ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 9

ኣዕሩኽ ኣምላኽ መን እዮም፧

ኣዕሩኽ ኣምላኽ መን እዮም፧

የሱስ ክርስቶስ ወዲ የሆዋን እቲ ናይ ማሕርሮ ፍቑር ዓርኩን እዩ። የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምንባሩ: ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ነበረ። (ዮሃንስ 17:5) ብድሕርዚ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንኽምህር ናብ ምድሪ መጸ። (ዮሃንስ 18:37) ንእዙዛት ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ከድሕኖም ኢሉ ድማ ሰብኣዊ ህይወቱ ሃበ። (ሮሜ 6:23) ኣብዚ ግዜ እዚ የሱስ ንጉስ ናይታ ኣብ ምድሪ ገነት እተምጽእ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።—ራእይ 19:16

መላእኽቲ እውን ኣዕሩኽ ኣምላኽ እዮም። መላእኽቲ ኸም ሰባት ኣብ ምድሪ ኣይነብሩን እዮም። ኣምላኽ ንምድሪ ቅድሚ ምፍጣሩ እዮም ኣብ ሰማይ ተፈጢሮም። (እዮብ 38:4-7) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ መላእኽቲ ኣለዉ። (ዳንኤል 7:10) እዞም ሰማያውያን ኣዕሩኽ ኣምላኽ: ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ኽመሃሩ እዮም ዝደልዩ።—ራእይ 14:6, 7

ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ እውን ኣዕሩኽ ኣለዉዎ: መሰኻኽረይ ኢሉ ድማ ይጽውዖም። ሓደ ምስክር ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ነገር ዝፈልጦ ይነግር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ይነግሩ። (ኢሳይያስ 43:10) እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ልክዕ ከም መላእኽቲ ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ኽምህሩኻ እዮም ዝደልዩ። ንዓኻውን ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን እዮም ዝደልዩኻ።