ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 25

እቶም ክፉእ ዚገብሩ ኪቕየሩ ይኽእሉ ድዮም፧

እቶም ክፉእ ዚገብሩ ኪቕየሩ ይኽእሉ ድዮም፧

ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ጥራይ እንተ ዚገብርሲ ዜሐጕስዶ ኣይምዀነን፧⁠— ይኹን እምበር: ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ነገራት ዚገብር ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ሓድሓደ ግዜ ዅላትና ጽቡቕ ጥራይ ክንገብር እናደለናውን ከይተረፈ ስለምንታይ ክፉእ ነገራት ከም እንገብርሲ ትፈልጥዶ፧⁠— ኵላትና ኽንውለድ ከለና ሓጢኣት ስለ ዝወረስና እዩ። ገሊኦም ሰባት ግን ብዙሕ ክፉእ ነገራት እዮም ዚገብሩ። ንኻልኦት ሰባት ይጸልኡ: ኰነ ኢሎም ከኣ ይጐድእዎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ተለዊጦም: ሕያዎት ኪዀኑ ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧⁠—

ነቶም ንእስጢፋኖስ ኣእማን ዚድርብዩሉ ዘለዉ ሰባት: ክዳንውቶም ዚሕልወሎም ዘሎ መንእሰይ እሞ ርኣዮ። ብእብራይስጢ ስሙ ሳውል ኪኸውን ከሎ: ብሮማ ኸኣ ጳውሎስ እዩ ዚበሃል ነይሩ። ሳውል: ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ናይቲ ዓብዪ መምህር ዝነበረ እስጢፋኖስ ኪቕተል ከሎ ባህ ኢልዎ ይርኢ ነበረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኽፉእ ነገራት ዚገብር ዝነበረ ስለምንታይ ምዃኑ ንርአ።

ሳውል: ኣባል እቶም ፈሪሳውያን ዚበሃሉ ጕጅለ ሃይማኖት እዩ ነይሩ። ፈሪሳውያን ዘንብብዎ ቓል ኣምላኽ እኳ እንተ ነበሮም: ብዝያዳ ነቲ ኻብ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖቶም ዝወሃቦም ዝነበረ ትምህርትታት እዮም ዜቕልቡሉ ነይሮም። እዚ ኸኣ ንሳውል ክፉእ ነገራት ኪገብር ኣለዓዓሎ።

እስጢፋኖስ ኣብ የሩሳሌም ኪእሰር ከሎ: ሳውል ኣብኡ ነበረ። እስጢፋኖስ ናብ ቤት ፍርዲ ተወስደ። ገለ ኻብቶም ፈራዶ ኸኣ ፈሪሳውያን እዮም ነይሮም። ንእስጢፋኖስ ክፉእ ነገራት እኳ እንተ ተዛረቡሉ: ንሱ ግን ኣይፈርሀን። ትብዓት ረኺቡ: ነቶም ፈራዶ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስን ጽቡቕ ምስክርነት ሃቦም።

እቶም ፈራዶ ግን በቲ ዚሰምዕዎ ባህ ኣይበሎምን። ዛጊት ብዛዕባ የሱስ ብዙሕ ፍልጠት ነይርዎም እዩ። ቍሩብ ግዜ ኣቐዲሞም እኳ ንየሱስ ኣቕቲሎምዎ እዮም። ድሕሪኡ ግን የሆዋ ንየሱስ ናብ ሰማይ ወሲድዎ እዩ። እቶም ፈራዶ ግን ኣካይዳኦም ኣብ ክንዲ ዚቕይሩ: ንደቀ መዛሙርቲ የሱስ ይጻረርዎም ነበሩ።

እቶም ፈራዶ ንእስጢፋኖስ ሒዞም ካብ ከተማ ኣውጽእዎ። ወቒዖም ኣውደቕዎ: ድሕሪኡ ድማ በእማን ገይሮም ቀጥቀጥዎ። ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ ኸኣ ሳውል ደው ኢሉ ይጥምት ነበረ። ንእስጢፋኖስ ምቕታሉ ኸኣ ቅኑዕ ኰይኑ ተሰምዖ።

ሳውል ንእስጢፋኖስ ምቕታል ቅኑዕ ኰይኑ እተሰምዖ ስለምንታይ እዩ፧

ሳውል ስለምንታይ ከምኡ ኸም እተሰምዖስ ትፈልጥዶ፧⁠— ኣብ ምሉእ ህይወቱ ፈሪሳዊ ስለ ዝነበረ: ትምህርቲ ፈሪሳውያን ቅኑዕ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚኣምኖ ነይሩ። ንፈሪሳውያን ከም ኣብነት ይርእዮም ስለ ዝነበረ ኸኣ ቀድሖም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 7:54-60

እስጢፋኖስ ምስ ተቐትለ: ሳውል እንታይ ገበረ፧⁠— ነቶም ዝተረፉ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኬጥፍእ ይጽዕር ነበረ። ናብ ኣባይቶም እናኸደ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ የእስሮም ነበረ። መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ ኻብ የሩሳሌም ኪወጹ ነበሮም: ብዛዕባ የሱስ ምስባኽ ግን ኣየቋረጹን።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:1-4

እዚ ድማ ንሳውል ነቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዝያዳ ኸም ዝጸልኦም ገበሮ። ስለዚ ድማ ናብ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ነቶም ኣብ ከተማ ደማስቆ ዝነበሩ ክርስትያናት ንኼእስር ፍቓድ ኪወሃቦ ሓተተ። ሳውል ከም እሱራት ገይሩ ናብ የሩሳሌም ኬምጽኦም እሞ ኬቕጽዖም እዩ ዚደሊ ነይሩ። ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከሎ ግን ዜደንቕ ነገር ኣጋጠሞ።

ንሳውል መን እዩ ዚዛረቦ ዘሎ፧ እንታይ ንኺገብርከ እዩ ዝለኣኾ፧

ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣንጸባረቐ: “ሳውል: ሳውል: ንምንታይ እትሰጐኒ፧” ዚብል ድምጺ ድማ ተሰምዐ። የሱስ እዩ ኻብ ሰማይ ዚዛረብ ነይሩ! እቲ ብርሃን ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ: ንሳውል ከም ዚዓውር ገበሮ: እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ከኣ ናብ ደማስቆ መሪሖም ወሰድዎ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ: የሱስ ንሓደ ኻብቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ብራእይ ተራእዮ። እቲ ወደ መዝሙር እቲ: ሃናንያ ይበሃል። የሱስ ንሃናንያ ናብ ሳውል ከይዱ: ኻብ ዑረቱ ኼጥዕዮን ኪዛረቦን ነገሮ። ሃናንያ ኸይዱ ብዛዕባ የሱስ እቲ ሓቂ ምስ ተዛረቦ: ሳውል ሓቂ ተቐበለ። ከም ቀደሙ ኺርኢ ጀመረ። ምሉእ ናብራ ህይወቱ ተቐየረ: እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከኣ ኰነ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 9:1-22

ሳውል ስለምንታይ ሕማቕ ነገራት ይገብር ከም ዝነበረስ ሕጂ ተረዲኡካዶ፧⁠— ክፉእ ነገራት ስለ እተማህረ እዩ። ነቶም ንኣምላኽ እሙናት ዘይነበሩ ሰባት እዩ ዚስዕብ ነይሩ። ኣባል ናይ ሓደ ብቓል ኣምላኽ ዘይኰነስ: በተሓሳስባ ሰባት ዚምራሕ ጕጅለ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ካልኦት ፈሪሳውያን ከም ቀደሞም ንኣምላኽ እናተጻረሩ ኸለዉ: ሳውል ከመይ ገይሩ እዩ ናብራ ህይወቱ ቐይሩ ጽቡቕ ኪገብር ዝጀመረ፧⁠— ሳውል ንሓቂ ይጸልእ ስለ ዘይነበረ እዩ። ስለዚ: ቅኑዕ እንታይ ምዃኑ ምስ ተነግሮ: ካብ ምስዓቡ ድሕር ኣይበለን።

ሳውል ደሓር መን ከም እተባህለኸ ትፈልጥዶ፧⁠— እወ: ናይ የሱስ ሃዋርያ ምስ ኰነ ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ ነይሩ። ጳውሎስ ካብ ናይ ካልኦት ንላዕሊ ዝበዝሐ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ኸም ዝጸሓፈ ኸኣ ኣይትረስዕ።

ከም ሳውል ዝኣመሰሉ ኪቕየሩ ዚኽእሉ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ይኹን እምበር: ሰባት ክፉእ ነገራት ከም ዚፍጽሙ ንኺገብር ኣጸቢቑ ዚጽዕር ኣካል ኣሎ። ንሱ መን ምዃኑስ ትፈልጦዶ፧⁠— የሱስ ንሳውል ኣብ መገዲ ደማስቆ ኺረኣዮ ኸሎ ብዛዕባኡ ተዛሪቡዎ ነበረ። ኣብ ሰማይ ኰይኑ ንሳውል ‘ንሰባት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን: ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም: እልእከካ ኣሎኹ’ በሎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 26:17, 18

እወ: ኵሎም ሰባት ክፉእ ንኺገብሩ ኺደፋፍእ ዚጽዕር ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ከቢድ ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧⁠— ኵላትና ኸምኡ ይስምዓና እዩ። ዜኽብዶ ኸኣ ሰይጣን እዩ። ቅኑዕ ክትገብር ኵሉ ሳዕ ቀሊል ከም ዘይከውን ዚገብር ካልእ ምኽንያት እውን ኣሎ። እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑስ ትፈልጦዶ፧⁠— ክንውለድ ከለና ሓጢኣት ስለ ዝወረስና እዩ።

ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ንምግባር ክፉእ ዘበለ ንምግባር ከም ዚቐለና ዚገብር መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሓጢኣት እዚ እዩ። ስለዚ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧⁠— እወ: ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ክንቃለስ ኣሎና። ከምዚ ኽንገብር ከለና: እቲ ዜፍቅረና የሱስ ከም ዚሕግዘና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ: ነቶም ክፉእ ዚገብሩ ዝነበሩ እሞ ደሓር ግን እተቐየሩ ሰባት ከም ዜፍቅሮም ኣርእዩ እዩ። ንኪቕየሩ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ንኣብነት: ምስ ብዙሓት ሰብኡት ጾታዊ ርክብ ዚገብራ ኣንስቲ ነበራ። እዚ ሕማቕ ተግባር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ከምዚ ዝገብራ ኣንስቲ ኣመናዝር እዩ ዚብለን።

የሱስ ነዛ ቕድም ክፉእ እትገብር ዝነበረት ሰበይቲ ይቕረ ዝበለላ ስለምንታይ እዩ፧

ሓደ መዓልቲ: ሓንቲ ኻብዚኣተን ዝዀነት ሰበይቲ ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዐት: ኣብ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ተቐሚጡ ኸሎ ናብኡ መጸት። ዘይቲ ኣብ ኣእጋር የሱስ ኣፍሲሳ: ንንብዓታ ብጸጕራ ገይራ ኻብ ኣእጋሩ ትደርዘሉ ነበረት። በቲ ዝገበረቶ ሓጢኣት ኣዝያ ጐሃየት: የሱስ ከኣ ይቕረ በለላ። ፈሪሳውያን ግን ይቕረ ኺበሃለላ ዚግባእ ኰይኑ ኣይተሰምዖምን።​—⁠ሉቃስ 7:36-50

የሱስ ንገለ ኻብቶም ፈሪሳውያን እንታይ ከም ዝበሎም ትፈልጥዶ፧⁠— ‘ኣመናዝር ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኦም ከም ዚኣትዋ’ ነገሮም። (ማቴዎስ 21:31) የሱስ እዚ ዝበለሉ ምኽንያት ኣመናዝር ኣሚነናኦ መገደን ስለ ዝቐየራ እዩ። ፈሪሳውያን ግን ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክፉእ ነገራት ካብ ምግባር ኣየቋረጹን።

ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ: ክፉእ ንገብር ከም ዘለና እንተደኣ ነጊሩና: ንኽንቅየር ፍቓደኛታት ክንከውን ይግባእ። የሆዋ እንታይ ክንገብር ከም ዚደልየና ምስ ፈለጥና ድማ ንኽንገብሮ ኽንህንጠ ይግባእ። ሽዑ የሆዋ ብኣና ኺሕጐስ እዩ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ኪህበና እዩ።

ክፉእ ካብ ምግባር ንኽንርሕቕ ምእንቲ ኺሕግዘና ሓቢርና መዝሙር 119:9-11፣ ምሳሌ 3:5-7፣ 12:15 ነንብብ።