ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 39

ኣምላኽ ንወዱ ዘከሮ

ኣምላኽ ንወዱ ዘከሮ

የሱስ ኣልኣዛር ዓርኩ ኺመውት ከሎ በኽዩ እዩ። የሱስ ኪሳቐን ኪመውትን ከሎኸ የሆዋ ዝጐሃየዶ ይመስለካ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ በቲ ዚፍጸም ነገራት ‘ኪጕሂ’ ኸም ዚኽእል ይነግረና እዩ።​—⁠መዝሙር 78:40, 41፣ ዮሃንስ 11:35

የሆዋ እቲ ኽቡር ወዱ ኺመውት ኪርእዮ ኸሎ እተሰምዖ ስቓይሲ ኽትግምቶ ትኽእልዶ፧⁠— የሱስ: ኣምላኽ ከም ዘይርስዖ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ቀቅድሚ ሙማቱ “ኣቦይ: [ንህይወተይ] ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” ዝበለ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ።​—⁠ሉቃስ 23:46

የሱስ ከም ዚትንስእ ደኣ እምበር ኣብ “ሲኦል” ወይ መቓብር ከም ዘይተርፍ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ምስ ተንስአ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባኡ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሱ “ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ: ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ” ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:31፣ መዝሙር 16:10) እወ: ስጋ የሱስ ክሳዕ ዚጠፍእ: ወይ ከኣ መሽሚሹ ኽሳዕ ዚጨኑ ኣይጸንሐን።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ መቓብር ነዊሕ ግዜ ኸም ዘይጸንሕ ነጊርዎም ነበረ። “ኪቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኪትንስእን” ምዃኑ ገሊጹሎም ነበረ። (ሉቃስ 9:22) ስለዚ: ምስ ተንስአ: ንደቀ መዛሙርቱ ዘይተጸበይዎ ኪዀኖም ኣይነበሮን። ንሳቶም ግን ዘይተጸበይዎ ድዩ ዀይንዎም፧⁠— እስከ ንርአ።

እቲ ዓብዪ መምህር ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ ዝሞተሉ እዋን: ዓርቢ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ነይሩ። እቲ ሃብታም ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ዝነበረ ዮሴፍ: ብሕቡእ ብየሱስ ይኣምን ነበረ። ከም ዝሞተ ምስ ፈለጠ ኸኣ ናብቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጲላጦስ ከይዱ ኻብ ዕንጨይቲ ኣውሪዱ ኪቐብሮ ኺፈቕደሉ ሓተቶ። ምስ ተፈቕደሉ ኸኣ ናብ ሓደ መቓብር ዝነበሮ ስፍራ ኣታኽልቲ ወሰዶ።

ኣብ መቓብር ኣእትዩ ኸኣ ብዓብዪ እምኒ ዓጸዎ። ድሕርዚ ሰንበት ሳልሰይቲ መዓልቲ መጸት። ጸሓይ ስለ ዘይበረቐት: ጸልማት እዩ ነይሩ። ነቲ መቓብር ዚሕልዉ ሰባት ከኣ ነበሩ። ኪሕልውዎ ዝለኣኽዎም ሊቃውንቲ ኻህናት እዮም። ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበሩስ ትፈልጥዶ፧⁠—

እቶም ካህናት እውን የሱስ ከም ዚትንስእ ምዝራቡ ሰሚዖም ነይሮም እዮም። ስለዚ: እቶም ካህናት: ደቀ መዛሙርቱ ንስጋ የሱስ ሰሪቖም ተንሲኡ እዩ ምእንቲ ኸይብሉ ሓለውቲ ገበሩ። ብሃንደበት: ምድሪ ኼንቀጥቅጥ ጀመረ። ኣብቲ ጸልማት ከኣ ነጸብራቕ ብርሃን ተራእየ። መልኣኽ የሆዋ ኸኣ እዩ ነይሩ። እቶም ሓለውቲ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ: ኪንቀሳቐሱ ኣይከኣሉን። እቲ መልኣኽ ናብቲ መቓብር ቀሪቡ ነቲ እምኒ ገልበጦ። እቲ መቓብር ከኣ ጥርሑ ተረፈ።

እቲ መቓብር ጥርሑ ዝተረፈ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይከ እዩ ኣጋጢሙ፧

እወ: ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ጸኒሑ ዝበሎ “ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ” እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:32) ኣምላኽ ንየሱስ ከምቲ ቕድሚ ናብ ምድሪ ምምጻኡ ዝነበሮ ኣካል ሂቡ እዩ ኣተንሲእዎ። ልክዕ ከምቲ መላእኽቲ ዘለዎም መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ ዀይኑ እዩ ተንሲኡ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ሰባት ምእንቲ ኺርእይዎ ግን ስጋዊ ኣካል ኪለብስ ነበሮ። ከምኡኸ ገይሩ ድዩ፧⁠— እስከ ንርአ።

ድሕርዚ ጸሓይ በረቐት። እቶም ወተሃደራት ከኣ ከዱ። ማርያም መግደላዊትን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝነበራ ኻልኦት ኣንስትን ናብቲ መቓብር ይኸዳ ነበራ። ንሓድሕደን ከኣ ‘ነቲ ዓብዪ እምኒ መን ኪግልብጠልና እዩ፧’ ተበሃሃላ። (ማርቆስ 16:3) ኣብቲ መቓብር ምስ በጽሓ ግን እቲ እምኒ ተገልቢጡ ጸንሐን። እቲ መቓብር ከኣ ጥርሑ ነበረ። ስጋ የሱስ ኣብኡ ኣይነበረን። ብኡንብኡ ማርያም መግደላዊት እናጐየየት ንገለ ኻብ ሃዋርያት የሱስ ክትረኽቦም ከደት።

እተን ካልኦት ኣንስቲ ኣብቲ መቓብር ተረፋ። ‘ስጋ የሱስ ኣበይ እዩ ኺህሉ ዚኽእል’ ኢለን ይሓስባ ነበራ። ሃንደበት ከኣ ብርቕርቕ ዚብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ተራእይወን። መላእኽቲ እዮም ነይሮም። ነተን ኣንስቲ ኸኣ ‘ንምንታይ ንየሱስ ኣብዚ ትደልያኦ ኣሎኽን፧ ንሱ ተንሲኡ እዩ። ቀልጢፍክን ኬድክን ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም’ በልወን። እተን ኣንስቲ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝጐየያ ኽትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መገዲ ኸኣ ሓደ ሰብኣይ ረኸበን። እቲ ሰብኣይ እቲ መን ምንባሩስ ትፈልጦዶ፧

የሱስ እዩ ስጋዊ ኣካል ለቢሱ ተራእይወን። ነተን ኣንስቲ ‘ኼድክን ንደቀ መዛሙርተይ ንገራኦም’ በለን። ኣዝየን ከኣ ተሓጐሳ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ረኸባኦም እሞ ‘የሱስ ብህይወቱ ኣሎ: ርኢናዮ ኢና’ በላኦም። ማርያም ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ብዛዕባ እቲ ጥርሑ ዝነበረ መቓብር ኣቐዲማ ነጊራቶም ነይራ እያ። ሕጂ ኸምዚ ኣብዚ እትርእዮ ዘለኻ ነቲ መቓብር ኪርእይዎ ኸዱ። ነቲ የሱስ ተጠቕሊልሉ ዝነበረ ዓለባ ረኣይዎ: እዚ ድማ ኪርድኦም ኣይከኣለን። የሱስ ተንሲኡ ኣሎ ኢሎም ኪኣምኑ ደለዩ: ግን ኪኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሎም ከኣ ሓሰቡ።

ጴጥሮስን ዮሃንስን እንታይ ኢሎም እዮም ዚሓስቡ ዘለዉ፧

ጸኒሑ ሽዑ ሰንበት: የሱስ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ እናኸዱ ኸለዉ ረኸቦም። ምስኦም እናኸደ ኸኣ ይዛረቦም ነበረ: እቲ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረ ስጋዊ ኣካል ስለ ዘይለበሰ ግን ከለልይዎ ኣይከኣሉን። ምስኦም ተመጊቡ ምስ ጸለየሎም ጥራይ እዮም ከለልይዎ ኽኢሎም። ኣዝዮም ስለ እተሓጐሱ ኸኣ ብዙሕ ኪሎ ሜተራት ተጓዒዞም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። የሱስ ንጴጥሮስ ከም ዝተንስአ ንኼእምኖ ኢሉ እተራእዮ ምናልባት ደድሕርዚ እዩ ዚኸውን።

ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ምሸት ከኣ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ሓቢሮም ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተኣኪቦም ነበሩ። እቲ መዓጹ ተሸጒሩ እዩ ነይሩ። የሱስ ሃንደበት ኣብ ማእከሎም ደበኽ በለ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ዓብዪ መምህር ከም ዝተንስአ ፈለጡ። ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱስ ሕስብ እሞ ኣብሎ።​—⁠ማቴዎስ 28:1-5፣ ሉቃስ 24:1-49፣ ዮሃንስ 19:​38-20:21

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝተንስአ ንኼረጋግጸሎም ን40 መዓልቲ ዚኣክል እተፈላለየ ስጋዊ ኣካላት እናለበሰ ይረኣዮም ነበረ። ሽዑ ኻብ ምድሪ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣቦኡ ተመልሰ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:9-11) ብኡንብኡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ: ኣምላኽ ንየሱስ ካብ ምዉታት ከም ዜተንስኦ ንዅሉ ሰብ ኪነግሩ ጀመሩ። ሽሕኳ እቶም ካህናት እንተ ወቕዕዎም: ንገለ ኻባታቶም ከኣ እንተ ቐተልዎም ስብከቶም ቀጸሉ። እንተደኣ ሞይቶም ኣምላኽ ከምቲ ንወዱ ዝዘከሮ ንዓታቶም እውን ከም ዚዝክሮም ይፈልጡ ነበሩ።

ብዙሓት ሰባት ዓመት ዓመት ኣብታ የሱስ ዝተንስኣላ መዓልቲ ብዛዕባ እንታይ እዮም ዚሓስቡ፧ ንስኻኸ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ እትሓስብ፧

እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስሲ ኻብዞም ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ኣየ ኽንደይ እተፈልዩ ዀን እዮም! ኣብ ገሊኡ ሃገራት ዚነብሩ ሰባት: ዓመት ዓመት ኣብታ የሱስ ዝተንስኣላ እትበሃል መዓልቲ: በዓል ትንሳኤ (ፋስጋ) ኺበዓል ከሎ ማንቲለን እተሰላለመ እንቋቝሖን ስለ ዚቐርብ ብዛዕባ እዚ ጥራይ እዮም ዚሓስቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ በዓል ትንሳኤ ዚቐርብ ማንቲለን እንቋቍሖን ዋላ ሓንቲ ኣይገልጽን እዩ። ብዛዕባ ንኣምላኽ ምግልጋል እዩ ዚገልጽ።

ንሕናውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ብምትንሳእ ዝገበሮ ዜደንቕ ነገር ንሰባት ብምንጋር ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝገበርዎ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ሰባት ኪቐትሉና እኳ እንተ ደለዩ: ፈጺምና ኽንፈርህ የብልናን። እንተ ሞይትና የሆዋ ኸምቲ ንየሱስ ዝዘከሮ ንዓናውን ኪዝክረና እዩ።

ኣምላኽ ነቶም ዜገልግልዎ ኸም ዚዝክሮም: አረ ኻብ ሞት እውን ከም ዜተንስኦም ምፍላጥናስ ዜሐጕስዶ ኣይኰነን፧⁠— ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ምፍላጥና ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እነሐጕሶ ንኽንፈልጥ ኬለዓዕለና ይግብኦ። ንኣምላኽ ብሓቂ ኸነሐጕሶ ኸም እንኽእልሲ ትፈልጥዶ፧⁠— ኣብ ዚቕጽል ብዛዕባ እዚ እስከ ንዘራረብ።

ብትንሳኤ የሱስ ምእማንና ተስፋና ንኸነጽንዕን እምነትና ንኸነደልድልን ኪሕግዘና ይግባእ። በጃኻ ግብሪ ሃዋርያት 2:22-36፣ 4:18-20፣ ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 15:3-8, 20-23 ኣንብብ።