ እንተደኣ ኣጋጢሙካ እንታይ ኢኻ እትገብር፧⁠—

ንየሱስ ዘክሮ። ሰይጣን ንየሱስ ‘ካብ ቤተ መቕደስ ጽደፍ’ ብምባል ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ኼውድቕ ፈቲንዎ እዩ። የሱስ ግን ከምኡ ኣይገበረን። ሓደ ሰብ ሓደገኛ ነገራት ክትገብር እንተ ዚደፋፍኣካ እንታይ ምገበርካ፧⁠— የሱስ ንሰይጣን ኣይሰምዖን። ንስኻውን ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገራት ክትገብር ምስ ዚፍትነካ ኽትሰምዖ የብልካን።

ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ኽትጥቀም ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ መዓልቲ ንጣኦት ከተምልኽ ወይ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትግበሩ ዝበለና ነገራት ንኽትገብር ትሕተት ትኸውን። (ዘጸኣት 20:4, 5) እዚ ምስ ሓደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚግበር ጽምብል እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ ኻብ ቤት ትምህርቲ ኸም እትስጐጕ ይንገረካ ይኸውን። ከምዚ እንተ ዜጋጥመካ እንታይ ምገበርካ፧⁠—

ሓደ ቕኑዕ ነገር ኵሉ ሰብ ዚገብሮ እንተደኣ ዀይኑ: ንኽትገብሮ ቐሊል እዩ። ካልኦት ሕማቕ ንኽትገብር እናፈተኑኻ ቕኑዕ ምግባር ግን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዚገብርዎ ነገራት ክሳዕ ክንድቲ ሕማቕ ከም ዘይኰነ ይዛረቡ ይኹኑ። እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ግን: ‘ኣምላኽ ብዛዕባኡ እንታይ ይብል፧’ ዚብል እዩ። ካብ ኵልና ንላዕሊ ንሱ ይፈልጥ።

ስለዚ እምበኣር: ካልኦት ዚብልዎ ብዘየገድስ ነቲ ኣምላኽ ኣይትግበርዎ ዝበለና ሕማቕ ነገራት ፈጺምና ኽንገብሮ የብልናን። በዚ መገዲ እዚ ንኣምላኽ ነሐጕሶ: ንድያብሎስ ከኣ ፈጺምና ኣይከነሐጕሶን ኢና።

ሕማቕ ንኽንገብር ንዚመጸና ፈተናታት ብኸመይ ክንዋጽኣሉ ኸም ዘሎና ዚገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መዝሙር 1:1, 2፣ ምሳሌ 1:10, 11፣ ማቴዎስ 26:41፣ ከምኡውን 2 ጢሞቴዎስ 2:22 ኪርከብ ይከኣል እዩ።