ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 2

ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ዓርኪ ክዀነካ ይኽእል እዩ

ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ዓርኪ ክዀነካ ይኽእል እዩ

እቲ ዝበለጸ ኽትረኽቦ እትኽእል ነገር: ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን እዩ። ኣምላኽ ከመይ ጌርካ ሓጐስን ህድኣትን ክትረክብ ከም እትኽእል ክምህረካ: ካብ ብዙሕ ግጉይ እምነታትን ጐዳኢ ልምድታትን ከኣ ናጻ ኽገብረካ እዩ። ንጸሎትካ ክሰምዖ: ውሽጣዊ ሰላም ንኽትረክብን እምንቶ ንኸተጥርን ድማ ክሕግዘካ እዩ። (መዝሙር 71:5፣ 73:28) ኣምላኽ ኣብ ግዜ ጸበባ ኽድግፈካ እዩ። (መዝሙር 18:18) ዘለኣለማዊ ህይወት እውን ክህበካ እዩ።—ሮሜ 6:23

ናብ ኣምላኽ ምስ እትቐርብ: ናብ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክትቐርብ ኢኻ። ንሳቶም እውን ኣዕሩኽካ ይዀኑ። አረ ኸም ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ዝዀኑኻ። ብዛዕባ ኣምላኽ ተሓጒሶም ክምህሩኻን ክሕግዙኻን ከተባብዑኻን እዮም።

ምስ ኣምላኽ ማዕረ ኣይኰንናን። ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክትምስርት ክትደሊ ከለኻ: ክትፈልጦ ዘሎካ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ። ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምግባር ክበሃል ከሎ: ከምቲ ምስ መዘኑኻ እትገብሮ ዕርክነት ኣይኰነን። ንሱ ኻባና ኣዝዩ ዝዓበየን ዝያዳ ጥበብን ሓይልን ዘለዎን እዩ። ገዛኢና ክኸውን እውን ዝግብኦ እዩ። ስለዚ ኣዕሩኽቱ ክንከውን ንደሊ እንተደኣ ዄንና: ክንሰምዖን ዝብለና ዘበለ ኽንገብርን ኣሎና። እዚ ኸኣ ኵሉ ግዜ ንጽቡቕና እዩ።—ኢሳይያስ 48:18