ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 16

ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኣርኢ

ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኣርኢ

ምስ ዓርክኻ ዘሎካ ርክብ ቀጻሊ ንክኸውን: ምስኡ ኽትዘራረብ ኣሎካ። ንስኻ ጽን ኢልካ ትሰምዖ: ንሱውን ጽን ኢሉ ይሰምዓካ። ንኻልኦት እውን ብዛዕባ ዓርክኻ ጽቡቕ ነገራት ትነግሮም። ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን እውን ልክዕ ከምኡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዝብል እሞ ርአ:-

ምስ የሆዋ ብጸሎት ወትሩ ተዘራረብ። “ጸሎት ኣዘውትሩ።”—ሮሜ 12:12

ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ . . . ይጠቅም እዩ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ምሃር። “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”—ማቴዎስ 28:19, 20

ምስ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ተቐራረብ። “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20

ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ተኻፈል። “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል . . . ንሓድሕድና ንመዓዐድ።”—እብራውያን 10:24, 25

ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ደገፍካ ሃብ። “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ።”—2 ቈረንቶስ 9:7