ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 32

የሱስ ብኸመይ እዩ ዕቝባ ረኺቡ፧

የሱስ ብኸመይ እዩ ዕቝባ ረኺቡ፧

የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ንንኣሽቱን ነቶም ንገዛእ ርእሶም ኪከላኸሉ ዘይክእሉን ንምዕቛብ ዜደንቕ ነገራት ይገብር እዩ። ኣብ ሃገረ⁠-​ሰብ ብእግርኻ ኽትከይድ ከለኻ: የሆዋ ነዚ ዚገብረሉ ሓደ መገዲ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። መጀመርታ ግን ምኽንያቱ እንታይ ምዃኑ ኣይርድኣካን ይኸውን።

ኣብ ጥቓኻ ዑፍ ኣብ መሬት ዓሊባ ትርኢ። እተጐድአት እያ እትመስል። ንሓደ ኻብ ኣኽናፋ ወይ መንገብገባ ጐሰስ ተብሎ: እንተ ቐሪብካያ ኸኣ ትርሕቕ። ስቕ ኢልካ እንተደኣ ስዒብካያ: እናረሓቐት ትኸይድ። ድሕሪኡ ብሃንደበት ትነፍር። መንገብገባ ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን። እታ ዑፍ እንታይ ትገብር ከም ዝነበረትሲ ትፈልጥዶ፧⁠—

ኣብ ጥቓ እቲ እታ ዑፍ ዝዓለበትሉ ቦታ ጨቓዊታ ኣብ ቁጥቋጥ ተሓቢአን ኣለዋ። ኣዲአን ናብ ጨቓዊታ ኼድካ ኸይትጐድአን ስለ ዝፈርሀት ከኣ እያ ኸም እተጐድአት ኣምሲላ ኻብ ደቃ ኣርሒቓ እትወስደካ። ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ዑፍ ንደቃ እትከላኸለለን መን ከም ዚከላኸለልና ትፈልጥዶ፧⁠— የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሓደ ንጨጨውቱ ወይ ንጨቓዊቱ ዚሓልየሎም ንስሪ ዚበሃል ዑፍ ተመሲሉ ኣሎ።​—⁠ዘዳግም 32:11, 12

እዛ ዑፍ እዚኣ ንጨቓዊታ ኸመይ ገይራ እያ እትከላኸለለን ዘላ፧

እቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበረ ወዲ የሆዋ: እቲ የሱስ ዚበሃል ዚፈትዎ ወዱ እዩ። የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኸም ኣቦኡ ሓያል መንፈሳዊ ኣካል እዩ ነይሩ። ርእሱ ኺከላኸል ዚኽእል እዩ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ሕጻን ኰይኑ ምስ ተወልደ ግን ርእሱ ኺከላኸል ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ: ዕቝባ ኣድለዮ።

የሱስ ነቲ ኣምላኽ ብእኡ ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ ዚደልዮ ነገራት ምእንቲ ኺፍጽም: ዓብዩ ፍጹምን ምሉእን ሰብኣይ ኪኸውን ነበሮ። እዚ ምእንቲ ኸይፍጸም ግን ሰይጣን ንየሱስ ኪቐትሎ ይደሊ ነበረ። የሱስ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንምቕታሉ እተገብረ ፈተነን የሆዋ ንኼዕቝቦ እተጠቕመሉ መገድታትን ክትሰምዖ ዚምስጥ ዛንታ እዩ። ነዚ ዛንታ እዝስ ክትሰምዖ ምደለኻዶ፧⁠—

የሱስ ምስ ተወልደ ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ሰይጣን ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኰዀብ ዚመስል ነገር ከም ዜንጸባርቕ ገበረ። ብዛዕባ ከዋኽብቲ መጽናዕቲ ዜካይዱ “ሰብ ጥበብ:” ነቲ ኰዀብ በማእታት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ተጓዒዞም ክሳዕ የሩሳሌም ሰዓብዎ። ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ኸኣ እቲ ንጉስ ኣይሁድ ዚኸውን ሕጻን ኣበይ እዩ ዚውለድ ኢሎም ሓተቱ። እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ዚፈልጡ ሰባት ከኣ “ኣብ ቤት⁠-​ልሄም” ኢሎም መለሱሎም።​—⁠ማቴዎስ 2:1-6

እቶም ሰብ ጥበብ ንየሱስ ምስ በጽሕዎ: ኣምላኽ ምእንቲ ኼድሕኖ ኢሉ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃቦም፧

እቲ ኣብ የሩሳሌም ክፉእ ንጉስ ዝነበረ ሄሮድስ: እዚ ሓድሽ ንጉስ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብታ ጥቓኡ ዝነበረት ከተማ ቤት⁠-​ልሄም ከም እተወልደ ምስ ሰምዐ ነቶም ሰብ ጥበብ ‘ነቲ ሕጻን ደሊኹም ርኸብዎ እሞ ተመሊስኩም ንገሩኒ’ በሎም። ሄሮድስ ንየሱስ ኣበይ ከም ዚረኽቦ ኺፈልጥ ዝደለየ ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧⁠— ካብ ቅንኢ ተላዒሉ ኪቐትሎ ስለ ዝደለየ እዩ።

ኣምላኽ ንወዱ ብኸመይ እዩ ኣዕቚብዎ፧⁠— እቶም ሰብ ጥበብ ንየሱስ ምስ ረኸብዎ ህያብ ሃብዎ። ዳሕራይ ኣምላኽ ነቶም ሰብ ጥበብ ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ብሕልሚ ኣጠንቀቖም። ስለዚ: ናብ የሩሳሌም ከይተመልሱ ብኻልእ መገዲ ገይሮም ናብ ዓዶም ከዱ። ሄሮድስ እቶም ሰብ ጥበብ ከም ዝኸዱ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ንየሱስ ኪቐትሎ ስለ ዝደለየ ኸኣ ንዅሎም እቶም ትሕቲ ኽልተ ዓመት ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ሕጻናት ቀተሎም። የሱስ ግን ካብቲ ቦታ ግዒዙ ነበረ።

የሱስ ብኸመይ ከም ዘምለጠስ ትፈልጥዶ፧⁠— እቶም ሰብ ጥበብ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ: የሆዋ ንዮሴፍ ሰብ​ኣይ ማርያም: ተንሲኡ ናብ ግብጺ ኺሃድም ኣጠንቀቖ። ኣብኡ እቲ ኽፉእ ሄሮድስ ኪረኽቦ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ማርያምን ዮሴፍን ምስ የሱስ ካብ ግብጺ ምስ ተመልሱ: ኣምላኽ ንዮሴፍ ካልእ መጠንቀቕታ ሃቦ። ብደሓን ምእንቲ ኺነብር ናብ ናዝሬት ኪኸይድ ከም ዘለዎ ብሕልሚ ነገሮ።​—⁠ማቴዎስ 2:7-23

እቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ኣብ ካልእ እዋን ዕቝባ ኺረክብ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ንወዱ ብኸመይ ከም ዘዕቘቦስ ርኢኻዶ፧⁠— ከምተን ኣዲአን ኣብ ቍጥቋጥ ዚሓብኣተን ጨቓዊት ወይ ከኣ ከምቲ የሱስ ሕጻን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዕቝባ ዚደልስ መን እዩ ምበልካ፧ ንስኻዶ ኣይኰንካን፧⁠— ንዓኻውን ኪጐድኡኻ ዚደልዩ ኣለዉ። ነዚኣቶም ትፈል​ጦምዶ፧⁠—

መጽሓፍ ቅዱስ: ሰይጣን ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ኺውሕጠና ኸም ዚደሊ ይነግረና። ልክዕ ከምቲ ኣናብስ መብዛሕትኡ ግዜ ንንኣሽቱ እንስሳታት ዜጥቅዑ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን እውን መብዛሕትኡ ግዜ ንቘልዑ እዮም ዜጥቅዑ። (1 ጴጥሮስ 5:8) የሆዋ ግን ካብ ሰይጣን ስለ ዚሕይል: ንደቁ ኼዕቝቦም ወይ ካብ ኵሉ እቲ ሰይጣን ዜውርደሎም መጥቃዕቲ ኺከላኸለሎም ይኽእል እዩ።

ኣብ ምዕራፍ 10 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ድያብሎስን ኣጋንንቱን እንታይ ክንገብር ከም ዚደልዩና እተመሃርናዮ ትምህርትስ ትዝክሮዶ፧⁠— እወ: ነቲ ኣምላኽ ጌጋ እዩ ዝበሎ ዓይነት ጾታዊ ርክብ ክንገብር እዮም ዚደልዩና። ይኹን እምበር: መን ጥራይ እዩ ጾታዊ ርክብ ኪገብር ዘለዎ፧⁠— እወ: እተመርዓዉ ኣንጻር ጾታ ዝዀኑ ኽልተ ዓበይቲ ሰባት ጥራይ እዮም።

እቲ ዜሕዝን ግን ገሊኦም ዓበይቲ ምስ ቈልዑ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ይደልዩ እዮም። ከምኡ እንተደኣ ገይሮም ከኣ ኣወዳትን ኣዋልድን እውን ነቲ ኻብዞም ዓበይቲ እተመሃርዎ ኽፉእ ነገራት ኪገብሩ ይጅምሩ። ንሳቶም እውን ንጾታዊ ኣካላቶም ብብዕልግና ኺጥቀሙሉ ይጅምሩ። ቀደም ኣብ ከተማ ሶዶም ከምኡ እዩ ኣጋጢሙ። መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ “ኣጕባዝን ኣረገውትን” ምስቶም ንሎጥ ኪበጽሕዎ ዝመጹ ሰብኡት ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ኸም ዝደለዩ ይነግረና።​—⁠ዘፍጥረት 19:4, 5

ስለዚ እምበኣር: ልክዕ ከምቲ የሱስ ዕቝባ ዘድለዮ: ንስኻውን ካብቶም ምሳኻ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ዚደልዩ ዓበይቲ​—⁠ካብ ካልኦት ቈልዑ እውን ከይተረፈ​—⁠ዜዕቝበካ የድልየካ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ እዞም ሰባት እዚኣቶም ፈተውትኻ መሲሎም እዮም ዚቐርቡ። አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ነቲ ምሳኻ ኺገብርዎ ዚደለዩ ነገር እንተደኣ ዘይነጊርካሎም: ገለ ዚህቡኻ ነገራት ኪቕርቡልካ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ግን ከም ሰይጣንን ኣጋንንቱን ስሱዓት እዮም: ደስታ ኺረኽቡ ጥራይ ከኣ እዮም ዚደልዩ። ነዚ ደስታ እዚ ኸኣ ምስ ቈልዑ ጾታዊ ርክብ ብምግባር እዮም ኪረኽብዎ ዚደልዩ። እዚ ዓብዪ ጌጋ እዩ!

ምእንቲ ኺድሰቱ እንታይ ከም ዚገብሩስ ትፈልጥዶ፧⁠— ጾታዊ ኣካላትካ ኺሓስይዎ ይፍትኑ እዮም። ወይ እውን ጾታዊ ኣካላቶም ምስቲ ናትካ ጾታዊ ኣካላት ኣላጊቦም ኪሓስይዎ ይፍትኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ብልዕትኻ ዋላ ሓደ ሰብ ኪሓስየልካ ኽትፈቅድ የብልካን። ንሓውካ ወይ ንሓብትኻ ወይ ነዴኻ ወይ ነቦኻ እውን ከይተረፈ ኽትፈቅድ የብልካን። እወ: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ፈጺምካ ኽትፈቕደሉ የብ​ልካን።

ሓደ ሰብ ብኽፉእ መገዲ ኽትንክፈካ እንተደኣ ፈቲኑ: እንታይ ኢኻ ኽትብልን ክትገብርን ዘሎካ፧

ካብቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኽፉእ ነገራት ዚገብሩ ሰባት ከመይ ጌርካ ኢኻ ዕቝባ ኽትረክብ እትኽእል፧⁠— ቅድሚ ዅሉ ጾታዊ ኣካላትካ ማንም ሰብ ኪትንክፈካ ኣይትፍቀድ። ሓደ ሰብ ከምዚ ኺገብር እንተደኣ ፈቲኑ: ዓው ኢልካ “ግደፍ! ክነግረልካ እየ!” በሎ። እቲ በደል ናትካ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኬቕርቦ እንተደኣ ፈቲኑ እውን ኣይትእመኖ። ሓቁ ኣይኰነን። መን ምዃኑ ብዘየገድስ ኬድካ ንገረሉ። ‘እዚ እንገብሮ ዘለና ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ጥራይ ዝተርፍ ምስጢር እዩ’ እንተበለካ እውን ክትነግረሉ ኣሎካ። እቲ ሰብ ጽቡቕ ነገራት ኪህበካ ምዃኑ እኳ እንተ ነገረካ: ወይ እውን እንተ ኣፈራርሃካ: ዝገበርካ ጌርካ ኻብኡ ኽትርሕቕን ክትነግረሉን ኣሎካ።

ክትፈርህ የብልካን: ክትጥንቀቕ ግን ኣሎካ። ወለድኻ ብዛዕባ ገለ ሓደገኛታት ዝዀኑ ሰባትን ቦታታትን እንተደኣ ኣጠንቂቖምኻ ስምዓዮም። እንተ ሰሚዕካዮም: ክፉእ ሰብ ንኺጐድኣካ ኣጋጣሚ ኣይትኸፍተሉን ማለት እዩ።

ካብ ብዕሉግ ጾታዊ ተግባራት ብኸመይ ክትዕቈብ ከም እትኽእል ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ ዘፍጥረት 39:7-12፣ ምሳሌ 4:14-16፣ 14:15, 16፣ 1 ቈረንቶስ 6:18፣ ከምኡውን 2 ጴጥሮስ 2:14 ኣንብብ።