ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 13

ኣስማትን ጥንቈላን ሕማቕ እዩ

ኣስማትን ጥንቈላን ሕማቕ እዩ

ሰይጣን ኣብ ኣስማት ክትጽጋዕ እዩ ዝደልየካ። ብዙሓት ካብ ሕማቕ ነገር ምእንቲ ኽከላኸልሎም ንኣባሓጎታቶም ወይ ንመናፍስቲ መስዋእቲ የቕርቡ እዮም። እዚ ዝገብሩ ድማ ንሓይልታት ናይ መናፍስቲ ዓለም ስለ ዝፈርሁ እዮም። ናይ ጥንቍልና ካትምን በናጅርን ይገብሩ። ኣስማታዊ ሓይሊ ኣለዎ ዝበሃል እተፈላለየ “ኣፋውስ” ይሰትዩ ወይ ብእኡ ገይሮም ንነብሶም ይደርዙ። ገለ ሰባት መከላኸሊ ሓይሊ ኣለዎ ኢሎም ንዝኣምንዎ ኣቅሓ ኣብ ገዝኦም ወይ ኣብ መሬቶም ይሓብእዎ። ገሊኣቶም ከኣ ንግዲ የዐምር: ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ፈተና የሕልፍ: ወይ ኣንጻር ጾታ ይስሕብ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ: ድጋም እተገብረሉ “ኣፋውስ” ይጥቀሙ።

ካብቲ ሰይጣን ዝፍንዎ መጥቃዕቲ ዕቝባ ንምርካብ እቲ ዝበለጸ መገዲ ዓርኪ የሆዋ ምዃን እዩ። የሆዋ ኣምላኽን መላእኽቱን ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣዝዮም ዝሓየሉ እዮም። (ያእቆብ 2:19፣ ራእይ 12:9) የሆዋ ነቶም ኣዕሩኽቱ ማለት ነቶም ምሉእ ብምሉእ ንእኡ እሙናት ዝዀኑ ንምድጋፍ ሓይሉ ኽጥቀመሉ ይደሊ እዩ።—2 ዜና መዋእል 16:9

ቃል ኣምላኽ: “ኣይተማርቱ” እዩ ዝብል። ኣስማትን ጥንቈላን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ድያብሎስ ስለ ዘእቱ የሆዋ ይዅንኖ እዩ።—ዘሌዋውያን 19:26