ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 44

ኣዕሩኽና ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኪዀኑ ኣለዎም

ኣዕሩኽና ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኪዀኑ ኣለዎም

ኣዕሩኽ ዚበሃሉ እቶም ባህ ኢሉና ምስኣቶም ግዜና እነሕልፍ ሰባት እዮም። እንተዀነ ግን: ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪህልዉና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝበለጸ ዓርኪ ኪዀነና ዚኽእል ግን መን እዩ ምበልካ፧⁠— እወ: የሆዋ ኣምላኽ እዩ።

ብሓቂዶ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክንከውን ንኽእል ኢና፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ቐደም ዚነብር ዝነበረ ኣብርሃም “ዓርኪ ኣምላኽ” ከም እተባህለ ይነግረና። (ያእቆብ 2:23 ትርጕም 1990) ስለምንታይ ዓርኪ ኣምላኽ ከም እተባህለስ ትፈልጥዶ፧⁠— መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣምላኽ ስለ እተኣዘዞ ምዃኑ ይነግረና። ኣሸጋሪ ነገር ኪገብር ምስ ተነግሮ እውን ከይተረፈ ተኣዚዙ እዩ። ስለዚ እምበኣር: ዓርኪ የሆዋ ኽንከውን እንተደኣ ደሊና: ንኣብርሃምን ነቲ ዓብዪ መምህርን ብምምሳል ንኣምላኽ ዜሐጕስ ጥራይ ክንገብር ኣሎና።​—⁠ዘፍጥረት 22:1-14፣ ዮሃንስ 8:28, 29፣ እብራውያን 11:8, 17-19

ኣብርሃም “ዓርኪ የሆዋ” እተባህለ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ንሃዋርያቱ “ንስኻትኩም እዚ ዝአዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም: ኣዕሩኸይ ኢኹም” በሎም። (ዮሃንስ 15:14) ኵሉ እቲ የሱስ ንሰባት ዚነግሮም ዝነበረ ነገራት ካብ የሆዋ ዝመጸ ብምዃኑ: ኣዕሩኹ እቶም ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ ሰባት ምዃኖም እዩ ዚገልጽ ነይሩ። እወ: ኵሎም ኣዕሩኽ የሱስ ንኣምላኽ ዜፍቅሩ እዮም ነይሮም።

ገለ ኻብቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ እቲ ዓብዪ መምህር ዝነበሩ ሰባት ሃዋርያቱ እዮም። ስእሎም ኣብ ገጽ 75 ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። እዚኣቶም ምስኡ ይጐዓዙ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት እውን ይሕግዝዎ ነበሩ። የሱስ መብዛሕትኡ ግዜኡ ምስኣቶም እዩ ዜሕልፎ ነይሩ። ሓቢሮም ይበልዑ: ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቢሮም ይዘራረቡ: ካልእ ነገራት እውን ሓቢሮም ይዓዩ ነበሩ። ይኹን እምበር: የሱስ ብዙሓት ካልኦት ኣዕሩኽውን ነይሮምዎ እዮም። ምስኣቶም ይሓድር ነበረ: ሓቢሮም ከኣ ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ ነበሩ።

ሓንቲ ኻብተን የሱስ ዚሓድረለን ዝነበረ ስድራ​ቤታት: ካብታ ዓባይ ከተማ የሩሳሌም ውጽእ ኢልካ እትርከብ ዝነበረት ቢታንያ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እያ ነይራ። ኣባላት እታ ስድራ​ቤት ብዓል መን ከም ዝነበሩስ ትዝክሮምዶ፧⁠— ማርያምን ማርታን ኣልኣዛር ሓወንን እዮም ነይሮም። የሱስ ብዛዕባ ኣልኣዛር: ፈታዊኡ ወይ ዓርኩ ኸም ዝዀነ ተዛሪቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 11:1, 5, 11) የሱስ ነዞም ስድራ​ቤት እዚኣቶም ዜፍቅረሉን ምስኣቶም ዚሓድረሉን ዝነበረ ምኽንያት ንየሆዋ የፍቅሩን የገልግልዎን ስለ ዝነበሩ እዩ።

የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ መብዛሕትኡ ግዜ ምስዞም ስድራ​ቤት ዚሓድር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ስሞምከ ትፈልጦዶ፧

እዚ ኺበሃል ከሎ የሱስ ነቶም ንኣምላኽ ዘየገልግልዎ ዝነበሩ ሰባት ሕያውነት ኣየርእዮምን እዩ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ንዓታቶም እውን ሕያውነት የርእዮም ነይሩ እዩ። አረ ናብ ቤቶም እውን ከይተረፈ ብምኻድ ምስኣቶም ሓቢሩ ይበልዕ ነይሩ እዩ። ገሊኦም ንየሱስ “ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን” ዝበልዎ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዮም። (ማቴዎስ 11:19) የሱስ ናብ ኣባይቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዚኸይድ ዝነበረ ናብራ ህይወቶም ስለ ዝፈተዎ ኣይኰነን። ብዛዕባ የሆዋ ምእንቲ ኺነግሮም ኢሉ እዩ ዚበጽሖም ዝነበረ። ካብቲ ኽፉእ መገድታቶም ተቐይሮም: ንኣምላኽ ኬገልግልዎ እዩ ዚደልዮም ነይሩ።

ዘኬዎስ ኣብዛ ኦም እዚኣ ዝሓዀረ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ያሪኮ ኸምዚ ኣጋጢሙ እዩ። የሱስ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ በታ ኸተማ ይሓልፍ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ከኣ ነበሩ: ኣብ ማእከሎም ከኣ ዘኬዎስ ዚበሃል ሰብኣይ ነበረ። ዘኬዎስ ንየሱስ ኪርእዮ ደለየ። ሓጺር ስለ ዝነበረ ግን ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ ኺርእዮ ኣይከኣለን። ስለዚ: ንየሱስ ኪኸይድ ከሎ ምእንቲ ኺርእዮ ቕድሚት ጐይዩ ኣብ ኦም ደየበ።

የሱስ ናብታ ኦም ምስ መጸ: ኣንቃዕሪሩ ጠመተ እሞ ‘ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል እየ: ቀልጢፍካ ውረድ’ በሎ። ዘኬዎስ ግን ክፉእ ዚገብር ዝነበረ ሃብታም ሰብኣይ እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብ ቤት ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኪኸይድ ዝደለየ ስለምንታይ እዩ፧⁠—

የሱስ: ንናብራ ህይወት እቲ ሰብኣይ ስለ ዝፈተዎ ኣይኰነን። የግዳስ: ናብ ቤቱ ዝኸደ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪዛረቦ ስለ ዝደለየ እዩ። ንኺርእዮ ኢሉ ብዙሕ ከም ዝጸዓረ ስለ ዘስተብሃለሉ ኸም ዚሰምዖ ይፈልጥ ነበረ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሰባት እንታይ ዓይነት ናብራ ህይወት ኪነ​ብሩ ኸም ዘለዎም እተዛረቦ ነገራት ንኺነግሮ እዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ።

የሱስ ንዘኬዎስ ዝበጽሖ ስለምንታይ እዩ፧ ዘኬዎስከ እንታይ ኪገብር እዩ እተመባጽዐ፧

እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧⁠— ዘኬዎስ ንትምህርትታት የሱስ ፈተዎ። ንሰባት የታልሎም ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ጐሃየ: ነቲ ኺወስዶ ዘይግብኦ ዝነበረ ዝወሰዶ ገንዘብ ኪመልሶ ድማ ተመባጽዐ። ሰዓቢ የሱስ ከኣ ኰነ። ድሕርዚ ድማ እዮም የሱስን ዘኬዎስን ኣዕሩኽ ዝዀኑ።​—⁠ሉቃስ 19:1-10

ካብቲ ዓብዪ መምህር እንተደኣ ተማሂርና: ኣዕሩኽና ንዘይኰኑ ሰባት ክንበጽሖም ዲና፧⁠— እወ። ይኹን እምበር: ናብራ ህይወቶም ስለ ዝፈተናዮ ኣይኰንናን ናብ ገዛኦም እንኸይድ። ኣብቲ ሕማቕ ተግባራቶም እውን ኣይንሓብርን ኢና። ብዛዕባ ኣምላኽ ክንዛረቦም ስለ እንደሊ ኢና እንበጽሖም።

ብፍላይ ምስቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ግን ብዙሕ ግዜ ኸነሕልፍ ንደሊ ኢና። እቶም ቅኑዓት ኣዕሩኽ ዚበሃሉ: ኣምላኽ ዚፈትዎም ኪዀኑ ኣለዎም። ገሊኣቶም የሆዋ መን ምዃኑ እውን ዘይፈልጡ እዮም። ብዛዕባኡ ኺፈልጡ ዚደልዩ እንተደኣ ዀይኖም ግን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ከማና ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምስ ጀመሩ ግን ሽዑ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ክንከውን ንኽእል ኢና።

ሓደ ሰብ ጥዑይ ዓርኪ ድዩ ኣይኰነን ክንመዝነሉ እንኽእል ካልእ መገዲ እውን ኣሎ። ነቲ ዚገብሮ ነገራት ተዓዘቦ። ንገለ ሰባት ሕማቕ እናገበረ ብዛዕባኡ ዚስሕቕ ድዩ፧ ከምዚ ምግባር ግቡእዶ ምበልካዮ፧⁠— ወትሩ ኣብ ሽግር ይኣቱ ድዩ፧ ምስኡ ኣብ ሽግር ክንኣቱ ኸም ዘይንደሊ መቸም ፍሉጥ እዩ: ኣይኰነን ድዩ፧⁠— ወይ ከኣ ኰነ ኢሉ ኽፉእ ነገራት እናገበረ: ‘ኣይተተሓዝኩን’ እናበለ ይጀሃር ድዩ፧ ዋላ እኳ እንተ ዘይተታሕዘ ኣምላኽ ነቲ ዝገበሮ ርእይዎዶ ኣይኰነን፧⁠— ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ዚገብሩ ሰባት ክንተዓረረኾም ዚግባእ ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪዀኑና ይኽእሉዶ ምበልካ፧⁠—

መጽሓፍ ቅዱስካ እሞ ኣውጽእ: ኣብኡ ኣዕሩኽና ንህይወትና ብኸመይ ኪትንክፍዎ ኸም ዚኽእሉ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ። እታ ጥቕሲ ኣብ 1 ቈረንቶስ ምዕራፍ 15: ቍጽሪ 33 ትርከብ። ኣውጺእካያዶ፧⁠— ከምዚ ትብል:- “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።” እዚ ኺበሃል ከሎ ምስቶም ሕማቕ ዚገብሩ ሰባት ንተዓራረኽ እንተደኣ ዄንና: ንሕናውን ሕማቕ ንገብር ማለት እዩ። እቶም ጽቡቕ ዚገብሩ ኣዕሩኽ ግን ጽቡቕ ነገራት ክንገብር እዮም ዚሕግዙና።

ኣብ ህይወትና እቲ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ የሆዋ ምዃኑ ፈጺምና ኣይንረስዕ። ምስኡ ዘሎና ዕርክነት መቸም ከነበላሹ ኣይንደልን ኢና: ሓቀይ እንድየ፧⁠— ስለዚ እምበኣር: ምስቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ጥራይ ንኽንተዓራረኽ ኵሉ ሳዕ ጥንቁቓት ክንከውን ኣሎና።

ጥዑያት ኣዕሩኽ ምምራጽ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ ጥቕስታት ኣብ መዝሙር 119:115፣ ምሳሌ 13:20፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:22፣ ከምኡውን 1 ዮሃንስ 2:15 ይርከብ።