ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጠቕላላ ድምር 2022

ጠቕላላ ድምር 2022
  • ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፦ 86

  • ጸብጻብ ዝሃባ ሃገራት፦ 239

  • ድምር ጉባኤታት፦ 117,960

  • ኣብ መላእ ዓለም ዝነበሩ ተኣከብቲ በዓል ዝኽሪ፦ 19,721,672

  • ኣብ መላእ ዓለም ካብ ቅጫን ወይንን በዓል ዝኽሪ ዝወሰዱ፦ 21,150

  • ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ a፦ 8,699,048

  • ወርሓዊ ገምጋም ቍጽሪ ኣስፋሕቲ፦ 8,514,983

  • ኣብ ልዕሊ 2021 እተራእየ ሚእታዊ ወሰኽ፦ 0.4

  • ጠቕላላ ቝጽሪ ተጠመቕቲ b፦ 145,552

  • ወርሓዊ ገምጋም ፈለምቲ c ኣስፋሕቲ፦ 1,489,252

  • ወርሓዊ ገምጋም ሓገዝቲ ፈለምቲ ኣስፋሕቲ፦ 381,310

  • ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝወዓለ ጠቕላላ ሰዓታት፦ 1,501,797,703

  • ወርሓዊ ገምጋም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ d፦ 5,666,996

ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2022፡ e ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ፍሉያት ፈለምትን ሚስዮናውያንን ሓለውቲ ወረዳን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚገብርዎ ዕዮ ንምድጋፍ፡ ዳርጋ 242 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺኦም። ◼ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብድምር 21,629 ዝዀኑ እተመዘዙ ኣገልገልቲ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ይዓይዩ። ኵሎም ድማ ኣባላት እቲ ንፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዚምልከት ዓለምለኻዊ ስርዓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።

a ኣስፋሒ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብንጥፈት ንዜስፍሕ ወይ ንዚሰብኽ ሰብ የመልክት። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ቝጽሪ እዚ ብኸመይ ከም ዚውሰን ዚገልጽ ምሉእ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ “ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ብምጥማቕ ናይ የሆዋ ምስክር ምእንቲ ኽትከውን እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ከም ዘሎካ ዚገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org ኣቲኻ፡ “ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ፈላሚ ዚብሃል ኣብ ወወርሒ እተወሰነ ሰዓታት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኽ፡ ኣብነት ዚኸውን እተጠመቐ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ።

d ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org ኣቲኻ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

e ዓመት ኣገልግሎት 2022፡ ካብ 1 መስከረም 2021 ክሳዕ 31 ነሓሰ 2022 ይዝርጋሕ።