ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 33

የሱስ ኬዕቝበና ይኽእል እዩ

የሱስ ኬዕቝበና ይኽእል እዩ

ንየሱስ ሓያል ንጉስ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ ወይስ ከም ሓደ ሓገዝ ዜድልዮ ሕጻን፧

የሱስ ዓብዪ ሰብ ምስ ኰነ እሞ ኣብ ግዜ ሕጻንነቱ ብኸመይ ዕቝባ ኸም ዝረኸበ ምስ ፈለጠ: ብጸሎት ንየሆዋ ዘመስገኖዶ ይመስለካ፧⁠— ማርያምን ዮሴፍን ናብ ግብጺ ብምውሳድ ንህይወቱ ኸም ዘድሓንዎ ምስ ፈለጠኸ እንታይ ኢሉ ዝነገሮም ይመስለካ፧⁠—

የሱስ: ሕጂ ሕጻን ከም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ምድሪ እውን ኣይኰነን ዚነብር ዘሎ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ እዋን እዚ ገለ ሰባት ብዛዕባ የሱስ ኪሓስቡ ኸለዉ ኣብ መብልዕ ማል ዘሎ ሕጻን ገይሮም ከም ዚሓስቡዎስ ኣስተብሂልካዶ ትፈልጥ፧⁠— በዓል ልደት ኪኽበር ከሎ ኣብ ሓያሎ ቦታታት የሱስ ሕጻን ከም ዘሎ ዘርኢ ስእልታት ምቕራቡ ናይዚ መርትዖ እዩ።

ሽሕኳ የሱስ ሎሚ ኣብ ምድሪ ይነብር እንተ ዘየሎ: ብህይወት ከም ዘሎስ ትኣምንዶ፧⁠— እወ: ካብ ምዉታት ተንሲኡ ኣብዚ ግዜ እዚ ሓያል ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ነጊሱ ኣሎ። ነቶም ዜገልግልዎ ንኼዕቝቦም እንታይ ኪገብረሎም ዚኽእል ይመስለካ፧⁠— የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነቶም ዜፍቅርዎ ብኸመይ ኬዕቝቦም ከም ዚኽእል ኣርእዩ እዩ። ሓደ መዓልቲ ብጃልባ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ወጸ: ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበሮ ንርአ።

እዋኑ ኣጋ ዕራርቦ እዩ ነይሩ። የሱስ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺምህር ወዓለ። እቲ ባሕሪ ንውሓቱ 20 ኪሎ ሜተር: ግፍሑ ኸኣ 12 ኪሎ ሜተር እዩ ነይሩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንዑናይ: ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር” በሎም። ስለዚ: ብጃልባ ነቲ ባሕሪ ኺሰግርዎ ጀመሩ። የሱስ ኣዝዩ ደኺሙ ስለ ዝነበረ: ናብ ድሕሪ እታ ጃልባ ኸይዱ ተተርኢሱ ደቀሰ። ከቢድ ድቃስ ከኣ ወሰዶ።

የሱስ ንንፋስን ንማዕበልን እንታይ እዩ ዚብሎ ዘሎ፧

ደቀ መዛሙርቱ ነታ ጃልባ ንምምራሕ ነቒሖም ነበሩ። ንግዜኡ ብዘ⁠ይ ገለ ጸገም እያ እትኸይድ ነይራ: ደሓር ግን ብሃንደበት ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተላዕለ። ኣበርቲዑ ይነፍስ ስለ ዝነበረ: እቲ ማዕበል እናወሰኸ ኸደ። እቲ ማዕበል ነታ ጃልባ ኺጸፍዓ ምስ ጀመረ ኸኣ ማይ መልአት።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ: ክንጥሕል ኢና ኢሎም ፈርሁ። የሱስ ግን ኣይፈርሀን። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ ኣብ ድሕሪ እታ ጃልባ ደቂሱ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ግን እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣበራቢሮም ‘መምህር: መምህር: ኣድሕነና: በዚ ማዕበል ባሕሪ ጠፋእና’ በልዎ። ሽዑ የሱስ ተንሲኡ ንንፋስን ንማዕበልን ‘ስቕ ኪብልን ኪሃድእን’ ገንሖ።

እቲ ንፋስ ከኣ ብኡንብኡ ዝግ በለ: እቲ ባሕሪ እውን ሃድአ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ደንጸ​ዎም። ቅድሚኡ ኸምኡ ርእዮም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ንሓድሕዶም ከኣ “እዚ ንንፋስን ማይን ዚእዝዞም እሞ ዚእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧” ተባሃሃሉ።​—⁠ሉቃስ 8:22-25፣ ማርቆስ 4:35-41

የሱስ መን ምዃኑስ ትፈልጦዶ፧⁠— ነቲ ዓብዪ ሓይሉ ኻበይ ከም ዝረኸቦኸ ትፈልጥዶ፧⁠— የሱስ ከም ማንም ሰብ ስለ ዘይነበረ: ደቀ መዛሙርቱ ንሱ ኣብ ማእከሎም ከሎ ኺፈርሁ ኣይነበሮምን። ማንም ሰብ ኪገብሮ ዘይክእል ዜገርም ነገራት ኪገብር ይኽእል ነይሩ እዩ። ሓደ እዋን ማዕበል ባሕሪ ተላዒሉ ኸሎ እንታይ ከም ዝገበረ ኽነግረካ እየ።

እዚ ድሕሪ ገለ ግዜ: ኣብ ካልእ መዓልቲ ዘጋጠመ እዩ። ምስ መሰየ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብጃልባ ናብ ስግር እቲ ባሕሪ ቐዲሞምዎ ኪኸዱ ነገሮም። ሽዑ የሱስ በይኑ ናብ ከረን ደየበ። ናብ ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ ኪጽልየሉ ዚኽእል ጸጥ ዝበለ ቦታ እዩ ነይሩ።

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብታ ጃልባ ኣትዮም ናብ ስግር እቲ ባሕሪ ኪኸዱ ጀመሩ። ሃንደበት ግን ንፋስ ኪነፍስ ጀመረ። እናበርትዐ ኸኣ ይነፍስ ነበረ። ለይቲ ድማ ኰነ። እቶም ሰባት ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም: እናጀለቡ ጕዕዞኦም ቀጸሉ። ይኹን እምበር: እቲ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ናብኦም ገጹ ይነፍስ ስለ ዝነበረ ነዊሕ ኪኸዱ ኣይከኣሉን። እታ ጃልባ በቲ ሓያል ማዕበል ንየው ነጀው ትብል ነበረት: ማይ ከኣ ኪኣትዋ ጀመረ። እቶም ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ ንኺበጽሑ ይጽዕሩ ነበሩ: ግን ኣይከኣሉን።

ሽዑ የሱስ ንበይኑ ኣብቲ ኸረን እዩ ነይሩ። ኣብኡ ነዊሕ እዩ ጸኒሑ። እንተዀነ ግን: ደቀ መዛሙርቲ በቲ ብርቱዕ ማዕበል ኣብ ሓደጋ ምህላዎም ኪርእዮም ከኣለ። ስለዚ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወሪዱ ናብቲ ገምገም ባሕሪ ኸደ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሕግዞም ስለ ዝደለየ: ኣብቲ ማዕበል ባሕሪ ብእግሩ ኪኸይድ ጀመረ።

ኣብ ልዕሊ ማይ ብእግርኻ ኽትከይድ እንተ ትፍትን ኔርካ እንታይ ምዀንካ፧⁠— ምጠሓልካ። የሱስ ግን እተፈልየ እዩ። ፍልይ ዝበለ ኽእለት ከኣ እዩ ዘለዎ። የሱስ ናብታ ጃልባ ንኺበጽሕ ነዊሕ እዩ ተጓዒዙ። ስለዚ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ብልዕሊ እቲ ማይ ኪመጾም ኪርእይዎ ኸለዉ ኣጋ ወጋሕታ ገጹ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: በቲ ዝረኣይዎ ኺኣምኑ ኣይከኣሉን። ኣዝዮም ስለ እተሸበሩ: ብፍርሂ ኣእወዩ። ሽዑ የሱስ “ኣጆኹም: ኣነ እየ: ኣይትፍርሁ” ኢሉ ተዛረቦም።

የሱስ ስለምንታይ እዩ ተኣምራት ዝገበረ፧

የሱስ ኣብታ ጃልባ ምስ ኣተወ: እቲ ንፋስ ሽዑ ንሽዑ ዝግ በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንደገና ተደነቑ። ኣብ ቅድሚ የሱስ ፍግም ኢሎም ብምስጋድ ከኣ “ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ” በልዎ።​—⁠ማቴዎስ 14:​22-33፣ ዮሃንስ 6:16-21

ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ትነብር እሞ የሱስ ነዚ ነገራት እዚ ኺገብር ከሎ እንተ ትርእዮሲ ኣይምተደነቕካንዶ፧⁠— የሱስ ነዚ ተኣምራት እዚ ስለምንታይ ከም ዝገበረስ ትፈልጥዶ፧⁠— ንደቀ መዛሙርቱ ስለ ዜፍቅሮምን ኪሕግዞም ይደሊ ስለ ዝነበረን እዩ። ነዚ ዝገበረሉ ኻልእ ምኽንያት ከኣ ነቲ ዝነበሮ ብርቱዕ ሓይሊ ኣብ ዚመጽእ ግዜ ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኼመሓድር ከሎ ኺጥቀመሉ ምዃኑ ንምርኣይ እዩ።

የሱስ ሎሚ ንሰዓብቱ ብኸመይ እዩ ዜዕቝቦም፧

ሰይጣን: ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ምእንቲ ኸይነግሩ ኢሉ ንኺዓናቕፎም ጻዕርታት ስለ ዚገብር: የሱስ ሎሚውን እንተዀነ ንሓይሉ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብዚ ተጻራሪ እዚ ንኼዕቝቦም ይጥቀመሉ እዩ። ይኹን እምበር: ሰዓብቱ ንኸይሓሙ ኼዕቝቦም ወይ ምስ ሓመሙ ንኼሕውዮም ኢሉ ኣይጥቀመሉን እዩ። ኵሎም ሃዋርያቱ እውን እንተዀነ ሞይቶም እዮም። ያእቆብ ሓው ዮሃንስ ተቐቲሉ እዩ: ዮሃ​ንስ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ እዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 12:​2፣ ራእይ 1:9

ሎሚ እውን እንተዀነ ተመሳሳሊ እዩ። እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎን ዘየገልግልዎን ሰባት ይሓሙን ይሞቱን እዮም። የሱስ ከም ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግዝኣቱ ምስ ጀመረ ግን ኵነታት ኪቕየር እዩ። ሽዑ የሱስ ንሓይሉ ንጥቕሚ ዅሎም እቶም ዚእዘዝዎ ስለ ዜውዕሎ ዚፈርህ ኣይኪህሉን እዩ።​—⁠ኢሳይያስ 9:6, 7

እቲ ኣምላኽ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገበሮ የሱስ: ዓብዪ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ዜርኢ ተወሳኺ ጥቕስታት ኣብ ዳንኤል 7:13, 14፣ ማቴዎስ 28:18፣ ከምኡውን ኤፌሶን 1:20-22 ርአ።