ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 14

ኣዕሩኽ ኣምላኽ ካብ እከይ ይርሕቁ

ኣዕሩኽ ኣምላኽ ካብ እከይ ይርሕቁ

ሰይጣን ንሰባት እከይ ክገብሩ ይፍትኖም እዩ። ዓርኪ ኣምላኽ ክኸውን ዝደሊ ሰብ: ነቲ የሆዋ ዝጸልኦ ነገር ክጸልኦ ኣለዎ። (መዝሙር 97:10) ገለ ካብቲ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ከርሕቕዎ ዘለዎም ነገራት እንሆ:-

ጾታዊ ርኽሰት። “ኣይትዘሙ።” (ዘጸኣት 20:14) ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ጌጋ እዩ።—1 ቈረንቶስ 6:18

ስኽራን። “ሰካራት . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።”—1 ቈረንቶስ 6:10

ቅትለት: ምንጻል ጥንሲ። “ኣይትቕተል።”—ዘጸኣት 20:13

ስርቂ። “ኣይትስረቕ”።—ዘጸኣት 20:15

ሓሶት። የሆዋ “ሓሳዊት መልሓስ” ይጸልእ።—ምሳሌ 6:17

ዓመጻን ቍጥዓን። የሆዋ ‘ንፈታው ግፍዒ ይጸልኦ።’ (መዝሙር 11:5) “ግብሪ ስጋ. . . ቊጥዓ” የጠቓልል።—ገላትያ 5:19, 20

ጠላዕ። “ምስ ሓደ . . . ስሱዕ . . . ኸይትጽምበሩ።”—1 ቈረንቶስ 5:11

ዓሌታውን ቀቢላውን ጽልኢ። “ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ: ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።”—ማቴዎስ 5:43, 44

ኣምላኽ ዝነግረና ነገራት ንጽቡቕና እዩ። እከይ ካብ ምግባር ክትርሕቕ ኵሉ ግዜ ቐሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። ብሓገዝ የሆዋን መሰኻኽሩን: ንኣምላኽ ዘጕሂ ነገራት ካብ ምግባር ክትቝጠብ ትኽእል ኢኻ።—ኢሳይያስ 48:17፣ ፊልጲ 4:13፣ እብራውያን 10:24, 25