ህዝበ-ክርስትያን ንኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ክሒዳ ኢያ
4ይ ክፋል
ህዝበ-ክርስትያን ንኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ክሒዳ ኢያ
1, 2. ገለ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ክብሪ ዝንኪ ስለምንታይ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን እንታይ ኢዩ ዝብል፧
1 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዉ ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማቕ ጠባይ ናይቶም ንስዕቦ ኢና ዝብሉ ሰባት: ንመጽሓፍ ቅዱስ ጐስዮምዎ ነቲ መጽሓፍ ዘለዎም ክብረት ድማ ነክዩ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ውግእ ዝመርሕ መጽሓፍ: ናይ ጸዓዱ መጽሓፍ: ከምኡውን ንመግዛእቲ ዝድግፍ መጽሓፍ ተባሂሉ ኢዩ። እዚ ግን ግጉይ ኣረኣእያ ኢዩ።
2 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኢዩ ተጻሒፉ: ነቲ ብስም ክርስትና ንነዊሕ እዋን እተኻየደ መግዛእታዊ ውግኣትን ስሱዕ ምዝመዛን ድማ ኣይድግፎን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ድኣስ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ: ነቲ የሱስ ዝማሃሮ ናይ ሓቂ ክርስትና ትምህርትታት ድማ ብምጽናዕ: መጽሓፍ ቅዱስ ንውግእ: ንስነ-ምግባራዊ ብልሽውና: ከምኡውን ንኻልኦት ምምዝማዝ ኣትሪሩ ከም ዝዅንኖ ክትርዳእ ኢኻ። እቲ ጕድለት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ: ናይቶም ስሱዓት ሰባት ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 13:1-6፣ ያእቆብ 4:1-3፣ 5:1-6፣ 1 ዮሃንስ 4:7, 8) ስለዚ ሕማቕ ጠባይ ናይቶም ኣንጻር እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ጽቡቕ ምኽሪ ዝነብሩ ስሱዓት ሰባት: ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ክቡር መዛግብቲ ከይትጥቀም ክኽልክለካ ኣይተፍቅድ።
3. ናይ ታሪኽ ጭብጥታት ብዛዕባ ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧
3 ምስቶም ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይስዕቡ ሰባት ዝጠቓለሉ ድማ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ህዝብታትን ሃገራትን ኢዮም። “ህዝበ-ክርስትያን” ክርስትና ኣስፋሕፊሕሉ ዝርከብ ናይ ዓለም ክፍሊ ተባሂሉ ኢዩ ዝግለጽ። ዝዓበየ ክፋሉ ድማ: ምስቲ ካብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ኣቢሉ ተፈላጥነት ዝረኸበ ናይ ቤተ-ክርስትያ ኣገባቡ ሓዊስካ: ምዕራባዊ ዓለም ኢዩ። ህዝበ-ክርስትያን ንዘበናት ዝኣክል መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዳ ነይሩ ኢዩ: ኣቕሽሽታ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምህሩን ወከልቲ ኣምላኽ ከኣ ምዃኖምን ተዛሪቦም ኢዮም። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽትን ሚስዮናውያንን ግን ነቲ ሓቂ ድዮም ዝምህሩ፧ ተግባሮም ብሓቂ ንኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ይውክል ድዩ፧ ክርስትናኸ ብሓቂ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ተራእዩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ካብቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ሃይማኖታ ግምባር ቀደም ዝዀነሉ ግዜ ኣትሒዛ: ህዝበ-ክርስትያን ጸላኢት ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ምዃና ተራእያ ኢያ። እወ: ናይ ታሪኽ ጭብጥታት ህዝበ-ክርስትያን ንኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዝኸሓደት ኢዩ ዘርኢ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነ ሰረተ-እምነታት
4, 5. ኣብያተ-ክርስትያናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይርከብ እንታይ ሰረተ-እምነታት ኢየን ዝምህራ፧
4 ናይ ህዝበ-ክርስትያን መሰረታዊ ሰረተ-እምነታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኰነስ ኣብ ናይ ግሪኽ: ግብጺ: ባቢሎን: ከምኡውን ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ጽውጽዋያት እተመስረተ ኢዩ። ከም ነፍሲ ሰብ ኣይትመውትን ኢያ: ኣብ ሲኦል ሓዊ ዘሎ ዘለኣለማዊ ስቓይ: መንጽሂ ቦታ: ከምኡውን ስላሴ (ሰለስተ ኣካላት ኣብ ሓደ ኣምላኽ) ዝኣመሰለ ትምህርትታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን ኢዩ።
5 ንኣብነት: ነቲ ሕማቕ ዝገበሩ ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ሲኦል ሓዊ ክሳቐዩ ኢዮም ዝብል ትምህርቲ ርአ። ብዛዕባ እዚ ሓሳብ እዚ ከመይ ይስምዓካ፧ ብዙሓት ሰባት ዘስገድግድ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦምዎ። ዘስካሕክሕ ስቓይ ከም ዘሕልፉ ብምግባር: ኣምላኽ ንሰባት ንዘለኣለም ከሳቕዮም ዘይምኽንታዊ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦምዎ። ከምዚ ዝበለ ኣረሜናዊ ሓሳብ ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ዝጻረር ኢዩ: ከመይሲ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝበለ ትምህርቲ ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ‘ኣብ ልቡ ዘይኣተወ’ ነገር ምዃኑ ኣነጺሩ ኢዩ ዝገልጽ።—ኤርምያስ 7:31፣ 19:5፣ 32:35
6. መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ትምህርቲ ሓሶት ምዃኑ ዘረጋግጽ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ንኣብያተ-ክርስትያናት ህዝበ-ክርስትያን ሓዊስካ ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ሃይማኖታት: ሰባት ኣብ ግዜ ሞት ናብ ሰማይ ወይ ሲኦል እትኸይድ ዘይትመውት ነፍሲ ከም ዘላቶም ይምህራ ኢየን። እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከምዚ ኢዩ ዝብል:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።” (መክብብ 9:5, 10) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ድማ ሰብ ኣብ ግዜ ሞት “ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ።—መዝሙር 146:4
7. ኣዳምን ሄዋንን ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓሶም ዝወረዶም መቕጻዕቲ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
7 ኣዳምን ሄዋንን ሕጊ ኣምላኽ ምስ ጠሓሱ: እቲ መቕጻዕቲ ዘይሙማት ከም ዘይነበረ እውን ዘክር። ከምኡ እንተ ዝነብር: መቕጻዕቲ ዘይኰነስ ሽልማት ምዀነ ነይሩ! ኣብ ክንድኡ ግን: ‘ናብታ እተፈጥሩላ ምድሪ ክምለሱ’ ምዃኖም ኢዩ እተነግሮም። ኣምላኽ ንኣዳም “መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ብምባል ኣትሪሩ ተዛሪቡዎ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:19) ስለዚ: እቲ ነፍሲ ዘይመውት ባህርይ ኣለዋ ዝብል ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘይኰነስ: ህዝበ-ክርስትያን ካብቶም ቅድሚኣ ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት እተለቀሓቶ ኢዩ።
8. መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ሓሶት ምዃኑ ዘረጋግጽ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ናይ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት እውን ኣምላኽ ሰለስተ ኣካል ኣብ ሓደ ኣምላኽ ዝርከበሉ ምስጢር ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። እዚ ትምህርቲ እዚ እውን እንተዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ኢሳይያስ 40:25 ኣምላኽ ብንጹር “ክመዓራረዮስ: ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧” ኢዩ ዝብል። እቲ መልሲ ፍሉጥ ኢዩ:- ማዕሪኡ ክኸውን ዝኽእል ኣካል የለን። መዝሙር 83:18 እውን ብሕጽር ዝበለ “ንስኻ: ጐይታ [“የሆዋ:” NW ] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ኢያ ትብል። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ኢሳይያስ 45:5፣ 46:9፣ ዮሃንስ 5:19፣ 6:38፣ 7:16 እውን ርአ።
9. ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታትን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝምህርኦ ትምህርትታትን እንታይ ኢና ክንብል እንኽእል፧
9 እቲ ንኣምላኽን ዕላማታቱን ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ንጹር: ንምርድኡ ቀሊል: ከምኡውን ምኽንያታዊ ኢዩ። እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ትምህርትታት ግን ከምኡ ኣይኰነን። ካብኡ ዝገደደ ኸኣ: ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር ኢዩ።
ዘይኣምላኻዊ ተግባራት
10, 11. በየናይ መገድታት ኢዩ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ዝገብርኦ ዘለዋ ነገራት ክግበር ዝሓትት፧
10 ህዝበ-ክርስትያን ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት ምምሃራ: ንኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ብተግባራታ እውን ክሒዳ ኢያ። እቲ ኣቕሽሽትን ኣብያተ-ክርስትያናትን ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ዝገበርዎ: ገና ድማ ኣብዚ ግዜና ምግባሩ ዝቕጽሉ ዘለዉ ነገራት: ኣንጻር እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት: ከምኡውን ኣንጻር እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝማሃሮን ዝገበሮን ኢዩ።
11 ንኣብነት: የሱስ ንሰዓብቱ ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያትን ውግኣትን ናይዛ ዓለም እዚኣ ኢዶም ከየእትዉ ምሂርዎም ኢዩ። ኣፍቀርቲ ሰላምን ኣኽበርቲ ሕግን ክዀኑ: ንኸምኦም ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምርኣይ ናጻ ዝዀነ ፍቕሪ ክህልዎም: ናይ ካልኦት ሰባት ህይወት ኣብ ክንዲ ዘሕልፉ ህይወቶም ክስውኡ ፍቓደኛታት ክዀኑ እውን ከይተረፈ ምሂርዎም ኢዩ።—ዮሃንስ 15:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ 1 ዮሃንስ 4:20, 21
12. የሱስ ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት መለለዪ ምልክት እንታይ ክኸውን ኢዩ ዝበለ፧
12 ብርግጽ: የሱስ ንኻልኦት ሰባት ዘርእይዎ ፍቕሪ ንሓቀኛታት ክርስትያናት ካብቶም ናይ ሓሶት: ኣምሰሉ ክርስትያናት ዝፈልዮም ምልክት ክኸውን ከም ዘለዎ ኢዩ ምሂሩ። ነቶም ዝስዕብዎ ከምዚ በሎም:- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”—ዮሃንስ 13:34, 35፣ 15:12
13, 14. ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናት ንኣምላኽ ከም ዘይውክልኦ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
13 እንተዀነ ግን: ዘበን ሓሊፉ ዘበን ክትካእ: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ከእትዉን ነቲ ሃገራት ዘካይድኦ ውግእ ክድግፉን ጸኒሖም ኢዮም። ከምቲ ኣብዚ ዘበን እዚ እተኻየደ ክልቲኡ ናይ ዓለም ውግኣት ዝኣመሰለ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ህዝበ-ክርስትያን ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ወገናት እተገብረ ውግኣት እውን ከይተረፈ ደጊፎምዎ ኢዮም። ኣብቲ ግርጭታት እቶም ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ዓወት ክረኽቡ ጸልዮም ኢዮም: ኣባላት ናይ ሓንቲ ሃይማኖት ድማ ዜጋታት ካልእ ሃገር ንዝዀኑ ደቂ እምነቶም ቀቲሎምዎም ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከምዚ ዝገብሩ ደቂ ኣምላኽ ዘይኰኑስ ደቂ ሰይጣን ምዃኖም ኢዩ ዝዛረብ። (1 ዮሃንስ 3:10-12, 15) ስለዚ: ኣቕሽሽትን ሰዓብቶምን ክርስትያናት ኢና እኳ እንተ በሉ: ንትምህርትታት ናይቲ ንሰዓብቱ ‘ሴፍ ከየልዕሉ’ ዝነገሮም የሱስ ክርስቶስ ግን ተጻሪሮምዎ ኢዮም።—ማቴዎስ 26:51, 52
14 ኣብ ግዜ መዋእል ሃጸይነት ሃገራት ንኻልኦት ህዝብታት ክጐብጣ: ክማርኻ: ከምኡውን ክጭቍና ኸለዋ ኣብያተ-ክርስትያናት ንዘበናት ዝኣክል ምስ ፖለቲካውያን ሓይልታት ህዝበ-ክርስትያን ተሓባቢረን ኢየን። ኣብ ኣፍሪቃ ንዘበናት ዝኣክል እቲ ኵነታት ከምዚ ኢዩ ነይሩ። ቻይና እውን ከምቲ ኣብ እዋን ኦፕየም ዎርስ ከምኡውን ቦክሰር ረበልዮን ዝነበረ: ምዕራባውያን ሃገራት ብጐነጽ ጽልወአን ከስፋሕፍሓ ከለዋ ነዚ ተመኲራቶ ኢያ።
15. ህዝበ-ክርስትያን እንታይ ግፍዕታት ኢያ ዘውረደት፧
15 ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት ኣብ እዋን እቲ መዋእል ጸልማት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንዘበናት ዝቐጸለ ታሪኽ: ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኣተን ዘይተሰማምዑ ሰባት መስጐጕቲ: ስቓይ: ሞት እውን ከይተረፈ ንምውራድ ግምባር ቀደም ኰይነን ኢየን። ኣብ እዋን ናይቲ ንኣማእታት ዓመታት ዝቐጸለ ፍርዲ መናፍቓን: ኣብ ልዕሊ እቶም ጭዋታትን ንጹሃትን ሰባት ከም ስቓይን መቕተልትን ዝኣመሰለ ዘስካሕክሕ ተግባራት ክፍጸም ተኣዚዙ ኢዩ። ነዚ ግፍዒ እዚ ዘውርዱ ዝነበሩ እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ዝዀኑ ኣቕሽሽትን ሰዓብቶም ኢዮም ነይሮም። እቲ ተራ ህዝቢ ምእንቲ ከየንብቦ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከጥፍእዎ እውን ከይተረፈ ጽዒሮም ኢዮም።
ክርስትያናት ኣይኰኑን
16, 17. ኣብያተ-ክርስትያናት: ክርስትያናት ኣይኰናን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
16 ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃገራትን ኣብያተ-ክርስትያናትን ቀደም ክርስትያን ኣይነበሩን: ሕጂ እውን ኣይኰኑን። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣይኰኑን። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ብዛዕብኦም ከምዚ ኢዩ ዝብል:- “ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ: ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ።”—ቲቶስ 1:16
17 የሱስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብፍሪኡ ክልለ ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ። ከምዚ በለ:- “ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ: ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ: ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጹኹም። ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። . . . እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ: ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ: ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበኣርከ [ነቶም ናይ ሓሶት ነብያት] ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።”—ማቴዎስ 7:15-20
18. ካብቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ትምህርትታትን ተግባራትን እንታይ ፍረ ኢዩ እተረኽበ፧
18 ስለዚ: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምን ኢና: ንኣምላኽ ንፈርህ: ክርስትያናት ድማ ኢና ዝብልኦ: በቲ ዝምህርኦን ዝገብርኦን ሓሶት ምዃኑ ኣርእየን ኢየን። ንኣምላኽን ንመጽሓፍ ቅዱስን ክሒደን ኢየን። ከምዚ ብምግባረን ድማ: ብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ሰባት ኣፈንፊነናኦም ኣብቲ ዝለዓለ ኣካል ከም ዘይኣምኑ ኸኣ ገይረንኦም ኢየን።
19. ህዝበ-ክርስትያን ፈሺላ ማለት ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ፈሺሎም ማለት ድዩ፧
19 ይኹን እምበር: ኣቕሽሽትን ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያናትን: ከምኡውን ካብ ህዝበ-ክርስትያን ወጻኢ ዝርከባ ካልኦት ሃይማኖታት ፈሺለን ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ፈሺሉ ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ ፈሺሉ ማለት እውን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህላወ ናይ ሓደ ዝለዓለ ኣካል: ብዛዕባናን ብዛዕባ መጻኢናን ድማ ዝግደስ ምዃኑ ይነግረና ኢዩ። ነቶም ቅኑዕ ዘበለ ክገብሩ ዝደልዩ: ነቶም ፍትሕን ሰላምን ኣብ ብዘላ ምድሪ ሰፊኑ ክርእዩ ዝደልዩ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ብኸመይ ዓስቦም ከም ዝህቦም ይገልጸልና ኢዩ። ኣምላኽ ስለምንታይ እከይን ስቓይን ክህሉ ከም ዘፍቀደ ከምኡውን ንምድሪ ካብቶም ንኸምኦም ሰብ ዝጸልኡን ነገልግሎ ኢና ዝብሉ ግናኸ ዘየገልግልዎ ሰባት ብኸመይ ከም ዘጽርያ እውን ይገልጽ ኢዩ።
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ዳንተ “ኢንፌርኖ ”
[ምንጪ ስእሊ]
Doré’s illustration of Barrators—Giampolo for Dante’s Divine Comedy
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ህዝበ-ክርስትያን ስላሴ
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ሂንዱ ስላሴ
[ምንጪ ስእሊ]
Courtesy of The British Museum
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግብጺ ስላሴ
[ምንጪ ስእሊ]
Museo Egizio, Turin
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ክልቲኡ ወገን ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ኣንጻር ትምህርትታት የሱስ ብምኻድ ንውግእ ደጊፎም ኢዮም
[ምንጪ ስእሊ]
U.S. Army photo