ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 3

ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኣሎካ

ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኣሎካ

ዓርኪ ኣምላኽ ንምዃን: ብዛዕባኡ ኽትመሃር ኣሎካ። ኣዕሩኽካ ስምካ ይፈልጥዎ: ብስምካ ኸኣ እዮም ዝጽውዑኻ። ኣምላኽ እውን ስሙ ኽትፈልጦን ብስሙ ኽትጽውዖን እዩ ዝደልየካ። ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ። (መዝሙር 83:18 NWማቴዎስ 6:9) እንታይ ከም ዝፈቱን እንታይ ከም ዝጸልእን እውን ክትመሃር ይግብኣካ። ኣዕሩኽቱን ጸላእቱን መን ምዃኖም ክትፈልጥ ኣሎካ። ንሓደ ሰብ ክትፈልጦ ግዜ ይወስድ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ግዜ ምምዳብ ጥበባዊ ምዃኑ እዩ ዝነግር።—ኤፌሶን 5:15, 16

ኣዕሩኽ ኣምላኽ ዘሐጕሶ ነገር እዮም ዝገብሩ። ብዛዕባ ኣዕሩኽካ እሞ ሕሰብ። ብሕማቕ ትሕዞምን ዝጸልእዎ ነገራት ትገብርን እንተደኣ ዄንካ ኣዕሩኽካ ኰይኖም ምቐጸሉዶ፧ ብርግጽ ኣይቅጽሉን እዮም! ብተመሳሳሊ መገዲ: ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ዘሐጒሶ ነገር ክትገብር ኣሎካ።—ዮሃንስ 4:24

ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ንኽትምስርት ዝመርሓኻ ኵለን ሃይማኖታት ኣይኰናን። እቲ ናይ ማሕርሮ ዓርኪ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ: ብዛዕባ ክልተ መገድታት ተዛረበ። እታ ሓንቲ መገዲ ገፋሕን ብሰባት ዝመልአትን እያ። ናብ ጥፍኣት ከኣ ትመርሕ። እታ ኻልአይቲ መገዲ ጸባብ ክትከውን ከላ: ብእኣ ዝጓዓዙ ድማ ሒደት ሰባት እዮም። ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ትመርሕ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ: ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክትምስርት ትደሊ እንተደኣ ዄንካ ንእኡ ኸተምልኸሉ እትኽእል ቅኑዕ ኣገባብ ኣምልኾ ኽትመሃር ኣሎካ ማለት እዩ።—ማቴዎስ 7:13, 14