ትምህርቲ 18
ንዘለኣለም ዓርኪ ኣምላኽ ኩን!
ከምቲ ዓርኪ ንኽህልወካ ጻዕሪ ዝሓትት: ምስ ዓርክኻ ዘሎካ ርክብ ቀጻሊ ንክኸውን እውን ጻዕሪ ይሓትት። እቲ ዓርኪ ኣምላኽ ንኽትከውንን ዓርኩ ዄንካ ንኽትቅጽልን እትገብሮ ጻዕሪ ኣጸቢቕካ ኽትባረኸሉ ኢኻ። የሱስ ነቶም ኣብኡ ዝኣምኑ ዝነበሩ: “እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም። (ዮሃንስ 8:32) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
ሕጂ ሓርነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ካብቲ ሰይጣን ዝዝርግሖ ሓሶታትን ሓራ ኽትወጽእ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ንህይወት ናይቶም ንየሆዋ ዘይፈልጥዎ ሚልዮናት ሰባት ዓብሊሉ ዘሎ ተስፋ ምቚራጽ: ሓራ ኽትወጽእ ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 8:22) ኣዕሩኽ ኣምላኽ ካብ “ፍርሃት ሞት” እውን ከይተረፈ ሓራ ወጺኦም እዮም።—እብራውያን 2:14, 15
ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ሓርነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መጻኢ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ሓርነት ኰን ኢኻ ኽትረክብ እትኽእል! ኣብታ ምድራዊት ገነት ውግእ: ሕማም: ከምኡውን ገበን ኣይክህሉን እዩ። ካብ ድኽነትን ጥሜትን እርጋንን ሞትን ሓራ ኽንከውን ኢና። ፍርሂ: ግፍዒ: ከምኡውን ምጕዳል ፍትሒ ኣይክህሉን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” ይብል።—መዝሙር 145:16
ሮሜ 6:23) መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ንዓኻ እንታይ ትርጕም ከም ዝህልዎ እሞ ሕስብ ኣብሎ!
ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም። ናይ ዘለኣለም ህይወት: ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ምስኡ ዕርክነት ዝምስርቱ ዝህቦም ክቡር ውህበት እዩ። (ብዙሕ ነገራት ንምግባር ግዜ ኽትረክብ ኢኻ። ምናልባት ሙዚቃ ኸመይ ጌርካ ኸም እትወቅዕ ክትመሃር ትደሊ ትኸውን። ስእሊ ብኸመይ ከም እትስእል ወይ ዕዮ ጽርበት ክትመሃር ትደሊ ትኸውን። ብዛዕባ እንስሳታት ወይ ኣታኽልቲ እውን ክትፈልጥ ትፈቱ ትኸውን። ወይውን ናብ እተፈላለየ ዓድታት ክትገይሽን ምስ እተፈላለዩ ሰባት ክትራኸብን ትደሊ ትኸውን። ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ ነዚ ዅሉ ኽትገብሮ የኽእለካ!
ብዙሓት ኣዕሩኽ ክትገብር ግዜ ኽትረክብ ኢኻ። ንዘለኣለም ምንባር ምስ ብዙሓት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንኽትፋለጥ ከኽእለካ እዩ። ክእለታቶምን ጽቡቕ ባህርያቶምን ክትፈልጦ ኢኻ: ንሳቶም እውን ኣዕሩኽካ ክዀኑ እዮም። ንስኻ ከተፍቅሮም ኢኻ: ንሳቶም እውን ከፍቅሩኻ እዮም። (1 ቈረንቶስ 13:8) መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ምርካብካ: ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ሰባት ብምሉኦም ንኽትተዓራረኾም ግዜ ንኽትረክብ ከኽእለካ እዩ! ካብ ኵሉ ዝበለጸ ኸኣ: ዘመናት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት እናዓበየን እናሓየለን ክኸይድ እዩ። ስለዚ: ንዘለኣለም ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ንምነየልካ!